Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሃይ ካብ ኤርትራ : ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዲፕሎማስያውን ኣህጉራውን ተነጽሎታት ንምንጋፍ፡ ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝቀንዐ ጽዑቕ ዘመተ ከካይድ ጀሚሩ

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ዲፕሎማስያውን ኣህጉራውን መዳያት ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎታትን ውርደትን ንምንጋፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝቀንዐ ጽዑቕ ዘመተ ከካይድ ከምዝጀመረ፡ ካብ ኣስመራ

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ዲፕሎማስያውን ኣህጉራውን መዳያት ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎታትን ውርደትን ንምንጋፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝቀንዐ ጽዑቕ ዘመተ ከካይድ ከምዝጀመረ፡ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ ይመልክት።

እቲ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስትሪ ዜናን ዝወጸ ምስጢራዊ መምሪሒታት ከምዘረጋግጾ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓንን ብናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን፡ ብብእዋኑ ዝቃላሕ ዘሎ፡ ንጭካነን ሓቀኛ እንታይነትን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕን ህዝቢ ኤርትራ ንመሰላቱ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ከምዘለዎ ዘተባብዕ መደባትን፡ ህግደፍ ክቆጻጸሮ ስለዘይክኣለን ናዕቢ ከይለዓል ስለዘሻቀሎን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብቀጻሊ ዘካይዶ ዘሎ ማእሰርትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሜላታት ቀይርካ ነቲ ዘሎ ህሉው ኩነታት ንምጥምዛዝ ዝዓለመ’ዩ። እቲ ኣብ ክልተ መደባት ዝተኸፍለ ንዘይፈልጥ ሰብ ሓድሽ ዝመስል ጎስጓስ፡ ኣብ ሚኒስትሪታትን ክፍልታትን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታትን፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ተማሃሮ፡ ካብ ዞባታት ዝተወከሉ በርጌሳትን ወከልቲ ማሕበራትን፡ ናብ ቅድሚ ናጽነት ዕርድታት ተጋደልቲ ዝነበሩ ቦታታት፡ ልምዓታዊ መደባት ዝካየደሎም ከባቢታት ብምውሳድ ሃገር ትምዕብል ከምዘላ ንምርኣይ ነቲ ብናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜናን ደለይቲ ፍትሕን ዝቃላሕ ዘሎ ሓቅታት ንኸይኣምኑ ንምእማን ዝተጠጅአ ተንኮል’ዩ። እቶም ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብ ወርሓዊ ደሞዞምን ገንዘብ ኣዋጺኢምን፡ ህግደፍ ኣብ ዘዳለዎ መደባት ተቀሲቦም ዑደት ዝፍጽሙ ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብያ እንተርእዮም ስጉምቲ ከምዝውሰዶም ብሓለፍቶም መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦም’ውን ተፈሊጡ። ገለ ካብቶም ኣብ ዲጋታት ዞባ ደቡብን ዕርድታት ተጋደልትን ክበጽሑ ዝተመደቡ ዜጋታት ድማ፡ “ነቶም ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ኣሕዋትናን መቃልስትናን ንሓንቲ ካልኢት’ውን ትኹን ክንሪኦም እንተዝፍቀደና ብዙሕ ደስታን ሩፍታን ምተሰምዓና ነይሩ” ክብሉ ብሕሹኽሹኽ ናይ ልቦም ገምዝገለጹ’ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ኣቦጉድር ንምሕባእን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕን ዕንወትን ረሲዑ ናብ ጓል መንገዲ ንምህውታት፡ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን መንግስቲ ኢትዮጵያን  ዝቀንዐ ሕሱር ዘመተ ምክያድ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዝሓንጸጾ መደባት ንምዕዋት ብቀንዱ በቲ ንሱ ዝውንኖ መራኸቢ ብዙሓን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝምውሎ መርበባት ሓበሬታ ንኣብነት ከም ሃገራዊ ድሕነት፡ ተስፋ ኒውስ፡ ራድዮ ኣዳል  ከምኡ’ውን፡ ኣብ ወጻኢ ብዘሎ ኣብያተ ጽሕፈት ህግደፍ ዝዋፈሩ  ብገንዘብ ዝተዓስቡ ኤርትራውያንን ውጻእተናታትን ኣቢሉ፡ ኤርትራ ደሴት ሰላም ምዃና፡ መደባት ልምዓት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ከምኡ’ ድማ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ሓዊ ምስዋርን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝያዳ ጽልእን ደምን ንምፍስፋን ዝዕድም መደባትን ጽሑፋትን ምዝርጋሕ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ተኸሲቱ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ከይሓፈረ፡”ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ፓስፖርት መንነት ወረቀት ዘይብሉ ሽኾር፡ ፊኖ ይኹን ዘይቲ ክገዝእ ኣይፍቀደሉን፡ ሽኮር ዝገዝእ ውልቀ-ሰብ ምሉእ ኣድራሻኡ ክምዝገብ ኣለዎ፡ ካብ ክልተ ኪሎ ንላዕሊ ክገዝእ ኣይፍቀደሉን” ክብል ገሊጹ። ወዮ ድኣ ስርዓት ህግደፍ ዓሻ ስለዝኾነ ዘጸብቀሉን ዘኽፍኣሉን ድኣ ኣይፈልጥን’ዩ እምበር፡ ካብዚ ሓሶትን ብድዐን’ዚ ንላዕሊ፡ ነቶም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዶም ብሰላም ክነብሩ ዘይክኣሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እንተላይ ኣብ ኢትዮጵያ ተበታቲኖም ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራያን ንህላወኦምን ጸገማቶምን ብምኽሓድ፡ “ብትካላት ስለያ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ዝተታለሉ’ዩም” ክብል ምግላጹን ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ ኤርትራውያን ስደት ፖለቲካዊ ዕቁባ ንኸይረኽቡን ስርሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ከምዘሎ ንመን ይጠፍኦ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT