Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግቡእን መሰልን

ግቡእን መሰልን  ዝተፈላለየ ትርጕምን መግለጽን ይወሃቦም ድኣ'ምበር፡ እናተዓናገሉ ብሓደ ዝጐዓዙ ዝተወሳሰቡ ኣምራት  ኢዮም። ብግቡእን መሰልን ዝመጸ፡ እቲ  ነብስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ  እኹል ቆላሕታ ሂቡ ብዕቱብነት ክግንዘቦን ልቢ ከዕብየሉን ዝግብኦ ኣዝዩ ኣገድሲ ነጥቢ እንተሎ፡ ክልቲኦም ኣምራት ነንሓድሕዶም

ግቡእን መሰልን  ዝተፈላለየ ትርጕምን መግለጽን ይወሃቦም ድኣ’ምበር፡ እናተዓናገሉ ብሓደ ዝጐዓዙ ዝተወሳሰቡ ኣምራት  ኢዮም። ብግቡእን መሰልን ዝመጸ፡ እቲ  ነብስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ  እኹል ቆላሕታ ሂቡ ብዕቱብነት ክግንዘቦን ልቢ ከዕብየሉን ዝግብኦ ኣዝዩ ኣገድሲ ነጥቢ እንተሎ፡ ክልቲኦም ኣምራት ነንሓድሕዶም ዝተመራዀሱን ዝተኣሳሰሩን ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን ነጻጺልካ ክትርድኦምን ቆናጪልካ ክትግብሮምን ከም ዘይግባእ ኢዩ። ግቡእ፡ ኣካል ናይ ሓደ ህያው ፍጡር እንተዀይኑ፣ መሰል፡  ትንፋስ ናይቲ ህያው ፍጡር ኢዩ። ከምቲ ብዘይ ትንፋስ  ሓደ  ህያው ፍጡር ህይወት ዘሪኡ ትልኽ ክብል ዘይክእል፡ ግቡእ ብዘይ መሰል ትርጕም ክህልዎ ኰነ ፍረ ክረከቦ ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሃገራዊ ዜጋ ግቡኡ ክፍጽም ኣብ ዝሕተተሉ፡ ማዕረ-ማዕርኡ መሰሉ ብዘይ ገለ ምስምስ ክኽበር ኣሎዎ። መሰሉ እንተ ዘይተኸቡሩ፡ መሰሉ ክኽበር ክጠልብ ሕጋዊ ኢዩ። ግቡእካ ክትፍጽም ዝግባኣካ፡ ንሓለፍቲ ባህ ንምባል ወይ ከኣ ስለ ዝተገደድካ  ዘይኰነ፡ ናብ ሓደ ንጹር ዕላማ ንምብጻሕ ማለት መሰልካ ንምኽባር ኢዩ። ግቡእካ ድሕሪ ምፍጻምካ መሰልካ ዘይክበር እንተዀይኑ፡ ግቡእካ ንኽትፍጽም ዝድርኸካ ሕልና ይኹን ዝጐሳጕሰካ ረብሓ የብልካን። በዚ መሰረት’ዚ፡ ሃገራዊ ጒዳይ ንዂሉ ዜጋ ብማዕረ ዝብጻሕን ዝምልከትን ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብህዝቢ ተመሪጹ ኰነ ከይተመርጸ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ “ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ሃገራዊ ግቡኡ ክፍጽም ይግባእ !” ብዝብል ዝተዘንጠለ መርሖ፡ መሰል ዜጋታት ብጋህድን ብብድዐን እናገሃሰ ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ክግድዶም ዝዀነ ሕጋዊ ስልጣን ኰነ ሞራላዊ ግዴታ የብሉን።

ግቡእን መሰልን ብዘይ ልላን-ጕሌላን ንኹሉ ሃገራዊ ዜጋ ዝምልከቱ ከም ምኻኖም መጠን፡ ነቶም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ስልጣንን ሓይልን ዘይብሎም ተራ ዜጋታት ሃገር (ሰራዊትን ህዝብን) ጥራይ  ዝምልከቱ ዘይኰኑ፡  እንተላይ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝርከቡ ስልጣንን ሓይልን ዝሓዙ ሰበ-ስልጣን  መንግስትን ኣሕሉቕ ሰራዊትን  ሃገር (ንመራሕ ሃገር ሓዊስካ) እውን  ብማዕረ ዝምልከቱ ኢዮም። ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣሕሉቕ ሰራዊትን ሃገር ንገዛእ-ርእሶም ንመሰል ዜጋታት ሃገር  ከየኽበሩ፡ ንስልጣኖም ካብ ሕገ ወጻኢ ተጠቒሞም ንዜጋታት ሃገር ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ክጠልብዎም ኣየምሕሮሎምን’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዓቢኡ ፈጺሙ ኣይግቦኦምን’ዩ። ምኽንያቱ፡ መሰል ዜጋታት ሃገር ብዘይ ሕልክስክስን ምድንጋርን ከረጋግጹ ግቡኦም ስለ ዝዀነ፡ ግቡኦም ከይፈጸሙ ንዜጋታት ሃገር ግቡኦም ንክፍጽሙ ክጠልብዎም ሓቂ የብሎምን። ነዚ ኣብ መንጎ ግቡእን መሰልን ዘሎ ስነ-መጎታዊ (dialectical) ዝምድና፡ ጭቡጥነት ንምልባስን ኣገዳስነቱ ንምጕላሕን፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝተኸሰተ ዘይተጸበናዮ ልብና ዝመልሐ ኣመና  ዘሕዝን ኲነታት ብትኲርና ዕትብ ኢልና ምስ እንመዝኖ፡ ኲልቲ ንዘይገሃስ ሰብኣውን ደሞራሲያውን መሰላት ዜጋታት ሃገር፡ ብጋህድን ብብድዐን ብምግሃስ ዝፍጸም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ዓመጻትን፡ ብውሳይ (ኰነ ኢልካ) ንግቡእ ካብ መሰል ፈንጨልካን ንመሰል ብኣጉል ዘይትግበር ተስፋታት እናጐሰኻን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንናን ዓይኒ ዓለምን ብርኡይ ይከናወን ከም ዘሎ ኢና እነስተውዕል።

መንግስቲ  መሰል  ዜጋታቱ ከየኽበረ፡ ግብኦም  ክፍጽሙ ክቕስብ ኣይግባን’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብሕጊ ዘፍርድ ግዝን ናብ ውድቀት ዘብጽሕ ሃየንታን ኣሎዎ። ግዜን ኲነታትን ዘየረኻኽበልካ መሲሉካ፡ ንመብጽዓታት ሰውራ ኣዕቢርካ፣ ንሕድሪ ስዉኣት ጠሊምካ፣ ንህዝብኻ ደም ኣንቢዕካ፣ ከምኡ’ውን ንመእሰያት ሃገር ናብ ስደት ብዕስለ ከም ዝውሕዙ ብምግባር፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ሃለዋት ምውዳቕ፡ ብሓልፍነት ዘሕትትን ብሕጊ ዘቕጽዕን ይቕረ ዘይበሃሎ ዓቢ ታሪኻዊ ገበን ኢዩ። ኣብ ከባቢኻ ዓጋቲ ዘይብሉ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲጉ፡ ትማሊ ነቶም  “ንዓና ዝደፍር ሓይሊ የለን!” ንዝብሉ ዝነበሩ ውልቀ-መልኽቲ ሓደብሓደ ረሞቕ ከብል ኣናረኣኻ፡ ኣብ ክንዲ ብእኡ ትግናሕን ልቢ ትሰቊርን፡ “ንዓና ዝዋርን ዘሳህርን ኣይኰነን!” ብምባል፡ ንነብስኻ ምድዕዓስን ምትዕሽሻውን ዘዋጽእ ኣይኰነን። ውዒሉ-ሓድሩ፡ ታሪኻካ ከምቲ ጸሊም ታሪኾም ብዘሕፍር ሕስረትን ውርደንትን ከም ዝዛዘም፡  ዘየማትእን ምምጽኡ  ዘይተርፍን ስነታዊ ሓቂ  (logical truth) ኢዩ።  ምዑት ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝኣመኖም መራሕቱ ተኻሒዱ፡ ድሕሪ ምጕንጽፍ  ናጽነት ፍትውቲ ሃገሩ ካብ እንስሳ ንታሕቲ ሓሲሩ ይከላበትን ይበሳበስን ይሳቐን ይስደድን  ይሃልቕን ካብ ኲሉ ዝኸፍኣ ኸኣ  ከም ባርያ ተጨውዩን ብህይወቱ ተሓሪዱን ኲሊቱ ይሽየጥ እንተሃለወ፡ ትማሊ ንሕልሚ ናብ ክዉን ዝለወጠ፣ ንቕያ ዘብል መስተንክር ዝሰርሐ፣ ንዓለም ብዓለማ ክልተ ሳዕ ዘዛረበ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ናይ ትማሊ፡ ሓድነቱ ከም ዓረ ኣትሪሩ፣ ንሽግራቱ ፈቲሑ፣ ንዕቅፋቱ ኣልዩ፣ ከምኡ’ውን ንመሰናኽላቱ ጥሒሱ ብረሃጹን ደሙን ክብረቱ ከም ዝመልስን ታሪኹ ከም ዘሕድስን ዘማትእ ኣይኰነን።  ዘማትእ ኣይኰነን ምኽንያቱ፡  ምፍጻሙ ናይ ግዜ ምእካልን ኩነታት ምብሳልን ሕቶ ጥራይ ኢዩ።

ክብረትና ዝምለሰሉን ታሪኽና ዝሕደስሉን ናይ ግዚ ምእካልን ኩነታት ምብሳልን ሕቶ ይኹን ድኣ’ምበር፡ መስርሑ ክቀላጠፍ ግብእና እንታይ ምዃኑን መሰልና እንታይ ከም ዝሓቊፍን ብዕምቈት ፈልጥና ክንነቕሓሉ ይግባእ። እቲ ክንነቕሓሉ ዝግባኣና፡ ግቡእን መሰልን ክልተ ከይተነጻጸሉ ብሓደ ዝኸዱ ኣምራት ምዃኖም ጥራይ ኣይኰነን፤  ነብስ-ወከፎም፡  እንታይ ዓይነት ዕማማትን ሓልፍነታትን ክብርታትን ናጽነታትን ከም ዝሓዘሉ ከነስተውዕል፡ ከምኡ’ውን  ኣተንኦም ክሳዕ ናበይ ከም ዝዝርጋሕ መሚና ክንፈልጥን ኣሎና። ነዚ ግዴታ’ዚ ንምምላእ፡ ብቐዳምነት ግቡእ ከመይ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ዝሓቘፈ’ዩ ዝብል ሕቶ ምስ እነቐድም፡ ክልተ ብሓደ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ዕማማትን ሓልፍነታትን ከም ዘጣምር ኢና እንግንዘብ። እቶም ክልተ ዕማማት፡ ነቶም ብወገንካ ከም ሃገራዊ ዜጋ ከተማልኦም ዘሎካ ከም ምኽባር ሕግን ስርዓትን፡ ምትግባር ትእዛዝን ስራሕን ዝምልከቱ ክዀኑ እንከሎዉ፡ እቶም ክልተ ካልኦት ሓላፍነታት ከኣ ነቶም ብወገንካ ከም ሃገራዊ ዜጋ ነቲ ዝተዋህበካ ትእዛዝን ስራሕን ሕጋውነቱ ከተረጋግጽን ከተጻርን፡ ከምኡ’ውን  ነቲ ዝተመዘዝካዮ ትእዛዛን ስራሕን ዘየድልን ዘይግባኣን  (ካብ ሕግን ስርዓት ወጻኢ) ኰይኑ ምስ ትረኽቦ፡ ክትቃወሞን ክትነጽጎን ሕጋዊ ሓላፍንትን ሞራላዊ  ግዴታን ከም ዘሎካ ዝሕበሩ ኢዮም። ንኣብነት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዓመንት መንፈቕን ክትፍጽም ግቡእካ ተብሂልካ ብመንግስቲ ምስ እትጥለብ፡ ንብይን ሃገራዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምቕባልካ ሕጋዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከተረጋግጽን ከተጻርን ምሉእ መሰል ኣሎካ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብይን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ እንወስድ፡ ብዘይሕጋዊ መንግስቲ ዝተበየነ ስለ ዝዀነ ሕጋዊ ብይን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ነዚ ብዘይሕጋዊ መንግስቲ ዝተበየነ ዘይሕጋዊ ብይን ሕጋውነቱ ከተረጋግጽን ከተጻርዮን መሰልካ ሕሉው’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡  እንተላይ ክትቃወሞን ክትነጽጎን ሃገራዊ ሓልፍነትካ ኢዩ።

ኲሉ ከም ዘይስሕቶ፡ እቲ ክጅመር እንከሎ ንዓመንትን መንፈቕን ተባሂሉ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት መወዳእታ ናብ ዘይብሉ መንግስታዊ ባርነት ተለዊጡ ጥርኑፍን ስሙርን ኣብያን ተቓዎሞን ስለ ዘይገጠሞ፡ ንድሕነት ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኲነታት ብምውዳቕ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን “እምቢ ንሃገራዊ ኣገልግሎት!”
ብዝብል ጭርሖ፡ ሰፊሕን ሓያልን ህዝባዊ ናዕብን ኣድማን ብምትንሳእ ደው ከም ዝብል ክግበር ኣሎዎ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምዕዋት፡ ኲሉ ሃገራዊ ዜጋ በብዓቕሙ ክጽዕረሉ’ኳ እንተሎዎ፡ ብዝያዳ ግን ተቓወምቲ ውድባት ሓደ ካብ ቀንዲ ዉዕዉዕ  ዕማማተን ሰሪዐን  ክቃለሳሉ  ፍሉይ መሪሕነታዊ ሓላፍነት ኣሎወን። ምኽንያቱ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ትስሙ፡ ንሃገር ንምግልጋል ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ዘይኰነ፡ ንተቓውሞ መንሰያት ንምልማስን ጉልበቶም ንምምዝማዝን ዝካየድ ዘሎ መንግስታዊ ግፍዒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡  ዝተመደበሉ ደረት ግዜኡ ጥሒሱ ናብ ቀዋሚ ባርነት ብምልዋጥ እናከላበተን እናበሳበሰን ዘይምለስ ዕድመን ጒብዝናን መንእሰያት ይሰርቕን የብርስን ስለ ዘሎ፡ መንእሰያት ካብ ኣደራዕ መግዛእቱ ንምግልጋል ብኣሽሓት ንስደት ይውሕዙ ኣሎዉ። እዚ ንዓቕሚ ዓያዪ ሓይሊ ሃገር ዝጽንቅቕን ንተካኢ ወለዶ ዘባድምን ስለ ዝዀነ፡ ንሃላወ ሃገርና ከም ልኡላዊት ሃገር ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕን ኣስጋእን ኩነታት ዘውድቕ ኢዩ። ስለዚ፡ ብደልይቲ ፍትሕን ለውጥን ሃገራውያን ዜጋታት፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ንምዕጋቱ ዝኣክል ሰፊሕ ጻዕርን ጐስጓሳን ክሰላሰለሉ ይግባእ።

ግቡእን መሰሉን እንታይ ምዃኖም ብደንቢ ዝፈልጥን ዘስተውዕልን ዜጋ፡ ንቕሓት ስለ ዘሎዎ ተታሊሉን ርዒዱን ንዝዀነ  ካብቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ዝመጽኦ  ትእዛዝን ስራሕን፡ ሕጋውነቱን ሓቅነቱን ከየረጋገጸን ከየጻረየን ኣይቅበሎን ኢዩ። ክንድ ዝዀነ፡ ጨቆንትን ዓመጽንት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ንሃገራዊ ዜጋ ግቡኡ እምበር መሰሉ እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ኣይደልይዎን ኢዮም። ግቡእን መስልን ከይተነጻጸሉ ብሓደ ከም ክኸዱ ከስተውዕል ስለ ዘይደልይዎ፡ እንተ ነቒሑ ጣጣ ከየምጽኣሎም ወትሩ “ቅድሚ መሰልካ ምሕታትካ ግቡእካ ፈጽም !” ብምባል ክድህልዎን ከደንቊርዎ’ዮም ዝህቅኑ። ሃገራዊ ዜጋ ከምቲ ዝተባህሎ ግቡኡ ፈጺሙ፡ መሲሉ ክኽበር ኣብ ዝሓተሉ ኸኣ፡ ክንዲ ከምቲ ዝተመባጽዕዎ መብጾዓኦም ብምኽበር መሱሉ ዘኽብርሉ፡ “ጠለብካ ዝማላእ ግዜኡ ምስ ኣኸለን ኩነታቱ ምስ በሰለን’ዩ” ብዝብል ምስምስ መብጻዓኦም ኣዕቢሮም ኣጕል ተስፋ ኣስኒቖም’ዮም ዘንጠልጥልዎ። ንኣብነት፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቲ ብ1998 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ክውንዝፎ ምስ ወሰነ፡ እቲ ንምውንዛፉ ዘቕረቦ ምስምስ “እዚ ምስ ወያነ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ዶብ ኲናት ደው ከይበለ፡ ሃገራዊ ምርጫ ረጊእካ ንምክያድ ዝከኣል ኣይኰነን” ዝብል’ዩ ኔሩ። ብ2000 እቲ ኲናት ደው ምስ በለ፡ “ሕጂ’ኸ ሃገርዊ ምርጫ ንምክያድ እንታይ’ዩ ኣጊሙ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘቕረቦ ምስምስ ማይ ዘይዓቊር “ደሞክራሲ ነዊሕ መስርሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣጽጋብን ኣዎንታውን ውጺኢት ክርከቦ ግዜኡ ክሳብ ዝኣክልን ኩንታቱ ክሳብ ዝበስልን ብትዕግስቲ ክንጽበ ኣሎና” ዝብል ኢዩ። እዚ ምስምስ’ዚ ግን፡ ኣብ ስልጣን ንዘልኣሎም ንምጽናሕ ዝተዋህበ ናይ ብድዐን ንዕቀትን መልሲ ምዃኑ ንዂሉ ሃገራዊ ዜጋ ስዉር ኣይኰነን። ካብዚ ኣብነት’ዚ ክርዳእ ከም ዝከኣል፡ እቶም ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰሉ ብህዝቢ ከይተመርጹ ዓሚጾም ኣብ ስልጣን ዝተወጥሑ፡ ከይተብድሁ ኣብ ስልጣን  ንክጸንሑ ብዛዕባ ምፍጻም ሃገራዊ ግቡእ እምበር ብዛዕብ ምኽባር ህዝባዊ መሰል ኣይዛረቡን ኢዮም።ብምሕሳውን ምኽሓድን፡ ንዝቐረበሎም ሕቶን ዘጓነፎም ሽግርን ዝሰግርዎን ዝፈትሕዎን ስለ ዝመስሎም፡ ምሕሳውን ምኽሓድን ተሰቢልዎም ቅጭጭ ከይበሎም ደጋጊሞም ዓይኒ ዘይብሉ ሓሶት ክሕስዉን ንርኡይ ክውንነት ክኽሕዱን’ዮም ዝርከቡ። በዚ ዝኣክል፡ ብዛዕባ  ምኽባር ህዝባዊ መሰል ኣዋጠርቲ ሕቶታት ንዘልዓሉ ንቑሓት ዜጋታት፡ ጽልዋ ከየሕደሩ እንከሎዉ ብኣግኡ “ኣብ ዘይእዋኑ ድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሕቶታት ዘልዕሉ ህንጡያት” ዝብል ጠቐነን ምስ ጸጥታ ሃገር ዝተሓሳሰረ ናይ ክሕደት ክስን ብቕራብ፡ እናተጓየዩ’ዮም ዝንጽልዎምን ስምዓቶም ኣበላሺዮም ዘጽንትዎምን።

ንግቡእ ብዝምልከት፡ ሓደ ካብቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሕርሕራይ ጌሩ ዝምዝምዞ ዘሎ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስና ንልኡላውነት ሃገርና ንምርግጋጽ ዝተኸሰተ መዘና ዘይብሉ፡ በቲ  “ቅድሚ ብጻየይ! ኣነ ክስዋእ” ዝብል  ዘስተንክር መትከላዊ  እምነት መሰረት፡ ንውልቃዊ ረብሓ ንድሕሪት ዝሰርዕ  “ገድላዊ መንፈስ” ኢዩ። ኲሉ ሃገራዊ ዜጋ ከም ዝፈልጦ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ነፍስ-ወከፍ ብኤርትራውነቱ ዝሕበን ኤርትራዊ፡ ብዘይምግናን ንስለ ናጽነት ሃገሩን ሓርነት ህዝቡን ህይወቱ ከይበቐቐ፣ ፍልጠጥቱ ከይሓብአ፣ ጉልበቱ ከይቆጠበ፣ ከምኡ’ውን ንብረቱ ከይነፈገ ብምሉእ ልቢ ኲለንትናኡ ይውፊ ኔሩ። ብሕልፊ’ቲ ምስ ጸላኢ ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝዋደቕ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ “ኲለንትናይ ንዓኺ!” ብዝብል ኣዝዩ ልዑል “ገድላዊ መንፈስ” ቆሪጹን ቀቢጹን ዝተበጀወ ውፉይ ስለ ዝነበረ፡ ብ “ተበገስ” ትብል ትእዛዛን “ጣዕታ” ኣጻብዕትን ብድድ ኢሉ ብዘይዕጥይጥይ ግብኡ ብዘስተንክር ጅግንነት ይፍጽም ኔሩ። ነዚ ዝተግንዘቡ ሓልፍቲ ሰልፍን ግንባርን ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ወይ ብልክዕ ቃል ናይ ሎሚ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህ.ግደፍን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ሰራዊትን፡ ተጋዳላይ ብዘይ ደሞዝ “ንዓይ ይሕሰመኒ ህዝበይ ክርህዎ !” ብዝብል ሰውራዊ ጭርሖ ስለ ዝተጋደለን ካብ ኣርዑት ሰንሰላታዊ መግዛእቲ ብምግልጋል ንዘልኣለም ዝነብር ናጽነት ሃገር ስለ ዘጐናጸፈን፡ ድሕሪ ናጽነት ክንዲ ጻማኡ ዝፈድይዎን ዝኽሕስዎን፡ ያኢ ባርያኦም ኰይኑ፡ ንዘልኣለም ብዘይ ገለ ዓስብን ክብርን ከገግልግሎምን ክግዛኣሎምን ደልዮሞ። ብርግጽ፡ ከይተኸፈልካን ከይተፈደኻን፡ ብዘይ ደሞዝን ጻማን ሞሳን ንሃገርካ ምዕያይን ምስንካልን ምስዋእን ኣብ ሓደ ዘየላቡ ታሪኻዊ መድረኽ  ሃገርና፡ ከም ባህሊ እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ብጽንኩር ውሽጣዊ ኩነታት ሃገር ተደሪኹ ዝተበገሰን ዝተቐልቀለን ፍሉይ ተርእዮ ኢዩ።  እዚ ፍሉይ ተርእዮ’ዚ ግን፡ ከም ቅቡልን ንቡርን ተወሲዱ ንሓዋሩ ክትግልገለሉ ክምዝመዝ የብሉን። ኣይግባእን። ነወሪ’ዩ፣ ገበን’ዩ፣ ከምኡ’ውን ሓጥያት’ዩ። ነውርን ገበንን ሓጥያትን ዘይፈልጡ ኣረመናውያን ሓልፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ምምዝማዝ ተሰኒንዎም፡ ድሕሪ ናጽነት ነፍስ-ወከፍ ዓስርተ ሓደ ክፍሊ ዝበጽሐ መንእሰይ ናብ ሳዋ ወሪዱ ድሕሪ ምዕላም፡ ንዘልኣለም ባርያ ኰይኑ ብዘይ ደሞዝን ዓስብን ክብርን ሞሳን ንመንግስታዊ ስራሓት ከሳልጥ ከገልግሎም ፈሪደሞ ኣሎዉ። ሃገር እትህነጽ ብግዱድ ዘይተኸፍለ ጉልበት መንእሰያት ዘይኰነ፡ ብወለንታዊ ተሳትፎ ህዝባን መላእ ዓቕሚ (ንዋታውን ሰብኣውን) ዜጋታታን ኢያ። ንሃገሩ ዘበርከተ፡  ክምጐስ  እምበር ከቶ ክግፋዕ ኣይግባእን። ጻምኡ ብዕጽፊ ክፍደ እምበር ብባዶ መብጾዓ ከቶ ክጥበር ኣይኢዱን። ከምኡ’ውን ከም ጅግና ተወሲዱ ክስለም እምበር ክብረቱ ተቐንጢጡ ናብ ስደት ከቶ ከምርሕ  ኣይፍትሕን። እቲ ተገዲዱ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሩ ዘሎ መንእሰይ፡ እቲ ዘጓነፎ ዘሎ ስቅያት ከብቅዕ እንተዀይኑ፡ “እምቢ ንግዱድ ዕስክርናን ዘይሰብኣዊ ባርነትን!” ብዝብል ስሙር ድምጺ ክቃወሞ ኣሎዎ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ኸኣ ኣብ ጎኑ ዀይኑ ምሉእ ደገፍ ክህቦ ኣሎዎ። ምኽንያቱ፡ ንዝወርዶ ዘሎ ዘሰቅቕ በደላት ሓንሳእ ንሓዋሩ ክገትኦ፡  ተገዲዱ ዓጢቕዎ ዘሎ ብረት ሓንሳእ ቆሪጹ ብምንቃድ፡ ብዘይንሕስያ ናብቶም ኣረመናውያን በደልቱ — ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ሓብሓብቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን — ከቕንዖ እንተጀሚሩ ዓጋቲ ዘብሉ ህዝባዊ ናዕቢ ከተንስእ ይከኣሎ ኢዩ። ንበደላትካ ክትውግድ ምቅዋም፡ ምእዳም፡ ምንዓ`ብ፡ ምሕንጋድ፡ ምልዓ`ል፡ ምኽናብ ቅዱስ ፍትሓዊ ተግባር’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ዘይገሃስ ሰብኣዊ መሰል ኢዩ።

ኣቐዲሙ ከም ዝተኣመተ፡  ግቡእ ነቲ ሓደ ዜጋ ከኽበሮ ዘሎዎ ትእዛዘን ስርዓትን ከምኡ’ውን ክፍጽሞ ዘሎዎ ስራሕን መድብን ዝምልከት ሓደ ጎናዊ ኣምር  ጥራይ ኣይኰነን።  ዝተሓገገልካ ትእዛዝን ስርዓትን ድሕሪ ምኽባርካን ዝተዋህበካ ስራሕን መድብን ድሕሪ ምፍጻምካን መሰልካ እንተ ዘይተኸቢሩ፡ መሰልካ ብዘይምኽባሩ ክትቃወምን ብዘይ ገለ ምስምስ  ክኽበር ክትሓትትን ብሕጊ ዝተሓለወ ሓልፍነት ስለ ዘለካ፡ ነቲ ዝተሓገገልካ ትእዛዝን ስርዓትን ክትጥሕሶ ኰነ ነቲ ዝተዋህበካ ስራሕን መደብን ክትነጽጎ  ግቡእካ ኢዩ። ግቡእ ኣብቲ ክትዓሞ ዝግባኣካ ዕማማት ጥራይ ከይተሓጸረ፡ እንተላይ ነቲ ናይ ምቅዋምን ምእዳምን ዘይገሃስ መሰለካ ዘጣምር እውን  ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ መሰልካ ከትረጋግጽን ከተውሕስን  ቅድሚ ዂሉ ካብ ነብስኻ ስግኣትን ፍርሃትን ክትቅንጥጥ ይግባእ። ኣብ ነብስኻ ዘሎ ስግኣትን ፍርሃትን ክትቅንጠጥ ዝከኣል፡  መሰልካ ኣብ ዝገሃሰሉ ሸለል ይኹን ሰጋእ ከይበልካ ብትርን ብኒሕን፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክትጠልብ ግቡእካ ምዃኑ ምስ እተግንዘብ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ “ገምድ ምስ ዝሓበር ኣንበሳ ይኣስር” ከም ዝበሃል ብሕብረት ከይተቓለስካ መሰልካ ከተረጋግጽ ስለ ዘይትእኽል ክጥርነፍ ግቡእካ’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ እንኮ ናብ ዓወት ዘብጽሓካ ፍቱንን ሓያልን መሳርያኻ ኢዩ። ተጠርኒፍካ፡ ዘድምዕ ሓያል ውድብ ንምቛም ዘይሕለል ጻዕርን ዘይጽንቀቕ ዓቕልን ዘድልዮ፡ ነዊሕን ጽንኩርን ገድሊ ስለ ዝዀነ፡  ክትዕወተሉ እጅገኻ ምስብሳብን መሓንጥኻ ሸጥ ምባልን የድሊ።

እጅገኻ ምስብሳብን መሓንጣኻ ሸጥ ምባልን፡ ነቲ ኣብ ጒዕዞ ገድልኻ ዘጓንፈካ ናይ ኣካልን ንዋትን ጽገማት ጥራይ ዝረቍሕ ኣይኰነን። ብቐንዱ ንስነ-ሓስባዊ ፍልልያት ምጽዋር እውን ዝሓዝል ኢዩ። ኣብ ጒዕዞ ገድልኻ፡ “ንዓይ ጥራይ ስምዑኒ፣ ኣነ ዝኣምኖ’ዩ ጥራይ ቅኑዕ፣ ኣነ ዝሰርሖ ጥራይ’ዩ ጽፉፍ”፣ ዝብል ኣነነታዊ ዝንባለ ምስ ማንም ስለ ዘየቃዱ፡ ነቲ መሰልካ ንምረግጋጽ እተካይዶ ገድሊ ኣብ ሸቶኡ ከተብጽሖ ክትውግዶ ይግባእ። ሓቂ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብዙሕ ገጻት ስለ ዘሎዋ፡ ምቕላለን ትሕትናን ምርኣይ፣ ከየረገገጽካ ብሃውሪ ዘይምፍራድ፣ ንርእይቶ ካልኦት ምስማዕ፣ ንጉድለትካ ብቕንዕና ምቕባል፣ ብትምክሕቲ ዓዊርካ ዘይምሽራውን ምድላውን፣ ቅድሚ ውልቃውን ውድባውን ረብሓ፡ ንረብሓ ህዝባኻን ሃገርካን ምቕዳም፣ ከምኡ’ውን ንጌጋኻ ብልቢ ምእራም እትሓትት  መራር ግን ዘትግታእ ናይ ሓቀኛ ተቓላሳይ ንዂሉ ጠሓሒሳ እትሰግርን ኣምስያኡ እትዕወትን መዘና ዘይርከባ ሓይሊ ኢያ። ክንድ ዝዀነት፡ ሓቂ ሒዙ ዝጋደል ተቓላሳይ ካብ ድሕነት ሃገሩን ንላዕሊ ዝዓዞ ነገር ስለ ዘይብሉ ፡ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘየጻውርን ንመሰል ካልኦት ዘየቕብልን ኣብነት የብሉን። ስለዚ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብህዝባዊ ኣቀዋማአን ንውዓት (diversity) ዘለወን ሃገራት፡ ዝተፈላለየ ብሄራውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ስምዒታትን ዝንባለታትን ምህላው ባህርያዊ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ከም ንዓይነት ህዝቢ ዘዐምር ምርቓን ጸጋን እምበር ከም ንሓድነት ሃገር ዘስግእ መርገምን ኣበሳን ጌሩ ክሪኦ ኣይግባእን። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ከም ብሰውራዊ መትከል ተቐይዱ ዝምራሕ  ተቓላሳይ መጠን፡ ከየሻረወን ከየዳለወን ከየጓነየን ንማዕርነት ብሄራትን ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን ከረጋግጽን ከውሕስን ከኽብርን ሃገራዊ ግቡኡ ጥራይ ዘይኰነ፡  ብተወሳኺ ሃገራዊ ሓላፍነቱ  እውን ስለ ዝዀነ ዕሽሽ ኰነ ሸፈፍ ክብሎ ኣይግባእን። በዚ ሰውራዊ እምንቶ’ዚ እምበኣርከስ፡ ንናጽነትን ሓርነትን ምቅላስ ማለት ብዘይ ተጕላባ ናይ ኲሉ ወገናት መሰላትን ማዕርነትን ንምኽባር ምቅላስ  ካብ ማለት ሓሉፉ ካልእ ሕቡእ ትርጕም የብሉን።

ዝዀነ “ሃገራዊ’የ፣ ደሞክራስያዊ’የ፣ ገስጋሲ’የ” ዝብል መንግስቲ፡ ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ተቓላሳይ፡ ናይ ሃገራዊነቱን ደሞራሲያውንቱን ቅንዕናን ሓቅነትን ዝምዘንን ዝፍረድን፡ ንፍትሕን  ማዕርነትን ናጽነትን ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ብዘይ ገለ ኣድልዎን ምጕናይን ምግላልን ናይ ኲለን ኣብ ሃገርና ዘሎዋ ብሄራትን ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን ዘይገሃስ ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት (ናይ ርእሰ-ምምሕዳር መሰል ከይተረፈ) ምስ ዘረጋግጽ ጥራይ ኢዩ።  ብመንጽር’ዚ፡  ነቲ ኣብ ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ዝተቐልቀለን ዝገንፈለን ብሄራውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ስምዒታትን ዝንባለታትን ምስ እንምርምሮ፡ እዚ ተርእዮታት’ዚ ዝተኸሰተ እቲ ብህዝቢ ከይተመርጸ ስልጣን ጎቢጡ ዝጨበጠ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ቅዋማዊ ደሞራሲያዊ መንግስቲ  ብምቛም ናይ ኲለን ብሄራትን ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን መሰላት ብግብሪ ስለ ዘየኽበረን ዘየውሓሰን ኢዩ። በዚ ምኽይያት’ዚ፡ ንፍትሕን ማዕርነትን  ናጽነትን ንቃለስ ኣሎና ዝብሉ ዘሎዉ ተቓወምቲ ውድባት ይኹኑ ውልቀሰባት፡ ንብሄራውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ዝምባለታትን ስምዒታትን፡ “ድሑር ትሕቲ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት’ዩ” ብዝብል ጥቅውናን ውርጻጸን ህላወኡ ክኽሕድዎን ኣገዳስነቱ ከቆናጽብዎን የብሎምን። እዚ ወገናዊ ምንቅስቓሳት’ዚ፡ ኣካል ናይቲ ደሞራሲዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ጠላባቱ ናይ መሰል ምርግጋጽ ጠላባት ብምዃኑ ምስ ምትካል ሓቀኛ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝፍታሕ ኢዩ። ስለዚ፡ እተን ንመላእ ሃገር ኢና እንቃልስ ዝብላ ሕበረ-ብሄራውያን ውድባት፡ ንብሄራውያን ውድባት ኢደን ብምዝርጋሕ ምስኣተን ተሓባቢረን ክቃለሳን ፍልልያተን ብሰላማዊ ልዝብ ክወግደኦን ይግባእ። ክንዲ ተጽዋዊርካ ብሓደ ብምጕዓዝ ፍልልያትካ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ትፈትሖ፡ ብማዕዶ ከይተቐራረብካ ምፍርራድን ምክሕሓድን ምቊንጻብን ፋኢዳ የብሉን። ግቡእ ካብ መሰል ተነጺሉ ክጐዓዝ ስለ ዘይክእል፡ ኲሎም ደሞራሲዊ ለውጢ ንምምጻእ ግብኦም እናምልኡ ዝቃለሱ ዘሎው ሃገራውያን ውድባትን ውልቀሰባትን፡ ንግቡእ ካብ መሰል ከይፈንጨሉ ክርድእዎ ብኣውርኡ ኸኣ ክትግበርዎ ይግባእ።

ልክዕ ከም ግቡእ፡ መሰል ክልተ ረቛሒታት ዝሓዘለ ኢዩ። ንሳቶም ድማ፥ ክብርታትን ናጽነታትን ኢዮም። ገለ ካብ መርኣያታት ክብሪ፡ ነቶም ከም ብናጻ ናይ ምንባር መሰል፣  ዝደልኻዮ ናይ ምእማን መስል፣ ብሄራዊ ባህልኻን ወግዕኻን ናይ ምኽባር መሰል፣ ብሕታዊ ንብረት ናይ ምውናን መሰል፣ ከራማኻ (your dignity) ከይተደፍረን ሰብነትካ ከይተጋህሰን ናይ ምንቅስቓስ መሰል፣ ብዘይ ናይ ሕልና ተጽዕኖን ምስርጣይን ቀሲንካ ናይ ምሕሳብ መሰል  ዝኣመሰሉ ዘጠቓልል ኢዩ። ብተመሳሳሊ፡ ገለ ካብ መርኣያታት ናጽነት፡ ናይ ብሄራውን ጾታውን ማዕርነት መሰል፣ናይ ሃይማኖታዊ እምነት መሰል፣  ናይ ሰብኣዊ ሓልዮት መሰል፣ ናይ ምቅዋምን ምእዳምን መሰል፣ ናይ ስንኩላትን ቆልዑን ሽማግለታትን መሰል፣ ናይ ደቅንስትዮ ማዕርነት መሰል፣ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን መሰል፣ ናይ ወከልትኻ ምምራጽን ተወዳዲርካ ክትምረጽ ምኽኣልን መሰል፣ ናይ ምጥናፍን  ምውዳብን መሰል፣  ከምኡ’ውን ንመሰልካ  ናይ ምጥባቕን  ብሕጊ ፍርድን ፍትሕን ናይ ምርካብን መሰል ዝኣመሰሉ ሰብኣውን ደሞራሲያውን መሰላት ዘጠቓልል ኢዩ። ብባህረዩ፡  ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ ብናይ መንግስትን ማሕበረሰብን ሕግታትን ደንብታትን ከምኡ’ውን ስርዓትን ቅጥዕታትን ተቐይዱ ክናበር ሓላፍነት ኣሎዎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ መንግስትን ማሕበረሰብን እውን ብግደኡ ንናይ ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ መሰል ከኽብር ሓላፍነት ኣሎዎ። ኣብ ናይ ሃገርና ኩነታት፡ ሃገራውያን ዜጋታት ኲሉ ካብኦም ብመንግስትን ማሕበረሰብን ዝሕተት ግቡኣት የማልኡ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ብኢደ-ወነኑ ብህዝቢ ከይተመርጸን ከይተወከለን ገደብን ተሓታትነትን ዘይብሉ ስልጣን ዝግበተን ዝጐበጠን መንግስቲ —  ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደፍ — ሓላፍነቱ ይፍጽም ስለ ዘየለ፡ ማለት ንመሰል ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ ይግህስ ስለ ዘሎ፡ መሰሎም ከረጋግጹ  ከከም ኣድላይነቱን ኩነታቱን ብዂሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ  መሰሎም ከረጋግጹ ህዝባዊ ተቓውሞ ከልዕሉ ሕጋውን ፍትሓውን ኣድላዪን ኢዩ።

እቲ ዘይሕጋዊ መንግስቲ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ህዝባዊ ተቓውሞኦም ክገልጹ ምስ ዘይፈቅደሎም፡ ተቓዎሞኦም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከይተረፈ ተጠቐሞም ካብ ስልጣን ክኣልዩዎ ዘይገሃስ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም። ይኹን’ምበር፡ ዘይተጠርነፈን ዘይሰመረን ሃገራዊ ዜጋ፡ ፍርሕን ራዕድን ቀንጢጡ ሓያልን ኣድማዕን ህዝባዊ ተቓውሞ ከላዕል ስለ ዘይክእል፡ ተቓውሞኡ ዘዕግብ ውጽኢት ክረኽበሉን ተጓቲቱ ጋሕመጥመጥ ኣትዮዎ ብምግምማዕ ሸቶኡ ከይወቕዐ ከይተርፍን፡ ብቐዳምነት ክጥርነፍን ክሰምርን ኣሎዎ። ክጥርነፍን ክሰምር ዝኽእል ከኣ፡ ነንሓድሕዱ ምስ ዝጸዋወርን ዝተኣማመንን ዝከባበርን ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ዝፈላለየሉ ብካልኣዊ ደረጃ ዝስራዕ ረቛሒታት ከይተሓናዀለ፡ በቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ረቛሒታት ተሰማሚዑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓድ ግንባር ክጥርነፍን ክሰምርን ኣሎዎ። እንተድኣ፡ ኣብ ናእሽቱ ካልኣዊ ጕዳያት ብምድሃብ ግዜኡን ጕልበቱን ብኸንቱ ኣጥፊኡ ነንሓድሕዱ ዝመናጨት ኰይኑ፡ ኣደዳ ጸላእቱ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። ስለዚ፡ ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ ብትብዓትን ንቕሓትን ንወጽዓኡ ክቃወምን ናጽነቱ ክጠልብን ዘይገሃስ መሰሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ዘካይዶ ቃልሲ ንኽዕወትን ውጽኢት ክርከቦን ክሰምርን ክጥርነፍን እውን ብማዕረኡ ግቡኡ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ ዳግማይ ታሪኽ  ክንሰርሕ፡ ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ  ነቲ “ግናዕ ከተድምዕ፣ድናዕ ክትመንዕ” ዝብል ልቦና ዝሓዘ ምስላ ኣበዋት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣሎዎ። ኣበዋት (ዝሓለፉ ቀዳሞት ኣቦታትና)፡ ግናዕ ክብሉ እንከለዉ፡ ሓቢርካ ሓንቲ ዋልታ ኲን ማለቶም’ዩ፤ ድናዕ ክብሉ እንከለዉ ኸኣ ናብቲ ዝኣመትካዩ ሸቶ እትበጽሕ (እትመንዕ) ነንሓድሕድካ ብምዝልላፍን ምፍኽኻርን ምጕብዕባዕን ምንዕዓቕን ዘይኰነ፡  ተላዚብካን ተመዪጥካን ተረዳዲእካን ተኸኣኢልካን ግብራዊ ስጕምታት ብምውሳድ ጥራይ’ዩ ማለቶም ኢዩ።

ወጽዓ ዜግነት የብሉን። ጨቋኒ ንሕስያ የብሉን። ከምኡ’ውን ሓሳዊ ሕልና የብሉን። በዚ ልቦናታት’ዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊያን ዜጋታት ወጽዓ ዘውርድ፡ ከየናሕሰየ ዝጭቁን፡ ከምኡ’ውን ብዘይስኽኽታ ዝሕሱ መንግስታዊ ሓይሊ፡ እቲ ብዜግነቱ ባዕዳዊ ዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን፡። ብዘይግነቱ ሃገራዊ ዝዀነ መንግስታዊ ሓይሊ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን ዝተወከለን ሕጋዊ መንግስቲ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካብቲ ናይ ባዕዳዊ ሓይሊ ዝኸፍአን ዝዓበየን ወጽዓ ከውርድ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሃገርና ብህዝቢ ከይተመርጸን ከይተወከለን ዝግዝእ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ካብቲ ባዕዳዊ መንግስቲ ደርግ ዘውረዶ ወጽዓ ዝኸፍአን ዝበኣሰን ወጾዓ የውርድ ምህላዉ ዘከራኽር ኣይኰነን። ይኹን’ምበር፡ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየድና፡ ንደርጋዊ ጭቆና ብህግደፋዊ ጭቆና ንምትካእ ኣይንበረን። ወይ ብኻልእ ንጽር ዝበለ ኣበሃህላ፡ ንኢዮጵያውያን ጨቆንቲ ወጊድና ብኤርትራውያን ጨቆንቲ ንምሕዳስ ኣይተጋደልናን። ዕላማ ገድልና፡ ንዂሎም ዓይነት ጨቆንቲ ዜግነቶም ብዘየገድስ፡ ፈጺምካ ንምውጋድ ዝነቐለ’ዩ ኔሩን ሕጅ’ውን እንተዀነ ዘሎን።  ስለዚ፡ ህግደፋዊ ወጽዓ ካብ ደርጋዊ ውጽዓ እንተዘይ ብኢሱ ዘይንእስ ካብ ኰነ፡ ተቓዎሞና ኣንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ ብዂሉ ዓይነት መለክዕታት ካብቲ ናይ እዋን ደርግ ዝበርትዐን ዝሰፍሐን ክኸውን ኣሎዎ። ጐይታ ሃገርና ኤርትራ ህዝባ፡ ከምኡ’ውን ዋና መንግስታ ህዝባ ስለ ዝዀነ፡ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ንጒዳይ ሃገሩን ህዝቡን ንዑኡ ከም  ዘይብጽሖን ዘይምልከቶን ዘየገድሶን መንግስታዊ ጕዳይ ጌሩ ብምግንዛብ ሸለል ብምባል ንህግደፋውያን ክገድፈሎም የብሉን። እቲ በትረ-መንግስቲ ጨቢጡ ዘሉ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንዘልኣለም ከይተበደሀ ምእንቲ ክገዝእ፡ ጕዳይ ሃገርን ህዝብን ንዕኡ ጥራይ ዝዋሪ ማንም ኢዱ ክመልሰሉ ዘይግበኦ ጕዳይ ምዃኑ’ዩ ከእምን ዝህቅን። ካብዚ ዝተልዕለ ኸኣ፡ ነቶም ድሕነት ሃገሮምን ሕሰም ህዝቦምን ዘገደሶምን ዘሕመሞምን ሃገራውያን ዜጋታት፡ ንስልጣኑ ከይብድህዎን ናይ ህዝቢ ተሰማዕነት ከይረኽቡን ተቐላጢኡ’ዩ ስሞም ብምብልሻው ብተንበርካኽነትን ክድዓትን ኣጠቂኑ ዘጥቅዖም። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ምእንቲ ኣንጻሩ ብፍኑው  ኰነ ብጥርኑፍ ንቕሓት ዘገንፈሎ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል፡ ነፍስ-ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ ውራይ ናብራኡ ጥራይ ክገብር’ዩ ዝደፋፍኦ። እዚ ዀኣ ንዘስተውዓለሉ፡ “ድላይና ክንገብር ኣትኻሉፉና፣ እንታይ ገደሰኩም ነብስኹም ተሕስሩ፣ ብሽግር ማዕጾ ቤትኩም ክሳብ ዘይተዀሕኳኩም፡ ርኢኹም ከም ዘይረኣኹም፡ ሰሚዕኩም ከም ዘይሰምዕኩም፡ ሱቕ በሉ !” ማለት ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ ዓገብ ኣብ እተዕዘበሉ ዓገብ ምባል እንሕበነሉ ባህልናን ሃገራዊ ሓልፍነትናን ሃይምኖታዊ ግዴታናን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ መሰልና ንምርጋግጽ ዘኽእለና ኣራሚ  ሰውራዊ ስጕምቲ ኢዩ። “ዓገብ ኣይትበሉ !” ማለት “ቤትኩም ክሳብ ዝዝመንትን ህይወትኩም ክሳብ እትሓልፍን ጽንሑ !” ማለት ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ዝቕበል ሕልናን ልቦናን ሞራልን ዘሎዎ ሰብ የለን። ስለዚ ነቲ ስርዓት ህ.ግ.ደፍ. ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋትና ዘውርዶ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን በደላትን ብምዕዛብ፡ ንሱ መግናሕትን ትምህርትን ድርኺትን ኰይኑና፡ “ሃለው! ሃለው!  እገለ ሓውካን  እገሊት ሓፍትኻን ብራሻይዳ ተጨውዮም ኣብ ሲናይ ብበደዊን እናሰምዑ ተሓሪዶም ኮላሊቶም ተመዝሒቑ ክሽየጥ ይቀራረቡ ኣሎዉ። ቶሎ!  ካብ ዝወለድካ ወሊድካ ሓምሳ ሽሕ ዶላር ሓውለሎም !” ዝብል  ዘነውር  ጸርፍን ታህዲዲን ዝተሓወሶን ኣውያት ግፉዓት ኣብ ድሕረ-ባይታ እትሰምዓሉ ናይ ተሌፎን መርድእ፡ ንነብስ-ወከፍና ክሳብ ካብ ሲናይ ዝመጽአና ክንጽበ የብልናን። ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምውዳቕ ብዘይ ውዓል-ሕደር ግብራዊ ስጕምቲ ክንወስድ ክንብገስ ይግባእ። ኣብዚ ህሞት’ዚ፡ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምቅላስ ይጽናሓለይ ዘይበሃል ናይ ሞት ወይ ሕየት ሕቶ’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ዘዘለናዮ ቦታ፡ ዓቕምና በብዘፍቅዶ ብድድ ኢልና ንዘይተርፍ ውድቀት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምቅልጣፍ ኢድና ብምሕዋስ  ሻማ ንበል ! — ዓወት ዳግማይ ሓርነታዊ ቃልስና ናይ ግድን ስለ ዝዀነ።

ብያሲን ዑመር  (yassinomer01@gmail.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Akal August 3, 2013

    Hello Yassin Omer,

    What a wonderful article which is full of content and substance. It is very timely and more, I would say, geared toward our young men and women whose life is more at stake. Young Eritrean generation! This article is for you! Read it and internalize it. Contemplate on it. Of course, it is for all of us, but mainly for our young Eritreans who are victims of this brutal and arbitrary PFDJ regime in Eritrea who has no, whatsoever, regard for the dignity, right, liberty and pursuit of happiness of Eritrean people.

    I am a big fan of you, brother Yassin Omer along with Amanuel Iyasu. You guys along with some other few Eritreans are single handedly challenging this brutal rogue regime in Eritrea. Thank you guys! May god help you in your daily life.
    I hope and wait for more timely and meaningful articles, especially, from both of you.

POST A COMMENT