Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ  መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ `` ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ ``። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ 

ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ  መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ “ ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ “። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ  ኲናት ኢትዮ ኤርትራ  ጉዳይ ቅዋም ንመጀመርታ ግዜ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክጥቀስ ክንሰምዖ ከለና ቅድሚ ብታሕጓስ ወይ ብጓሂ ምቕባልና ኣቐዲምና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምሕታትን ካባኣቶም ክብገሱ ዝኽእሉ ተንታናትን ናብ ህዝብና ምቕራብ ሓጋዚ ኮይኑ እስመዓና።

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራብ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን።  የግዳስ እዚ ናይ ርእሰ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መግለጺ ኣብቲ ዝደርበዮ ዓጽሚ ንእሽቶ ስጋ እንተለዎ ሃሰስ ምባል ከድልየና እዩ።

1-  ድሕሪ ኲናት-ኢትዮ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ቅዋም ኢሉ ክዛረብ ከሎ ካብ ውሽጣዊ ድዩስ ወይስ ካብ ናይ ደገ ተጽዕኖታት? ዶ ወይስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት? ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት እንተኾይኑ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መግለጺታቱ ብኸመይ ክተዓረቕ ይኽእል?

–    ሀ)  ቅድሚ ሕጂ፡ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ናይ ዶብ ሕቶ ከይተፈትሔ ብዛዕባ ቅዋም ክንዛረብ ኣይንኽእልን እዩ ክብል ዝጸንሔ። ሕጂውን እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ከምቲ ዝጸንሖ እዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ ኣምበር ፍታሕ ኣይተረኽበሉን። እሞኸ ደኣ እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋም ኣይንዛረብን ምባሉ ድዩ እቲ ጌጋ ኔሩስ ወይስ ሕጂ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራቡ?

–    ለ) ፕረሲዳንት ኢሰያስ ንቅዋም ዝኣክል ዓቢ ሃገራዊ ንብረት ከም ተራ ቁራጽ ወረቐት እዩ ክገልጾን ከቋናጽቦን ጸኒሑ። ሃገርና ብሕጊ እያ ትምራሕ ዘላ ቅዋም ኢልካ ኣብ ወረቐት ስለ ዘስፈርካ ኣይኮነን ክብል ብባጫ ዝምልሰሉ እዋን ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። ሕጂኸ እቲ ክምረሓሉ ዝጸንሔ ሕጊ ኣበይ ስለ ዝጠፍኤ እዩ ናብ ቅዋም ከምርሕ ዝመረጸ? ዶ ወይስ ብዓንተባኡ ዝምራሓሉ ሕጊ ስለ ዘይነበረ እዩ ሕጂ ናብ ናብ ሕጊ (ቅዋም) ምኻድ ዝተመርጸ? ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር ከከምዝጥዕሞ ናይ ሳልስቲ ፖሊሲታት ምውጻእ ኣመሉ እኳ እንተኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገርና ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ ከለዓዕል ዝኽእል ዕእቢ ጉዳይን ናይ መርገጻት ምግልባጥን ግን ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

2 – ብዛዕባ ቅዋም ክለዓል ከሎ ኣብ ደንበ ተቓውሞ እውን ዳርጋ ኣብ ክልተ ዝተገሞዐ ኣረኣእያ ከምዝነበረ ይረደኣናዩ። እቲ ሓደ ቅዋም ይተግብር ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ  ብሓባር ዘርቅቖን ብሓባር ዘጽድቖን ብማዕረ ናትና ዝብሎ ቅዋም ንግበር ዝብል እዩ ኔሩ። መግለጺ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ንኽልቲኡ ርእይቶታት ኣይሰምዕን እዩ ዝብል ዘሎ። ነቶም ቅዋም ይተግበር ክብሉ ዝጸንሑ ናይ ፕረሲዳንት ኢሰያስ መልሲ፡ እቲ ቅዋም – እቲ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ቅዋም ኣይትግበርን እዩ። ካልእ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎን ዘይወዓልኩሙሉን ቅዋም ኢና ከም ብሓድሽ እነርቅቕ እዩ ዝበለ። ነቶም ኩላትና ብሓባር ሓድሽ ቅዋም ሓንጺጽና ነተግብር ክብሉ ዝጸንሑ እውን፡ ተስፋ ዘንብር መልሲ ኣይሃበን። መንዩ ከርቅቖ፡ መንዩኸ ከጽድቖ ዝብል ዝሃቦ ዝርዝር እኳ እንተዘየለ፡ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣብ ንግሆ ዕለት 24 ግንቦት 2014 ተበራቢሩ ሓድሽ ደሞክራሲያው መንፈስ ዓሲልዎ ኣሳታፊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከንግስ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራሕ እዩ። ኣሳታፊ ቅዋም ምርቃቕን ምጽዳቕን፡ ንባዕሉ ዕምሪ ኢሰያስን ስርዓቱን ዘሕጽር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንምንታይ ደኣሞ ሕጂ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቕታ ብዛዕባ ቅዋም ክዛረብ ተገዲዱ?

 

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጸቕጢ ክበዝሖ ከሎ ጥራሕ ምዃኑ ዘጉስዕ ካብ ተመኩሮ ክንሪኦ ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብ ወትሩ ንላዕሊ ጸቕቲ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን። ግዳማዊዶ ውሽጣዊ ጸቕቲ? ኢሰያስ ኣፈወርቂ ይኹን ካለኦት መለኽቲ ስርዓታት ንኹሉ ንለውጢ ዝጠልብ ኣካል ንዘለኣለም እናጨፍለቑ ክኸዱ ዝከኣኣሎም ኣይኮነን። ህዝቢ ይኣክል ዝብለሉ ሰዓት ክመጽእ ከምዝኽእል ታሪኽ ይምህረናዩ። ሕጂውን እንተኾነ ህዝብና በቲ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ዝጸንሔ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣደራዕ  ኣብ መጨረሽታ ደረጃ ምጽማም በጺሑ ምህላዉ ንርኢ ኣለና። ሃገራት ኤውሮጳ ይኹን ማሕብረሰብ ዓለም  ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣስደሚምወን ክዛረባሉ ጀሚረን ከምዘለዋ ንሰምዕ ኣለና። እቲ ብዘይካ ዘጣቓዓሉ ህዝቢ እምበር ዝሓለፈሉን ዝቐሰነን ህዝቢ ክርኢ ዘይደሊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ነታ ናይ ስልጣን ኮረሽኡ ዝሕልወሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ይስእን ስለ ዘሎ እውን እዩ ብ ደ.ም.ህ.ት ዝሕሎ ዘሎ።

 

ስለዚ እቲ ጸቕጢ ብኹሉ እዩ። ናይ ዓለም ሕብረተሰብ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ዝረኤ ብቦምብን ፈንጂታትን ኣባይትን ደቂ ሰባትን እናኣዕነኻን እናኣጥፋእካን ኣይኮነን ኣብ ኤርትራ ኣዒንቱ ክኸፍት ጀሚሩ ዘሎ። ኣብ ናይ ምርጫ ሳንዱቕ ክውዕል ዝግበኦ ነጻ ድምጹ ተነፊግዎ፡ ንዓለም ከዛርብ ብዝኽእል መንገዲ በእጋሩ ከድምጽን ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ከምርሕን ምስ ጀመረ እዩ  – እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ? ኢሉ ክሓትት ጀሚሩ ዘሎ። እዚ ናይ ሕጂ ናይ ማሕብረሰብ ዓለም ኣቓልቦ እናዛየደ ዝኸይድ እምበር ደው ክብል ዝኽእል ኣይኮነን።  እቲ ናይ ህዝቢ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ እውን እንተኾነ ካብቲ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ዝያዳ ዝጎሃሃርን ዝብርትዕን እምበር ካብኡ ንታሕቲ ዝረኤ ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ተጻብኦ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይወርድ ስለ ዘሎ።

 

ሎሚ መንእሰይና መጻኢ ዕድሉ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ክተክል ዝደሊ ኣሎ ክትብል ኣብ ዘጸግመሉ ኩነታት ኢና ኣቲና ዘለና።  ዝኸኣለ ዝሃድም ዘይከኣለ ሰማይ እናጠመተ ዝሓይሽ ክመጸሉ ዝጽሊ ጥራሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ።  ገለ ዓድታት ሰብ ሞይቱዎም ጎዳጉዲ ክፍሕሩሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ ክበሃል ከሎ ኣዚና መሬት ስለ ዝዘበጥና ድሕርዚ  ንላዕሊ ምውጻእ እምበር ንታሕቲ ምውራድ የለን። ስንኻ ነኺስካ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣጓሃሂርካ መወዳእታ ናይቲ ስርዓት ምርኣይ ጥራሕ እዩ እቲ ቅኑዕ ምርጫ።

 

ናይ 24 ግንቦት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መግለጺ ከም ወትሩ መቃነዪ ጥራሕ እዩ። ሓንሳብ ዶብ፡ ሓንሳብ ኲናት ሓንሳብ ሲ.ኣይ.ኤ ሓንሳብ ወያኔ ሕጂ ድማ ቅዋም ምርቃቕ (ረቒቑን ጸዲቑን ከምዘይነበረ)፡ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምኽንያታት መወዳእታ የብሉን። ለዋህ ደላይ ጽቡቕ ህዝብና በዚኣ እናተዛረበ ነቲ ካልእ ረሲዑ በዚኣ ጉጅም ክብል ክቕኒ እዩ። በዚ ዝታለል እውን ስለ ዘይሰኣን እቲ ምቕናይ ናብ ምውራሕ፡ እቲ ምውራሕ ናብ ዓመታት ምስግጋሩ ኣይተርፍን (እቲ ስርዓት ክሳብ ሽዑ እንተጸኒሑ)። ፕረሲዳንት ኢሰያስ ነቲ ምርቓቕ ሎሚ ጀሚረዮ ኣለኹ ዝብል ሓረግ እንተዝውስኸሉ እውን እንተኾነ እታ ቅዋም እተርቅቕ ሽማግለ ክሳብ ትወጽእ፡ እታ ሽማግለ ወጺኣ ስራሓ ጀሚራ ክሳብ እትውድእ፡ ብድሕሪኡውን ናብ ህዝቢ ወሪዱ ርእይቶ ክሳብ ዝወሃበሉ (ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ግምት ዘእትዎ እካ እንተዘይኮነን)፡ ወዘተ ወዘተ ህዝብና ነዚ ዝኸውን ትዕግስቲ የብሉን። ህዝብን ሃገርን ከነድሕን እንተኾይንና እዚ ስርዓት እዚ ተኣልዩ መተካእትኡ ንኹሉ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት እንተተኻኢሉ ጥራሕ እዩ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤሃባደለ

 

30 ጉንቦት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Tamrat Tamrat June 6, 2014

    How can we measure innocence? And where does lie eritreans collective innocence? How can make collective innocence of same People who live in different worlds like in Ethiopia refugee camps, in Addis, in the west, and middel east and offcourse in Eritrea? And where i am goingto With this?

    Around 1974 some 120 solideirs in Ethiopia made a commitee called Derg. This comitte by its force and the support of majority made it Clear to the King to determine the Power of the king over Ethiopia (Eritrea was part of ethiopia then). Can you blieve me the king was still rulling the country. In short ethiopia experienced for some 7 months a parliamentary system of 120 reprsentative (the majority supported derg at this time) while the king is still sitting in Power With very Limited aouthority. At this time there was no bloodshed for Power and the comittee is shoering ethiopia With many popular declaration, like equality of women and men, land for the prople, etc etc. And i meadured the innocence of Ethiopian at that time at its highest point because the committe just went to the Place and read ot the King that from this time on you are not the leader of Ethiopia. Not a single bullet. The king listened and he said that the comitte had made a grave mistake. They put him in bittels voxwagen and derg took the 100% Power.

    Our innocence in the end of derg time was much less than the king time and knew what happened aroung 1991. but even in 1991 we were too innocent compared to now.

    So my quetison do eritrean as innocent as ethiopians in 1974 and expect some People read a letter to the isaias and tell him to give Power?

    Or is eritrean innocence as ethiopians 1991?

    Or is eritrean innocence is wors than of ethiopian in 1991 and we dont know how the People react to the change of isaiasism?

    I dont know where the innocence lies.

  • Desta Mebrahtu June 6, 2014

    The Speech was sign of last phase of fail.
    In 1994 I knew the state will fail. But I was the only said to myself. And knew the history and its result back then and came to conclusion the struggle was not necessary. The state could have been much better without 53 years struggle as I see it know. Unless there is full democracy process the worst will be ahead. Eritreans should completely get of rid blind theory of struggle in the past and start with 21st century idea and forward. That is why TPLF is on success as they put aside their 17 years struggle chauvinism

POST A COMMENT