Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ክረጋግጽ መታን ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክግበር ዝጽውዕ ዕውት ኣኼባ ኣብ ኦክላንድ፣ ካሊፎርንያ ኣካይዱ።

ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝመደበሩ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ገዳይም ተቓለስቲ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ትማሊ 9 ሕዳር ኣብ ኦክላንድ፣ ካሊፎርንያ (ሰሜን ኣመሪካ) ኣብ ዘካየዶ ፈላሚ ዕዉት ኣኼባ፣ ድሕነት ሃገር ብምውሓስ፣ ኣብ

ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝመደበሩ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ገዳይም ተቓለስቲ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ትማሊ 9 ሕዳር ኣብ ኦክላንድ፣ ካሊፎርንያ (ሰሜን ኣመሪካ) ኣብ ዘካየዶ ፈላሚ ዕዉት ኣኼባ፣ ድሕነት ሃገር ብምውሓስ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ንምርግጋጽ መታን ክከኣል፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ንኹሉ ኤርትራዊ ዝጥርንፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክግበር ከምዘለዎ ጸዊዑ።

“ይኣክል፣ ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ” ‘ውን ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ኦክላንድ ዝተኻየደ፣ ብብዝሒ ተሳተፍቱ ፍሉይ ዝነበረ ኣኼባ፣ ምስ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን፣ ኣቦታት ቃልስን ኣተኣሳሲሩ ኣድላይነት ሓድነት ንለውጢ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ብሓደ እዋን ዘህለቐ ዘሕዝን ፍጻመ ብምዝካር ከኣኣ፣ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጕሃየ ከቢድ ጥፍኣት’ዚ ንኢሳይያስ ከምዘይዓጀቦ ኣገንዚቡ። “ናይ ህዝብናን ሃገርናን ሓልዮት ዘለና ኤርትራውያን፣ ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክእለ ሓቢርና ክንጽውዕ ሓላፍነት ኣለና” ‘ውን ኢሉ።

ኣስዒቡ፣ ነዚ ግዜ ዝጠልቦ ህጹጽ ለውጢ ንምርግጋጽ፣ ፍልልያት ብምውጋድ ኩሉ ኤርትራዊ በብኸተማኡ ተወዲቡ ክዓዪ ኣተሓሳሲቡ።

ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ስደት ዘለው ኤርትራውያን ምሁራት ሃገራዊ ሓላፍነቶም ብምዝካር ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ‘ውን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ፣ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም ካብ ኣኼበኛታት ዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ።

ወዲ ቫካሮ፣ ኣብዚ ንሃገራዊ ምትእኽኻብ ብዝምልከት ኣብ ኦክላንድ ዝጀመሮ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደት፣ ኣብ ላስ ቬጋስ፣ ኣትላንታን ዋሺንግተን ዲሲን ብተኻታታሊ ክቕጽሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ናይ ኣመሪካ ዑደቱ ምስ ፈጸመ፣ ትሕዝቶ ናይቲ ዘቕረቦ መልእኽቲ ብምሉኡ ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
82 COMMENTS
  • wedi shabya November 12, 2013

    What are u talking puppets.who is this?

  • wedi shabya November 12, 2013

    What are u talking puppets.who is this? wedi vacro or wedi medhin

  • wedi Hailom November 12, 2013

    Some of you guys like ghenet smell very very bad! Even you don’t know what you are talking about. And i don’t know why you guys divorce yourself from unity. Unity can give birth to A LOT. You sound like you are bribed to trush out yourself to such nonsense pointless argument. This guy just started, even didn’t finish what he has to say! He never mentioned his intentions for president, what he says iş let’s ünite. Awahlilu kurub tsin elkum, kilte gzie dima sisebu. İf you don’t want to be part of this unity, no worries, stick to where you belong to, HGDEF. BUT UNİTY WİLL COME TO YOU & FOR SURE WİLL HURT YOU!

    • Ghenet November 13, 2013

      you are very rude.
      Unity comes only if you allow democracy. We have the right to speak our minds as long as we do not call people names (like you are doing now).
      You have no right and from your language you don’t even have the moral highground to tell us ‘Tsin belu’. Why can’t we speak? it’s our country too. Aren’t we trying to change a government that is telling us to ‘keep quiet and do as you are told’?
      Unity will not ome to any one especially anyone like you. UNITY IS EARN THROUGH CONFIDENCE BUILDING. If you go on trying to terrorise people calling them names you are the one who smells bad, very bad and noone will unity with you!

  • ባሻይ November 12, 2013

    ገነት ይኩን ዋላ ተስፋ ዩ ስንቀይ፡ እንታይ ንምባል ኢኩም ነቲ ናይ ሓድነት ኣኬባ ከተቛናጽብዎ ፈቲንኩም? ህዝብና ኣኮ ብውልቀ መራሒ ኣይኮነን ዘድልዮ። ወ-ባካሮ ከኣ መራሒ ንሙኻንኳ ዘይሓለመ፡ የግዳስ ሕልንኡ ደፋፊእዎ ካልእ ቅደም ኩነት ከይገበረ ሕማቕ ዘጋጥመና ዘሎ ዓቐኑ ሓሊፍዎ ገለ ግበሩ ንምባል ደኣ’በር ስልጣን ሒዙ ክመርሕ ከምዘይደሊ፡ ንኩሉ ዓቅሚ ዘለዎ። ተምኩሮ ዘለዎ ተማህሩ ሰባት ጽዊዕኩም፡ ህዝብኩምን ሃገርኩምን ኣድሕኑ ንምባል’ዩ እቲ ቀንዲ ተበግስኡ። ንጻዊዕቱ ከኣ ኩሉ ገዲም ተጋዳላይ ዕድመ ዝደፍኤ ክሳብ እቲ ናይ ሎሚ ዋርሳይ ዝበሎ ኢሰይያስ መከራን ስደትን ዝወረስ። ኩሉ ጾታ ምስ ምእመና ከይተረፈ፡ ብዓይነቱን ዓቐኑን ፍሉይ ኣኬባ ኣካይዱ። ኣብ ከምዚ ዕድመ’ዚ ወዲ-ባካሮ ሕልኑኡ ወቂስዎ ሰብ ዳንጋ ዘይገብርዎ እቶም ዝተጠቀሱ ክብ መስፉን ኣሰፋው ኣድሓኖም ዘየለ ሃይለ መቀርዮስ ዋላ ካሎኦ’ውን ተኮኑ ይበገሱ ንድሕነት ሃገር ክንስዕቦም። ካብ ንጽባሕ ኩርሲ ናይ ኢሰይያስ ዝመጣጠሩ። ህዝብን ሃገርን ህልውኖኦም ነረጋግጽ ሕድርኩም። ዕድመን ጥዕናን ንወዲ-ባካሮ፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ ኣርርርርርርክብ ሕበርርርርርርርርርርርር!!

    • Ghenet November 13, 2013

      Bashai,
      Please read well before you rush try to criticize. Neti akheba zequanatsb kal equa tkhun aytshafkun.
      Did I say anything about the ’akheba’? I was not there!
      What’s wrong with you?
      What I am saying is think before you act and before you deify any one. We have t learn from past experience. That is it!!!! How is this ‘mkuntsab’?
      You know, Wedi vcaro is just another concerned Eritrean who is trying to contribute. And it is wrong to compare DIA with wedi vacaro! They are from different walks of life and vision whether you like it or not.
      HJI’WN AYNEHDS AND SEBAT AYNEMLKH! SEMITAWYAN AYNKHUN. we should contribute our part than wait for others to do it for us and clap for others. Why it that we Eritreans love clapping and undue recongnition when we do our duty? We should not also expect recognition from other en we contribute for our country. It is our duty. Period!

    • Haile Michael November 13, 2013

      እዝግን ኣፍለጠካ “ባሻይ” ነዞም ዝጀሃሩ ግዲ ኣይትግበረሎም። ብወገነይ ንወዲ ቫካሮ ብልቢ ይድግፎ። ምኽንያቱ ናይ ኤርትራውያን ሕብረት ኣንጻር ናይ ኢሰያስ ንህዝብና ባርነት እዩ ጸዊዑ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሓበራ። ሕጂ ካኣ እዋኑ እዩ። በጃኻትኩም ኣቱም ብጀካ ኤሪቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ካልእ ምስማዕ ዘይትፈልጡ መሳኪን ድማ ዓይኒ ኣንቁሑ፡ በጃኹም ሰዓቱ ኣኺሉ እዩ፡ ምስቶም ኣንጻር ምልካውነት ደው ዝበሉ ደው ንበል ይብል ብወገነይ።

  • MightyEmbasoyra November 13, 2013

    If I were a leader of any organization (which I am neither qualified nor interested), I would pick people like Ghenet because of their reasoning and standing up for the truth.
    Just saying.

1 3 4 5

POST A COMMENT