Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር – ዓዲ -ኢንግሊዝ

ጋዜጣዊ መግለጺ ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር - ዓዲ -ኢንግሊዝ   ዓሚ፣ ልክዕ ከምዛ ሎሚ፣ 360 ሬሳታት ኣሕዋትናን ደቅናን፣ ካብ ባሕሪ ተዘቊቑ ክወጽእ ተዓዚብና። እቲ ጠላም ስርዓት፡ ንስደትን ህልቂትን ኣቃሊዑዎም ክንሱ፣ ንመንነቶም ሓኺኹ “ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ዝብል ስም

ጋዜጣዊ መግለጺ

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር – ዓዲ -ኢንግሊዝ

 

ዓሚ፣ ልክዕ ከምዛ ሎሚ፣ 360 ሬሳታት ኣሕዋትናን ደቅናን፣ ካብ ባሕሪ ተዘቊቑ ክወጽእ ተዓዚብና። እቲ ጠላም ስርዓት፡ ንስደትን ህልቂትን ኣቃሊዑዎም ክንሱ፣ ንመንነቶም ሓኺኹ “ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ዝብል ስም ኣጠሚቑዎም። መላእ ኤርትራዊ ግን “ጓኖት ኣይኮኑን፣ ኣሕዋትና ኢዮም!” ኢሉ፣ ዓው ኢሉ ምስ ጨደረን እቲ ጉዳይ ቃልዕ ምስ ወጽአን፣ እቲ ፈራሕ ስርዓት፣ ሬስኦም ከይቅበል ዕጭ ሓንፊፉ። እቲ ህልቂት፣ ሳላ’ቲ መንግስትን ህዝብን ጥልያን ዝገበርዎ ምትሕብባር፣ ከምቲ ህግደፍ ዝደልዮ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንተቓውሞኡ ዝያዳ ድርኺት ክውስኸሉን፣ ዓለም ስቓይና ንክርዳእን ማዕጽኡ ከፊቱ ኣሎ።

 

እቲ ፍጻሜ፣ ኣብቲ  መሰል ወዲ ሰብ ዝኸብረሉ ስልጡን ዓለም ስለዝተፈጸመ እምበር፣ ብኽንድኡን ልዕሊኡን ቊጽሪ፣ ህይወት ዜጋታትና ክጠፍእ ናይ መጀመርያ ኣይነበረን። እታ 360 ህይወት ኣብ ሓንቲ ህሞት ዝጠፍኡላ ዕለት ድማ፣ ከም መዘከርታ ናይ ኩሎም ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ፈቐድኡ ዝጠፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታትና ክትከውን ኢያ።

 

ንሕና፣ እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፣ ናብ ስደት ክንጥምት ዘይኮነስ፣ ምስ ምድምሳስ መግዛእቲ፣ ሃገርና፣ መዓርን ጠስምን ዝሕለባ፣ እቶም ኣቐዲሞም ዝተሰደዱ ዜጋታትና ንዓዶም ተመሊሶም፣ ምስ ህዝቦም ዝተሓቛቖፉላ፣ ስድራ-ቤት ስዉኣት ዝድበሱላን ደቂ ስውኣት ዝሕበኑላን ዝሕብሓቡላን ሃገር ንምግባራ ኢና ተቓሊስና።

 

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፣ እቶም ሕድረ ዝሃብናዮምን ዝኣመንናዮምን መራሕትና ነበር፣ ሕድርና ጠሊሞም ተስፋና ቆሪጾም፣ ሃገር ብምልእታ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ሸሚሞም  ሰቲ ንኸብቁል ኣብ ዝፈሰሰ ደምና፣ እሾኽ ዘሪኦም፣ ንህዝብና ብዘይ ልቡ የንፍጹዎ ኣለው።

 

እቲ ተግባር ንልብናን ኣእምሮናን በጽቢጹ ድቃስ ከሊኡና እናሃለወ ከኣ ኢና፣ መርድእ ፍጻሜ ደሴት ላምፐዱዛ ዝሰማዕና። ሽዑ፣ እቶም ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነበርና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፣ ህግደፍ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽን ጅግንነትን ገድሊ ተጎልቢቡ፡ ህዝቢ ንምጽናት ንዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ጠላማት ብሓባር ንምኹናን ተኣኻኺብና ዓገብ ኢልና። ሕጂ’ውን፣ እቲ ንእስነትና ዘብለናሉ፣ ቀይሕ ደምና ዘፍሰስናሉን ገድሊ፣ ንህልቂትን ምብትታንን ኣይነበረን’ሞ፣ ኩሉ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ህዝብናን ወገናትናን ዝፍጸም ዘሎ ኣሰቃቒ ህልቂት ብትሪ ንኹንኖ።

 

እቶም ትማሊ ከም ብጾትና ዝሓቖፍናዮም፣ ከም ሓለፍቲ ዝተኣዘዝናዮም፣ ሎሚ ናብ በላዕቲ ሰብ ተቐይሮም፣ ጠንቂ ህልቂትን ብርሰትን ህዝብና ኮይኖም ዘለዉ ቁንጣሮ ሓለፍቲ ህግደፍ፣ ንተግባራቶም እናተጸይንና ‘ፎእ’ ንብሎም።

 

ሰማእታት ላምፐዱዛ ሃዋርያ ናይ ኩሎም ኣብ ባሕርን ምድረ-በዳን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ኣሕዋት ኢዮም። እቲ ዝረአናዮ ጽፍጻፍ ሰናዱቕ ሬሳታቶም’ውን፣ ተራ ሳንዱቕ ሬሳ ኮይኑ ዝሓልፍን ዝርሳዕን ኣይኮነን። ህግደፍ ጠፊኡ፣ መሬት ወጊሑ፣ ምድረ-ሰማይ ምስ በርሀ፡ ንሳቶም’ውን እቲ ተነፊጉዎም ዘሎ ሓመድ ዓደ-ቦኦም ክረኽቡን ብቕርጽን ሕብርን ናይቲ ሰናዱቕ ብዝተጸርበ እምነ-በረድ ሓወልቲ ክስርሓሎም ኢዩ። ኣስማቶምን ታሪኽ ፍጻሜ ላምፐዱዛን፣ ናይ ኩሎም ኣሰር ዝገደፉን፣ ኣሰር ዘይብሎም ዝጠፍኡን መዛኑኦም፣ ንዝመጽእ ወለዶ ትምህርቲ መታን ክኸውን ከኣ ኣብቲ ሓወልቲ ክውቀር ኢዩ።

 

ብኣጋጣሚ እዛ ረዛን ናይ ሕድሪ ዕለት ከኣ፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ዘለዎ ፍልልያት ኣወጊዱ፣ ‘ዝሓለፈ ይኣክል’ ብምባል፣ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ንጥፍኣት ህግደፍ ክቃለስ ንጽውዕ። እቶም ንናይ ሓሶት መብጽዓ ኣሚንና፣ ነዚ ጠላም ስርዓት ሓንጊርና፣ ካብ ብሱል ጥረ ዝኣተና፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ፋሕ ኢልና እንርከብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር እቶም ቀዳሞት ግዳይ እዚ ጠላም ስርዓት ብምዃንና፡ ነቲ ስርዓት ንምእላይ፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ሓቢርና ጸጸጸርና ክንድርቢ ንጽውዕ። ነቲ ኣብ ገድሊ ዝነበረና ስጡም ሓድነት፣ ናብዚ ሓድሽ ወለዶ እነመሓላልፈሉ እዋን ሕጂ ኢዩ’ሞ ሃየ ሓላፍነትና ንሰከም።

 

ደጊምና ነቲ ዘይሓላፍነታውን በታንን ስርዓት ህግደፍ ንኹንን!

 

ከም ባህሊ ሕ/ሰብና ንኹሎም ሰማእታት፣ ብከምቲ ዝኣምኑሉ ሃይማኖት፣ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም እናበልና፣ ንቤተ-ሰብን መቕርብን ድማ ‘ጽንዓት ይሃብኩም’ ንብል።

 

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዓዲ ኢንግሊዝ

03 ታሕሳስ 2014 –

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Berhe October 3, 2014

    Hi…

    monthe of the letter is not correct. this monthe is October, Tqmti not Tahsas , tahsas is december.

    observer.

  • Selam October 4, 2014

    Fantastic article. We remember the loss and let’s march to save the country.

  • Simon G. October 4, 2014

    እሞ ሕጂ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ ‘ዩ, ትሕቶ? ዶ ዋላስ ከማና ቦራዕራዕ ጥራይ ኢልካ ምትራፍ ዩ? ከምኡ ደኣ ክንደይ ዓመት ጌርና መስለኩም

  • zenet baylul October 9, 2014

    I was a former ex EpLF fighter for 17 years, as of now , I am here in USA, kindly I would like to join , and contribute the best I can, as well to share my taught. when I get feed back from you , then I am willing to provide my number. Good luck, hopping to pursued our dream once for all soon.
    Best regards Z/B

  • aus 17 October 13, 2014

    this is what you created x- eplf and you told us liberated you? do you really liberated us? or exposed us to a monster/ whale/ or shark??

POST A COMMENT