Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሮ ዓመትካ ቀሪቡ! ኣንታ ስዉእ ወዲ ዓሊ!

ድሮ ዓመትካ ቀሪቡ! ኣንታ ስዉእ ወዲ ዓሊ! ከይረኸብና ኣሰርካ ስዒቡ ንገፋዕቲ ዝኣሊ   ግዳይ ገፋዕቲ ኮይኑ ህዝቢ ስኢኑ መጽለሊ ስኢኑ ጭርናዕ-ህዝቢ ሰስ መበሊ ሃጽ ይብል ኣሎ ውላዱ ዘላሊ ረመጽ ኮይናቶ ናተይ ዝብላ ምድሪ ብኣማኢት ውሒጡዎ ባሕሪ ወዮ ትፈልጦ ጉድ ‘ምበር ገዲዱ ብድሕረኻ መርድእ

ድሮ ዓመትካ ቀሪቡ! ኣንታ ስዉእ ወዲ ዓሊ!

ከይረኸብና ኣሰርካ ስዒቡ ንገፋዕቲ ዝኣሊ

 

ግዳይ ገፋዕቲ ኮይኑ ህዝቢ ስኢኑ መጽለሊ

ስኢኑ ጭርናዕ-ህዝቢ ሰስ መበሊ

ሃጽ ይብል ኣሎ ውላዱ ዘላሊ

ረመጽ ኮይናቶ ናተይ ዝብላ ምድሪ

ብኣማኢት ውሒጡዎ ባሕሪ

ወዮ ትፈልጦ ጉድ ‘ምበር ገዲዱ ብድሕረኻ

መርድእ ኮይኑ ቀለቡ ህዝብኻ

ጨው እግሮም ረጊጾሞ ብቐትሪ

ወዲ ሰብ ኮይኑ ግብሪ

ይጥፍኡ’ለዉ ደቂ ብሩር ደቂ ብሪ

መባእ ዝገበለ ጎብየ ኮይኖም መጠበሪ

ዝኸኣለ ይነፍጽ ኣሎ መንእሰይ በራሪ

እንተረኸበ ባይታ መንጠሪ

ናብ ዓዲ ሕጊ መሰጋገሪ

ግን ሕጂ’ውን ጉድ ፈጢራ ምድሪ

መንእሰይ ተዋሒጡ ኣብ ባሕሪ

ካብ መንጠቢት ነጢቡ ናብ ጓህሪ

ብትኣምር ዝደሓነ ከኣ መዕቆቢ ስኢኑ

ዝዓረፈ  ስኢኑ ነጽላ ዘውድቐሉ

ህዝበይ’ውን  ካልኣይ ቀብሪ ተኸልኪሉ

ብመሰል ወዲ ሰብ ዝረግጹ ዘሽካዕሉ

ፈውሲ ግኒ ዝተለኽዩ ትዃሉ

ንሕና ከኣ ኣብ ዝባና ተሰቒላ ከሎ ልብና

ክጽወር ዘይከኣል ጼርና

እናሞትና ኣለና ምባልና

ናብ ብምቡላ ግዲ ቀይሮምና ‘ዮም ከይተፈለጠና

ስለዚ ጽንሕ ዘይትብል ነበርካ! ኣንታ ወዲ ዓሊ!

ክሳብ ህዝበይ ዝነቅሕ ጸላእቱ ዘለሊ

ክሳብ ዝቐትል ኣልዩ ዘንግስ ንህዝቡ ዝሓሊ

ኣንታ ወዲ ዓሊ!

ህዝበይ መዓልቲ’ምበር ነዊሑዎ ኣሰርካ ዝስዕቡ ክደሊ!

ሓቦኻ ዝወረሰዶ ኣይገደፍካን ኢኻ ምስ ፍትሒ ዘላሊ!

መዓልቲ ገፋዕቲ ዘሕጽር! መድሕን ዝተክል ዘይበሊ!

ድሮ ዓመትካ ቀሪቡ! ስዉእ ወዲ ዓሊ!

ከይረኸብና ኣሰርካ ስዒቡ ንገፋዕቲ ዝኣሊ

ጥሪ 21 ብስራትኪ መልእዮ ዓወት ጆባእ በሊ

ህዝብና ዓመት መጸ ክጽምብለኪ ብዕሊ

ምስሉ ተኪኤ 01/10/14

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT