Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ

እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እንርከብ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ንምቅዋም ብተፈላለየ መገዲ ሃገራዊ ጉቡእና ክንፍጽም ጸኒሕና ኣሎናን:: ሎሚ መቐጸልታ ናይቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከነካይዶ ዝጸናሕና ኩሉንትናዊ ቃልሲ ካብ ዕለት 01|01|2014 ጀሚርና ብወግዒ

እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እንርከብ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ንምቅዋም ብተፈላለየ መገዲ ሃገራዊ ጉቡእና ክንፍጽም ጸኒሕና ኣሎናን:: ሎሚ መቐጸልታ ናይቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከነካይዶ ዝጸናሕና ኩሉንትናዊ ቃልሲ ካብ ዕለት 01|01|2014 ጀሚርና ብወግዒ ንእዉጅ ምህላውና ንኹልኹም ደለይቲ ለዉጢ ክንሕብር ንፈቱ:: ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ነዉሕን ኣህላኽን ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዞ ኪኖ ንሓድሕድና ምፍላጥን ምትእምማን ን : ስልኳታት ስርዓት ህግደፍ : ሃጓፋት ደንበ ተቓዉሞ : ከነተኣታትዎም ዝግብኣና ናይ ቃልሲ ኣገባባትን ክንግምግም ሓጊዙና እዩ::

ስምና ከምዝሕብሮ : ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ (EMC) ኮይኑ ኩሉንትናዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘፍቅድ :ብንጹር ራእን ዕላማን ምስ ዝቃለሱ ዉልቀሰባት ኮነ ማሕበራት ድማ ኣብ ሓደ ኣርዑት ክጽመድ ዝፈቅድ እዩ:: ዘመኑ— ዘመን ትኸል ንቐል ምኳኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን:: ከምኡ’ዉን ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ንሓድነት ዝጽዓረሉ ዘሎ ወቕቲ ዩ:: ነዚ ድማ’ና ንዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ገምጊምና : ብዝሓሸን ኣሳታፊ መንገድን ጉዕዞ ፈሊምና ዘሎና::

ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ : ምብዛሕ በርጌሳውያን ማሕበራት ኮነ ፖሎቲካውያን ዉድባት ከም መንቅብ ኣብ ዝቑጸረሉ ዘሎ እዋን ኢና ሓድሽ ምንቅስቓስ ንምስርት ዘሎና:: ስክፍታኹም ስክፍታ ኩላህና ምኻኑ’ዉን ክንሓብእ ኣይንደፍርን:: ይኹን ድኣምበር ኪኖ ስክፍታ ብዉድዓውነትን ብኽውንነትን ክንርእዮ’ዩ ዝግባእ:: ልዕሊኩሉ ድማ ሰብ ኣብ ዝመረጾ ክጥርነፍ መሰሉ ምኻኑ ዘይምዝንጋዕ ኣድላይ ይመስለና::

ከም ትዕዝብትና ናይ ግዜ ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ብስርዓት ህግድፍ ዘይተገፍዔን ዘይተገርፈን ዜጋ የልቦን:: ከምቲ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ኩለን ብሄራት : ኣውራጃታት : እምነታት : ጾታ … ኮታ መላእ ሕብረተሰብና ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ : ሕጂ’ውን ብኣልማማ ብስርዓት ህግድፍ ይግፍዕ ኣሎ:: ጥሉልን—ንቑጽን : ዝኸሰበን–ዝኸሰረን ኢልና ክንፈላልዮ ኣይንኽእልን ኢና:: እቶም ዝኸሰርና ኩላህና ኮይና : እቶም ዝኸሰቡ ድማ እቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መዳኸርቲ ኢሰያስ ጥራሕ እዮም::

ብተወሳኺ ከም ኤርትራውያን ኣብዞም ዝሓለፉ ናይ ስደት ዓመታት ነናትና ዝኾነ ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ኣጥሪና ኢና:: ኩለን ፖሎቲካውያን ዉድባት ኮነ በርጌሳውያን ማሕበራት ሃገራዊ ግቡአን ይፍጽማ’ካ እንተለዋ : ገሊአን ንራኢ መንእሰያት ዘየስተናግዳ ( ዘየአንግዳ ) : መንእሰያት ኮይኖም’ዉን ንምኽርን ተግሳጽን ዓበይቲ ስፍራ ዘይህቡ : ገለ ድማ ብጸቢብነት ዝተጠራነፋ እዮም::

ኣባላት ናይ’ዚ ምንቅስቓስ (ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ) ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ተመኩሮን ዝተኣኻኸብና ኢና:: ነዚ ድማ ከም ጸጋ ንሪኦ። ምትእኽኻብና ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ : ካብ ኩለን ኣውራጃታት : ካብ ገለ ብሄራት : ጾታ : ካብ ኩሉ እምነታትን ኮይኑ ንኹሉ ብማዕረ ዝርኢ : ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰል ዜጋታት ድማ ዘወሕስ አዮ:: ብኣውርኡ ኪኖ’ቲ ካብዝተፈላለየ ድሕሪ ባይታን ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ምምጻእና ኣብዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ኣሳታፊ ናይ መንእሰያት ማሕበር ኣብ ምምስራት ግዴና ጌይርና ኢና:: ሎሚ ብዝሓሸን ሓቓፊ

ብዝኾነን መንገዲ ንምቅላስ መቐጸልታ ናይቲ ከነካይዶ ዝጸናሕና ኩለንተናዊ ቃልሲ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስም ፈሊምና ኣሎና:: ኣብ ገምጋምና ስርዓት ህግደፍ ቅርስና ዘብረሰ : ታሪኽና ዝደምሰሰ : ራኢና’ዉን ዘጸልመተ እንኮ ተጻይ ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ኣስሚርናሉ ኣሎና:: ኢሰያስን መሰልቱን ንህዝቢ ኤርትራ ኣይሰብ ለይቱን እዮም:: ኣብ ኤርትራ ካብ ማንም ህዝብታት ዓለም ንላዕሊ ሰብኣዉን ዴሞክራስያውን መሰላት ተረጊኦጹ ኤርትራ ዜጋታታ ብቓጻ ዝስወሩላ ምድራዊት ገሃነም ኮይና ኣላ::

ኣባላት ናይዚ ምንቅስቓስ (EMC) ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ሰላምን ዴሞክራስን ዘለዋ ሃገር ንምህናጽ ምስ ብመትከልን ራእን ዝሳነዩና ዉልቀ ሰባት ኮኑ ትካላት ክንሰርሕ ኢና:: ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዓቕሚ ሰብና ንምኽዕባት : ኣብ ሓደ መረዳእታ ንምምጻእ : ንቕየደሉ ቅዋምን ዉሽጣዊ መምርሒ ሕግን ኣብ ምንዳፍን ኢና ጸኒሕና:: ራኢና ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን ዝምራሕ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት እዩ። እቲ ዝምስረት ህዝባዊ መንግስቲ ንኽውንነትን አቃውማን ህዝቢ ኤርትራ አብ ግምት ዘእተወ : ንምስሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ : ፍልልያት ዘጽብብ : ሕድሪ ሰማእታት ዝፍጽም : ንህዝብና ካብ ድንቁርናን ዓዘቕቲ ድኽነትን ዘውጽእ : ምስ ጎረባብትናን ዓለምን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውዕላት ምርኩስ ዝገበረ ኣብ እንካን–ሃባን ዝተመስረተ ዝምድና ክህሉ ንቃለስ። ብተወሳኺ ኤርትራ ንዜጋታታን ንመጻእተኛታትን ደሴት ሰላም ንኽትከውን ኣበርቲዕና ንጽዕር።

ብምቕጻል ክሳብ ሕጂ ንፋስ ዓዶም ተሓሪምዎም : ሰለም ከየበሉ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዶም ንዘለዉ ገዳይም ተቓለስቲ ንሞይኦም ንሙጉስ። ኣበርቲዖም ክጽዕሩን : ተመኩረኦም ከውርሱን ድማ ንምሕጸን። ብተወሳኺ ነዚ መተካእታ ክኸዉን ዝቃለስ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ ኣተሓሳስባን ግልጹነትን : ተሓታትነት ብዘለዎ መገዲ ኣሳታፊ ተራ ክጻውት ለበዋና ነሕልፍ።

ምንቅስቓስና ነቲ ዝተጠቕሰ ራኢ ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ዝምእክልዎ መራሕቲ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ ይርከብ። ንዝያዳ ሓበሬታ : ቅዋም ኮነ ፎርም ኣባልነት ንምርካብ ኣብ’ዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ተወከሱ። ናይ ኢመይል ኣድራሻናን ፈይስ ቡክን እዚ ዝስዕብ እዩ። ርእይቶ :ሕቶ ከምኡ ዉን ሓበሬታ ኮነ ሃናጺ ጽሑፋትኩም ንኽንቅበል ማዕጾና ኩፉት እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፍናዮ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዞ ብምኽሪ : ብሓበሬታ ኮነ ካልእ ደገፋት ንዝለገስኩምልና ምስጋናና ዓቢ እዩ። ደጊምና ምትሕብባርኩም ኣይፈለየና ንብል።

Website:http://www.emcnews.org

Email:eritreaemc@gmail.com

Facebook:eritreaemc@gmail.com

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግድፍ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ ….

01|01|2014

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Negga Yosif January 4, 2014

    Time is very short we don’t have enough time to entertain your new group go and join your brothers and sisters Semerrrr, they are dowing good job I quiet sure you will solve it if there’s differences,this is the time of
    Unity, Ere nehadnetnaye shet mantana.
    UNITY IS POWER.

  • EYSNS Germen January 4, 2014

    nhna ab Germen nnebr ab EYSNS kinthrnef fetina tesfa aqrixomna bafom wuhlulat bgbri gn zeyelewu kem beal ….. merahti ina bhalti , kab gegaom zeymharu , hasabat teqrebkalom nab xerfi zguayeyu . nhzbi Eritrea aytheqmwon eyom , slezi ezi hadsh EMC tebahilu jemiru zelo kinseibo wekilkum ngeruna abau kinthrnef ajokum msakum alona ..

    • ER ITRAWIT January 4, 2014

      EYSNS Germen,
      Wey gud what a chip word you are using to deleytey fethie I think EYSNS they are better of with out you guys I just wonder why are u calling u self EYSNS Germen after all this I’m sure you will move from one to others easy comes easy go. what are u going to call EMC after a while? please respect don’t use hgdef language!!!!!!!!!!!!

  • ER ITRAWIT January 4, 2014

    Yes I do agree 100% with Negga Yosif we don’t need different names Semerrrrrrrrrrrrr.

  • Negga Yosif January 4, 2014

    Allow me to add something for EMC,
    From the very beginning your article articulates attacking and undermining some previous movements which is not wise and healthy and this is what makes us fadeup no any movement became the champion just by undermine others and present he’s program.
    Again let’s walk together .
    Cheers.

  • saimon love January 4, 2014

    Emc ካብ ስርዓት ህግደፍ ክንገላገል እንተኮይኑ እቲ ዕላማ እዚ ትገብርዎ
    ዘለኩም ካብ ህግደፍ ከተገላግሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ
    ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ( ኢሰያስ) ንምንዋሕ ዩ: :
    ስለዚ ሓቀናታት እንተኮይንኩም ኣብቲ ሰሚሩ ንስርዓት ህግደፍ ከጽድፍ ዝጋየ ዘሎ
    መንእሰይ ተጠርኒፍኩም ስርሑ:
    እንተዘይ ኮይኑ ገን ካብ ስርዓት ህግደፍ መፍለዩ የብልኩምን :
    ኣፍ ኣርክቡ እንዳተባህለ ዓዲሽ ምንቅስቃስ ምምስራት ኣብ ኮረሻ ንምድያብ እምበር
    ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓልዮት ከምዘይኮነ ኩሉሰብ ፈሊትኩም ኣሎ::
    ሕጂ ውን ክንርእየኩም ኢና ኣበይ ከምትበጽሑ
    ህዝቢ ኤርትራ ነቂሑ ዩ ብኣኩም በዲክታተራውያን ዝታለል ከምዘይታለል
    ክትፈልቱ ኣለኩም:
    EMC elka meshekety shem neana zetalil aikonen u
    Atom zisabkum kea ab sltan bota mis seanu kimlesu mikanom
    Namin ena
    Ageb ageb
    Niblekum alona edkumin agrkumin ternfu
    Aikonen gen kab sirat EmC (hgdef) meflei kemzeiblu
    Kitfeltu ygba! !!!!!!!!

    • GOJAM January 6, 2014

      Thank you men this sub human in Germn there are so late and confuised by the snow.SMERRRRRRRRRR.

  • Habte Kifle January 4, 2014

    GREAT AND TIMELY STATEMENT!!!
    Bravo brothers!!!

    Let us unite to kick our enemies!!!

  • Freemind man January 4, 2014

    Welcome EMC it is the right time to joining the fight with hgdf. I hop you will make us shorter our road to freedom. Rebi or god bless you my follow country men…………..

  • jack January 5, 2014

    wastage of time . shem keyayirka aykonen eti awet!

  • jack January 5, 2014

    ane kea natey kegebr emo , eti budget kabey eyu zerekeb negeruna….

POST A COMMENT