Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ጉጅለ ጉጅም”

“ጉጅለ ጉጅም” ንሓቂ ከይደልዎ - ከይሕዝዋ ኣትሪሮም ብኽፍኣት ሓኪሎም - ነንሕዶም ጎሪሖም ኣይኮነን በርቲዒዎም - ክቋቃምዎ ፈሪሆም ንሓቂ ክጋዕጽጹ - ኣንጊሆም ነቒሎም መሪጾም ንሓሶት - ኣግሂዶም ሓቐፉዋ ንሓቂ ደርብዮም - ዓቢጦም ከብሊዋ መሲልዎም ትስዓር - ብዋዛ ንጥቕሞም ብቓላት ሸፋፉኖም - ብስልጣን ሸሚሞም። ጉጅለ ጉጅም

“ጉጅለ ጉጅም”

ንሓቂ ከይደልዎ – ከይሕዝዋ ኣትሪሮም

ብኽፍኣት ሓኪሎም – ነንሕዶም ጎሪሖም

ኣይኮነን በርቲዒዎም – ክቋቃምዎ ፈሪሆም

ንሓቂ ክጋዕጽጹ – ኣንጊሆም ነቒሎም

መሪጾም ንሓሶት – ኣግሂዶም ሓቐፉዋ

ንሓቂ ደርብዮም – ዓቢጦም ከብሊዋ

መሲልዎም ትስዓር – ብዋዛ ንጥቕሞም

ብቓላት ሸፋፉኖም – ብስልጣን ሸሚሞም።

ጉጅለ ጉጅም – ሓሜታ ዝዕጥቆም

ሓቂ ክሰምዑ – ዝሓርቁ ዝሕሞም

ብቓላት ክሽፍጡ – ንህዝቢ ኒዒቖም

ኣብድሑር እምነት – መስሪቶም ዕላማዎም

ሃገር ክጎጃጅሉ – ምንም ዘይዓጦም

ስምዑኒ በሃልቲ – ክበልዑ ኣራጢጦም

ወከልቲ ናይ ጥፍኣት – ኣሞንጎና ኣትዮም

ህዝቢ ክብትኑ – ሽም ኣምጽኡልና ሸሚቶም።

ንነፍሶም ሸፊጦም – ረሲዖሞ ከምዝነብሩ

ተቛመቲ ስልጣን – ፈጺሞም ዘይሓፍሩ

ንጉጅለ ጉጅም – ኣይንጸበ ክማሃሩ

ታሪኽ ዘይመሃሮም – ፍትሒ ዘይተምሃሩ

ብበትሪ ብስላዕ – መሪጾም ከመሓድሩ

ሃገር ብሃገራ – ናብ ጥፍኣት ዝቐየሩ

ተራ መዘነኦም – ክወጽ’ዩ ተፋሒሩ

በዳላይ ንተበዳላይ – ይቕርታ ዝሓትሉ

ኣይነውሕን ጊዜ – ፍትሒ ዝነግሳሉ።

ናይ ኣርባዓታት ሓምሳታት – ታሪኽ ክንዛረብ

ናይ ስሳታት ሰብዓታት – ዝሓለፈ ክንጸባጸብ

ናይ ሰማንያታት – ፍሉይ ታሪኽ ክነንብብ

ናይ ተስዓታት ፍሽለት – ኣኪብና ክንደራረብ

መዓልቲ ይወግሕ – ይመሲ ይዓርብ

ጸላኢ ኩልና – መሰልና ዝጎብጥ

የዋፍር ኮራኹሩ – ንሓቂ ክዓብጥ

ድኽመትና ነለሊ – ውዲቱ ከየሳልጥ

ንቕድሚት ዘሰጉም – ንሃገር ንጠምት።

ቀልዓለም ገዲፍና – ንሓቂ ነቐድማ

ታሪኽ እንዳባ አሎ – ባህሊ ዝመሃረና

ምፍቕቓር ምስናይ – ሓቒፉ ዘዕበየና

ሎሚ’ዶ ክጠፍእ – ዓይንና እንዳረአና

ብጉጅለ ጉጅም – መሰልና ተመንዚዕና

ንበራበር ነስተውዕል – ድሎ ከምዘይብሉና

ናጽነትና ገፊፎም – ሓርነትና ዘሚቶምና

ድኽመት ናይ ኩላህና – ኣሚናዮም ደቂስና

ንምዕባለ ሃገር – ንዓቶም ኣሚና

ሰለሎ ኣእቶምሉ – ነቲ ውርዙይ ህዝብና

ሰላም ክመጽእ – ምጉሓፎም የድሌና

ሕብሪታቶም ክቀያየር – ክንደይ ዘይረኣና

ካብ ሱር ነቀል – ናብ ጽገና ልመና

ወከልቲ ጉጅም – ጸግዕኹም ሓዙላና።

ጉጅለ ጉጅም – ረሲዖሞ ዝነበሮም ተራ

ስኣን ኢሂን ምሂን – ሓዊ ተሳዊራ

ባርዕ ፖለቲካ – በቲንዋ ሰውራ

ቁጽሮም መባዝሒ – መግደዲ መከራ

ንስልጣን ፍኹክር – ብሓሶት ብጃህራ

ሎሚ’ውን ይካትዑ – ብውዲት ብሻራ

ክልተ ሰለስተ ይኾና – ሐደ ዝነበራ

ንታሪኽ ይገደፍ – ንነጻ ኤርትራ

መሰል ሎሚ ይከበር – ንበል ብሓበራ።

 ጉጅለ ጉጁም – ብድሌቱ ዝመረጸ ክድንቁር

የማን ጸጋም – ሪእናዮ ኣብኩሉ ከዕገርግር

ኣብሃገር ወጻኢን – ተዋፊሮም ብስውር

ብጋህዲ ይነገሮም – ወጽዓ ህዝቢ ይኣክል።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 10/30/13”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Tes January 27, 2014

    Excellent poem Solomon! Very true that go with the current situation. From side pop in /out under the cover of darkness. Very greedy individuals with rotten soul.

    keep up the good work.

  • Merir Kalsi January 27, 2014

    Solomon excellent poem and right message.

  • ERITRAWIT January 27, 2014

    Nhna b hade lbna nsom klte lbom nsu eu etey gegana hjewen mstbhal yedleyena kbur haw Thank you very nice poem.

  • halengi January 28, 2014

    eta hanti libki ke tihasebdo anti nay eritrea thebuk zeitedeli eritrawit

  • Bokre January 28, 2014

    Hgdef’s Girma Asmerom will be recalled and sent to Era Ero soon for communicating with Ethiopia’s powerful deputy foreign Minister Ambas. Berhane Gebrekristos who is said to be the real deputy PM of Ethiopia.
    Girma Asmerom is looking for ways to sneak away from issaias.

    See here:

    https://twitter.com/halelule/status/427852012546306049/photo/1

POST A COMMENT