Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግራት ተኣምራት!

ግራት ተኣምራት!  ሓጋይ ብባሕሪ ክረምቲ ብላዕሊ ሓዠዥ እንክብለላ ኣዝመራ ምስ ጠሊ ግራት ተኣምራት፡ ትጸጊ ትፈሪ፡ ሸውሃት ከተዕግብ ድኻም ክትኣሊ። ኣቤት ዕሊ!  ኣእዳዉ መሊኡ ዝቖነና ከሃሊ ከም ዓለማ ክትከውን መሕደሪ መናበሪ ዋሕስ መንገዲ ናይ ተስፋ መንቀሊ። ግራት ተኣምራት ህያብ ንጉስ ሰማይ ንጉስ ምድሪ ምእንቲ ክስስን

ግራት ተኣምራት!

 ሓጋይ ብባሕሪ ክረምቲ ብላዕሊ

ሓዠዥ እንክብለላ ኣዝመራ ምስ ጠሊ

ግራት ተኣምራት፡

ትጸጊ ትፈሪ፡ ሸውሃት ከተዕግብ ድኻም ክትኣሊ።

ኣቤት ዕሊ!  ኣእዳዉ መሊኡ ዝቖነና ከሃሊ

ከም ዓለማ

ክትከውን መሕደሪ መናበሪ

ዋሕስ መንገዲ ናይ ተስፋ መንቀሊ።

ግራት ተኣምራት ህያብ ንጉስ ሰማይ ንጉስ ምድሪ

ምእንቲ ክስስን ሰላም ምስ ፍቕሪ: መደብ ልዑል ፈጣሪ

ንጎያዪ ተጽንዕ እግሪ፡ ንሕጻናት ትረሪ

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተውሕስ ክብሪ።

እቲ ዝገርም!

ከምዘየ’ቕለቡሉ፡ በዚ ኹሉ ጸጋ ዘሽካዕልሉ

ከይጸግኡ ከይሓረሱ፡ ግራት ተኣምራት ክኾ’ሉ ዝውዕሉ

ኣይሰርሑ ኣየስርሑ መንከማና ዝብሉ፡ ሓያላት

   ጎቦ-ዓይኒ ብምቁሙማት

ኣብ ዓራት ምምራት ንዝመስል  ሃለዋት

ዘስተማቕሩስ፡ ምጽማምዶ’ኸውን ጽንዓት

 ዝርንዝሕ ንብዓት፡ ናይ ብዙሓት፡ እና’ተኸዖ ኣብ ቅርዓት

ዝሕበኑ ብኹርዓት።

ኣቤት ቶኹሲ!  ግራት ተኣምራት’ሲ

ብጥሜት ብጽምኣት፡ መዓንጣ ቀጣ’ቢልካ ብቕናት

ትሕቲ ጉልባብ ንብዓት፡ ድምጺ’ብሉ ብኽያት፡ ኣፍ ዓጺኻ ኣውያት፡

ዝእውጅ ግዝኣት፡ ኣለዋ’ዩ ምትሃት?

                                            በዓል-ክታብ መስፍን

ብቓሉ ዘቕስን ዝመስል፡ ብኢዱ ግን ዝርሽን ዘማስን።

እዚ እና’ረአየት ነብሲ፡  ምሰ’መረጸት ጣቕዒት ንባእሲ፡

ደድሕሪ ናይ ዘውዲ በሽቃጥ፡ ምስ በዝሐ ምልኽባጥ

ግራት ተኣምራት ክሳብ ትሽፈን ቆጥቋጥ

ምስ ምርጫ ተሰሪዑ ምጽቃጥ።

መንእሰያት ከም ዝራብዓት፡  እና’ተቛረኑ ብቑራብዓት’ሲ፡

ማሕረስ ብማእምናት ዘዋፍር ብጊሓት

ሰፊኑ ከም ስርዓት፡ ዝሓስብ ብዂናት።

ሰኣን ቁጥቁጥ ጽግእ፡ ትልም እይም፡ ግራት ተኣምራት ቃዲራ

ናብ መዓናድሮ ኣድገ-በቕሊ ተቐይራ

ሽዑ’ያ ተሸፊና ብጒላ፡ ከም እንቋቑ`ሖ ኣጒላ፡ ተዳሂላ ብጓይላ።

ኣቤት መዓት

ሰኣን ምድራት ህርፋን

ክሳብ ክንድ’ዚ  ምድንጋር  ብሓሳባት።

 ኣርካናት፡ ካብ ግራት ተኣምራት ክንዲ ዝመልኡ ማዕከናት

 ተሓይሮም ኣበ’ኽራናት፡ ምስ ደቂ በረኻ ንኸሕልፍዎ እዋናት

ተፈሪዶም ብካድራት፡ ቆርበት በጊዕ ዝለበሱ  ናይ ስልጣን ድያቆናት

ክእዘዙ’ውዕሉ ከም ሕጻናት፡ ይፍጠረሎም ፋሲካ ዝተባረኸ ብኻህናት።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (03/10/2013)

Ewandt54@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • H.K March 10, 2013

    Bravo Daniel,
    Very deep and very expressive peoetry for all that love the truth!!

    Please keep it up!!

  • meley March 12, 2013

    naeta malet kemz yu tehabnelka dani go ahead

  • Higdef telam March 12, 2013

    Fuck all ypfdj and I got you what is h.k means that’s why your mind still dry h. People we already know what is the aim pfdj and the dictator think about the people not with monkey

POST A COMMENT