Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቦ መንበር መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቦ መንበር መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና እናወሰኸ ደኣ እምባር እንዳነከየ ይኸይድ ዘይምህላው ሓደ  መርኣያ ናይ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣቦ መንበር መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና እናወሰኸ ደኣ እምባር እንዳነከየ ይኸይድ ዘይምህላው ሓደ  መርኣያ ናይ ምብትታን ተርእዮ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ንብዙሕ ናይ ህይወትን ሞትን ሓደጋታት እናሰንጠቐ ብማእከላይ ባሕሪ ንምዕራብ ኤውሮጳ  ክሰግር በብግዚኡ  ዘጋጥሞም ናይ  ምጥሓል ሓደጋታት ካብኡ እቲ ዝዓበየ ናይ ላምፓዱላ  ልዕሊ 700 ዜጋታትና ዝሃለቕሉ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ዓለምን ዘሕዘነ ክስተታት’ዚ ናይ ቀረባ ተዘክሮናዩ።

ሕጂ ከኣ ከባቢ 800 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ከባቢ 400 ዝኾኑ ኤርትራውያን ምዃኖም ብተደጋጋሚ ዝሕበር ዘሎ እዚ ሓደጋ’ዚ ምኽሳቱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ መሪር ሓዘን ይስመዖ። ንግዳያት ናይ’ዚ ሓደጋ ናይዝኾኑ ስድራቤታት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም እብል።

እዚ ዘሕዝን ተርእዮ ከምዚ ኢሉ ኣብ ዝተኸስተሉ ወቕቲ ብኻልእ ሸነኽ ናይዚ ግዳይ’ዚ ጠንቂ ዝኾነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እትርኢ መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት መንግስታት ብ8 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ሰበ ስልጣናት ህግደፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ክፍጸሙ ከምዝጸንሑ መርትዖታቱ ኣሰንዩ ምቕራቡን ምርግጋጹን ኤሃበደለ ሞገሱ ይገልጽ። ነዚ መርትዖታት’ዚ ኣብ መፈጸምትኡ ክበጽሕን ገበነኛ ስርዓት ኣብ ኣህጉራዊ ናይ ገበነኛታት ቤት ፍርዲ ክቐርብ ጻዕርታቱ ከሐይል ኣጥቢቕና ነማሕጽን።

መላእ ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ቀጻሊ ዝካየድ መጋባእያ ናይ ሕቡራት መንግስታት መርማሪት ኮምሽን ንገበነኛ ቀንጻሊ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕ ንፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድምጽና ንምስማዕ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ተሳትፎና ከነዕዝዝ እጽውዕ።

ኣበሳ ስደት ዘብቅዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝውገድን ጠንቂ ናይዚ ሽግራር’ዚ ዝኾነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ ኣብ ክንድኡ ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዝሑነት ዝተመስርተ ብግዝኣተ ሕጊ (ቅዋም) ዝመሓደር ደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ጥራሕ ምዃኑ ተገንዚብና ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ደሞክራስያዊ ቃልስና ክነሐይልን ክነድሕንን ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ተቓላሳይ ሕብረተሰብና ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክረባረብ እጽውዕ።

 

ሓጅ ዓብደል ኑር ሓጅ

ኣቦ መንበር መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

11/06/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT