Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገለ ጭላፋት ካብ መጽሓፍ ጥፍሒ ጽቡቕ ተስፋ!

የማነ ፍሻለ ዑቕባ ግንባር ሓቲቱ፡ 12.06.16፡ ህበይሲ ምስ ድሕረ-ባይታኣ ኣዕብዩ ኣብ ዘርእያ መስተያት ምስ ትቐርብ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ናይ ባዕላ ምንቅስቓን ውቃበን እናረኣየት “ከምዚኣ ዓይነት እኪትን ክፍእትን ፍጥረትከ ኣላ ድያ” ኢላ’ያ ትዕዘም። ኮምሽን ምጽራይ ገበናት ከም ደብዛዝ መስትያት ንየማነ

የማነ ፍሻለ ዑቕባ ግንባር ሓቲቱ፡ 12.06.16

ህበይሲ ምስ ድሕረ-ባይታኣ ኣዕብዩ ኣብ ዘርእያ መስተያት ምስ ትቐርብ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ናይ ባዕላ ምንቅስቓን ውቃበን እናረኣየት “ከምዚኣ ዓይነት እኪትን ክፍእትን ፍጥረትከ ኣላ ድያ” ኢላ’ያ ትዕዘም።

ኮምሽን ምጽራይ ገበናት ከም ደብዛዝ መስትያት ንየማነ ህበይ ከፊላዊ ምስሉ ስለዘርኣየቶ፡ ንገዛእ መልክዑ እናጓነያ ካን ዓቢዱ።

ኢድ ሸናሒት ክትፍደ ግድን ብምዃኑ ፍሻል ቅድሚ 15 ዓ መታት ህዝቢ ኣኪቡ ነቶም ላዕለዎት መራሕቱ ነበር ደለይቲ ፍትሒ ከም ካብ ኢቲዮጲያ ክሳብ 70 ሚሊዮን ዶላር ጉቦ በሊዖም ከምዝኸድዕዎ ኣምሲሉ ከምዘየነወሮም እንሆ ሎሚ ናብቶም ሽዑን ሎምን ብናጽነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ጉጅለ ኣ ምሓራ ተንበርኪኹ ኣንጻር ናጽነት ሃገርና ግንባር ክምስርት ዝመጻደቕ ቃለ-መሕትቱ ደርጒሕዎ። “ከዲዖም” ዝበለ ክኸድዕሲ ብልጸት ህበይዶኾን ይኸውን?

የማነ ፍሻለ ኣብ ኣመሪካ ህዝቢ ኣኪቡ ዛራ ውሽልኽናኡ ከውሕዝ እንከሎ ቅዋም ከምዘለዎምን ምትግባሩ ከምተዓጠቑን ገ ሊጹ ከብቅዕ፡ መራሒኡ ግና ቀደም ንዝመተ ቅዋም ከምዘይሰርሑሉ ኢዮ ገሊጹ። ከምኡ’ውን የማነ እቲ ጠንቂ ባርነት ዝ ኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎተ ገደብ ከምተገብሮ ክሕሱ እንከሎ፡ እቲ ሓደ የማነ ድማ ከምዘይተርፍን ከምዘይግደብን ገለጸ።

ሎሚ’ውን ምጽራይ ገበናት ንዘቕረበቶ መግለጺ እናገበረ ብዛዕባ ሕዩር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሃቅ ኣብዝተሓተተሉ ግዜ ብዛዕ ባኡ ክዛረብ ከምዘይደሊ መለሰ’ሞ፡ ሓታቲ ጋዜጠኛ “ብዛዕባኡ ከይትዛረብዶ ኢልካ ኢያ?” (ኢሳይያስ ማለቱ ኢዩ) ክብል ኣብ ቅድሚ ኩሉ እኩብ ከሽሖ።

ናይቲ ብኣምሓርኛ ክገብሮ ዝፈተነ ናይ “ርድኡና” ዘርባዕባዕ’ሞ እንታይ ክዝረቦ! ጋዜጠኛ ሲሳይ ኣጌናውን ኣይነሓፎን ኮይ ኑስ ተኻፊኡ የማነ ህበይ! ናቱ ደፊኑ ብናይእንዳማቱ ክነግድ ኣብ ኢቲዮጲያ ብዘሎ ጥሕሰት ሰባዊ መሰላ ክቱር ከምዘጉሃዮ ተወላዲፉ።

ባልጃኡ ድኣኣይተማልኣን ኮይኑ’ምበር ብኻ ንሰያትሉ ተሻሕሺሑ! ዒራ እታ ኣመሪካዊት ዜጋነቱ ተዓቂባትሉ ኣላ። ከምኡ ድማ ኣብኡ ብስም ካልኦት ውድባቱ ቤትን ንብረትን ከምዘፍረየ ይውረ’ሎ። ቤት እንተሎስ መነን ከየገደሰ እመ-ቤት ድማ ትጽበዮ ትህሉ።

ፈያር ስኒ የማነስ ዝኾነ ምኾነ፡ እንተ’ቲ ፈያር እኪቱ ግን ዝኸድኖ ከንፈርን ሓመድን ተባሕጒጉ ኢዩ’ሞ ፍሻለ ሆዬ ዝስዕብ ከየርከበካን ካብ ኩሉ ጎብየ ከይተሳህለካን ምዃኑ ድማ ንዘይቐሪስኒ ሃገር ንዋናታታ ገዲፍካ ሃየ ጢጥ ንሰያትልካ!!!

ጽቡቕ ኣስመዓና ጎይታይ!

እንታይ ይበሃል ከምዘሎ ዲዩ ዝጸናጸን ዘሎ? 11.06.16፡

ኪደላ ነዛ ሃገር” ጥራይ ኢያ ዜና ዓለም ዘላ ባቃ ተበቆጸላ!

ኣዴታት ሃገርና ኣእዳወን ኣብ መሬት እናጠብጠባ “ኤህ፡ ሓያል ይፍጠረልካ!” ክብላኻ ጸኒሐን። እንሆ ሎሚ መስ ጣ ናይተን ወላድ መኻን ዝተቐየራ ጥራይ ዘይኮነስ ብቀን ዱ’ምበር ናይተን ደቀን ሓቚፈን ኣብ ጥልቀት ባሕሪ ዝ ተሸማን፡ ኤህታ ናይተን ፍቐዶ ስደት ተኸላቢተን ካብ መርዓ፡ ደርዓን ቆልዓን ተኾሊፈን ብውርደትን ጽንተትን ከም ቋሬጣ ዝነቐጻን ሰማይ ዓሪጉ ከም ከቢድ ደበና ጠጥ ዩ ክሰሃለካ ይሃምም ምህላዉ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ዜና እብለ ካ። ደቀስመራ’ሞድማ ከምገለ እንተርኦሙኻ፡ “ኣንታ ኣለኻ ዲኻ? ከምዛ ናይ ዓርክኻ ቃዛፊ ካብ ኣብኢድ’ዚ ወለዶ ትወድቕሲ ጀነቫ ኬድካ ንኣመሪካ “ኣይ ንስኹም እንዲኹም ዝለኣኽኩሙኒ፡ ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ክንከስ’ ኢልካ ተማጎቶም” እናበሉ የባጭውሉ ከምዘለዉ ሰሚዕና እብለኩም።

አእ! ክንደይሳዕ ኣብ መንበስበስታና ስሕለት ኣፍራዛ ክትድርግመልና! ደጊም ኩሉ ናይእኒ የማነ ህበይ ፈተነ ካብ ተጸንቀቐ፡ ሓንቲ ትምነያ ዘለኻ ስማዕ ድሃይ ናይቶም ብመልክዕ ግልግል (Immunity) ከምገለ እንተወጻእካስ ቦታ ክፍሕሩልካ ዶላ ራት ኣሸኪምካ ዝሰደድካዮም ዕሱባትካ ከምቲ ናይ መንግስቱ ናይ ህድማ ጽቡቕ ዜና እንተስምዑኻ ኢኻ ኣእዛንካ ትጸሉ ዘለኻ።

ግናስ ኣብኡ ድማ ኣለዉ እንድዮም ወዮም ካብ መረበቶም ዘፈናቐልካዮምን ብነዊሕ ገመድ ዝቐፈድካዮምን ህዝብኻ፡ ኣብ ኡ ድማ ኣለዉ ወዮም ባሕርን ምደረ-በዳን ዝሰንጠቑ ከም ሰብ ሶንኮፍ ልቢ እንተኸዱልካ ከምዝሕሽካ ዘናሸኻዮም መንእ ሰያት ኤርትራ!!

ኣይትሓፍር ድማ ምስታ ዝዓረበት ኣምሓረተይቲ ግምባር ክትፈጠር ክትመሳጠር!!

ሎሚ’ሞ ግደፍ ኣብ ወሽጥና ዝቐበርካዮ እኪትሲ፡ ካብ መሳርሕትኻ ላዕለዎት መራሕቲ ሰውራ ተሓቢእካ ንበይንኻ ምስቲ ምስ ምስጢሩ ክቕበር ሰብ ሰዲድካ ክትቀትሎ ዝፈተንካን ዝፈሸለካን መንግስቱ ሃይለማርያም ዝገበርካዮ ምስጢር’ውን ክ ፈስስ ኢዩ። ሎሚ ዘይስማዕ ወረን ዘይቕላዕ ጋህስን ስለዘየለ እዝንኻ ምጽላው ይትረፍካ ወዲ ብሪ!!

ጸሓይ ኣብ ምዕራባ እንታይ ዘይስማዕን ዘይርአን! እንተ ኤርትራን ህዝባን ግዳ ንዘንተ-እለት ነባሪት ኢያ!

ኣጆኹም ደቂ ኤረይ፡ ድሮኳ እቲ ሓቂ መሲልኩም ትስከፉሉ ዝነበርኩም ኣውራጃዊዶ ብሄራዊ ረስንታት ተቐንጢጡ!!

“ኪደልና” በልዎ ብዓውታን ስምረትን ይበቆጸላ ነዛ ሃገር! ክንደይሳዕ ብብልሒ ኣፍራዛኡ መንበስበስታና ክነኩል!!!!!

ኣቶ ንኣምን ዘሌቀ፡ 10. 06.16፡

ምስቲ ምዕጎኡ ነበረ “እምበርዶ’ዚ ንኣምን ዘለቄ ዝብልዎስ ጎበጨረ ኣይኮነን?” ምስ በለና ህዉኽ ሰሓቕና ስዒርና ቱዋሕ! ኮነሞ ገሌናስ ኣናጠርና ኸኣ! ወደባቴ ቃላቱ ዒደርን ጥዑ ምን ኢዩ። ብኡ ኣቢሉ ኣብ ዝቐጸለ ዕላል ድማ ከምዚ ክ ብል ወሰኸና፦

ኣንታ’ዛ ኣምሔኮ (ኣምሓራ ማለቲ’ዩ) ስጋ ባሻይ’ለ ብጉ ርሒ ተላዕጢጣ’ያ። ሎምስ ድማ ንኢሳይያስ ከተናግፍ ብ ወፈራ ክትፍርም ነቒላ!” ‘ጎጃም ብጎጃም’ እብል ነበረ ተ ኽለ ልብሱ፡ እሞ ኢሱስ በሉ ከመይቢሉ ምስ እኖና ከም ዘተሓቛቑፈና ይጣበብ እንሆ” ኢሉ ነበረ ዝጀመረ። ኣስ ዒቡ፦
ስጋባሻይ ኣምሔ ቁልምጽ ኢያ። ሕጂ’ኮ ወያነ ከምገለ ን ኤርትራ ክትጠንን “ኪድበል ተበገስ ከምዚሕዪ” ኢላ እ ንተትንቁ፡ “እወ፡ መንዶሎ ኢዩ ከም ወይን! ወይን’ኮ ን ደርጊ ሓ ምሺሻ ሃገርና ዘልምዐት፡ ህንጻታት ዝደርደረት፡ ጎደናታትን ጽርግያታትን ዝዘርግሐት፡ ብሃገራ ብብርሃን ኳሬንቲ ብኳሬ ንቲ ዝቐደደት፡ ጸኒሓ ድማ ከምቲ ናይ ‘ከርተመ’ ንቅርኒ ሻዕብያ ከርቲማ ወደብ ዓሰብ ክትቆጻጸር ዝነደረት ኣርሒ ኢያ . . . . ኢላ ኮቦሮኣ ክሳብ ዝትርጋእ ምደሰቐቶ።

“ቁልምጽ!” ድማ በላ ደጊሙ ነምሓረተይቲ” በልኩ ወይለቦኹም ንብሕተይ ኣብ መኾፈልየይ ተራዕሪዐ። ኣብዛ ዘላ እዋን  ኣብ ዞባ ምዕጎ ድሙድሙ እንተንዓስል ወደባቴ ብርግጽ ከምዚ ዝበልኩኹም ምበለና! ግናስ ኣይተዓደልናዮን!!!

እንተ ኣቶ ንኣምን ዘለቄን እቲ ተሸጒሩ ክንሱ ከይፈለጦ ብሑጓ ክድርገሞ ዝሃቀነ ስዉር ፖለቲካዊ ቤትሞ ምስቲ “ናትኩ ም” ዝበሉና ተዛራባይ ኣምሓርኛን ለኣኺኡ ወዲ ብርን መኺኑ ከምዝተርፍ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ጽንሕ ጥራይ!! ጸጽቡቑ ድማ ኣስማዓና ፈጣሪ ኩላ ዓለም!


ካብ ሰነድ ታሪኽ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • EithiYesus June 14, 2016

    Xerfi mxraf ay nay werejan bflay netom bzeyflat nHGDEF zdgfu keterediom tray iyu zeleka ember kem SHAEBYA bxerfn bMelkiu mkfaen ztekim aykonen Giega eyu

POST A COMMENT