Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ሽግር ብሰላም ንምፍታሕ ዘለዎ ቅሩብነት ገሊጹ።

ኣቦ ወንበር ኢህወደግ ኮይኑ ተመሪጹ ዝቐነየ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ሎሚ ሰኑይ  2 ሚያዝያ 2018 ኣብ ቅድሚ ፓርላማ እታ ሃገር ቃል ማሕላ ከምዝፈጸመ ብ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ተቓሊሑ። እቲ ሎሚ ቃለማሕላ ዝፈጸመ፡ ወዲ 42

ኣቦ ወንበር ኢህወደግ ኮይኑ ተመሪጹ ዝቐነየ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ሎሚ ሰኑይ  2 ሚያዝያ 2018 ኣብ ቅድሚ ፓርላማ እታ ሃገር ቃል ማሕላ ከምዝፈጸመ ብ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ተቓሊሑ።

እቲ ሎሚ ቃለማሕላ ዝፈጸመ፡ ወዲ 42 ዓመት ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ጽገና ብምትእትታው ነቲ ንኢትዮጵያ ሃዊኹዋ ዝጸንሐ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ህዝባዊ ናዕብታት ደው ከብሎ ተስፋ ተነቢሩሉ ከምዘሎ ድማ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ንሱ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡ እቲ ኣጋጣሚ ታሪኻዊ ምዃኑ ብምቃስ፡ ቅድሚ ኹሉ ነቲ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከይተረፈ ኣብነት ዝኾነ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ዘረጋገጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብምድናቕ ምስጋንኡ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ናዕብታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብን ኣኽበርቲ ጸጥታን ንዝወረደ ሞትን ጥፍኣትን ብዝምልከት ይቕሬታ ብምሕታት ከኣ፡ ምምሕዳሩ ኣብ ህዝቢ ንዘሎ ተቓውሞን ቅሬታን ብ ሓይሊ ዘይኮነ ብልዝብ ንምፍትሑ ክጽዕር፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ፖለቲካዊ ናጽነት ክህብ ምዃኑ ቃል ብምእታው ድማ፡ ብልሽውና ኣብ ምቅላስን ምኽባር ግዝኣተ ሕግን ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ ኣገንዚቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ኣብ መንጎ እተን ንነዊሕ ዓመታት ተጻባእቲ ኮይነን ዝጸንሓ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሰላም ንምምጻእ ቀዳምነት ከም ዝዓዪ `ውን ገሊጹ።

ንሱ፡ ` ምስ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ብሕልፊ ድማ ምስ ጎረባብትና ኣብ ጸገምን ራህዋን ሓቢርና ደው ክንብል ኢና። ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ከብቅዕ ልባዊ ድሌት ኣለና።  እጃምና `ውን ክንገብር ኢና። ብጠቅሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደም ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሓባራዊ ረብሓ ክንብል ንምፍትሖም ሰናይ ድሌት ከምዘለና እናገለጽኩ፡ መንግስቲ ኤርትራ `ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ክወስድ ጻውዒተይ አቕርብ።` ኢሉ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ንጡፍ ተሳታፍነት ክገብሩ ድማ ጸዊዑ።

እቲ ብፖለቲካን ቁጠባን ንነዊሕ ዓመታት ተነጽሎ ኣጋጢሙዎ ከምዝጸንሐ ካብ ዝእመነሉ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓቊፍ ብሄረ ኦሮሞ  ዝመጽአ ናይ ፈለማ መራሒ ኢትዮጵያ  ዝኾነ ወዲ 42 ዓመት፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ካብ 2015 ኣትሒዙ ብሕልፊ ኣብ ዞባታት ኦሮሞን ኣምሓራን ተላቢዑ ዝጸንሐ ህዝባዊ ናዕብታት ደው ከብሎ ትጽቢት ብዙሓት ከምዘሎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻብ ዘመሓላለፈ ኣገልግሎት ዜና ኣሾሸይትድ ፕረስ ይእምት።

ኣሾሽይትድ ፕረስ ኣብ ጸብጻቡ ከምዝጠቐሶ ንመሪሕነቱ ብዙሓት ብኣውንታ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።

ኢትዮጵያዊ ተሸላሚ ናይ ወርቂ ማዳልያታት ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ን ኣሾሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ` ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ንኹልና ኢትዮጵያውያን ዘርብሕ መስርሕ እዩ` ድሕሪ ምባል፡ ` እዚ ሓድሽ መራሒ ኣብ መግለጺኡ ንኹሎም ሕቶታት ህዝቢ ብኣውንታ መሊሱዎም ኣሎ፡ እቲ ዝሃቦ ቃል ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ናይ ምትሕቚቛፍ ተኽእሎ ኣለዎ፡ ንመብጽዓታቱ ብዘይምድንጓይ ኣብ ተግባር ከውዕሎም ድማ ንጽበ` ክብል ዘለዎ ተስፍኡ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ደርግ ኣብ 1991 ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ሳልሳይ መራሒ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Haqi April 2, 2018

    ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘርኣዮ ብሱል ሰላማዊ ርኽክብ ስልጣንን ስሉጥ ሰላማዊ ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን ፤
    እንኳዕ ሓጎሰካ በሉለይ።

    ኣብ ብዙሓት ኩርናዓት ዓለም ብተደጋጋሚ ከም እተራእየ ብመንነቱ ቋንቋታቱ ውርሻታቱ ዝኾርዕን ዝሕበንን ፤
    ንምዕቃቡን ንምድንፋዑን ወትሩ ዝሰርሕ ፤ ታሪኽ ጥንትን ኣባሓጎታቱን ኣዴታቱን ዘኽብር ሕብረስተስብ ብሄርን ህዝብን
    እተረብሕን ርግእትን እተኽብረት ሃገር ክምስርት ዘለዎ ዕድል ዝለዓለ እዩ።

    በቲ ካልእ ወገን ግና ነቲ ናቱ ቋንቋታት መንነት ልምድን ስርዓትን ዝንዕቅን ዝፍንፍንን ፤ ብናይ ጎይቶቱ ታሪኽ ዝንየት፤
    ብናይ እንዳማቱ ቋንቋ ዝድብል ግና ነንብሱ ከንቶ ንሃገሩን ህዝቡን ድማ ክሳራ ኮይኑ ንካለኦት ከምኡ ሰባት ክሰግድ ይነብር።

    • Muller-Mulugeta April 3, 2018

      Haqi,
      Please tell us the “Haqi” truth as who exactly you referring by people who are ashamed of their history, language? You can’t be accusing the whole people of Eritrea, can you? Be more specific!

  • Haqi April 2, 2018

    እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ተስፋ ዝህብ መደረ ፤ እታ ዝመረጸቶ ሰልፊ ብተግባር ኣብ ምትርጓም ክተርድኦ እናተመኔኹ ፤
    ሓደ ኣንባቢ ናይዛ መርበብ ፈለማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ስልጣን ብማእከላይ ሽማግለ ምስ ተመርጸ ዝበሎ ኣዘኪሩኒ።

    “ህዝቢ ኦሮሞ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘለዎም ጥርናፈን ዉዳበን ፤
    ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ኣብዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ፤
    ኣብ መንነቶም ቋንቋታቶም ኦርምኛ ፣ ባህልታቶምን መንነቶምን
    ኣብ ምኽባርን ምድንፋዕን ኣብ ዝገበርዎ ተጋድሎ ፤
    መራሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፤
    መራሕቲ ናይ ቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክኾኑ ብቕዓት ኣለዎም።
    ዝኾነ ሕብረተሰብ ቋንቋታቱ ዝንዕቕ ፣ ብሓዊ ባርዕ ዘንዲድ ፣
    ብመንነቱ ታሪኹ ውርሻታቱ ቅርሱ ዝሓፍር ፣
    ብናይ እንዳማቱ ናይ ክራይ መንነት ፈንጠርጠር ዝብል ሕልና ሙት ግና ይትረፍ መሪሕነት ክጭብጥ፤
    ሰዓቢ ውን ክኸውን ብቕዓት የብሉን ፤ እንትርፎ ከዳሚ ወይ ጊላ ናይ ባዕዲ።

    ስለዚ መራሕቲ ክትኮኑ ቋንቋታትኩም ውርሻኹም መንነትኩምን ቅድም ኣኽብሩ።”

    • amanuel April 6, 2018

      Derfika nay riesi himam eya timesil. milikit himam riesi
      1. Mis aresti zeyrakeb meglexi
      2. Zeytehatetkayo melsi mihab
      3. Halewlew midigigam- halocination
      4. Zeyteasaser hasabat wey nenhidihidu zigarachew hasabat meglexi mihab-confusion.

  • Mekonnen April 3, 2018

    ንኤርትራውን ሰላማዊ ናይ ሽግግር ስልጣን ንክህሉ ንምነ !

  • simon April 4, 2018

    ab eritrea selamawi selat kisegager ilka mihsab kentu iu dihri izi kulu bedelen gefin masrten sideten izom kulatom eritrawian geganu ab fekodo gobotat nai eritrea tekebirom bizei ferdi hiwetom zihalefu halafenet men yesekemo

POST A COMMENT