Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገበን መራሕትኻ ምክልኻል – ብህዝቢ ምልጋጽ/ ምትላል

(ሃብተማርያም ሚካኤል ካሊፎርንያ/ሳክራመንቶ) ብዕለት 10/09/11 ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሔ ናይ ኣባላት ደግሓኤ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ከምኡ’ውን ኤውሮጳ ዘውጽእዎ ቴማ ወድዓዊ ሓቅነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ውሻል ናይ መርሕቲ ኰንካ ውድባዊ ዓብላልነት ንምርግጋጽ እዩ። ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር

(ሃብተማርያም ሚካኤል ካሊፎርንያ/ሳክራመንቶ)

ብዕለት 10/09/11 ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሔ ናይ ኣባላት ደግሓኤ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ከምኡ’ውን ኤውሮጳ ዘውጽእዎ ቴማ ወድዓዊ ሓቅነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ውሻል ናይ መርሕቲ ኰንካ ውድባዊ ዓብላልነት ንምርግጋጽ እዩ።

ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር ከምዝብሃል፡ ሓለይቲ ሃገራዊ ጉባኤ ክመስሉ ካብቲ ዝተገልጸ ንምጥቃስ ዝኣክል እዘን ዘስምረለን ዘለኹ ሕንጻጻት ንመልከት።

“ስራሕካ ከየጽፈፍካ ብምልኣት ከይተዳለኻ፡ ዛሕዛሕን ዘርጠብጠብን እንዳበልካ፡ ብህልኽን ብሒንኬራን ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳራ’ምበር ፍርያት ከምዘይርከቦ ተመኵሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይምህረና እዩ” ይብል። ቀጺሉ እውን “ደም ብዘይብሎምን ብሕሽይኽሹኽን ብውሽጢውሽጥን ዝፍኖ“ ተወልደ ምስ ገለ ውድባት ኮይኑ ካብ ስልጣንኡ ምእንቲ ከይወርድ ጉባኤ ይመሓላለፍ ብምባል ስራሕ ህግዲፍ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል መርዛም ፕርፖጋንዳ፡ ንህልው ኵነታት ኣጋባብ ኣቀላልሳና ጌለና ንምምዛኑ ክሳብ ክንደይ ነቲ ሓቅታት ከም እንስሕቶ እዩ ዘመልክት።” ወዘተ… ዝብል ጽሑፍ ሲጊንጢር እዩ።

ክቡራት ተዓዘብትን ብህዝቢ ተገደስትን ፍርድኹም ሃቡ። ብመጀመርያ ንዝኾነ ይኹን ተሳታፊ ጉባኤ ከይተዳለወ ጊዜ ይኹን ዕለት ኣይውሰንን ግዜ ድማ ኣይምደብን እዩ። ሃገራዊ ኮሚሽን ብመሰረት ሃገራዊ ዋዕላ ዝሃባ ሓላፍነት ዓመት ምሉእ ሰሪሓ ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ተመያይጣ፡ ዝምችእን ዘሰማምዕን  ጊዜ ክውሰን እንከሎ እዞም 6 ውድባት ዝበሃሉ ዘለዉ ኣካላት ናይቲ ዕለት ምውሳን እዮም ኔሮምን ዘለውን። ምኽንያቱ ሃገራዊ ኮሚሽን ብኣባላቶምን ብኣባላት ህዝብን ስለዝቖመት። ዓይኖም ዓሚቶም ወይ ሽዑ ጊዜ ከቢድ ድቃስ ወሲድዎም ኣብ ሕልሚ ስለዝነበሩ ኣየስምዕን። ህዝብን ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብፍኑው ብዛዕባ ዕለተ ጉባኤ ብወግዒ ተገሊጹ። ዘይተማልኤ ክማላእ ምንቅስቃስ ተገይሩ። መስርሕ ወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳብ ስጉምትታት ምምራጽ ወከልቲ ተወዲኡ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ናይ ናብርኦምን ስርሖምን ስድራ ቤቶምን ኵነታት ምስቲ ግዜ ሃገራዊ ጉባኤ ኣሰማሚዖም ወጊኖምን ተዳልዮምን። ብዘይ ህዝቢ ድማ ሃገራዊ ጉባኤ ክትግበር ከም ዘይክእል ንጹር እዩ።

ስለዚ ኣባላት ደግሓኤ ናይ ውድብናን ናይ መራሒናን ዝብሎ እምበር ናይ ካልእ ኣየግደሰናን ማለትኩም ምዃኑ ንጹር እዩ ዝመስል። ከይተዳለኹም ዛሕዛሕ እናበልኩም ክትከዱ ወይ ዝኾነ ተሳታፊ ክኸይድ ዝወጸ መመርሒ ኣይነበረን፡ የለን። እንታይ’ድኣ ኩሉ ክዳሎ ዝኣክል መስርሕ ተኻይዱን ኩሉ ድማ ተቐቢልዎ። ኣብቲ ሰዓት እቲ መራሒኹምን እተን መሻርኽቱ ውድባትን ዝተቐበልኦ እንተድኣ ነይረን ስለምናታይ ክሳብ ክልተ ሰሙን ዝተርፎ ተጸብየን??? እስከ መልሱ በጃኻትኩም!! ነቲ ሓቀኛ ወድዓዊ ምኽንያት ዕለተ-ጉባኤ ምቕያር ብመልክዓውን ዘይወድዓውን መግለጺ ጌርኩም ምሽፋን ንህዝቢ ምትላልን ምልጋጽን ጥራሕ እዩ ዘመልክት። እቲ ደም ብዘይብሎም ብሕሹዅሹዅን ብውሽጢውሽጥን ዝፍኖ መርዛም ፕሮፖጋንዳ ዝበልክምዎ ድማ ብቀጥታ ንተግባርኩምን ንመርገጽኩምን ከይተፈለጠኩም ትሃርምዎ ምህላውኩም የርእየና። ከምቲ መምርሒ ናይ ሃገራዊ ኮሚሽን መሰረት ሃገራዊ ጉባኤ ብህዝባዊ ጸብለልትነት ክትግበር ንዝብል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩሉ ተገዳሲ ኣብዚ መርገጽ እዚ ጠጠው ኢሉ ስለዝተቃለሰ ትነቕፍዎ ኣለኹም። ውድብኩምን መራሒኹምን ከይዕብለለኩም ገበን ንዝገበሩን መሰል ህዝቢ ንዝገፈፉን ወይ ዝዓመጹን መራሕቲ ኪዳንን ተሓባበርቶምን ብምድጋፍኩም ተሓባበርቲ ናይዚ ዓመጽ ምዃንኩም ትሕብሩ ስለዘለኹም ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ብህዝቢ ክምከት ምዃኑ ዘይምርዳእኩም ግን ካብ ዕውራት ዝገደድኩም ኢኹም ክብል እደፍር።
ኣብ መደምደማታይ ክብሎ ዝደሊ እንተ ኣልዩ፡ ክንሓፍ ዘይግብኦ ሓላፍነታዊ ጉዳይ ምዃኑ እቲ ዝፈጠሮ ጠንቅታት
ምስትውዓል የድሊ።

ብላዕለዎት ኣካላት ናይ ኪዳን መራሕቲ ዝተሃንደሰ ኮይኑ ብመሰረት መራሕትኹም ዝረኸብዎ ጸብጻብ ብህዝቢ ከምዝተዓብለልኩም ምስ ገምገምክምዎ ንሃገራዊ ኮሚሽን ተጽዕኖ ብምግባር ተዋስኦ ክስራሕ ተኣሊሙ። እዚ ኹሉ ብህዝብን ብሲቪካዊ  ማሕበራትን ዝተወከሉ ኣሰናኺልካ ብኣካላት ናይ ውድባት ዓብሊልካ ስልጣን ጨዊኻ ኣብ  ረብሓ ላዕለዎት ኣካላት ናይ ኪዳንን ኮሚሽንን ንኽውዕል ዝተገብረ ሽርክነታዊ ስምምዕ ናይ  ጎሓላሉ እዩ። ስለዚ እቲ ጠንቂ ተንኮል ላዕለዎት ኣካላት ናይ ኪዳንን መሻርኽቶም ውድባትን  ስልጣን ንምሽማው ዝተገብረ እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ዕለት ሃገራዊ ጉባኤ ምቕያርን ንተወኪሎም ዘለዉ
ኣካላት ህዝቢ ድማ ምስንኻል ስለዝኾነ ህዝቢ በሪሁሉ ኣሎ። ኣድላዩ ስጉምቲ ክውሰዶ ምዃኑ ዘይተማህረ  ይምሃር ጥራሕ እየ ክብል ዝኽእል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • peter October 14, 2011

    You are right on brother ! In my believe the reason for the back off is occured after the man appeared in New York , UN , and thousands of people came out from Canada and US to support him.The expectetions was he is going to be met by massive demonestration , the meeting in Manhanten is not going to be successful….etc The oppsition was so shocked, they do not dare to demonestrate until the man left on the 26th of September with a bit more than 20 people for half an hour for the camera. It was a shock also to the woyanes , in privet and in puplic admited that they never expected , what happened in New York , because they were told that the Eritrean people are united against the man , New york will met him with thousands of Eritreans who will oppose him , and send him home in shame. These unforseen situation cause the division that you witnessed. As far as the oppostion continue to be divsions rather than one coherant force , and continue to meet in Addis , no Eritrean going to follow them . Eritreans dislike of the woyanes for deporting , arresting , confesticating , killing our people and occupying our land. The dislike of woyanes are much more bigger than the urge for democracy , or election. As far as the woyanes are occpying our land and the opposition meeting in the living room of the woyane , we can trust them . All valer and proud Eritrean will continue to support the curret gov. by neccessity rather than choose.

Post a Reply to peter Cancel Reply