Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ጅምላዊ ህልቂት ላምፐዱሳ – ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣሜሪካ

ጋዜጣዊ መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ጅምላዊ ህልቂት ላምፐዱሳ   ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን - ሰሜን ኣሜሪካ   ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ`ቲ ንፍትሒ፡ ንራህዋ፡ ንሰላምን ዕብየትን ሃገራዊ ክብርን ኢሉ ዝኸፈሎ  ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ደቁ መስዋእትን ስንክልናን፡ ተጠሊሙ። ኩሉ ዝነበረ

ጋዜጣዊ መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ጅምላዊ ህልቂት ላምፐዱሳ

 

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣሜሪካ

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ`ቲ ንፍትሒ፡ ንራህዋ፡ ንሰላምን ዕብየትን ሃገራዊ ክብርን ኢሉ ዝኸፈሎ  ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ደቁ መስዋእትን ስንክልናን፡ ተጠሊሙ። ኩሉ ዝነበረ ብሩህ ባህግታቱ ጸልሚቱ፣ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ካብ ዘጋጥሙ ኣዝዮም መረርቲ ሽግራት ከሕልፍ ተሸሚሙ ይርከብ። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ`ቶም ኣቐዲሙ ዘሕለፎም ባዕዳውያን መግዛእትታት ሕሰመ-መከራ ዝሓሰመን ዝመረርን ሃለዋት የሕልፍ ኣሎ።

ዝያዳ ተረከብቲ ዕዳ ኮይኖም ዘለዉ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ተቖሪኖም፡ ኣይካብ ትምህርቲ፡ ኣይካብ ስራሕ፡   ኣማዕድዮም ክርእይዎ ዝኽእሉ ብርሃን ዝተነፍጎም ኤርትራውያን መንእሰያት እዮም። ናይ ጽባሕ ተስፋን ተቐበልቲ ሕድርን ክኾኑ ዝነበሮም ወለዶ፡ ንዘፍቅርዋ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም፡  ብኢድ ነጋዶ ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ምድረ-በዳታት ሲናይን ሳሃራን ከም ዓቕሓ ይሽየጡን ይልወጡን ኣለዉ። ይተካእ ይለቀም፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺን እስራኤልን ከምኡ`ውን ኣብ ጎደናታት ከተማታት ኢጣልያ፡ የመን፡ በረኻታት ሊብያን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ሂወት ክሕልፉ ይቕሰቡ ከም ዘለዉ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ 3 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ኢጣልያ ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን፡  ካብ`ቲ ብዙሕ ልዕሊ ህዝብና ዘጋጠመ መዓት፡ ብቑጽሩ ይኹን ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ወይ ናይ መወዳእታ`ኳ እንተዘይኮነ፡ ፍሉይ ዝገብሮ ረቛሒ ግን ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ፡ ቆላሕታን ምድንጋጽን ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዝረኸበ ምዃኑ፣ ንሕልና-ኣልቦን ጨካንን ባህርያት እምባገነናዊ ጉጅለ ህግደፍ  ዕርቃኑ ዘቃለዐ ምዃኑ`ዩ። ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣብ ባሕርን ምድረ-በዳን፡ ናይ ሰብ ክብሪ ተሓሪሞም፡ እቲ ዝመረረ ኢ-ሰብኣውን ስጋዊ ግህሰታትን እናወረዶምን፡ ልዕሊ 365 ናይ ንጹሃት ሬሳታት ተር ኢሉ ዓለም ምሉእ ክሓዝነሎምን ክነብዓሎምን ከሎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ብሃሱሳቱ ኣቢሉ ንዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ከደናግር ሕፍር ከይበለ`ዩ ተንቀሳቒሱ።

ሎሚ፡ ንባህርያትን እንታይነትን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራናይ ምጽናትን ብርሰትን ፖሊሲ ብመደብ ንዝሰርሕ ዘሎ  እምባገነናዊ ጉጅለ ክንትንትን ጊዜ ከነጥፍእን ኣይግባኣናን። የግዳስ፡ ንዝጸንሐ ዘየድማዒ ናይ ቃልሲ ባህሊ ክንእርም፡ ንተመኩሮታት ምንጽጻግን ምፍንፋንን ወጊድ ኢልና ዓቕምታትና ከነሐይል እዩ ዝግባኣና። ብዝለዓለ ትዅረት፡  ንሰናይ ባህጊታት- ሰላም፡ እፎይታ ናይ ህዝብና ዳግም ከነሐድስን ክዉን ክንገብርን በርቲዕና ክንቃለስ`ዩ መድረኽ ዝሓተና ዘሎ። ነዚ ሕቶ`ዚ ክምልስ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ ንለውጥን ፍትሕን  ኣብ ምንጣፍን ምጥርናፍን ይርከብ።

 

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝኽሪ ዓመት ኤርትራውያን ግዳያት ላምፓዱሳ ምኽንያት ብምግባር እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን የመሓላልፍ፡-

  1. ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፐዱሳን ከምኡ`ውን ተመሳሳሊ ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ ንምዝካር በብእንነብረሉ ቦታታት/ከተማታት ሓቢርና ሽምዓ ብምውላዕ ኣብ ዓመቶም ክብሪ ተዘክሮ ክንዝክሮም፣
  2. ነቲ ““ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?“ ዝብል ናይ 4 ኤርትራውያን ኣቦታት ኣቡናት ካቶሊካዊት መልእኽቲ ሓባራዊ ግብራዊ መልሲ መታን ክንረኽበሉ፡ ““ንሕና`ኸ፡ ኣበይ ኣሎና?“ ዝብል ሕቶ ብጽሞና ኣልዒልና መልሲ ክንረኽበሉ፣
  3. ተረኽቦ ላምፐዱሳ፡ መዓልታዊ ተረኽቦ ኤርትራውያን መንእሰያት ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ከይትባድምን ዋሕዚ ስደት ከብቅዕን፡ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምልጋስ ዘየሻሙ ቀንዲ ዕማምና ክኸውን፣
  4. ዓቕምታትና ብምውህሃድ፡ ኣብ ናይ ዓለም ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳያት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንናይ ኤርትራውያን ስድተኛታት ኩነታት እኹል ቆላሕታን ኣቓልቦን ክረክብ፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ድርኺትን ተጽዕኖን ክንገብር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ንሕተት።

ኣብ መደምደምታ፡ ንህዝብና፡ ናብ ከም`ዚ ዝበለ፡ ሓደጋ ከሳጥሕዎ ዝኸኣሉ ብዙሓት ረቛሒታት ክህልዉ`ኳ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ እቶም ክልተ ቀንዲ  ጠንቂታት፡ እምባገነናዊ ስርዓት ኢሳያስን ድኹም ኣተሃላልዋ ተቓውሞናን እዮም። ስለዝኾኑ፡ ንኹሉ ዝተወደበን ዘይተወደበን ዓቕምታት ተቛውሞ ጠርኒፉ ዘቃልስ ናይ ሓባር ባይታ ንምጥጣሕ  ልዕሊ ኩሉ እዋናት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ`ዩ። ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካን ኣህጉርን፡  ስሙርን ጥርኑፍን ህዝባዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብቂዕና፡ ንኣብ ውሽጢ ፈኸም ንዝብል ዘሎ ተቓውሞ፡ ሞራልን ንያትን ክንኮኖን ንዕድመ እምባገነናዊ ጉጅለ ህግደፍ ከነሕጽሮን ብንያት ንበገስ።  ድሕሪ`ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓባር ዘትዩ ብስኒት ዝነብረላ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ እትናበር ብልጽግትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክሃንጽ ዝኽእል፡ ሕግን ሰርዓትን ዘኽብር ወረጃ ህዝቢ ምዃኑ ኣይንጠራጠረሉን።

ጽንዓት ንህዝቢ ኤርትራ!

ደበስ ንወለዲ ግዳያት ላምፐዱሳ!!

ርግኣትን ቅሳነትን ንመንእሰያት ኤርትራ !!!

ንዓርሞሾሻዊ ማዕበል ህዝቢ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን!!!!!

ውድቀት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ!!!!፡

ክንዕወት ኢና!!!!!

 

9/26/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • tarikh September 28, 2014

    ዝገርም ነገር እዩ፣ ተቓዋማይ እየ ዝብል ማሕበራት ከምዝወሓደ እነሆ ተወሳኺ፣ ቲ ዝገርም ከምዝተመስረተን ክምስረት ምኹኣኑን ከየነጸረ እዝንና ዘጽመመና ዝሰልቸናሉ ቃላት ደራዲሩ ምምጽኡ እዩ። ኣቐዲመን ናይ ደንበ ተቓውሞ ኣተሃላልዉእኡን፣ ጸገማቱን ከይተንተና ብስምዒትን ብዘይ ንጹር ሸቶን ኣበየ ከባቢኡ ክፍለ ግዝኣታት አሜሪካ ዝተጫጫሐ ናይ ኮም ማሕበር ኣይትብለን ናይ ተቓውሞ ስርርዓት ጸኒሐን። እዘን ኮነ ኢልካ ንኣቐዲሙ ዝተመስረተ ውዳበን ጥርናፈታትን ደንበ ተቓውሞ ከዳኽማ ብመንገዲ ባዓል ባካሮን ኣዳኸርቱን ዝፈልፈላ ማሕበራት ዝተላኣኽኣሉ ዕማም ምድኻም ውዳበ ተቓውሞ ብዝነኣድ መገዲ ኣሰላስለን እነሆ ዝያዳ ዕንወትን ፋሕብትንን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንምእታው ብመንገዲ ፓልቶክ ዝተወደበ ኣዕናዊ ጉጅለ ጆባእ ይብላና ኣለዋ። እዚኣ ኸ ጉጅለ መን ክትበሃል እያ? እታ ናይ ዓሚ ወዲ ቫካሮ ገለመለ ትበሃል ኔራ፣ ኣማንኤል ንኣሜሪካ ምልስ ምልስ ምባሉስ ምናልባት ናቱ ምንቅስቓስ ዶ ይ ይኸውን?

  • K. Abraham September 28, 2014

    Nay bhaki ab zhatsere gizie knewet kulna bhabar nbeges. We have to say enough now. Let us not forget the devil Isaias do not deserve to breath fresh air even for one hour.
    We support your action.

POST A COMMENT