Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉባኤ ኣዋሳ ብዓይኒ ተጋባእቲ

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእይናን ዓቕምታትናን ነስምር!!! እዚ መርሓ ጭረሖ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ፡፡ እቲ ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2011 አብ ከተማ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፈላሚ ታሪካዊ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ስሚዒት ተጋባእቲ ዘንተ

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእይናን ዓቕምታትናን ነስምር!!! እዚ መርሓ ጭረሖ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ፡፡ እቲ ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2011 አብ ከተማ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፈላሚ ታሪካዊ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ስሚዒት ተጋባእቲ ዘንተ እለት ዝሕደስ ዝኽርን ጦብላሕታን ገዲፉ’ዩ፡፡ ብዙሐት ብዓይኒ ከቢድ ስግኣት ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝርእዩ ዝነበሩ ወገናት ጋሪድዎም  ዝነበረ ስታሪ መንፈስ ውን ከም ዝትርባዕ  ኮይኑ’ዩ፡፡ህዝብን መንግስትን ኢትዮጲያ ምእንቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክልተኣዊ ሓባራዊ ረብሓን ነቲ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ዝብል ዘሎ ኤርትራዊ ንኽተኣኻኸብ ባይታ ምፍጣሮም ብኹሉ ተጋባኢ ልባዊ ምስጋና ተዋሂቡ ኢዩ፡፡ከምቲ ኣቦዎት ዝብልዎ መን ይንገር ዝዋዓለ ኢዩ፡፡ ዘይነበሩን ዘይዋዓሉን ገና እቲ ገመል ስግሙኡ ከይጀመረ ክነብሑሉን ክግዕሩሉን ሪኢናዮምን ኣስተባሂልናሎምን ኢና፡፡ ምግዓሮምን ምንበሖምን ግን ላህሊህካ ዘፍ ካብ ምባል ዝፈየዶ ነገር ኣይነበረን፡፡ መዓልታዊ ዕማማት ጉባኤን ጉባኤኛታትን ብግሉጽ እተቕርብ ዝነበረት ልሳን ህዝቢ ዝኾነት ኣሰና ንምዕጻው ዝተገበረ ከንቱ ህቀና ውን ሓደ መርኣያ ናይቲ ዋዜማ ዘመነ  ቅብጸቶም’ዩ፡፡ ሎሚ  እቲ  ኣብ ኣዋሳ ዝተቓነዐ ታሪኻውን ባብ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ  ንኽረሓው መገዲ ዘጣጠሐ ጉባኤ፡ ጉባኤኛታት ብዘሰከምዎ ረዚን ሕድርን ሓላፍነትን ኣብ ጉባኤ ንዝተፈጸሙ ጌጋታት ኣለልዩ ኣቃውሙኡ ኣመዓራርዩ ንጹር ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ሓንጺጹ ንስራሕ ክብገስ ኣዒንቲ ኩልና የማዕድዎኦ ኣለዋ፡፡ንቓልሲ ክትብገስ መሪሕ ተራኻ ክትጸወት ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ኣብ ውሽጥኻ ክሓድረካ ኣለዎ፡፡ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝግበር ቃልሲ ቅርሕንትኻ ሕነ ትፈድየሉ ውልቃዊ ድሌታትካ ተተግብረሉ ሜዳ ስለ ዘይኮነ፡፡ስለዝኾነ ብወከልቲ ህዝቢ ዝተመረጹ  ኣባላት ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ኣብ ቅድሚኦም ከበዲቲ ብድሆታት ምህላዎም ተገንዚቦም ካብ ቅርሕንትን ካልእ ሓለኽቲ ነገራትን ተቖጢቦም ብዝለዓለ እጃሞም ከበርክቱ ክሕተቱ ኢዮም፡፡”carrot and stick principle”ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ልዕሊኦም ኣነጻጺሩ ከም ዘሎ ውን ከስተባህሉ ይግባእ፡፡ጌጋታት ዝሓለፉ ዓሰርተው ዓመታት ተኣሪሞም ህዝቢ ንኽድበስ ትርግታ ልቡ ብዝግባእ ምስማዕ ከድሊ ኢዩ፡፡ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዝበሃል ኣካይዳ ኣብ ቅርዓት ወጺእካ የለን፡፡  ጉባኤ ኣዋሳ ከመይ ነበረ…?ብልጫታትን ድኽመታትን ጉባኤ ኣዋሳ እንታይ ይመስል?ትጽቢትን ባህግን ተሳተፍቲ ጉባኤ ተመሊሱ’ዶ? ቅድሚ ናብቲ ሰፊሕ ዝርዝር ምእታወይ ጉባኤ ኣዋሳ ብዓይኒ ታጋባእቲ እንታይ ይመስል ነይሩ ብሕጽር ዝበለ ክድህስስ ክፍትን እየ፡፡

ጉባኤ ኣዋሳ ንኣከንውና ሕ/ሰብ ኤርትራ ዘንጸባረቐ ኣቃውማ ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ፡፡ገዳይም ሙኩራት ተቓለስቲ፡ምሁራት ፖለቲከኛታት፡ተረከብቲ ሃገር መናእሰያት፡ደቂ ኣንስትዮ፡ስንኩላን፡ ዳርጋ ንኹለን ብሄራትን እምነታትን ዝወከሉ ተሳተፍቲ ካብ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቭል ህዝብን ዝሓቖፈ ውን ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ጉባኤ ኣዋሳ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝቐልጠፈ ንምእላዩን ሃገርን ሃገራውነትን ካብ ምብዳም ንምድሓንን ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ዕዮ ምዃኑ ብጋህዲ ተንጸባሪቑ ኢዩ፡፡ፍትሕን ዲሞክራስን ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ጸሚእዎ ኣሎ ኣስታት 600 ተሳትፍቲ ጉባኤ ኣዋሳ ህያው ምስክራት እዮም፡፡በቲ ኣዝዩ ንኡስ ኣበርክቶይ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ካብ ዝተዓደሙ ጀማሪ ጸሓፋይ ሓደ እየ፡፡ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰፊሕን በዳህን ጉባኤ ክሳተፍ ብምኽኣለይ ከኣ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክሳብ ከንደይ ከቢድን ሓርፋፍን ምዃኑ ዓሚቕ ኣፍልጦ ንኽድልብ ሓጊዙኒ ኣሎ፡፡ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ  ንልዕሊ 50 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ብድመጺ ዝተስነየ ቃለ-መሕትት ኣካይደ፡፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ድማ፡ ተመክሮታቶም ከመይ ምዃኑን ንጹር መደባቶም  እንታይ ከም ዝመስልን ሓሳብ ንሓሳብ ንኽለዋወጥ ዕድል ረኺበ እየ፡፡ ብፍላይ ምስቶም ኣብ ክሊ ዕድመይ ዝርከቡ መናእሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኤውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ሱዳን፡ኢትዮጲያ ዝተገብረ ሓባራዊ ርድድእ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ጥርዚ ናይቲ ሃረም ከም ዝርከብ ተነጺሩ ኢዩ፡፡ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ግደኻ’ዩ፡፡ሎሚ መዋእሎም ኣብ ቃልሲ ዝኸርተቱ ሓርበኛታት ማዕረ ማዕረና ኣብ ናይ ውድድር መድረኽ ተሰሊፎም ቀዲሞም ነቲ ናይ መጠረሽታ ሕንጻጽ ክረግጹ ምጽባይ ሓላፍነትና ምዝነጋዕ ኢዩ፡፡ እዞም ሓርበኛታት ኣቦታት ኣብ ግዝኦም ቃልሲ ንናጽነት መሪሖም ተኣምር ዝሰርሑ ኢዮም፡፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተው ዓመታት ግደ መናእሰያት ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣዝዩ ዝሕቱል ኣይነበረን ውን ክትብል ዘድፍር ምዃኑ ብግሉጽ ዝተረዳዳእናሉ ኢዩ፡፡ካብ ሱሳታት ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዲሒሩ ድማ ምልኪ ህ.ግ.ደ.ፍ. ይፍረስ ብምባል መሬት ዓዱ ንኣስታት 30 ዓመታት ዘይረገጸ ሓደ ካብ ገዳይም ተቓለሰቲ ተስፋታቱ ብኸምዚ ዝስዕብዩ ገሊጹለይ፡፡ “ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዓበይቲ ዝሸምገልና ጥራይ ኢና ንሳተፍ ነይርና፡፡ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ መንእሰይ ክሳብ ክንደይ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ቀቲልዎ ምስ ከቢድ ስክፍትኡ የተሓሳስበኒ ነይሩ፡ ሎሚ ግን ኩሉ ሻቕሎተይ ተቐንጢጡ፡፡ሓያላት መስተውዓልቲ ኪኢላታት ተካእትን ተረከብቲ ሃገርን  መናእሰያት ከም ዘለዉ ርእየን ኣሚነን፡፡ሓንቲ ዘተሓሳስባ ግን ጭራ ነብርን ቃልሲንዲሞክራስያዊ ለውጥን ሒዝካ ምገዳፍ ኣይካኣልን ኡዩ፡፡መናእሰያትና ህንጡይነት ኣወጊዶም ርጉኣትን ናይ ጽባሕ ሰኣልትን ኣማዕደውትን ክኾኑ ኣለዎም፡፡”እዚ ቃላት’ዚ መንእሰያት ክሳብ ክንደይ ካብቲ ቃልሲ ኣግሊልና ጸኒሕናን ሕጂ ድማ ምሉእ ሓላፍነት ንኽንርከብ ንጽዋዕ ኣለናን መርጋገጺ ኢዩ፡፡እዞም ሓርበኛታት ተቓለስቲ ነዊሕ ዓመታት ተስፋ ከይቆረጹ ነዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ዘጣጥሑ ኢዮም፡፡ጉባኤ ንኽካየድ ኣስታት 600 ኤርትራውያን ኣብ ኣዋሳ ተኣኪቦም ጉዳያቶም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንኽረዳድኡን ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ክሕንጽጹን ዝገበሩ ኢዮም፡፡ስለዚ ዋላኳ ኣብ ሕድሕድ ፖለቲካውያን ውድባት ዘሎ መሰረታዊ ዘይኮነ ግርጭታት እንተሃለዎም ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ክምስገኑ ዝግበኦም ገዳይም ተቓለስቲ ምዃኖም ክዝንጋዕ ኣይግበኦን፡፡እዚ ክብል ከለኹ ግን ንቓልሲ ዝዕንቅፍ ጌጋታት፡ ህ.ግ.ደ..ፍ. ኣራጢጡ ብዘይ ስክፍታ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ኣከያይዳታት ፈቓቕ ንዝፈጥሩ  ዕፉን ብሽፍኑ ከም ዘይረኣናዮ ንሕለፎ ንምባል ከምዘይኮነ ምዝካር የድሊ፡፡

ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ቅንያት ጉባኤ ኣዋሳ “መልሓስ እቲ ውሕጀው” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ሓጺር ጽሑፍ ጉባኤ ኣዋሳ እንታይ ከም ዝመስል ካብ ውሽጢ ኣደራሽ ጉባኤ ኣቕሪበ ነይረ፡፡ብርግጽ ሕጂ ውን ከምቲ ሽዑ ዘተንባህኩዎ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣዋሳ መልሓስ ናይቲ ድሒሩ ዝመጽእ ከቢድ ማዕበላዊ ውሕጅ እምበር  እቲ ቀንዲ ውሕጅ ኣይነበሩን፡፡ እቲ ቀንዲ ፍሉይነት ጉባኤ ኣዋሳ ብዝሕን ጽኑዕ ናይ ምቅላስ መንፈስ ዝውንኑ መናእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉዎ ምኽኣሎም ኢዩ፡፡ ከምኡ ስለዝነበረ ድማ ትዕዝበትታተይ ብኦኦም እንትጀመርኩ ዝበለጸ ኮይኑ እስማዓኒ፡፡ካብ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መናእሰያት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ተወኪሉ ዝመጸ መንእሰይ ኢዩ፡፡ሓፈሻዊ ትዕዝብትታት ጉባኤን ዝነበሮ ትጽቢትን ከውንነትን እንታይ ከም ዝመስል ድሕሪ ምሕታትይ ተራ መናእሰያት ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብኸመይ ትግምግሞ ክብል ውን ተወኪሰዮ ፡፡” ጸሓፊ ኣማኑኤል ሳህለ መገዲ መንእሰይ ትብል ሓንቲ ጽሕፍቲ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ምስቲ ዘቕረቦ ሓሳብ እሰማማዕ እየ፡፡ንእስነት ብብዙሕ መገዲ ዕዳ ኢዩ፡፡ንሃገርካን ህዝንኻን ብዘስካሕክሕ ምልኪ ውሑዳን ንዝሳቐ ዘሎ ወገንካ፡ ክትቃለሰሉ  ኣብ ትኽእለሉ ቦታ እናሃለኻ ገለ ከየበርከትካ ክትሓልፍ ግን እቲ ዝኸበደ ዕዳ ኢዩ፡፡ከምቲ  ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብግዜ ንእስነትካ ዘክሮ ዝበሃል ኣብግዜ ውዑይ ሓይልኻን ንቑሕ ኣእምሮኻን ንረጋጺ ፍትሕን ዓማጽን ምቅላስ ቅዱስ ተግባር ኢዩ፡፡ንሕና መንእሰያት ነታ ብመዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተገዘምናያ ሃገር ንዓመጽትን ገበትን ኣረኪብና ኢድና ኣጣሚርና ኣማዕደውቲ ክንከውን ኣየምሕረልናን ኢዩ፡፡ብደሆ ኣንጻር እቲ ንምጽናትናን ምብትታናን ናይ ሓይለቡኡ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ጻት-ንጻት ከነቃልሕ ይግበኣና፡፡ነዊሕ ዓመታት ናይ ቃልሲ መንፈስና ንምድኻም ልኡማት ክንከውን ዝተሃንደሰ ሽርሒ ኣለሊና መሪሕ ተራና ክንጻወት ናይ ኣእምሮ ትብዓት ከነጥሪ ይግባእ፡፡”ክብልዩ ንጹር ሓሳቡ ገሊጹለይ፡፡

ብተመሳሳሊ ንሓደ ካልእ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ኣብ መጀመርያ ሰላሳታት ዝርከብ መንእሰይ ውን ኣዘራሪበዮ ነይረ፡፡”ህ.ግ.ደ.ፍ. ግዚኡ ዝሓለፎ ቁማር ታላት ወረጋ ኢዩ ዘጻውተና ዘሎ፡፡ኣቦታትና ክምስሉ ኢድ ዓሻስ ተመን በትሪ ይመስሎ ኢዮም ዝብሉ፡፡ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቲ ኣብ ግዜ ናጽነት ዝነበረና ሕሉፍ እምነትና መዝሚዙ መርዛም ተመን ብኢድና ከም ንጭብጥን በቲ ዘይ-ምሕር ሕንዙ ባዕልና ከም ንንደፍን ኢዩ ዝገብረና ዘሎ፡፡ንናጽነት ኤርትራ ይኹን ድሒሩ ዝሰዓበ ኣዕናዊ ኵናት መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሓባር ደሙ ከምዘየፍሰሰ ሎሚ ሓደ ዋና እቲ ካልእ ጓና ጌርካ ከተታፋንኖ ምፍታን ብፍላይ መንእሰያት ክንነቕሓሉ ዝግባኣና ጉዳይ ኢዩ፡፡ህ.ግ.ደ.ፍ. ብኣፉ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ እናዘመረ ብታሕቲ ከቢድ ፈላላይ መርዝታት ነስኒሱልና ኢዩ፡፡ገለ  መንእሰያት በዚ ሓደገኛ ዕድመ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘናውሕ መርዚ ተለኺፎም ክትረኢ ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ህዝቢ ከብዱ ሓቒፉ ብኸቢድ ፍረሂ ተዋሒጡ እናሃለወ፡ትርጉም ናጽነት እንታይ ምዃኑ ከሳብ ዝጠፍኦ ከም ሕሱም እናተጨፍጨፈ፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ጅምላዊ ስደት መናእሰያት እናሃለቑ ፡ዘይ ክውንነታውያን እንተታት ደረዲርካ ሱር መሰረትካ ተነቂሉ እናተባሕጎገ ኢድካ ኣጣሚረካ ከትርኢ ሓላፍነትካ ምዝንጋዕ ኢዩ፡፡ሎሚ ይጽናሓለይ ከይበልና ነዚ ሓደገኛ ሽርሒ ንምኹላፍ በቢወገና ንቓልሲ ተበጊስና ዘለና መናእሰያት ንኹልና ዝጠምር ሓደ ጽላል ክንምስርት ይግባእ፡፡ልዕሊ ዝኾነ ድማ ነዚ ብደም ንጹሃን ኤርትራውያን ዝዓፍተወ ጨፍላቒ ስርዓት ብዝቐልጠፈ ንምእላይ ግሉጽን ንጹርን ራእይን ስትራተጂን ክህልወና ኣለዎ፡፡ካልእ ንማንም ዘይውክል ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ . ዕድመ ልከዑ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ንኽጸንሕ ኣሽሓት ገንዘብ ዝባኸነሉ ናይ ፕሮፖጋንዳ ወፍሪ ኣካይዱ ኢዩ፡፡ ሓደ ካብቲ መርዛም ሽርሕታቱ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቲኻ ምቅላስ ከም ከቢድ ሃገራዊ ክድዓት ኣብ ኣእምሮ ዜጋታት ከም ዝሰርጽ ምግባር ኢዩ፡፡ሎሚ እዚ እከይ ናይ ሽርሒ ሜላ ተሳዒሩ ኢዩ፡፡ኣስታት 70 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ኣብ ኢትዮጲያ ዑቑባ ሓቲቶም ኣለዉ፡፡ካብዚኦም ልዕሊ 80% መናእሰያት ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ ኢዮም፡፡እዚ ድሙቕ ስእሊ’ዚ ጽላኣት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ክንደይ ኣብ ህዘቢ ስነብራት ገዲፉ ኣጉሊሑ ዘርእይ ኢዩ፡፡ ኣብ መጠረሽታ ከተሓሳስባ ዝደሊብዙሓት ዝተበደሉ ዝተገፍዑ ወገናት በዚ እከይ ሽርሒ ካብ ቃልሲ ርሒቖም ድምጺ ዘይብሎም ኮይኖም ከም ዘጽቅጡ ኮይኖም ኢዮም፡፡  ጉባኤ ኣዋሳ ነዚ ከቢድ ስቕታ ከም ዝሰብሮ ድማ ዘጠራጥር ይብለይን፡፡”

ብዜካ መንእሰያት ካልኦት ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣዋሳ ውን ንብዙሓት ኣዘራሪበ እየ፡፡ሓንቲ ኣብ ሃገረ ጀርመን ንነዊሕ ዓመታት ዝተሰደደት ኣደ ዝሃበትኒ መልሲ ግን ንሕልና ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝኹሕኩሕ ኢዩ፡፡ብመጀመርያ ኣብ ኣከያይዳ ጉባኤ ኣዋሳ ዘለዋ ትዕዝብት ዕጋበትን እየ ተወኪሰያ፡ ቀጺለ ጉባኤ ኣዋሳ ኣብ ዓበይቲ መርበባት ዜና ዓለም  ኣስካሕካሒ  ቅዝፈት መናእሰያት ኤርትራ ኣብ ሲናይ ኣብ ዝቃላሓሉ ዘሎ ግዜ ኢዩ ዘካየድ ዘሎ፡፡እግሮም ናብ ዝመረሖም ብጅምላ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን መናእሰያት “እዚ ውን ክሓልፍ’ዩ!!”ዝብል ጽሑፍ ኣብ ኣኻውሕ ሲናይ ከም መዘከር ወቒሮም ብዘይ ንቡር ኣገባብ ናውቲ ከበዶም ተዘሪፎም ካብ ጋህስትታት ክወጹ ዓለም በዓለሙ ርእይዎ ኣሎ፡፡ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ህሞት ገለ ገለ ኤርትራውያን ኣዴታት ስእሊ ገባቲ ኢሳይያስ ሒዘን ከዘላን ክስዕስዓን ክትርኢ እምበርዶ ኤርትራዊት ኣደ ኢያ ዘብልዩ፡፡ንስኺ ሓንቲ ካብ ኤርትራውያን  ኣዴታት ኢኺ፡፡ነተን ኣብ ልዕሊ ሬሳ መናእሰያት ኤርትራ ዝዘላ ዘለዋ ከማኺ ኣዴታት እንታይ ምኽርን ለበዋን ተመሓላልፍለን? ገና ቅድሚ መልሲ ምሃባ ንብዓት’ዩ ሰዒርዋ፡፡ ውሽጣዊ ሓዘናን ቁጠዐኣን ብቐሊል ዝዓርፍ ስለ ዘይነበረ ውን እናተነኽነኸት ዝተቖራረጸ መልሲ’ያ ሂባትኒ፡፡

“ኣነ መሰል ጻጸ ውን ይከበር ኣብ ዘበሃሎ ዓዲ”የ ዝነብር፡፡ኣሽነካይ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ኩቡር ሰብ፡ ህይወት እንስሳታት ውን ኣብ ዝኽበረሉ ሃገር፡፡ውሉዳ ኣብ ቅድሚ ዓይና እናተጨፍጨፈ፡ ካብ ሕቑፋ ተመንጢሉ እናተኣስረ፡ ብዓቢኡ ድማ ሬሳታት ደቃ ብዘይ ንቡር ቀብሪ ኣብ ባሕሪ ክጥሕል ኣብ ሲናይ ቀለብ ኣሞራ ኮይኑ እናረኣየት እናሰመዓት ኣብ ጓይላታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሰኺራ እትዘልል ፍጥርቲ ኣራዊት እምበር ኣደ ክብላ የሰክፈኒ ኢዩ፡፡”ክትብልያ መሊሳትለይ፡፡ካልእ ንሓደ ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ዶክተር ናይ ሕጊ ምሁር  ውን ኣዘራሪበዮ  ነይረ፡፡”ህዝብና ብናይ 20 ዓመታት ኣደንቋሪ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሰታሪ መንፈስ ክጉልበብ ተገዲዱ ኢዩ፡፡ወያነ ዲል ከይረክብ፡መፍቶ ኣመሪካ ከይንኸውን፡ኣብ ናይ ከበባ ኲናት ኢና ዘለና፡፡ ብምባል ብህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝባኑ ዘተኻዕዎ ጓሓፍ ከም ንቡር ወሲዱ ከም ዕፉን ጋሃጽሃጽ ኣብ ዝበለ ጓህሪ እናተጠብሰ ዶኽ ኢሉ እናሓረረ ክስሕቕ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ካብ ሕጂ ንንየው ግን ሓዊ እናሓረርካ ሰሓቕ ዝህሉ ኣይመስለንን፡፡እቲ ምንታይ ማዕጾ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ቤት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝፈጸሞ ዘይጽወር ግፍዕታት ተዃሕኲሑ ኢዩ፡፡”

ጉባኤ ኣዋሳ ከምዚ ዘኣመሰለ ኣረኣእያን ጽኑዕ ናይ ምቅላስ መንፈስ ዝውንኑን ውከልቲ ህዝብን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ዝተጋብእሉን ኢዩ ነይሩ፡፡እቲ ብቐጥታ ብድምጺ ዘካይድከዎ ዝርርብ ኣብ ዝቕጽል ከም ዘለዎ ናብ ሰማዕቲ ከቃልሖ ክፍትን እየ፡፡ከምቲ ቀዲመ ኣብ መእተዊ ናይ’ዚ ጽሑፍ ዘተንባህኩዎ ጉባኤ ኣዋሳ ከመይ ነበረ?ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዛዕባታት ተሰማሚዑ? እንታይ ብልጫን ድኽመትን ነይርዎ? ኣብ ዝቕጽል ብዝሰፈሓን ብዝተማለኣን ናብ ኣንበብቲ ከቕርቦ እየ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • sara January 4, 2012

    the assena web page was cyber attacked by the government of Eritrea…..
    the government of shaebia tried to bomb the African union meeting…
    .
    what a joke from mischievous-es camp!!!!!!!

POST A COMMENT