Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጺ ሓቂ

ድምጺ ሓቂ ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ድምጺ ኣሰና ብመጀመርያ ነዚ ዝቐነየ ናይ ኢንተርነት ሽግር ፈቲሕኩም ድምጽኹም ዳግም ስለ ዘስማዕኩሙና ኣዝየ አመስግነኩም። ኣንቲ ድምጺ ሓቂ እንታይ ኢኺ ትብሊ መዓስ ተቐይሩ ራኢስ ትሩቡሊ ዓብደል ጀሊል ኣርኢኽና ኣብ ስእሊ እቲ ሓው መዓመርከ መሓዛ ትማሊ ደሃዩ ሃብና

ድምጺ ሓቂ
ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ድምጺ ኣሰና ብመጀመርያ ነዚ ዝቐነየ ናይ ኢንተርነት ሽግር ፈቲሕኩም ድምጽኹም ዳግም ስለ ዘስማዕኩሙና ኣዝየ አመስግነኩም።
ኣንቲ ድምጺ ሓቂ እንታይ ኢኺ ትብሊ
መዓስ ተቐይሩ ራኢስ ትሩቡሊ
ዓብደል ጀሊል ኣርኢኽና ኣብ ስእሊ
እቲ ሓው መዓመርከ መሓዛ ትማሊ
ደሃዩ ሃብና ውዕሎ ኣይትኸዉሊ
ስምኪ ልበስዮ ንሓቂ ዶው በሊ!
ብኸመይ ቀዛፊ ስልጣን ኣረኪቡ
ብሕማምዶ ኮይኑ ሕልናኡ ኣዕሪቡ
ወይስ ብብረት’ዩ ብሓይሊ ተቐሲቡ
ሓቁ ንገርና እንታይ እዩ ተረኺቡ!
ኩነታት ቀዛፊ ክንፈልጥ ደሊና
መልሲ ንኽንረክብ ንኣኺ ሓቲትና
ስለ እንግንዘብ ከም ዘይትነግርና
ምስጢሩ ክንፈልጥ ሰባት ኣጣይቕና
ብህዝባዊ ናዕቢ ተኣልዩ ኢሎሙና!
እንታይ ማለት ኣንቲ ድምጺ ሓቂ
ኣብ እዋን ጸገምኪ ከም ዘይሃበ ስንቂ
ክሕድ ኣቢልክዮ ኣብ መከራ ጭንቂ
ሕጂ ምስ ሓደስቲ ንይምሰል ክትስሕቂ
ዓርኩዶ ኣይነበረን ንኢሳያስ ኣፈወርቂ
ጉሕፍ ኣቢልክዮ ከምዛ ብላይ ጨርቂ
በሊ ተማሃሪ ካብ ዕጫ ጨፍላቒ!
ኣንቲ ድምጺ ሓቂ ቊሩብ ዘይትሓፍሪ
ምሕዝነት ደምሲስኪ እዚ ኹሉ ፍቕሪ
ኣብ ሓመድ ድበ’ኳ ዘይዋዓልኪ ቀብሪ
ኣማኒኻ ምጥላም ክሕደት እንድዩ ነውሪ
ዓቕሚ እንተሰኣንኪ ዘድሕኖ ካብ ወጥሪ
ሽግሩን ጸገሙን እኳ ዘይትነግሪ
ትንፍስ እንከይበልኪ ሓቅታት ክትሰትሪ
ብጉጅለ ኣልሸባብ ላሕቲትኪ ክትግዕሪ!
ዝተረግጸ ህዝቢ ዓቕሉ ጸቢብዎ
ኣርዑት ናይ መለኽቲ ብሓይሊ ሰይርዎ
ሓርነት ጨቢጡ ፍትሒ ኣንጊሱዎ
ክመርጽ ክምረጽ መሰል ወኒኑዎ
ዓለም ብዓለሙ ዮሃና ክብልዎ
ድምጺ ሓቂ ኣፍኪ፡ እንታይ ዓቢስዎ?
ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ኣፍሊጥዎ
ክመርጽ ክምረጽ ንቕሓት ኣበሎዎ
ወፈራ’ዚ ቀውዒ እስከ ኣይተስምዕዎ
ወዲ ዓከር ሂብኩም ማይ’ሞ ኣስትዩዎ
ምልኣኹ ክጥዕም ቀለም ኣቕምስዎ
ስርሑ ክፍጽም ኣብ እትልእኽዎ
ብሕማም ከይበኩር መድሃኒት ሃብዎ
ወሓይዝ ዓጊትኩም ሓጽቢ’ሞ ኣስርሕዎ
ፍትሕን ደሞክራስን ንሱ’ዩ በልዎ!
እናበልኪ እሽካዕላል ብህዝቢ ጸወታ
ትዕቢትን ላግጽን ኣለዎ መወዳእታ
ህዝቢ ካብ ዓፈና ክረክብ እፎይታ
ብርሃን የማዕዱ’ሎ ባና ናይ ወጋሕታ!
ለዋህ ኤርትራዊ ህይወት ዘወፈየ
ቅሳነትን ራህዋን እናተጸበየ
ጽምኣት ሓርነቱ ጌና ዘየርወየ
በሃም ተመሲሉ ግዜ እንተሓረየ
ቀሊቡን ከዲኑን ኣምሂሩ ዘዕበየ
                                          *መኾኾ ረኺቡ ሓንሳብ ከይተበርየ      *ዉሉድ ንወላዲኡ ዝህቦ ፍረ ጻማ
ዉላዱ ከም በጊዕ እናተሰጠየ
ልቡ እናነበዐ ፍሽኽታ ተርኣየ
ሕጉስ ከይመስለኪ ቅሱን ዘይጓሃየ!
ካብ ሓውኹም ተስፋማርያም ገረሱስ 16/12/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Daniel Tesfayohannes December 16, 2011

    Ato Tesfamariam!
    This is excellent. Would you please continue more of the likes.

    • MEHRETU HABTE December 16, 2011

      I second Daniel´s motion. Please ,give us more poems. Excellent

  • Popular Front for Dictatorship and Jail(PFDJ) December 17, 2011

    great poem..
    death to the tyrant regime

  • zemen beraki December 17, 2011

    I liked the poem, supperb!!! continue doing so please.

  • Taddesse T Gebremussie December 19, 2011

    Exellent thankyou.

  • Taddesse T Gebremussie December 19, 2011

    Please Eritean lawyers at Diaspora can you make a case againest Isayas Afewerki at UN court? bcouse, Isayas by his oun word, when VOA asked him when will he give power to the Eritrean people,he Isayas said,is ther any body gave me contract? is ther any body pay me salary?this are Isayas words .Acountry like Eritrea where educated law pf’s have like Bereket Habteslasie ,& other learned lawyers ?why cant take Isayas & janda taken to UN court. we Eritreans we pay the expence. Insted we open war this is the best way to save our country Assena radio wegahta please advertise this Eritreans let us do the best way for our country God bring this idea to me please this is the time we move ISAYAS with the sanction UN can leason our case witnes is the VOA interview. Thankyou God bless ERITREA.

POST A COMMENT