Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ሕሱም ምልኪ ዝፈጠሮ- ጅግና ብድሆታት!

ብድሆ ናይ ኣቦና ሓጂ ሙሳ፡ ውጽኢት ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን መጠኑ ዝሓለፎ ጭቆናን ምልክን ህግደፍ`ዩ። ንህይወቶም ከይሰግኡ ኣብ ምንጋጋ ዘይምሕር ህግድፍ ክኣትዉ ምዃኖም እንዳፈለጡ፣ ሕልፈት! ይሓይሽ ኢሎም መሪጾም። ``ሕሱም ሰጓጓይ፡ ኣብ

ብድሆ ናይ ኣቦና ሓጂ ሙሳ፡ ውጽኢት ናይ`ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን መጠኑ ዝሓለፎ ጭቆናን ምልክን ህግደፍ`ዩ። ንህይወቶም ከይሰግኡ ኣብ ምንጋጋ ዘይምሕር ህግድፍ ክኣትዉ ምዃኖም እንዳፈለጡ፣ ሕልፈት! ይሓይሽ ኢሎም መሪጾም። “ሕሱም ሰጓጓይ፡ ኣብ ቃልዕ የብጽሕ“  ከምዝብሃል፡ ምሒር ምልካዊ ተግባር ህግደፍ፡  ንኣቦና ሓጂ ሙሳ ኣብ ቅብጸት ኣብጺሕዎም። እዚ  ቅሉዕ ተቓውሞ`ዚ ከኣ ነጸብራቕ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ሓያል ሰለያዊ ስልኳታት እናእተወ፡ ኣብ ውሽጠንን ኣብ ሓድ-ሕደንን ዘይምትእምማን ከስፍን ጥብቂ ስለያውን ጸጥታውን ምክትታል ከካይድ ጸኒሑ። ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ጰንጠ ቆስጠን ጀሆቫን፡ ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን ዘተግብሮ ጋሃሲን ዓምጣርን ስራሓት መርኣያ በታኒን መላኽን ባህርያቱ`ዩ። ቀንዲ ጉዳይ፡ ህግደፍ፡ ዝተጠርነፈ ህዝቢ ዘስገኦን ዘርዕዶን ስለዝኾነ  እምበር ስነ-ምግባርን ትምህርትን ካብ ሃይማኖት ነጻ (ሰኲላር) ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለዝኣምነ ኣይኮነን።

ናይ ተዋህዶ ፓትሪያርክ  ኣቡነ ኣንጠንንዮስ ተሓይሮም ከምዝነብሩ ጌሩ። መተካእተኦም ኢሉ ዝመዘዞም ምስ ዓረፉ`ውን ካልእ ፓትሪያርክ ክቕብኡ ኣይገበረን።  ድሕሪ ዕረፍቲ (ሞት) ሙፍቲ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን እንተኾነ`ውን  ክሳብ ሕጂ ካልእ ዝተተከአ ሙፍቲ የለን። ድምር-እኩብ ናይ`ዚታት፡ ንዓበይቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ክዳኸምን ህዝቢ በብእምነቱ ንከይጥርነፍን ዝዓለመ ስትራተጂ`ዩ። ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ታሪኹን መንነቱን ዘተሓሕዝ ኣእምራውን ሞራላውን መራኸቢ ድንድላት ክበታትኽን ከፍርስን ዘለዎ ዘየናሕሲ ዕላማ የብርህ።

ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእን ብሓያል ድምጺ ዝተተኮሰት ናዕቢ፡  ንመሰረታዊ ዕላማ ህግደፍ ስዒራ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ እትብል እምበር፡ ንህልም-ቁልጭ ጥራሕ ዝተጋህደት ኣይኮነትን። መሰልን ሰብኣዊ ክብርን፡ ዝተፋላለየ ሕብሪ ይኹን ሃይማኖታዊ  መልክዕ  የብሉን፣ ሕቶ ፍትሕን ግዛኣተ-ሕግን ጥራሕ`ዩ። መኸተ ጥቅምቲ 31 2017፡ ኣንጻር`ቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ክትግበር ዝጸነሐ፡ በታኒ፡ ጨፍላቒ፡ ጨቋኒ፡ ገባትን ኣጽናትን ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ዝቐንዐ`ዩ።

ንሕና፡  ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ)፡ ሽግ ዕላማ ናይ ማይሓባር ውጉኣት ዝተወፈይዎ፡ ጅግና ብተወደድ ኣብራሃ ዝተበጀዎ፡ ወዲ ዓሊ ብጅግንነት ዝወደቖ፡ “ሓውኻ ኣበይ`ሎ“  ዘቃላሖ ልዑል ሃገራውነት፡ ብቐጻሊ ክበርህን  ኣብ መዓርፍኡ ክበጽሕን ዝካኣለና ኣበርክቶ ክንገብር ኢና። እቶም ብዙሓት ኣማኢታት ጀጋኑን ተባዓትን ኤርትራውያን፡ ንምልኪ ኢሳያስ በብእዋኑን መድረኹን መኪቶም ህይወቶም ዝሓለፉን፡ ጸሓይ ብርሃን`ኳ ንነዊሕ ዓመታት ዝተሓረሙን፡ ከምኡ`ውን ነቶም ግዳያት ናይ ፈቖዶ ምድረ-ባዳን ማእከላይ ባሕሪን ዝኾኑ ዜጋታትናን ወትሩ ብጽሞና ንዝክር። ናይ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ጅግንነት`ውን ከምኡ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ቦታ ሒዙ ክምዝነብር ንኣምን።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመሪር ቃልሲ ናይ ኣሽሓት ደቃ፡ ክቡር ቦታኣ ዝረኸበት ሃገርና፡ ከም ሕልምታት ህግደፍን መጋበርያታቱን ኮይና ዓንያን ጸኒታን ከይትተርፍ፡ ኤርትራውነትና ኣደልዲልና፡ ኩሉ ዓቕምታትናን ኣትኩሮናን ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ይቕናዕ።

ሽግ ጀጋኑና፡ ብቀጻሊ ክበርህን ዕላምኡ ክውቅዕን ክንቃለስ ኢና!

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ሕዳር 9 2017

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT