Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀጋኑና

ጀጋኑና ፍሥሓየ መብራህቱ ጀጋኑ ኤርትራ  ኣቱም ነጋውሠ መስዋዕትኹም ክዝክር ሎሚ ኣሓዲሸ መንነትኩም ክዝርዝር ሞያኹም ጠቒሸ ዝኽሪ ጨጓር ዳንጋ ጡና ዝጠሓሰ ዝኽሪ ንኡስ ጓሳ ገና ዘየግዓሰ ዝኽሪ ደፋእ ድንኵል ሕዳድ ዝሓረሰ ዝኽሪ ናይ ሸቃላይ ለይቲ ዝገስገሰ ዝኽሪ ተማሃራይ ደብተር ዝዳህሰሰ ዝኽሪ ሊቅ ምሁርና መጽሓፍ ዝደረሰ ዝኽሪ በዓል

ጀጋኑና

ፍሥሓየ መብራህቱ

ጀጋኑ ኤርትራ  ኣቱም ነጋውሠ

መስዋዕትኹም ክዝክር ሎሚ ኣሓዲሸ

መንነትኩም ክዝርዝር ሞያኹም ጠቒሸ

ዝኽሪ ጨጓር ዳንጋ ጡና ዝጠሓሰ

ዝኽሪ ንኡስ ጓሳ ገና ዘየግዓሰ

ዝኽሪ ደፋእ ድንኵል ሕዳድ ዝሓረሰ

ዝኽሪ ናይ ሸቃላይ ለይቲ ዝገስገሰ

ዝኽሪ ተማሃራይ ደብተር ዝዳህሰሰ

ዝኽሪ ሊቅ ምሁርና መጽሓፍ ዝደረሰ

ዝኽሪ በዓል ሞያ መሬት ዝሃንደሰ

ዝኽሪ ሓካይምና ሕማማት ዘልገሰ

ዝኽሪ ጓለ’ንስተይቲ ቃልሳ ዘይንኣሰ

ኣኃታ ኪወርሳ ካብ ናታ ዚሓሸ

ሓንሳብ ከዕልለኩም ንዋምኩም ቀስቂሰ

ገድሊ ናይ ኵልኹም መዓትና ኣልገሰ።

 

ጀጋኑ ብሓቂ ዘሕለፍኩሞ ጸገም

ንውሉድ ወለዶ ብቓላት ‘ነይግምገም

ዝናኹም ኪምልጠን ኪቕራዕ ኪድገም፡

“ንናጽነት ንሓርነት ንማዕርነት

ንፍትሒ ንምዕባለ ንሰልም ንኅውነት

ንፍቕሪ ንቕሳነት እተኸፍለ መስዋዕትነት

ሓውልቲ’ዩ ንዘንቲ ዕለት።”

 

ክዝርዝሮ መሊሰ ዝሓለፈ ጣጣ

ዓረር ዝወሃጥኩም ሕጹባት መዓንጣ

ጓህሪ ዝቓቐርኩም ቆሪኹም ከም ቋንጣ

ሳላ ጅግንነትኩም መሬት ኮነት ሳንጣ

ሳላ መስዋዕቲኹም ጸላም ተቐንጢጣ

ሎሚ መዓት መጸት ንሕና ዘይንፈልጣ

ናህሪ ጋሻ ውሕዥ ሃንደበት ገፈጣ

ብሃዲሽ መደፈና ሃገር ተዓቢጣ

መንእሰይ ተለቕመ ከም ጸጸር ጎበጣ

ሕማምዶ ክንብላ ስዉር ዚሕበጣ

ተኣናፊት ሕማም ቃንዛ ጭልዒብጣ

ኮይና ተረኺባ ስልጣን ናይ ምልጠጣ

ካብ እንቋቝሖ ደርሆ ተኽፍል ሓረጣ

ሽሻይና ሃዲሙ ከብትና ተመልጣ

ኣዝመራና ኮይኑ መዓልቦ’ንበጣ

ሕዝቢኹም ክልምን እንጌራ ቋሬጣ

ዘሎዎ ሃለዋት ዓለም’ኳ ይፈልጣ።

ድቁስ ኣይተተንሥእ ወላ’ንተ ተባህለ

ድቃስ ኪኸልኣኩም ጥዋፍ ኣንቀልቂለ

“ዓረበታይ ያኢ ብምረት ዘንጸርጸረ

መቓብር ኣቦኡ ኰዓተ ጻሕተረ”

ኢለ ክጠቕሰልኩም ጥንቲ’ተመሰለ

ናባና በጺሑ ሎሚ እነሆለ

ሕዝቢ ሓርቢቱዎ ጥዒሙዎ ዐረ

ዕረፍቲ ስኢኑ ወላ’ተቐብረ

ትንፋስ ለበዋኹም ከም ቡቕቡቕ በለለ።

 

ዝኸፍልኩሞ መስዋዕቲ ሕዝቢኹም ኪርህዎ

ንያቱ ዘዕርብ ሰላሕታ መጺዎ

ጥሜት ምስ ጭቆና ልፍንቲ ኣትዩዎ

ብሽምኩም ሸቂጦም ደምኩም ይረግጽዎ

ዝመሓሉዎ ማሕላ ኣሉ ምስ በሉዎ

ንመንኰርኰር ታሪኽ ድሕሪት መለሱዎ

ሕጊና ከይቀውም በይኖም ኪሓዝኡዎ

መሰለይ ዝበለ ከም ማል ይዘርዑዎ

ለከ “ዘበን ፍዳስ በዓል ጋዕሱ’ሎዎ”

ወላዲ ረጊሙ ማይ’ለድ ኢሉዎ

እዚ ዝፈደየስ ምንታይ ትፈርዱዎ?

 

ብዕስለ ጠናጡ ሕዝቢ ተጨኒቓ

ደግሲ ሕዋይ ዓሶ ኣስዒቡልና ጓቓ

ሃንደበት ኮይኑና “ሃጀማ” ወደቓ

“ዘይሓሰብካዮ ምርካብ መርገምዶ ምርቓ”

ኣብ ክንዲ ንገድ ሕረስ ተሰቝርና ሳንቃ

ኣብ ክንዲ ጸሓፍ ድረስ ተፋሒሱ ዒቃ

እኒ ሰፋር ሕሩጭ በዓል ቀዳሕ ዱቃ

ንሃገር ጌሮማ ናይ ብሕቶም በቃ

ገሊኦም ኢሎማ “ናይ’ኖና ጭልቃ”

ገለን ኣሊኾማ ንንግደት መጠቃ

ንዑ ተመለሱ ኣውጽኡዋ ሓቃ

ብርሃን ጅግንነትኩም ከም ማሕታ በሪቓ

ፀሓይ መስዋዕቲኹም ንመንኮን ሠሪቓ?

ፋዱስ ከይኣኸለስ ኣንሻባ ጸዲቓ?

ዓይንና ክንርኢ ጋልሁልና ጣቓ

ብሰላም ዕረፉ ቀሲምኩም ምረቓ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ERITRAWIT June 20, 2015

    Mesaken halefom enka ayrewa Eza hager, mekalstom hager kemey kemzhames-wa.
    Haweltey keman ayteserehe-lomen.

  • yihdego zelalem June 20, 2015

    ከዝምረሎም ነቶም ዝሓለፉ
    ምእንታና ክብሉ ንሞት ዝተሰለፉ
    ህዝብና ግን´ሞ ነጻነት ምዓስ ሓቝፉ
    ናይ ነጻነት ባርያ እንድዩ ኮይኑ ተሪፉ
    ብሰንኪ ህግደፍ ታሪኽኩም ሰንኪፉ
    ንሕና ግን ክንዝክረኩም ኢና,ብዙሕ ኣይትሰከፉ
    ኣደ ስዉእ ክልተ ሳዕ ተረዲኣ
    በትን በቲ ዝሞተ ከሲራ ተወጺዓ
    ናይ ዝተሰደደ ውላዳ 50.000 ደፊዓ
    ንሕና ወጻኢ ኴንና ምንም ኣይነጻናንዓ
    ምዓልቲ ኩርዓታ ተቐይሩ ናብ መሕዘኒኣ
    ህግደፍን ተቓወምትን ማንም ዘይነፍዓ
    ተተኵሳ ትመውት ኣላ ብጓሂ ፈንዲኣ

POST A COMMENT