Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ጎቦታት ጽንዓት”

“ጎቦታት ጽንዓት” -ሃሎው! ሃለው! ሓለዋ፥ -ሓለዋ ሃለው… መን ክብል? -ንመን ትደሊ ኣለኻ ሓለዋ? -መን ኢኻ ንስኻ? -ንመን ትደሊ… ሓለዋ’የ ዝብለካ ዘለኹ? -ሐደ ካብቶም ጎቦታት ጽንዓት ደልየ ኣለኹ ብህጹጽ፥ -ንምታይ ደሊኻዮም? መን ኢኻ ንስኻ ትዳህይ ዘለኻ? -ዘድለየኒ ጉዳይ ስለዘሎ ቀልጢፍካ ኣራኽበኒ ግዳይ፣ -ስማዕ ናበይ ኢኻ

“ጎቦታት ጽንዓት”

-ሃሎው! ሃለው! ሓለዋ፥

-ሓለዋ ሃለው… መን ክብል?

-ንመን ትደሊ ኣለኻ ሓለዋ?

-መን ኢኻ ንስኻ?

-ንመን ትደሊ… ሓለዋ’የ ዝብለካ ዘለኹ?

-ሐደ ካብቶም ጎቦታት ጽንዓት ደልየ ኣለኹ ብህጹጽ፥

-ንምታይ ደሊኻዮም? መን ኢኻ ንስኻ ትዳህይ ዘለኻ?

-ዘድለየኒ ጉዳይ ስለዘሎ ቀልጢፍካ ኣራኽበኒ ግዳይ፣

-ስማዕ ናበይ ኢኻ ደዊልካ? ቁጽሪ ወይ ዓዲ ተጋጊኻ ከይትኸውን ኣታ ሓወይ፣

-ኣይተጋገኹን ኣታ ሓወይ፥ እንተለዉ ግዳስ ተሸገረለይ፣

-ጎቦታት ጽንዓት ዝነበሩ ኩሎም ሕጂ ኣብ ኤርትራ የለውን።

-እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ፥ ጎቦታት ኤርትራ ድአ ናበይ እግሪ ኣውጺኦም ክኸዱ ደሊኻዮም…

-ስማዕ ብጻይ ካበልካ ጌጋኻ ንሱ ኢዩ።

-እንታይ ኮይነ ዝጋገ?

-ትርጉም ብጻይነት ቅድሚ 1991 ዝነብረ እንተኾይኑ ሓቅኻ። ሕጂ ግን ብጻይነት ዝባሃል ተሪፉ ምኻኑ ኢየ ዝፈልጥ።

-መንድ’ኻ ንስኻ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ትዛረብ ዘለኻ?

-እወ ኣይሕዘልካን ለዋህ ሓወይ። ብቐደም ዝበሉኻን ዝሰማዕካዮን ሽም ክትጽውዓኒ ስለዝሰማዕኹ ኢየ ደሃይካ ሰሚዔ ዝተበራበርኩ።

-ናይምንታይ ምብርባር ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ ብስሩ… ኣይተረድኣንን።

-እወ ንዓይ’ውን ከምዘይተረዳአካ ኣይደንጸወንን። እንተኾነ ኣጆኻ ዝሓወይ ድሃይካ ጥራይ ኣይተጥፍ። እቲ ንዓይ ካብ ድቃሰይ ዘበራብረኒ ጻዊዕትካ፤ ንዓኻ ኸአ ካብ ሕልሚ ብጻይነት ከበራብረካ ተስፋ እገብር።

-በል ኣታ ሓወይ በጃኻ ጊዜ ከይወስድካን ኣብ ዘረባ ሸንኮለል ከየበልካኒ ንሓድዮም ኣራኽበኒ…

-ንሓድዮም ኣራኽበኒ በጃኻ!!! …ወኻዕኻ ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ…ብስሓቕ ከይትጭንዳሓኒ በል ይኣኽለካ… መሽኪናይ በለ።

-እንታይ ዘስሕቕ ኣለዎ? ክንዲ ትሕግዘንን ተራኽበኒ… ሱቕ ኢልካ ጊዜይ ተቃጽለለይ ቅኑዕ ኣይኮነን፣ ሕጂ’ውን እቲ ለግጺ ገዲፍካ ህጹጽ መልኽቲ ስለዘለኒ ተሓባበር ንነፍሲ ክኾነካ፤

– ኣታ ወዲ ተምጽኦ ዘረባ ኹሉ ኣይወሓጠለይን አሎ። በቲ ብጾት ምጾት ትብለኒ፣ በዚ ከአ ተሓባበር ንነፍሲ ክኾነካ ትብል፣ እንታይ’ዩ ሽግርካ?

-ኣታ ሓወይ ሽግር ናይበነይ የብለይን። ሽግር ዓድን ህዝብን ግን ንኹላህና ይምልከተና እምበር…

-እሞ ጌጋ ኣድራሻ ኢኻ ደዊልካ ክብለካ እንድኻ ደሊኻ… ባዕልኻ ዘይትሓስብ… ምስ መን ትዛረብ ከምዘለኻ ክትፈልጥ…

-አነስ ምሳኻ ክዛረብ ዝጸናሕኹ መሲሉኒ ነይሩ። ምስ መን ትዛረብ ከምዘለኻ ፍለጥ ምባልካ ግን… ዘረባ እቶም ብሽም ብጾት ዝዛረቡን ዘጉባዕቡዑን ኣምሲልካያ።

-ሕጂም ትጋገ ኣለኻ። ኣነ መሊሰልካ ነይረ ንሕቶኻ። ንስኻ ግን ዝተረድኣካ ወይ ክትርድኦ ትደሊ ኣይመስልን። ነቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝበልኩኻ… ሕሰብ… ርግእ ኢልካ።

-እንታይ’ዶ ቅኑዕ መልሲ ሂብካኒ… ብዘይካ ሸንኮለል።

-ሸንኮለል ትብል ዘለኻ ባዕልኻ… እምበር ኣነስ ብጻይነት ቅድሚ 1991 ምስቶም አነ ክቕድም ንስኻ ጽናሕ፣ አነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ እንዳተባሃህሉ ሃገርን ህዝብን ካብ መግዛእቲ ሓራ ከውጽኡ ዝተሰውኡ… ብጻይነት’ውን ምስኦም ከምዝተሰወት’የ ዝፈልጣ።

-ኣይተረድኣንን ኣበሃህላኻ… እስኪ ግለጸለይ…

-በል እቲ ጎቦታት ጽንዓት ኢልካ ትደሃየና ዘለኻ ነቲ ጎቦ ከውሒን እምንን ገደልን፣ ዓቐብን ቁልቁልን፣ ስንጭሮንን ሕሉሙን… ምድራዊ ገጽ ናይ እቲ ኣቀማምጣ ባይታ ከም ዘይኮነ እርድኣኒ። ንዕኡ ግን ህያው ዝገብርዎ ዝነብሩ ሽደናትን፣ ሓያታትን ሙዕታት ቀባጻት ጀጋኑ ኤርትራውያን ሳላ ናጽነት ናትካን ከማኻን ተዋዲቖምሉ ኢዮም። ሕጂ ግን ድሕሪ ናጽነት…

…ፍልሖታት ተሰኪሞሞ ካብ በረኻ ዝኣተው… እንዃን ዓንዲ ንእዲ ገዛ፣ ኣዕጽምቲ ኣሕዋቶም ዝበልዑ፣ ኣዛብእ ሰብ ዝተባህሉ…ፈርዮም ተፋርዮም ንዓዲ ሓሞኹሽቲ ገይሮማ። ሕጂ ንዓይ ንጎቦ ብሰላም ኣደቅሰኒ።

-እወ ሓቅኻ ግን ህዝቢ ከይደቀሰ’ዶ ንስኻ ድቃስ ትረክብ ይመስለካ? እስኪ ብዛዕባ እዞም ፍልሖ እትብሎም ዓሌት፣ ኣዛብእ ሰብ ትብሎም ሓቑፍካ ምድቃስ መርጽካ ከምዘይኮነ እፈልጥ…

-እንታይ ደአ ኣማራጺ አለኒ። ህዝቢ ነንሕዱ ክባላዕ፣ ሓዉ ንሓው ክሸይጥ ክልውጥ ካብ ምርእይን ምስማዕን ካብ ዝመረጸን … አነ ነቶም ትማሊ ህያው ኮይኖም ህያው ዝገበሩኒ ጀጋኑ ሓቑፈ ምድቃስ እመርጽ…

-ስማዕ… ደቂቶም ጀጋኑ እንዳጠፍኡ፣ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን እንዳጸነቱ ከም ዘይሰማዕኻን ራኣኻን ክትኸውን ዓገብ በላ ንነብስኻ።

-እሞ አነ እንታይ ክገብር ትብለኒ?…ህዝበይ ብሰብ ሓይሊ ተቐፊዳ…ሰብ ሓይሊ ኸአ ንዓይ ይጥዓመኒ እምበር… ነየናይ መጻኢ ወለዶን ምዕባለ ዓዲ ክሓልዩ ተራእዮም። ፍልሖ ብርእሱ ካብ ስሩ ካብ ኤረትራ ከይተመውሐ ሰላም ዝበሃል ኣይክህልን። ፍልሖ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ዘፋርዮም ብዕሊ ተመሕዮም ከይተጋሕፉ…ህልቀትን ጥፍኣትን ጽንተትን ክቕጽል ምኻኑ ጥራይ ኢየ ዝፈልጥ…

-አነ’ውን ብሓሳብካ ወላ እስማማዕ እምበር እታ ተስፋ ምቑራጽ ነው በላ…ፍልሖ ነቲ ዓንድን ገዛን ኣብሪስዎ እምበር ጽንዓት ህዝብን ተስፋን ከፍርስ ሓይሊ የብሉን።

-ጽቡቕ ተስፋ ምግባር ባዕሉ ሓቦ’ዩ ዝወልድ…ጎቦ ግን ጎቦ ኣይወልድን ስለዝኾነ… ከም ቀደምኩም በሉ ሃየ ኣሳብኡት ኩኑ…ነቲ ደጀንስ ባዕለይ ኣለኹልኩም።

-ነቶም ጀጋኑ ኣይተቁርሮም፣ ኣይተሰክፎም እምበር ኣብ መቓብሮምስ ኣውሊዕ ሰላም ክትከል ጊዚኡ ኣይርሕቕን…

-ንፍልሖ ብዓይብኡ ምስ ሰዓብቱ ግና ዓይቢ ደንጎላ መጽቀጢኡ ስለዘድሊ ብወገንካ ሃለው በል…ወዲቑ ከምዘይትንስእን …ናይ ኣያታቱ ናይ ሓሶት ሳተላይት ከምዘይረኽቦ ምግባር ናትካ ስራሕ ክኸውን’ዩ።

-ነዚ ድአ ከም ቀደምይ ይጸንዓሉን ፈረቓን…ግዳስ እቶም ዘዋፈሮም ሓሰውቱ እንዳጎይቶቱ ስለዘለው…ምጥንቃቕ…ምጥንቃቕን… ምልላይን የድሊ። ምዕቡል ዓለም ሕሱም…

-እወ ካብኦም እንዲዩ ነቒሉ… እቲ ሽግርና…ፍልሖ’ውን ነዚኣስ ኣጸቢቑ ዝፈልጣ ጉዳይ ስለዝኾነት ይሽቅጠላ…ብኽልተ ኢድ ዝበልዕ ስሱዕ … ኣብ ሃሮምሮም ዝነብር ምኻኑ ግን ሓቅኻ ኣይንዘንግዕ…

-ሃለው ሃለው… ሓለዋ …          “ጎቦታት ጽንዓት”

 

ርኤዮ ጎቦታት ዓደይ

ብሓሳብ ክትንክፎ ብኢደይ

ኮይኑ ግን ከደ እንዳረሓቐ

ደመና ከዲንዎ ዝዘቕበበ

ዝሑል ኣሳሕይታ እንዳውደቐ

ብርሃን ወጋሕታ እንዳደመቐ

ኩሉ ተራእዩኒ ምስጢሩ ዝረቐቐ

ክትቀርቦ ዝርሕቕ ክትሕዞ ዝደቐቐ።

ንሱ’ዶ ኣይነበረን ዝርኣዮ ሃፋ

ንኹሉ ዘማዕደወ ዝህብ ተስፋ

ሐበን ደጀን መኸታ ሓለፋ

ንጸላኢ ዘይሃቦ ዕድል መጸዋዕታ

ንወጽዓ ንግፍዒ ዝኸኣሎ ኣውያታ

ብውሽጡ ዝወሓጦ ብዙሕ መዘከርታ

ንታሪኽ ገድሊ ዘይነበሮ መሰታ

ሓቑፉ ሓዚሉ ዘብጽሖ መወድኣታ።

ሕጂ ግን ጎቦታት ዓድና

ጸልማት ከዲንዎ ደመና

ከጽቅጥ ከማዕዲ ከም ጓና

ደቃ እንዳተሸርቡ ስቕታ

ነቶም ዘዕበየቶም መኪታ

ነቶም ዘዘናጋዓቶም ብጻወታ

ነቶም ዘዋጋኣቶም ምስ ጸላእታ

ንሰላም ምዕባለ ንመጻኢ ጠሚታ

ብፍቕሪ ጠሚራ ብኒሕ ዓትዒታ።

ጎቦ ጽንዓት ብኸመይ ተለኩታ

ሎሚ ረሲዓቶም ብሉጻት ሸዊታታ

ኣውሽጣ ዳጉና ሕማቕ ቕርሕንታ

 ብግፍዒ ክብልዑ እንታይ’ዩ ምጽቃጣ

ደሞክራሲ ፍትሒ ሕጊ ተገልቢጣ

መብጽዓ ብዝቐበሩ ብሓሶት ተሸቂጣ

ጎቦ ጽንዓት ናብ ሲኦል ተለዊጣ

ብፍልሖ ምስ ሰዓብቱ ተጎቢጣ።

ጎቦታት ጽንዓት ኣውያት ኣቃልሓ

ደቅኽን ብግፍዒ ብስስዐ ኣይትብልዓ

ካብ ድቃሰይ ክበራበር

ሕልሚ ዝነበረ ክኽበር

መግዛእቲ ጭቆና ክስበር

ህዝብን መሬትን ክፋቐር

ጎቦታት ጽንዓት ታሪክን ክዝከር

ውጹዕ ህዝቢ ክሓልፈሉ ሃገር

ክተሓቓቖፉ ሰራሕቲ መስተንክር

ምፍልላይ ተውጊዱ ሕጊ ከማሓድር።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 01-01-14”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ER ITRAWIT January 2, 2014

    Ayewe kndey Jeganu zeywedekula eza hager entay emo Telamat endo Telemu!!! degeftey nay ezey telam ka gededu.

  • t January 3, 2014

    kla bado tarikh,kulu hasot eiu,ab Eritrea jgna tewelidu aifelitin.Abei alo deamo eti jignnet?

    • abdu January 3, 2014

      T
      Unfortunatly; no one can help you out in your case. because; you are vissaully impaired. so; i agree a 100% with you that you admit you can’t see jiganu; sure i mean how can a blid person sees jigna. As a matter of fact you can’t even see yourselve.

      • ahmed saleh January 4, 2014

        Eritrean official identification to be recognized forced from brave forces behind those mountains . So better
        swallow the proved facts and shut your big mouth .

POST A COMMENT