Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገዲም ተጋዳላይ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

ቅድምን ድሕንርን ናጽነት ምእንቲ ሓርነትን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሱ፣ ገዲም ተጋዳላይ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኦም፣ ብ 23 ለካቲት ኣብ ለንደን ዓሪፎም። ስነስርዓት ቀብሮም ከኣ ኣብ ከባቢ ለንደን ‘ሳላም’ ኣብ ዝተባህለ መካነ

ቅድምን ድሕንርን ናጽነት ምእንቲ ሓርነትን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሱ፣ ገዲም ተጋዳላይ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድሚኦም፣ ብ 23 ለካቲት ኣብ ለንደን ዓሪፎም።

ስነስርዓት ቀብሮም ከኣ ኣብ ከባቢ ለንደን ‘ሳላም’ ኣብ ዝተባህለ መካነ መቓብር ሓመድ ኣዳምለብስ እዩ።

ኣብ ሕርጊጎ ዝተወሊዶም መባእታ ትምህርቶም ኣብ ሕርጊጎ ዝተኸታታሉ ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር፣ ናይ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን እንተላይ ናይ ዶክትረይት ትምህርቶም ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ዝፈጸሙ፣ ሓያለ መጽናዕታዊ ስርሓት ዘሰላሰሉ ካብ ቀዳሞት ወለዶ ምህራት ኤርትራውያን ‘ውን እዮም።

ቃልሶም ስለ ኤርትራን ህዝባን ምስ ምንቅስቓስ ሓራካ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ምስ ስሙር ውድብ በብደረጅኡ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ከምዝቐጸሉዎ ይፍለጥ።

ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኳ እንተነበሩ፣ ኣብ 1994 በቲ ስርዓት ግዳይ ጸቕጥን ሃድንን ኮይኖም ከምዝተጓሳቜሉ፣ ካብ ኣስመራ ምውጻእ ምስ ተኸልከሉ ‘ውን ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ካሮ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የገንዝብ።  ኣብ ለንደን ዑቕባ ረኺቦም ክሳብ ዝዓሰሉሉ ግዜ ኸኣ ካብ 2002 ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣባል ምሕዝነት ብምዃን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ተጸዋዒ ኮይኖም ኣገልጊሎም።

ነፍሲሄር ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር፣ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ብኣካል ብምርኻብ፣ ኣብ ዓዲ ዓረብ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደገፍ ኣብ ምጕንጻፍ ብዘካየዱዎ ምንቅስቓስ ከምዝፍለጡ ይሕበር። ኣብ በይሩት ናይ ሚድያ ማእከል ኣብ ምምስራት ከምዝነጠፉ ‘ውን ይፍለጥ

ኣሰና ዶር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እናበለት፣ ንቤተሰቦም ጽንዓት ትምነየሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Genet-orginal February 25, 2014

    RIP
    My condolence to his family. My Allah be with you during this sad time.
    Genet-O

  • ahmed saleh February 25, 2014

    Our elders particularly who contribute their whole life for the cause of their people suppose to enjoy their last time in life with their society in the land they love . But unfortunately Issayas
    is evil at heart who show no mercy even to his close associates who are dying in prisons and to
    the late Nayzghi Kiflu . Abona Dr. Mohamed deatn in exile is part of our sad reality.
    MAY ALLAH BLESS HIS SOUL.

  • ERITRAWIT February 26, 2014

    R.I.P
    To our dear Eritrawey Abo.

  • Mesinas February 28, 2014

    ክቡር ኣቦ መንግስቲ ሰማይ የዋርሶም፤ ንስድራቤቶምውን ጽንዓት ይሃብ።

POST A COMMENT