Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጊዜ

ጊዜ ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003 “ንትካዜ ንኑዛዜ ንንስሓ ንፍሥሓ ንሓጎስ ንምሕራቕ ንብኽያት ንስሓቕ ንምቕራብ ንምርሓቕ ንጥዕና ንሕማም - ንጸብኢ ንሰላም” ንዅሉ ጊዜ’ሎ - ኰሀለት ከምዝበሎ። ንኣይ ግን ገሪሙኒ’ሎ ‘ቲ ሰዓትና ዕንኪላሎ እቲ ወቕትና ሰንፈላሎ ፈታውን ጸላኢን ዘስተብሃሎ ቅድሚ ሬሳ ንብል ላሎ ጊዜ ሓዘን ሰዶ ኣውሎ እንታይ ወረደን ዘን ዓላሎ? ዕሽነትዶ

ጊዜ

ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003

“ንትካዜ ንኑዛዜ

ንንስሓ ንፍሥሓ

ንሓጎስ ንምሕራቕ

ንብኽያት ንስሓቕ

ንምቕራብ ንምርሓቕ

ንጥዕና ንሕማም – ንጸብኢ ንሰላም”

ንዅሉ ጊዜ’ሎ – ኰሀለት ከምዝበሎ።

ንኣይ ግን ገሪሙኒ’ሎ

‘ቲ ሰዓትና ዕንኪላሎ

እቲ ወቕትና ሰንፈላሎ

ፈታውን ጸላኢን ዘስተብሃሎ

ቅድሚ ሬሳ ንብል ላሎ

ጊዜ ሓዘን ሰዶ ኣውሎ

እንታይ ወረደን ዘን ዓላሎ?

ዕሽነትዶ ጽላለ ንቝጸሮ

መኣስ ኢና ንጊዜና ንቕይሮ?

ብሃንደበትዶ ብቖጸሮ?

ብነጋሪትዶ ብኸብሮ?

ብእዋኑ ክነሥምሮ

ንባህግና ኣይነውዕሎ ኣይነሕድሮ።

 

ሰዓታት ጊዜና ይሓልፍ

ከም ውሕዥ ይጽርገፍ

ይጎዪ ይምርቀፍ

ኣብ ኢድናኸ እንታይ ይትረፍ?

ልበ’እምሮና ኣበይ ይዕረፍ?

ሸበትበትና ዘየናግፍ

ሓደ ሒዝና ካልእ ግድፍ

ሓደ ይወድቕ ሓደ ይጸድፍ።

 

ሰዓት ሕላፍ እዋን እቶ

ወቕቲ ሰላም በጺሑዶ?

ጊዜ ደስታ ኣኺሉዶ?

መን ይመልሰን ነዘን ሕቶ?

መንገድና ጸግዒ ጸግዒ

ምላሻትና ኮይኑ እንድዒ

እዝኒ’ሎና ዘይሰማዒ

ዓይኒ’ሎና ዘይርኢ

ዝኸለሎ ካዕቦ ቍልዒ

ኣፍ’ሎና ዘይደማዒ

ርእስናዶ ከይጥዒ?

ፈታው ሽቶ ተወራዒ

ወላፍ መስተ ተባላዒ

ዘንጸራሩ ብዘይ ቀጥዒ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Haile G. Tensae December 26, 2014

    Great and keep it up brother

  • FM December 29, 2014

    Haile,

    Thanks for your continued encouragement. I will do my best time permitting.

POST A COMMENT