Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግብጺ ኣብ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ንዝጸንሑ ገበነኛታት ከምዝኣሰረት ምግላጻ ካብ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ግብጺ ኣብ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ንዝጸንሑ፣ ዶካትር፣ ነርሳትን ፕሮፌሰራትን ዝርከቡዎም ገበነኛታት ከምዝኣሰረት ምግላጻ ካብ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ግብጺ ዘዋደዶ ሓደ ጸረ ብልሽውና ኣካል  ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ብውሑዱ 25 ገበነኛታት ኣብ

ግብጺ ኣብ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ንዝጸንሑ፣ ዶካትር፣ ነርሳትን ፕሮፌሰራትን ዝርከቡዎም ገበነኛታት ከምዝኣሰረት ምግላጻ ካብ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ግብጺ ዘዋደዶ ሓደ ጸረ ብልሽውና ኣካል  ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ብውሑዱ 25 ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ከለዉ ሚልዮናት ዶላራትን ኣዋርቕን ተታሒዙ ‘ሎ።

እቲ ጸረ ብልሽውና ኣካል፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ህዋሳት ደቂ ሰብ ናይ ምሻጥ መርበብ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ገበነኛታት ጉጅለ፣ ንቑጠባዊ ኩነታት ድኻታት ዜጋታት ብምምዝማዝ ገንዘብ ከኻዕብት ዝጸንሐ ግብጻውያንን ኣዕራብን ዝሓቖፈ ጉጅለ  ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ኣብ ግብጺ ኣዝዩ ዘሻቕል ዘይሕጋዊ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰብ ከምዘሎ ንዓመታት ክዝረብ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ መጺኡ።

ሓውሲ ደሴት ሲናይ ከም መሰጋገሪ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ገርጊሩሉ ኣብ ዝነበረ ቀረባ ዓመታት ብሕልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ናይዚ በደዊን ሲናይን ራሻይዳን ዝዋስኡሉ ዝነበሩ ዘይስነምግባራዊ ዕዳጋ ህዋሳት ደቂ ሰብ ኮይኖም ከምዝተሳቐዩ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ራድዮ ኣሰና እትርከቦም ገለ ማዕከናት ዜናን ነቲ ጉዳይ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምቅላዕ ኣጽዒቖም ኣብ ዝጉስጉሱሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ገገዝኦም ክሳብ ዝመጽኦም ከም ጽውጽዋይ ክኽሕዱዎን ክዋራዘዩሉን ፈቲኖም ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ጸሊም መድረኽ ዘይርሳዕ ተርእዮ እዩ።

ኣብቲ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሲናይ ዝረኣየሉ ዝነበረ 2010 ዓመተ ምህረት፣ ግብጺ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰብ ዝረኣየለን ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ተባሂላ ብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝተጠቕሰት ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! December 12, 2016

    Long time ago before Sinai incidents I read an article about Sudanese refugees in Cairo who sold one kidney in return of cash . Some might blame on the collapse of Hussein Mubarak but the truth is it had been profitable
    market for the last decade like in India to prey on desperate poor parents .
    For Eritreans they left us with a big scar to remember our entire life . And we will not forget HGDF betrayal to
    call our own fellows ‘AFRICAN REFUGEES ‘ and also the deaf ears from African Union and United Nations .
    It has been in a state of anxiety constantly haunted by fear to anticipate Eritrean future under one man rule
    which is the root cause for all of these miseries .

  • Degoli December 12, 2016

    The elite but stupid ELF and EPLF leaders had taught us that “Arabs are our friends and brothers” and the most retards of them are still singing :”We are Arabs”.
    You only need to ask Eritrean christian refugees in the Arab world: the pain, the rape, the slavery, the hot iron and molten plastic branding, murder … the money robbed.
    Even the off springs of the retards in ELF are running away from the Arab and Islamic world to the Christian world in America and Europe

  • k.tewolde December 16, 2016

    The picture itself tells the story,human clones,this is what Hgdef produces in SAWA,the psychological Auschwitz of Eritrea.

POST A COMMENT