Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ተበግሶ ኮሎራዶ ንምድሓን ሃገር!

ጋዜጣዊ መግለጺ ተበግሶ ኮሎራዶ ንምድሓን ሃገር! ንሕና፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡  ንሃገራዊ ስኒትና ዝዓናቕፉ ጉዳያት ክንፈትሕ፡ ቀጻሊ ሰሚናራት  ከነካይድ ተበጊስና።  ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ  ኣካል ናይ`ተን ድሮ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ተጠራኒፈን ዝነጥፋ ዘለዋ ዓሰርተ-ሰለስተ ከተማታት እያ።

ጋዜጣዊ መግለጺ

ተበግሶ ኮሎራዶ ንምድሓን ሃገር!

ንሕና፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡  ንሃገራዊ ስኒትና ዝዓናቕፉ ጉዳያት ክንፈትሕ፡ ቀጻሊ ሰሚናራት  ከነካይድ ተበጊስና።  ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ  ኣካል ናይ`ተን ድሮ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ተጠራኒፈን ዝነጥፋ ዘለዋ ዓሰርተ-ሰለስተ ከተማታት እያ። ዕላማና፡ ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ድሒና፡ ቅዋማዊት ሃገር ንክትከውን ቀጻሊ ጻዕሪታት ምክያድ`ዩ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ፡  ሚያዝያ 26  2015  ኣብ ዝጅመር ሰሚናር፡ ኣብነታዊ መርኣያ ክኸውን ኩሉ ምድላዋት ክንገብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣሚና፡  ክሳብ ቅዋማዊት ኤርትራ እትህነጽ  ጻዕሪታትና ቀጻሊ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ከከተመአን ነዚ ንቕሎታት`ዚ ደጊፈን፡ ክብገሳን፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ሰፊሕ ጎስጓስ ክግበራን ነተባብዕ።

ጸዋዒትና ንኩሎም ኤርትራውያን፡

  1. ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱ፣
  2. ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ብህጹጽ ንምግባእ፡ ኩሉ ዘድሊ ምስንዳኣት ክትግበር፣

 

መፍትሒ ሽግራትና ተጋቢእና ምልዛብ እዩ!

ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ይኣክል!

ለውጢ፡ ብተሳትፎ ናይ ነፍሲ-ወከፍና እዩ ዝረጋገጽ!

መዓስ? … ሕጂ!!!!

ሽማግለታት ሰሚናር

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

03/30/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Kudos for the Seminar Committee of Colorado. Though it is better late than never. I am personally skeptic of your present initiative. Where have you people been till now? There are lots of movements that had already started why not you put an impetus or increase the momentum of those already started?

    Wish you success in all your endeavors. Be on the watch of any especially those with ill intentions.

  • uncle sye April 2, 2015

    መርዓውቲ መጺኦም ስዋ ይጾመቝ ዶ ኾይኑ ፧ ከምቲ እንግሊዛውያን ዝበልዎ፧ “after water to cave”ማለት ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ከይከውን ድኣ እምበር !!!

  • Almaz Gual Asmera April 2, 2015

    ሕሰምናን ሕሰም ሕዝብናን ከኽትም እንተኮይኑ ክንሓብር እሂን ምሂን ክንብሃል ኣሎና። ኢድና ሓዊስና ድማ ብሕጊ (ብወረቐት) ዝሰርሕ፡ ንመታሕትና ከበሳና፡ ኣስላምና ክርስቲያንና፡ ኩለን ብሄራትናን ኣውራጃታትናን ዝመስል ሕዝባዊ ውደባ ኪህልወና ንቓለስ። ኤርትራውያን ኣኣብቲ ዘሎናዮ ናይ ስደት ዓድታትና ዘሎና ሽግር ይኹን ኣብቲ ምበቆል ዓደቦናን ዘሎ ጸዊኻ ዘይውዳእ ጸበባ …ፍታሕ ዝርከብ …ዓቅምታትና ኣዋሃሂድና ንመሰልና ብሓድነት እንተተቓሊስና እዩ። እቲ ናይዞም ኣሕዋትና ነበርቲ ኮሎራዶ ዝብልዎ ዘሎዉ ድማ ንሱ እዩ። ስለዚ ኣይነቓናጽብ…ንሕበር ጉድለት እንተልዩ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣቲና ንኣርም…ብማዕዶ ኮይንካ ጨለ ዘረባ ዋጋ የብሉን። እቶም ሽማግለታት ድማ…ከም ምኽሪ እንተስ ናትኩም እንተስ ናይ ኩለን ከተማታት …እምነት እህዝቢ ምእንቲ ኪተረኽቡ…መርበብ ሓበሬታ ኪህልወኩም የድሊ። ብዙሕ ዝተማህረ ዓቅሚ ኣሎና…ብቐሊሉ ኪግበር ዝክኣል እዩ። ሓበሬታ ሓይሊ እዩ…ሕግኹምን…ኣሰራርሓኹምውን ብመስረት ሕግኹም ዲኹም ትኸዱ ወይስ ብሃውሪ ሕዝቢ ኪፈልጥ ይደሊ እዩ…ብሕጊ-ግደፍ ዝተጠልመ ሕዝቢ …ከምቲ ምስላ ኣበው ብተመን ዝተነኽሰ ብልሕጺ ተዳህለ እዩ…ግሉጽነት …ነዳዲ ናይቲ ንፍትሕን ርትዕን ዝግበር ሕዝባዊ ቃልሲ እዩ። …እንታይ ኮይኑ እዩ ሕዝቢ ከምቲ ዝድለ ዘይቃለስ ዘሎ ዝብል ሕቶ…ኣጸጺና ክንፍትሾ ይግባእ። እዚ ወዳሓንኩም። በርትዑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ንንከስ ኣብ ዕላማ።

  • steve April 4, 2015

    ቅዱስ ተበግሶ ኮሎራዶ!!!!!!

    ቅዱስ ተበግሶ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ቀጽልዎ ተበግሶኹምን ዕውት ክኾውን ተስፋ እገብር። ካልኦት ኣብ ዲኣስፖራ ዘለና ኤርትራውያን ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክንወስድ ይግባእ።ሰሚራር ኮሎራዶ ኣብነታዊ ኮይኑ ክወጽእ ናይ ኩሉ ደላይ ጽቡቕ ኤርትራ ምንዮት እዩ። ሽግራና ከብቅዕ ህርመትና ብሓደ ምስ ዝወቅዕ እዩ ሞ ኩሉ እንትናና ኣንጻር ግፍዓዊ ምሕደራ እሰያስ ጠጠው ንበል።

POST A COMMENT