Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ድዱዕ”

“ድዱዕ”   ድዱዕ ክንብል እንከለና ብናይ ሓባር መጸውዒ ከም ፈለኽለኻን ሓሰኻን ኣባ ጮጋራን ጻጸን ተመሳሳላይ ንእስ ዝበለ ፍጥረት እዩ። ሰብ ክንብል እንከለና ከአ ንኹሉ ደቂ ሰባት ሕብሮምን ቃንቋኦምን ዓሌት መነባብሮኦምን ብዘይገድስ ናይ ሓብር መጸዊዒ እዩ። ግና

ድዱዕ”

 

ድዱዕ ክንብል እንከለና ብናይ ሓባር መጸውዒ ከም ፈለኽለኻን ሓሰኻን ኣባ ጮጋራን ጻጸን ተመሳሳላይ ንእስ ዝበለ ፍጥረት እዩ። ሰብ ክንብል እንከለና ከአ ንኹሉ ደቂ ሰባት ሕብሮምን ቃንቋኦምን ዓሌት መነባብሮኦምን ብዘይገድስ ናይ ሓብር መጸዊዒ እዩ። ግና ኩሉ ናይ ሓባር መጸውዒ ዘለዎ ብተግባሩን ባህሩን ሐደ ዓይነት ክኸውን ኣይክእልን። ክልተ እግርን ሐደ ዓሌትን መልክዕን ዘለዎም ከይተረፈ ብዙሕ ዝፈላሊ ኣለዎም። ኣሕዋት እንታይ ክብል’የ ደልየ…ሓግዙኒ እስኪ ለባማት። ድዱዕ ብበሃርያቱን ተግባሩን ሰብ ዘምጽአሉ ምግቢ ክበልዕ ካብ ክሽነ ሐደ ገዛ ናብ ጎረቤት ገዛ ገዛ ከም ሕማም ተላገብ ዝሓልፍ ሕማም’ዩ። ላዕሎዎት መራሕቲ ህግደፍ ከአ ካብዚ ዓይነት ተግባራትን ባህርያትን ዘይፍለ ስራሕ እንዳሰርሑ ኣብ ስልጣን ኮይኖም ህዝቢ ይረግጹ አለው።

 

ንኣብነት ንሐደ ስድራ እቲ ዝዓበየን ዝኸበረን ንብረት ውላድ ስድራ ቤት እዩ። ህግደፍ ከአ ኣብ መላእ ኤርትራ ገዛ ገዛ እንዳዘረ ደቆም ይምንዝዖምን ንባርነት ይጸምዶምን ጥራይ ኣይኮነን በደሉ። ነቶም ወለዲ ስድራ’ውን ንሕሱም ናብራ ይዳጉኖም አሎ። ኤርትራውያን ግን ከም ቅቡል ህያብ ፈጣሪ፤ ለሚኖምን ሰጊዶምን ዘምጽእዎ ሽግር ገይሮም ክሓስቡ ይግደዱ። እቲ ሓቂ ግና መብጽዓ ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ፣ ገበን ክሳብ ዓንቀሮም ከምዝበጽሕ ገይርዎ ከሎ፤ ንመሰሎም ኣይተላዕሉን። ምህለላ ግን ምስ ዕሱባት ኣቕሽቲ ህግደፍን፣ ካድሬታት ህግደፍን ኮይንካ ለውጢ ኣይመጽእን። ኣየምጽእን። ንሐደ ብደም ዝተሓጽበ ምስ ብሐደ ብደም ሰትዩ ዝጸገበ ላዕላዋይ ህግደፍ ምቕያር ዝደልዩ ሰበኻ’ዩ።

 

ስዓቱ ዝሓለፎ ዘረባ ጽገና ፖለትካውያን ዝጠልቡ ምኽንያቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንሳቶምን ብሓላፊነት ዝነበሩን ኣብ ዝኹሉ ጸበባን ሽግርን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጥሓሉ፣ ዓይቢ ተራን ጊደን ዝተጻወቱ ብምኻኖም፣ ህዝቢ ብሕጊ ከይሓቶም፤ ሕጊ ዘይኣምኑ መሻረኽቲ እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ጭፍላቒ ስርዓት ደገፍቲ ብምኻኖም፣ ንህዝቢ ከደናግሩ ዝተዋፈሩ ናይ ለውጢ ካባ ዝተኸድኑ ገበኛታት ኢዮም። ህግደፍ ምጉሓፉ እምበር ዝቕየር ኣእምሮ የብሉን። ቅድሚ ትማሊ፣ ሕጂ ሎሚ ዝቐትልን ዝሰርቕን ዘሎ ኣካል፤ ጽባሕ ኣመሉን ግብሩን ኣይደግምን ዝብል የዋህ ጥራይ ክኸውን አለዎ። ንመሰልካን ቅኑዕ ሓሳብን’ውን ዋጋ ምኽፋል አሎ።

 

ንኹሉ ፍጡር ብባህርያቱን ተግባራቱን ዝመሳሰል፤ ንጽቡቕን ሕማቕን ተግባራቶም ዘለሊ ናይ ሓባር መጸዊዒ ይዋሃቦም። ሰረቕቲ ዘይናቶም ዝቃመቱን ብኻልኦት ንብረትን ጻዕርን ክህብቱሙን ክንደላቐቑ ዝዋፈሩ ስሱዓት፣ ብናይ ተፍጥሮ ድኽመት ባህርያቶም ዝተኣስሩን ዝተገዝኡን ውሑዳትን ውጽዓትን እዮም። በቲ ዘይናቱ ዝደሊ ቅኑዑን፣ ብጻዕሩን ብራህጹን ዝነብር መብዛሕቲኡ ፍጡር ከምኦም፣ ክጽልኡ ድማ ናይ ተፈጥሮ ግድነት ይኸውን። እቲ ሰራቕን ስሱዑን ከአ ድሌቱ ከማልእ ክጸልኦምን ከጥፍኦምን ካብ ምሕላምን ምስራሕን ደቂሱ ኣይሓድርን። ኣብ ህደግፍን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ መሰረታዊ ቅራነ ከአ ካብ ባህርያትን ተግባርትን ዝተበገሰ እምበር፤ ኣብ ዓሌትን፣ ሃይማኖትን፣ ወይ ከአ ኣብ ኣውራጃውነት ዝተመርኮሰ ጽልኢ ኣይኮነን። ክሳብ እዚ ቀንዲ ፍልልይ ኣነጺርና ንፈልጥን፤ ኣለሊና መፍትሒ ንረኽበሉ፤ ሽግር ኤርትራውያን ቀጻላይ ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ።

 

ንእብነት፣ ጻጸ ከም ህዝቢ ኤርትራ ጻዕረኛን ቅኑዑን ኢልና ወላ እተሓሰብናዮ፣ ሙሉእ ብሙሉእ፣ ኩሉ ሐደ ልብን ህዝብን ኢልና ክንሓስብ ወይ ክንድምድሞ እንተኾይና እቲ መደናገሪ ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ንኣምን ምኻና ጥራይ’ዩ ዘረጋግጽ። በዚ እምነት ከአ ብዙሓት ነቲ ሓቅን ጽውጽዋይን ክፈሊዎ ስለዘይክእሉ ላንጋ ላንጋ ኮይኖም ይተርፉ። ኣብቲ ዝድለ ናይ ቅኑዓትን ቀጠፍትን ምጥምጣም ጊዲኦም ከበርክቱ ኣይክእሉን። ስለዚ ነቲ ኣዚዩ ውሑድን ኣደናጋሪ ጃንዳ ጥፍኣትን ጽንተት ሃገርን ህዝብን ዝሰርሕ ዘሎ ህግደፍ፤ መሳለጢን መሳርሒ ካብ ምኻን ካልእ ኣማራጺ ኣይርከቦን። ንሓቂ ምዝራብ ብፍርሂ ተዋሒጥካ፣ ንሓሶት ብዘይ ሓቅነት ዘለዎ ጽውጽዋይ ክተብርሶ ምምራጽ ጌጋ’ዩ። ተመሊስካ ከአ ከም ውጹዑን ደጋፊ ሓቅን ኮይንካ ከተዕዞምዙም እቲ ዝዓበየ ገደል ጌጋ’ዩ።

 

ድዱዕ”

 

ኣታ ጻጸ ዓርከይ – ንዓናይ ንቐልጥፍ

ጊዜ ከይዓረበ – ኣይትበል ሃተፍተፍ

ሓሳብካ ተዛረብ – ኣካይዳና ክጸፍፍ

ሃየ ሰጉምኻ – ኢልካ ቅልጥፍ ቅልጥፍ

ንዓል ድዱዕ ሒዞምና – ንገደል ከይንጸድፍ

ጸልማት ዝኽዳኖም – ሃንደበት ከይንትንክፍ

ንብርሃን ዝፈርሁ – ሓቂ ከይሓልፍ

ህሩፋት ብዓል ድዱዕ – ኮይኖምና ዕንቅፋት

ጻዕሪ ጻማ ጻጸ – ዝዘምቱ ስሱዓት

ጥልመት ዝእምነቶም – ከሓድቲ ህግደፋት።

 

ጻጸ ብጽዕረቱ – ከፊሉ መስዋእቲ

ፋሕቲሩ ጻሕቲሩ – ተሰኪሙ ዝኣቲ

ዘምጽኦ ናፅነት – ንሓርነት ፍትሒ

ብድዱዕ ተጠሊሙ – ጅግንነት መስዋእቲ

ብጸልማት ተሓቢኦም – እንዳኣጥፍኡ ተጋደልቲ

ግብሮም ቀደም እከይ – ብሓሶት መጎቲ

ስልጣን ተወጢሖም – ኮይኖምልና መራሕቲ

ክንዲ ሰላም ቅሳነ – ይቀብሩና ንታሕቲ

ንህዝቢ ጸቒጦም – ዘይፈትዮ ክፈቲ።

 

መደብ ናይ ቀደሞም – ዓዲ ዘይእቱ

ብሸፈጥ ብድርቅና – ንዕንወትና ይሙጉቱ

ስርሖም ናይ ድዱዕ – ንዓመታት ዝሞቱ

ፍልልያት ዘሪኦም – ክሓፍሱ ክዘምቱ

ጻጸ ዘንጊዖም – ድዱዕ ከህወትውቱ

ደቅና እንዳበሉ – ፈሪሆም ከይሓቱ።

 

ንሓዎም ስድርኦም – ዝእስሩ ዝሓርዱ

ሰራቕን ቀታልን – መኣስ ተዛሚዱ

ምስ የዋህ ቅኑዑን – ተሪር ዝእምነቱ

ሕጂ ደሞ ይሓይሽ – ሃገር ህዝቢ ጸኒቱ

ተኾርሚኻ ብኽያት – ከላሽን ተዓጢቑ

ንመሰሉ ዘይሓተሉ – ኮይኑዎ ዘይናቱ

ጀግና ተሳኢኑ – ዘይተርፈሉ ሞቱ

ፍርሂ ሓቑኑዎ – ሓሞቱ ተጋዒቱ

ደቁ ክምንጠሉ – ድዱዕ ተዓዊቱ

ንባሕሪን ምድረበዳ – ይጓዓዙ ክሞቱ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 11-25-2014”

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • wedi fre November 29, 2014

    Great comparison!!

    Well done.

    Keep it up brother!!

  • AHMED SALEH December 1, 2014

    Solomon
    let me add to your arguments to our needed ability to say focused while
    operating in the present that will serve common interest .
    Mosquitoes irritates you by flying around ears , bites you enough until
    you realize that the only solution is move as far away as possible .
    When they appear again at your surroundings , you learned a lesson not
    to make same mistake but to fight them back with any necessary means .
    Any high rank official suspected of any direct or indirect illegal activities involvement shouldn’t be allowed to play a leadership role
    on Eritrean opposition politics . The change we anticipate consists of
    political reforms and the collapse of whole government’s structure .

POST A COMMENT