Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዳይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ሰንበት)

እዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት እነካይዶ ዘለና ምንቅቓስ ምስቲ ቀደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ባህሪ ናይቲ ግጭታት ዝተፈላለየ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን፣

እዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት እነካይዶ ዘለና ምንቅቓስ ምስቲ ቀደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ባህሪ ናይቲ ግጭታት ዝተፈላለየ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን፣ እዚ ናይ ሕጂ ቃልሲ ግን ኤርትራዊ ምስ ኤርትራዊ ስለዝኾነ ከቢድ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ሃሱሳትን መዋቐርትን እቲ ስርዓት ኣብ ዝጋለጹሉ እዋን፣ ደቂ ዓዲ፣ ቤተሰብ ወይ ኣሕዋት ስለዘለዉዎም ነቲ ጉዳይ ብቐሊሉ ምቕባል ክኸብድ፣ ካብኡ ሓሊፉ ምክልኻል ከጋጥም  ልሙድ እዩ። እዚ ባህርያዊ ጠባይ ወዲ ሰብ ምዃኑ ተረዲእካ ብመጠኑ ሸለል ክብሃል ዝኽእል ‘ኳ እንተኾነ፣ ካብዚ ኣመና ሓሊፉ፣ እቲ ክዉንነት ብዘየገድስ ብጻይነት ብዋጋ ሕውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ክፍተን ከሎ ግን ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። በቲ ሎሚ ተኽለዝጊ ዝገበሮ፣ ነቲ ናይ ግንባር ናቕፋ ዱባለ ክንከሶ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓቂ፣ ፍትሕን ሓርነትን ናይ ምርግጋጽ ድሌት እንተደኣ ሃልዩና፣ ሓውና ይኹን ወዲ ዓድና ብዘየገድስ፣ ኣብ መትከል ዝተመርኮሰ ቃልሲ ኢና ከነካይድ ዘለና።

ኣቐዲመ: ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብቴለፎን “ተኽለሰንበት” ብዝብል ስም ድሕሪ ምልላዩ፣  ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናብ ስዊዘርላንድ ምስ ገዓዘ ‘ውን ርክቡ ዝቐጸለ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ሰንበት) ዘለኒ ትዕዝብትን ዝተኻየደሉ ተወሳኺ መጽናዕትን ኣመልኪተ ብጋህዲ ንዘቕረብኩዎ መተሓሳሰቢ፣ ዝሃቦ መልሲ ርእየዮ።

እቶም ካልኦት ኣስማቶም ሓቢኦም፣ ብስም ‘ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ’ ኣብ ክንድኡ ዝሃቡዎ ምስክርነት ‘ውን ከምኡ ኣስተብሂለሉ። ይኹን’ምበር፣  ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ለንደን ጽዕቕ ዝበለ ኣኼባታትን ኣጋጣሚታትን ስለዝነበረ ዕድል ስለዘይረኽበኩ ከም ጫለዳ ኣወንዚፈዮ ዝቐነኹ ጉዳይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ሰንበት) ብቐጥታ ንትሕዝቶ ደብዳቢኡ ብዝርዝር መሊሰ ንምቝያቝ ዘይኮነ፣ ነቲ ዕላምኡ ንኻልኦት መተሓሳሰብን መጠንቀቕታን ስለዝነበረ ብሓፈሻዊ መንገዲ ዘቕረብኩዎ ትሕዝቶ፣ ብዝያዳ ዝርዝራት ከብርሆ እየ።

ብኻልእ መንገዲ ደኣ ምሉእ ስሙ ረኺበዮ እምበር፣ ንሱ ባዕሉ ቴለፎን ደዊሉ ምሳይ ኣብ ዝተላለየሉ እዋን ሓቀኛ ስሙ ሓቢኡ ተኽለሰንበት ከምዝብሃል ጠቒሱ “ሰንበት” ኢለ ክጽውዖ ከምዝደሊ እዩ ሓቢሩኒ።  ዋላ ስሙ ፈሊጠዮ ከለኹ ክሳብ ሎሚ በታ ንሱ ዝሓረያ ኮድ “ሰንበት” ኢለ ክጽውዖ ስለዝጸናሕኩ ሕጂ ‘ውን “ሰንበት” ኢለ ኣብዚ ጽሑፍ ክጠቕሶ እየ።

ሰንበት፣ “እወ ኣነ ሰላዪ ህግደፍ እየ” ኢሉ ኢዱ ከልዕል ብቐደሙ ‘ውን ትጽቢት ኣይነበረንን። ኣብ መደምደምታ ናይቲ ጽሑፍ ‘ውን ከምዝጠቐስኩዎ፣ ነቲ ትዕዝብቲ ክዝርግሓሉ ዝተገደድኩሉ ምኽንያት ብቐንዱ ምስኡ ዝራኸቡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ክጥንቀቑ፣ ህዝቢ ብሓፈሻ ድማ ኣመት ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ሕልኽላኻት ረኺቡ ክልብም፣ ንምዝኽኻርን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ዕላማ የብሉን። ኣርእስቲ ስለዝወሓደኒ ወይ ከኣ ግዜ ስለዝበዝሓኒ ‘ውን ኣይኮንኩን ንሰንበት ዝምልከት ዓንቀጽ ጽሒፈ። ንምዃኑ ካብ ‘ዞም ኣማኢት ምስ ኣሰና ዝተሓጋገዙ ተሓባበርቲ ንሰንበት ዝሓርየሉ ምኽንያት ከ እንታይ እዩ?

ዝፈለጥኩዎ ነገር ንውሽጢ ውሒጠ፣ “እንታይ ገደሰኒ” ኢለ፣ ርክበይ ብምቍራጽ ስርሐይ ምቕጻል እቲ ዝቐለለ ምርጫ እዩ ነይሩ። እንተኾነ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህርይ የብለይን። ካልኦት ሰባት ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋ እንተዘየድሒነ ሓላፍነተይ የጕድል ኣለኹ ማለት ስለዝኾነ ‘ውን ኣይወዓልኩዎን።

ስም ሰብ፣ እሞ ኸኣ ከምቲ ኣብ ዝቐደመ ጽሑፍ ‘ውን ዝጠቕስኩዎ “ብዓቕሙ ይተሓባበር ኣሎ” ኢለ ኣሚነዮ ናይ ዝነበርኩ ሰብ ኣልዒለ ንህዝቢ ክነግረሉ ምውሳነይ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኮነን። ናብቲ ነጥብታት ንኺድ።

  1. እቲ ናይ ጥርጣረ ደወል ኮይኑ ጉዳዩ መጽናዕቲ ክገብረሉ ዝደረኸኒ ነጥቢ፣ ምስታ ከም ዋና ስለያ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝተጋለጸት ናጽነት ተኽለ ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብን፣ ንዓይ ከም ተቓዋሚት ኣእሚኑ ነቲ ብመንገዳ ዘምጽኦ ዝነበረ ሽርሓዊ ፖለቲካዊ ዕላማታት ዝነበሮ ፈጠራዊ ሓበሬታታት ከእምነኒ ዝገበሮ ጻዕርን እዩ።

ሰንበት ስለምንታይ እዩ፣ ነታ ከም ሰላዪት ናይቲ ስርዓት ዝተኣወጀላ ናጽነት ተቓዋሚት ምዃና ከእምነኒ ፈቲኑ?

ነቲ ብመንገዳ ረኺበዮ ኢሉ ዝሃበኒ ሓበሬታ ሃንደራእ ኢለ ክዝርግሖ ዶ ኣይኮነን። ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መልሱ “ኣብ ሜዳ ዝፈልጣ ‘ያ፣ ከምሰላዪት ኣይፈልጣን እየ፣ …” ክብል ኣፋዅሱ እዩ ክሓልፎ ፈቲኑ ‘ምበር ብቑዕ መግለጺ ኣይሃበሉን። ይኹንምበር፣ “ብዓልቤታ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት ስለዝኾነ” ምእንቲ ከይሰምዖም፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ ገዛ ከምዝወጽእ ድሕሪ ምግባራ ብኣካልን ብቴለፎንን ኣጸምዮም ይዘራረቡ ምንባሮም ባዕሉ ሓቢሩኒ ስለዝነበረ፣ ጥቡቕ ርከብ ከምዝነበሮምን ብዛዕባ እንታይነታ ዓሚቝ ፍልጠት ከምዝነበሮን እየ ተገንዚበ።

  1. ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ዝተባህለ ኣብ ስዊዘርላድ ዝነበር ሰብ ኣብ ፓልቶክ ንሰለይቲ ህግደፍ የቃልዕ ከምዘሎ ልቡ እናመመሎቐ ዝሓበረኒ “ሰንበት” ባዕሉ እዩ። ይኹን ‘ምበር ሽዑ ነታ ቀደም ተቓዋሚት ምዃና ኣዳዕዲዑ ዝገለጸለይ ናጽነት፣ ነጋሲ ኣብ ፓልቶክ ከም ሰላዪት ህግደፍ ኣቃሊዑዋ ክንሱ ሰንበት ኣይጠቐሰለይን። ስለምንታይ?

ቅንዕና እንተዝነብሮ፣ ብመንገዳ ረኺበዮ ኢሉ ዘምጽኣለይ፣ ድሒረ ዝጠቕሶ ሓቅነት ዘይነበሮ ሓበሬታታት፣ ገሊኡ መረጋገጺ ስለዝሰኣንኩሉ፣ ገሊኡ ድማ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊጸ ስለዘይተጠቐምኩሉ፣ ሕርኽርኽ ይብለኒ ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ሰለዝግንዘብ፣ ኣብቲ ቴለፎን ደዊሉ ብዛዕባ ምግላጽ ሰለይቲ ህግደፍ ዝሓበረኒ እዋን፣  “ሰላይት ህግደፍ እያ ኢሉ ንናጽነት ኣጋሊጹዋ ኣሎ፣ ተጋግየ ኣጋግየካ ነይረ” እንተዝብለኒ፣ ቴለፎን ኣብ ምዕጻው ኣይምበጻሕኩን፣ ኣይምተጠራጠርኩሉን፣ ይኹን ኣይኹን፣ “ዘይግራህን ዘይጋገን ሰብ የለን” ኢለ ሸለል ክብሎ ‘ውን  ኣይምተጸገምኩን።

ድሒረ ንነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ቃለመጠይቕ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበርኩ እዋን፣ ናጽነት ዋና ሰላይት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ምስ ገለጸ፣ “ሰንበት” ብኡ ንብኡ ተዘኪሩኒ። ኣቐዲሙ ተሃንዲዱ ብዛዕባ ደምበ ፖሊስ ኣብ ፓልቶክ ዝገበሮ ዘረባ ክሕብረኒ ከሎ፣ ብዛዕባ’ቲ ምግላጽ ክሕብረኒ ዘይኮነ፣ ነቲ ደምበ ፖሊስ ኣብ ፓልቶክ ዝተዛረበሉ ጉዳይ ምስምዐይን ዘይምስምዐይን ንምርግጋጽ፣ ከምኡ ‘ውን መረዳእታይን ስምዒተይን ክመዝን ዝወሰዶ ፈተነ ምንባሩ ‘ውን ተረዲአ። ምኽንያቱ፣ ኣነ ነቲ ዘረባ ከምዘይሰማዕኩዎ ብምጥቃስ፣ ናይ ደምበ ፖሊስ ቴለፎን ከምዝጽኣለይ ምስሓተትኩዎ ሽሕ ‘ኳ እንተተሰማምዐ፣ ብኡ ኣቢሉ ተሸሪቡ ስለዝጠፍአ፣ ብቐጥታ ካብቶም ኣብ ፓልቶክ ዘዛረቡዎ ኣመሓደርቲ ሓደ፣ ካብ “ጆን ብላክ” እየ ንቴለፎን ደምበ ፖሊስ ረኺበዮ።

ደምበ ፖሊስ ኣብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጥየቕ ፣ እንታይነት ናጽነት ደጊሙ ምስ ደርጎሖ ከኣ ‘ዩ፣ እቲ ጠፊኡ ዝቐነየ “ሰንበት” ንዓይ ክረክብ ተደጋጋሚ እዋን፣ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብምድዋል ክርበጽ ዝጀመረ። ብወገነይ ግን መስመር ድሮ ተበቲኹ እዩ።

  1. “ሰንበት” ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኡ ካብ ለንደን ወጻኢ (Outside London) ብናይ ሰብ ቴለፎን ደዊሉለይ፣ ኣብ ለንደን ምስ መጸ ክንራኸብ ስለዝሓተተኒ ድማ ቆጸራ ጌርና። እንተኾነ፣ ደጊሙ ኣይደወለለይን፣ ኣይተራኸብናን። ናብ ስዊዘርላድ ተመሊሱ ድሕሪ ቁሩብ ግዝያት ቴለፎን ምስ ደወለ፣ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንለንደን መጺእካ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ደኣ ምጥዓም ዲዩ ኣብዩካ ዘይተራኸብና” ኢለ ኣብ መንጎ ዘርባና ምስ ጠቐስቁሉ ግን፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዘይመጽአ ኣሉ ምስ በለኒ፣ ኣዝዩ ደንጽዩኒ። ኣብ መገሻ፣ ግዜ ምሕጻርን ዘይምጥዓም ኣሎ። ኣሉ ግን ካልእ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ። ስለምንታይ መጺኡ፣ ስለምንታይ ደዊሉለይ፣ ስለምንታይ ዘይረኸበኒ፣ ስለምንታይ ከ ኣሉ ኢሉ? ሕቶታት ገዲፉለይ። ብፍላይ እታ ምስኡ ጥቡቕ ርከብ ዝነበራ ናጽነት ድሕሪ ምግላጻ፣ ነቲ ጉዳይ ኣተኣሳሲረዮ።

ውዲታዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮ ዝንቡዕ ሓበሬታ 

  1. ሓደ ካብቲ ብመንገዲ “ሰንበት” ዝረኸብኩዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ ሓደ ስሙ ክዕቅቦ ዝደለኹ ነባርን ውሩይን ኤርትራዊ ደራፋይ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ሓቲቱ ዝብል እዩ።

ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓታቲተ፣ ሓሶት ምዃኑ ስለዘረጋገጽኩ ነቲ ሓበሬታ ናብ እንዳ ጓሓፍ ከእትዎ ቀልል ‘ኳ እንተነበረ፣ እቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ካበይ ተበጊሱ፣ ስለምንታይ ተደልዩ፣ ስለምንታይ ከ ብመንገዲ ኣሰና ክዝርጋሕ ኣድልዩ ምሕታት ግን ኣየቋረጽኩን።

ብዘይካ ‘ቲ ተኣማንነት ኣሰና ከም ትካል ሚድያ ንምድኻም ዝገብሮ ጻዕሪ፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብቲ ሃገር ክህልዉ ዘይደልዮም፣ ብኡ ኣቢሎም ክርሕቁሉ ዝደልዮም ኣገደስቲ ዜጋታት ናይ ሓሶት ወረ ዘርጊሑ ከምዝማትኡን ካብ ሕብረተሰብ ከምዝንጸሉን ጌርካ ናይ ምምካኖም ልምዲ ከምዘለዎ ንዝርዳእ፣ እቲ ጉዳይ ብሓደ እምኒ ክልተ ረጋቢት ናይ ምህራም መደብ ከምዝነበሮ ዘማትእ ኣይኮነን።

  1. እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ውዲት ዝነበሮ ዝንቡዕ ሓበሬታ ግን፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ነቲ ስርዓት፣ ብፍላይ ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ናይ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝተወደበ ውጥን ዕልዋ እዩ። ሰንበት፣ ኣብዚ ምንቅስቓስ ‘ዚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 5 ማእከሎት ሓለፍቲ ንሓደ ዝኣመኑዎ ካብ ዝለዓለሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት “እዚ መደብ’ዚ ሓንጺጽና ኣለና ‘ሞ ምሳኻ ኴንና ጥራይ ኢና ክትግብሮ እትኽእል” ኢሎም ምስ ቀረቡዎ፣ ንኢሳይያስ ሓቢሩ ንኹሎም ከምዘእሰሮምን እቲ ጉዳይ ከምዝፈሸለን ‘ዩ ገሊጹለይ።

ሞት ናይቲ ኣብ ከረን ዝዓረፈ ሚኒስተር ነበር ወለንኪኤል ገረማርያም፣ ከምኡ ‘ውን ናይቶም ናብ ጽምብል ዝኽሪ ውቃው እዝ ንሰሜናዊ ሳሕል እናተጓዕዙ ብሓንሳብ ዝጠፍኡ፣ብሪጋደር ጀነራል ቫይናክ፣ ብሪጋደር ጀነራል ኣማኑኤል ሃንጀማን ደሱን ምስዚ ምንቅስቓስ ‘ዚ ምትእስሳር ስለዝነበሮም ብውዲት ናይቲ ስርዓት ከምዝተቐንጸሉ ‘ውን ኣዘንትዩለይ።

ነቲ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸቦ ኣጥቢቐ ምስ ሓተትኩዎ፣ ናጽነት ተኽለ ከምዝሓበረቶ ኣረጋጊጹለይ። ንሳ ንባዕላ ካበይን ብኸመይን ከምዝረኸበቶ ምስ ሓተትኩዎ ድማ፣ ክልተ ካብቲ ኩነታት ዘምለጡ ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ኣብ ስዊዘርላንድ ምስኣ ከምዝተራኸቡ ገሊጹለይ።

ሽዑ፣ ነቲ ጉዳይን ኪኖኡ ዘሎ ኩንታትን ድሕረ ባይታን ንምፍላጥ፣ ምስ ናጽነት ከራኽበኒ ‘ኳ እንተሓተትኩዎ፣ ተመሊሱ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ሓቢሩኒ። “ሰንበት” እታ ድራማዊት ዛንታ ቅሂማ ክትርሳዕ ይደሊ ‘ኳ እንተነበረ፣ ኣነ ግን ኣይረሳዕኩዋን። ሓሓሊፈ፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ይሓቶ ስለዝነበርኩ፣ ኣብ መወዳእታ ከቕበጸኒ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ 5 “ተንቀሳቐስቲ” ከምዝተፈትሑ ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣዋርሕ ሓቢሩኒ።

እቶም ንኢሳይያስ ኣኼባ ክገብር ዝሓተቱዎ ጉጅለ 15 ኣብ ቤትማእሰርቲ እናሓቐቑስ ያኢ፣ ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክዓልዉዎ ንዝፈተኑ ሰባት ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዘለወሉ እዋን ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑዎም? እቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ እምብኣር ምስኦም ተፈቲሑለይ።

እቲ ስርዓት ተቓወምቲ ዝመስሉ ወይጦታት ኣዋፊሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምምጣው ንተኣማንነትና ከፍኵስ ከምዝፍትን፣ ብተዘዋዋሪ ሓቅነት ዘለዎ ሓበሬታ ብምሃብ ንርእሱ ከረጋግጾ ዝደለዮ ጉዳያት ከመጻሪ ፣ እንተኾይኑሉ ነቶም ኣብ ታርጌት ዘእተዎም ኣገደስቲ ባእታታት ዋጋ ከምዘይብሎም ገይሩ ንምምካን፣ Nutralize ንምግባሮም ከምዝፍትን ’ውን  ኣብ ተመክሮ ተማሂርናሉ ኢና። ንብዙሕ ካብቲ ፈተነታት ኣፍሺልናዮ ‘ኳ እንተኾና፣ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ‘ውን ኣይንርስዖን። ዝተማሃርናሉ ጌጋ ክንደግም ስለዘይደለና ኸኣ ኢና ሕጂ ክንጻወሮ ዘይመረጽና። ሕጂ ምህሮ ግደ ናይቶም ዝለኣኹን ዝተላእኩን እዩ።

(ኣብዚ ንእገረ መንገደይ ከስምረሉ ዝደሊ፣ ሰንበት ኣብ መልሱ፣ “ እቲ ሓበሬታ ዘጠራጥር እንተነይሩ፣ ስለምንታይ ትዝርግሖ” ንዝበሎ፣ እዚ ገለ ኣብነታት ናይቲ ሓሶት ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ዘይዘርጋሕኩዎ እዩ። ሰንበት ግን፣ መታን ክእመን ዝኾነን ዘይኮነን እዩ ከለጋግብ ፈቲኑ። ነዚ ንሱ ዝሃበኒ ሓበሬታ ከምዘይዘይዘጋሕኩዎ እናፈለጠ እዩ ከም ገርሂ ክኸኣኸል ዝፍትን ዘሎ።)

በዚ ዝጠቐስኩዎ ነጥብታት ‘ውን እንተኾነ፣ “በቃ፣ ሰንበት ሰላዪ ስርዓት ህግደፍ እዩ” ኢለ ናብ መደምደምታ ኣይበጻሕኩን። ዓቢ ጥርጠራ ስለዝሕደርኩ፣ መጽናዕቲ ከካይድ እየ ወሲነ። ልኡኽ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ መረጋገጺ ምስ ረኸብኩ ጥራይ ከኣ ‘የ ነቲ ጉዳይ ምእንቲ ’ቲ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ ዕላማ ተዛሪበሉ።

ካልእ ዕላማ ርክቡን ምንቅስቓሱን ክፋእ ከምዝነበሮ ተወሳኺ መርትዖ ዝኾነኒ፣ እቲ መልሲ ኣብ ምሃብ ነገራት እናሓዋወሰን እናመሳሰለን ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ንምውጻእን ንምትላልን ዝገበሮ ፈተነ እዩ።

ኣብ ክንዲ ተኽ ኢሉ ነቲ ኣለኒ ዝብሎ ክከላኸል ዝፍትን፣ “ኣማኑኤል ኢያሱ ብገንዘብ ህዝቢ መርበብ ሓበሬታ ወኒኑ ንሰብ ብሓሶት ኣጸሊሙ”…ክብል መልሱ ምጅማሩ ንባዕሉ ሓደ ኣብነት ናይቶም ፈኵስ ርእሲ ንምድንጋር ብምዕላም ዝገበሮም ብዙሓት ፈተነታት እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዳት ኮም ብገንዘብ ህዝቢ ኣይተፈጥረትን፣ ብሰሪ ሕጽረት ገንዘብ ህዝቢ ድማ ኣይክትዕጾን እያ። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ዘለዎ ሰብ እንተልዩ ይሓልም ጥራይ እዩ ዘሎ። ገንዘብ ህዝቢ ምእንቲ ‘ቲ ናብ ኤርትራ ዝፍኖ መደብ ራድዮ እዩ ዝልገስ። እዚ ንሰንበት ዝምልከት ጽሑፍ ከኣ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ደኣ ‘ምበር ኣብ ራድዮ ኣይተፈነወን። ገንዘብ ህዝቢ ደኣ ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ እንታይ ዘምጽእ ኔይሩዎ? ንኣንባቢ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ኣውጺእካ ኣብ ስምዒት ንምእታው።

ኣብ መወዳእታ መልሱ 4 ሰባትን ትካላትን (መድረኽ፣ ኤልሳ፣ ታደሰ፣ ዮናታን) ጠቒሱ ብኣንጻር ናይቲ ክዉንንት ገልቢጡ፣ “ዝለገስኩሉ ምኽሪ ኣቐይምዎ ከይከውን ይግምት” ክብል ዝሃቦ መደምደምታ ንገዛእ ርእሱ፣ ተወሳኺ መርትዖን ኣብነትን ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ጽሑፈይ፣ “ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ….ተልእኾኡ”  ክብል ንዝጠቐስኩዎ እኩይ ስርሑ ደጊሙ ዘረጋግጽ ከይኑ እየ ረኺበዮ።

ንነገሩ ሰንበት ከምቲ ዝበሎ ነዞም ሰባት ብዝምልከት ዘቕረበለይ ምኽሪ ስለለዘቐየመኒ ይርሕቆ እንተዝህሉ፣ ስለምንታይ ነዚ ኹሉ መዓልታት ተጸብየ፣ ኣብቲ ዝተቐየምኩሉ እዋን ርክብ ካብ ምቍራጽ እንታይ ዓንቂጹኒ።

ሰንበት፣ ሓበሬታ ካብ ምቕባል፣ ነቲ ድሮ ህዝባዊ ዝኾነ መርገጺየይ ደጊፉ “ጽቡቕ ገበርካ” ካብ ምባል ሓሊፉ ከማኽርን ርእይቶ ክህብን ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ኪኖኡ ዓቕሙ ከጋንን ምፍታኑ ግን ካብኡ ክርሕቕ ንዝወሰንኩሉ ምኽንያት ንዕኡ ብዝጥዕሞ ሓድሽ ጥበብ ኣቃሙሙ ለባም ብምምሳል፣ ነቲ ከም ደላዪ ለውጢ ቀሪቡ ዝፈተኖ ግርጭታት ናይ ምብላሕ ዕማም፣ ውጥኑ ኣብ ዝፈሸለሉ ግዜ’ውን ከይተረፈ ክቕጽሎን መሸፈኒ ሃሱሳዊ ስርሑ ክኾኖን ስለዝደለየ እዩ።

ሓንሳብ ብገንዘብ፣ ሓንሳብ ብሓዘን፣ ሓንሳብ ብዘቐይም ምኽሪ፣ ሰንበት ልዕሊ ጉጭ ትሕቲ ጉጭ እንተበለ፣ እቲ ኣነ ርክበይ ክቋርጽ ዝወሰንኩሉ ዝተቖጣዕኩሉን ምኽንያት እዚ ብኣብነታት ዝጠቐስኩዎ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኣብ መልሱ ግን፣ ነቲ ኮነ ኢለ ዝዓቀብኩዎ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ዝተዛረብኩሉ ነጥብታት ከይተረፈ ሸፈፍ ኢሉ እዩ ሓሊፉዎ።

ኣነ በዚ ዝጠቐስኩዎ ምኽንያታት፣ ብሕልፊ ብሕልፊ፣ ናጽነት ተኽለ ሰላዪት ናይቲ ስርዓት ከምዝኾነት ኣብ ፓልቶክ ምግላጻ እናፈለጠ፣ ባዕለይ ክሳብ ኣብ ቃለመጠየቕ ነቲ ጉዳይ ዝረኽቦ ክሓብኦ ምፍታኑ፣ ኩነታቱ ንምርግጋጽ መጽናዕቲ ኣብ ዘካየድኩሉ፣ እቶም ሰላዪ ህግደፍ ምዃኑ ዘረጋገጹ ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎ ምንጭታት “ከመይ ጌርኩም ደኣ ፈለጥኩሞ? ኣንታ እዞም ተቓወምቲ ዓይንን እዝንን እምብኣር ኣለኩም እዩ፣ ኣለኹም እምብኣር ኢኹም!” ብምባል እዮም ከይተማትኡ መስኪሮም።  እቲ ሓቂ እዚ እዩ፣ ምእማንን ዘይምእማንን ንኣንባቢ ንሓድጎ። ደጊም ንሕና ምስ ሰንበት ዘመላልስ የብልናን።

ኪኖ ጉዳይ ሰንበት በዚ ኣጋጣሚ ምድጋምን ምኽራርን ዘድልዮ ነጥቢ ግን፣ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስኩዎ፣  ኣብ መትከላዊ ሕቶታት ኣብ መንጎ ብጻይነትን ሕውነትን ክህሉ ዘለዎ ፍልልይ እዩ።  ናብ ካልኦት ተመሳሳሊ ወቐሳታት ክመጽእ ከሎ፣ ጭብጢ ከይሓተቱ፣ ብኡንብኡ በትሪ ኣልዒሎም ከም ተመን ዕዳጋ ጦፋዕ ጦፋዕ ዘብሉ፣ ወረ ገሊኦም ሲ ኣስማቶም ሓቢኦም ሰባት ክኸሱ ድሕር ዘይብሉ ኣብ ደምበ ተቓወሞ ዝርከቡ ብጾት፣ ሕጂ (ንሰንበት) ተኽለዝጊ ዑቕባልደት መቕርቦም ስለዝኾነ ምውሓጥ ኣብዩዎም ጭብጢ ኣመኽንዮም ዋጭዋጭ ክብሉ ምስማዕ ዘተዓዛዝብ እዩ። ጭብጥን ምኽንያትን ክሕተት ግቡእ እዩ። ፍርድን ፍትሕን ግን ኣብ መንነት ናይ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ፖለቲካዊ መስመር፣ ኣብ ጉድጓድ ከምዘይተሸኽለ ፓርታ ኩዕሶ እግሪ፣ እንተደሊኻ እተቕርቦ፣ እንተደሊኻ እንተርሕቖ ክኸውን የብሉን። መን ወዲ መን ብዘየገድስ፣ ስለ ፍትሕን ሓርነትን ዝሓንጸጽካዮ ዕላማን ዝጨበጥካዮ መትከልን ቀዋሚ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ንቓልሲ መሪር ዝገብሮ ድማ እዚ እዩ። ዕላማን መትከልን ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ናብ ሓውኻ ናብ ብጻይካ ክትቀርብ ዘገድድ ጠለባት ስለዘለዎ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ !

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS April 22, 2016

    ክቡር ኣማኑኤል እያሱ፣

    ብኣኻ ዝተረኽበ ሓበሬታ ፣ኩሉ ጊዜ ከኽብሮ እየ፣ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ብሙሉእነቱ እምበር ብዓል እዚ ከይንትሓባበር ሓንኵሎምና ከምዘይኮነ እቲ መልእኽትኻ ስለ ዝርድኣኒ፣እወ እዚ ዘመደይ ዝመስል (ይኸውን እውን)ሕልንኡ ከሺኑ ዝበልዔ ጀዋሲስ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ስለ ዝኾነ ክቃላዕ ናይ ግድን እዩ፣እዚ ኢለ ግን ኣብቲ ምስ ካንሰር ዝዋዳደር ሽግርና ኣቶ ሰንበት ከም ሕማም መርዘን እዩ።ኣይወቅብ ክንደይከ ይውቅብ፣ነቶም ንጀብሃ ትብሃል ጀማሪት ሽፍትነት ብኢዱ ሒዙ ምስ እምኒ ዘጋጩ ዝነበረ ጅግና ኮማንዲስ ነበር ድምበዛናይ ሓወቦይ ይመስል።

  • hara April 23, 2016

    Ere Gena. Bzuhat medanagherti ab mongona sle zelewu kenekalhom gubuE kulna iyu. seb keylekemu kelewu
    thanks. Amaniel slezi halyotkan nitsur Haberetakan.God bless u

  • Nsane April 23, 2016

    Aye znhna
    Daniel Rezene Ethiopiawi eyu elomo …… semun mezarebi
    Elsa Chyrum mis beal Daniel, Selam dya hakey tebaeisom …… semun mezarebi
    Eseyas moytu …….. semun mezarebi
    .
    .
    .
    hiji dima Teklzgin Amanueln koyku jemirom

    eti zrzrat buzuh eyu mara zehrik hiwutut gizie. Tkoalu zbezhuwo gizie nhna semun semun hadish mezarebi PFDJ kimhzelna beu knzenagae HGDEF dima siltanu kiktsil ..zeynsemamae koyna kinkxil zgebro zelo taktikat eyu.
    Amanuel zgbae mesli eika hibka gin ezi hzbi meas eyu zrhwo ……

  • Arna April 23, 2016

    ሰላም አማኑእል በቲ ትገብሮ ዘለኻ ቃልሲ እናአመስገንኩ፡ ከምዚ ክጋነፍ ናይ ግድን እዩ፡ ባህራት ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ክንበል በለ እምበር አይተኸዓወን ከምዝባሃል አብ መጨረስታ እቲ ጉዳይ ምቅልሑ ዓቢ ትምህርቲ እዩ፤ እቶም ብወገን ተላዕጢጦም ር እይቶ ዝህቡ ዘለዉ እሓዝነሎም፡ አይፋልኩምን፡ ትጋገዩ አለኹም እብሎም፡

    • Feven April 24, 2016

      Never seen such ignorant judgemental individual.
      You may need to go to school.

      • Arna April 24, 2016

        Feven FYI Arna is PhD he is well educated

        • Simon G. April 27, 2016

          Even though I am not in favor of most PhD holders (may be jealous or the emphasis is on theory) but this is hilarious and to the point 🙂

  • Aida April 23, 2016

    We need to be alert at all times. Spies are among us and they look like us which complicates the problem. We should also remember spying is their job, it is something they get paid to do. Once they are found out they are done. They are of no use to the organization they have been serving. Good job Amanuel for spotting this person who has an entire government behind him. And thank you for sharing with us.

  • ተስፉ ወድ ሰገን ጻዕዳ April 24, 2016

    Amanuel you made big mistake . You got all the information from Bembe Police. Do you know dembe Police at all

    • Dhab April 24, 2016

      tesfu wed segen xada,
      Dembe police gave his testimony. We heard what he said. So if your issue has to do with Dembe police’s credibility how can you trust a pfdj spy unless you are that spy or his accomplice whose sole intention is to deceive Eritreans not to tell them the truth? I hope you are not talking simply because you are related to him which would make the whole thing much more uglier.

  • maharitesfamichael April 24, 2016

    ኣዚ ጉዳይ ሓቂ ድዩ ሓሶት ናይ ንጎኒ ገዲፈ እዚ ሓውና ድዩ ኣይኮነን ብዘይገድስ ህግደፍ ኣብ ውሽጥና ምህላዎም ዘጠራጥር ኣይኮነን።
    ክልተ ወሰንቲ ነጥብታት ኣለዋ ክነተግብረን ዘለና።
    1’ንቕሓት ናይ ነብሲ ወከፍ ኣባል ደምበ ተቓውሞ።እዚ ንቕሓት እዚ ብምውዳብ ኢዩ ዝጅምር።ንቑሕ ዜጋ ብውዕላትን ሕግታትን ስለዝምራሕ ዋላ ሃዱሳት ኣብ ውሽጡ እንተሃልዮም ካብ ምምራሽ ድሕር ኣይክብልን ኢዩ።ንቑሕ ተቓላሳይ ብመትከላትን ዕላማታትን ስለዝምእዘን ጃሱሳት ህግ ሓንቲ ኣይገብርዎን ኢዮም።
    2’ንሓበራት ዝምለከት 1ይ ሓበራታ ምስ ቁጠባን ምስ ስልጠናን ስለዘተሓሓዝ ደምበ ተቓውሞ ቁጠባዊ ምንጭን ትካላዊ ማእከልን ክህልዎን ዲድያታት ደምበ ተቓውሞ ሶሊዳርትይ ክገብሩን ነቲ ካብ ግዱሳት ዝተረኽበ ሓበረታ ዋጋ ከፊልና ሓቅነቱ ከነረጋግጽን ክንክእል ኣለና።ናይ ሓበረታ ኪኢላታት ከነሰልጥንን ክንውድብን ኣለና።አቲ ናይ ግደሳት ሰባት ሓበረታ ንምኳኑ ጥራይ መበገሲ ክኸውን ኣለዎ

  • Teclay April 24, 2016

    Dear all
    Why do you use the word spy??Espionage looks different . KGB,CIA,Mossad etc members are called spies.They are professionals- dealing with military ,diplomacy,industry etc .In our case they should be called simply ሓሳዊ.
    እዚ ሓውና ይውዓሎ ኣይውዓሎ እዝጊሄር ዋንኡ። ኣንስ ኣይውዕሎን ምበልኩ፣ስለምንታይ?
    1,,ነቲ ኣብ ሳሕል ዘሕለፎ ኮንቶ ናይ ሽፍትነት ሂወት እና ኣስቆርቆረ ,ነታ ዝተረፈቶ ሓጻር ግዜስ ኣብ ክንዲ ኩስቶ ከምዚ በለ፣እገለ እባ ከምዚ በለ ዝብልስ ፣ብሰላም ፋርማጁኡ እናዓጸደ ክሓልፋ እዩ ዝመርጽ ይብል።
    2,,ምስቲ ግርምኡ፣እወ ክፉእ ሰብ እዩ እንተሓሰወ ዘይየኽፋኣሉ። ናይ ትግርኛ ኮመዲ ሪኢኹማ ዶ?– ብጸላም ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ቀልቀል ወጺኡስ ፣ ሰበይቲ መርየት ወጊሑ ምስ ርኣዮቶ ተቖጢዓ ፣ንወዮ ጎረቤታ ኣራግመኒ ትብሎ ፣ሰብኣይ መርገም ይፈርሃ ፣ “ሰብኣይ ምስ ጭሕሙስ ኣይውሎን” እዩ ኢልዋ ይሀድም.

    • Simon G. April 27, 2016

      Teclay,
      So it is time for you to shave yours….

  • Asmerom April 24, 2016

    Aman, Thank you. you articulated the main reason that is setting us back from achieving real progress to bring about change. we have people among us who call them selves Justice seekers,who see things only in relation to ወዲ ዓደይ.

  • Aman April 25, 2016

    ኣቱም ሰባት እዚ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ድሑር ዝኾነን ዝተጠናነገን ምትእስ ሳራት እዩ ኣትዩ ዘሎ። ምሕረት የውርደልና’በር ጸባሕ መሬት ምስወግሐ፡ መን እንታይ ገበረ ስለንፋለጥ፡ ኣብ ሓደ ባይቶ ኮይና ሽግርና ክንፈትሕ ከቢድ ዋጋ ምኽፋል ከድልየና እዩ።
    “ካብቲ ሕማቕ ዝገብሩኻስ ሕማቕ ዝምህሩኻ” ምስላ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። ሓቂ እዩ እቶም ናይቲ ስርዓት ደግፍቲ ዝበሃሉ ኣዝዮም ውሑዳት ስለዝኾኑን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ቦታ ኣዝዩ ትሑት ብምኻኑ (ውሕዳት ምስትምህርቶም ዝደንቆሩ ገዲፍካ) ፡ እቲ በሰላ ዓቢ ከይከውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ካብ ሕጂ እንተዘቃሊዕናዮም ጽባሕ’ውን ከምዚ ናይዚ ሐውና ኣድብዮም ጸኒሖም ሕማም ካንሰር ክኾኑና እዮም።
    ሓቅነት ናይዚ ተጥቒሱ ዘሎ ሰብ ብዘየገድስ ዓው ኢልካ ምዝራብ የድልየና ኣሎ። ዕላማን መትከልን ስለዘይብሎም፡ ኣብ ኣዝዩ ጸቢብን ድሑርን ዓንከል ዝተኣኻኸቡ ስለዝኾኑ ብቐሊሉ ዝብህርሩ እዮም። ደሮ’ካ ሕብ ኡና ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
    ናህና ግደ ብዝረኸብና ኣጋጣሚታትን ኣገባባትን ምቅላዕ ጥራይ እዩ። መሰረት ዘለዎም ከምስለኩም። እኽብካብ በጋሚዶታት ዝዓብለልዎ ማሕበር ርኹሳት እዩ።
    ህዝቢ ኤርትራ ነዚኦም ፈልዩ ናይ ምውቃዕ ዓቕሚ ኣለዎ። ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራይ እዩ።

Post a Reply to Nsane Cancel Reply