Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ጓልሲ! ዝወለዳ ወሊዱዋ’ሎ ዘይወለዳ ከኣ ኣብ ዝባኑ ኣላ!’

8 መጋቢት ክብሃል ከሎ ሕብረተሰብና መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ዝካየድ ቃልሲ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ንምፍላጥ ጻዕሪ ዘካይደሉ እዋን እዩ። ሕብረተሰብና ብፍላይ ብወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩን/ራን ኣሕዋት ብዛዕባ መሰል ደቂንስትዮን መሰለን ንምኽባር ናይ ኩሉ

8 መጋቢት ክብሃል ከሎ ሕብረተሰብና መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ዝካየድ ቃልሲ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ንምፍላጥ ጻዕሪ ዘካይደሉ እዋን እዩ። ሕብረተሰብና ብፍላይ ብወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩን/ራን ኣሕዋት ብዛዕባ መሰል ደቂንስትዮን መሰለን ንምኽባር ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዘይተሓለለ ቃልሲ ዝሓትት ምዃኑ መረዳእታ ረኺቡ ክብሃል ይክኣል። ብ8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ብመርበብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ assenna on March 7, 2015 ዝወጸ መግለጺ’ውን ኣንቢብና ሰሚዕና። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዉዕዉዕ መንፈስ ተኸቢሩ ውዒሉ ዝብል ዝሰማዕናዮ’ውን እሰይ እንቋዕ ሓጎሰና ዘብል’ዩ። ብዙሓት ብጽሑፍን ብመራኸቢ ብዙሓትን መርበባትን ናብ ሕብረተሰንብና ዘመሓላለፉን ዘስምዑን ከኣ ምስጋና ይግብኦም። ብናተይ ግምት ካብዞም ኣቓልቦ  ዝሰሓቡ ኣስተምህሮታት ሓደ ብክብርቲ ሓውትና ዮርዳኖስ ሃይለሚካኤል ብ13 መጋቢት 2015 ምስ ኣማኒኤል ኢያሱ ናይ ኣሰና ፋውደንሽን ሓላፊ ብራድዮ ኣሰና ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት እዩ። ንቃልሲ ደቂንስትዮ ንቕድሚት ንምስጓም ድፊኢት ክፈጥር ዝኽእል’ዩ እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን።

ብግዜ ገድሊ ደቂንስትዮ ኤርትራ ማዕረ ደቂ ተባእትዮ ኣሕዋተን ኣብ ኩናት ተሰሊፈን ብክላሽንን መዳፍዕን እናተረጋረጋ ብዝኸፈለኦ መስዋእትን ብዘመዝገብኦ ዓወትን መሰረት መሰለን ንምኽባር ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ ይብሃል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። 30% ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ንደቂንስትዮ ዝተሓዝአ እዩ ተባሂሉ ኔሩ። ማዕርነት ደቂንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ ናጽነት ንቕድሚት ክውንጨፍ’ዩ ዝብል ትጽቢት’ውን ኔሩ። ግን ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊሱ። ጠላማት ቖጺዮሞ። ኢሳያስ ንደቂንስትዮ ኤርትራን ማሕበረንን  መናውሒ ስልጣኑን መጸበቒ ውራይ ህግደፍን ኮይኑ ከም ዝተርፍን ዕላምአን ክስሕታን ነንሕድሕደን ክናቖታን ዘይምሃዞ ተንኮል የለን። ብጉድለት ንቕሓት ዓይነን ዓሚተን ናብ ጸድፊ ዝጉተታ ዘለዋ ከኣ ከይጸደፋ ከለዋ ዝነቕሓሉ መዓልቲ ይሃበን። እተን ንብረትና ከይወረስ፡ ዓዲ ምእታው ከይከልኡና፡ ናብ ስድራና ሓደጋ ከይበጽሕ ፈሪህና፡ ብዝብል ዕባራ ምኽንያታት ከበሮ እናደሰቃን እናጣቓዓን ዝጸድፋ ዘለዋኸ እንታይ ይበሃላ። ሕብረተሰበናኸ እንታይ እዩ ክገብር ዝኽእል? ግን ከምቲ ወለዲ፡ ‘ኣምላኽ ጸድፊ ይፈጥርሞ መደያይቦ ከኣ ይፈጥር’ ብዝብል እምነት ህዝብና ራህዋ ዝፈጥር መደያይቦ ኣብ ምድላይ’ዩ ዝርከብ። መደያይቦ ዝረኽበሉ መዓልቲ ከኣ ኣኺሉ እዩ። መኣስን ብኸመይን ከም ዝረኽባ’ዩ ዘይፈልጣ ዘሎ። መዓልቲ ኣኺላ እናበለ ግን መሊሳ ትርሕቕ ስለ ዘላ! እቶም ንሳ ዝዓቕምኹም የሕጽራ! ኢልኩም ተማህለሉ! ነቶም ሕቡኣን ጀጋኑ ከኣ መን ምሩቕ! መደያይቦ ዝረክብ! እናበልኩም ተዳሃይዎም በጃኹም።

8 መጋቢት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ካብ ድርብ ወጽዓ ንምንጋፍ ተባሂሉ’ዩ ዓመት ዓመት ዝኽበር። ሓንቲ ካብተን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር መደያይቦ ንምርካብ ኣስተዋጽኦ ክትገብር ትኽእል’ያ ብማለት’ዩ ህዝብና ን8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝጽበያ። ህዝብና ንዝዓበያ ዝነኣሳ ኣሕዋት፡ ኣዴታት፡ ጸጽቡቑ ምትምናይ ልማዱ ዝኾነ ህዝቢ ነቲ ናይ ልቢ ንፈጣሪ ገዲፉ፡ ‘ብቃል ዝብሃልን ንሰምዖን ይግበረልና!’  እናበለ’ዩ ድላዩ ክኾነሉ ሃረር ዝብል። ምሳር ብሓኽላ ከም ዝብሃል ግን እዚ ኣረመኔ ስርዓት ብማሕበር ደቂስትዮ እናተጥቕመ መሰለን ይረግጽ ከም ዘሎ ተግባሩ’ዩ ምስክሩ። ‘ህግደፋዊ ሃመደአ’ ኣብቲ ብዓል መዓልቲ ዝጭርሖን ብተግብር ዝርአን ከም ከብድን ሕቖን ዘይራኸብ’ዩ።

ዓሻ ሰበይቲሲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ ይብሉ ቀዳሞት። ነቶም ዓያሹ ደቂ ተባዕትዮ ንደቂኣንስትዮ ከምዘይ  ኣሕዋቶም ርእዮም ከጋፍዑ ስኽፍ ዘይብሎም ስምዕታ ዘመሓላልፍ ምስላ’ውን ሕብረተሰብና ኣለዎ። ‘ጓልሲ! ዝወለዳ ወሊዱዋ’ሎ ዘይወለዳ ከኣ ኣብ ዝባኑ ኣላ!’ ዝብል። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ርእሶም ዝኩሕኩሕ። ንልቡ ዝሓበጠ መለበሚ ዝኸውን። ሕብረተሰብና ንደቂኣንስትዮ  ‘ጓል’ ብዝብል’ዩ ዝሰምየን ዝነበረ። ስለዚ ‘ጓል’ ዝብል ቃል ደቂንስትዮ ወይ ጓለንስተቲ ከም ማለት ብምውሳድ ምንባብ የድሊ። ስለዚ እዚ ምስላ ጓል ዝወለደ ወሊዱዋ’ሎ፡ ዘይወለደ ከኣ ናይ መዓልቲ ጉዳይ እዩ’ምበር ክወልዳ እዩ።  ስለዚ እቶም ‘ጓል፡ ሓውቲ፡ ኣዝማድ ደቂ ኣንስትዮ የብልናን ኢልኩም ንደቂንስትዮ ተጋፍዑ ዘለኹም ወይልኹም! ዝብልን ዘጠንቅቕን እዩ። ናብ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽሙዎ ግፍዒ ናብተን ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩወን፡ ኣሓንቂቖም ዘዕበዩወን ኣዋልዶም ዝበጽሕ ምዃኑ ዘኪሮም ግፍዒ ካብ ምፍጻም ክቑጠቡ ዘተሓሳስብ’ዩ። ዝፈጸሙዎ ግፍዒ ናብ ኩሉ ክፉእ ትምህርቲ ዝመሓላለፍ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣደብ ክገብሩ ዘተሓሳስብ እዩ። ብግዚያዊ ስልጣን ወይ ሃብቲ ልቦም ዝሓበጠ፡ ኢድኩም ሓሊፋ ክትጸንሓኩም’ያ ብማለት ዘጠንቅቕ’ዩ። እቲ ዘሕዝንን ዘጉህን ግን በዚን በቲን ግዳያት ኣሕዋትና ደቅናን ምዃነን’ዩ። በዚ በብመዓልቲ ዝስማዕ ክፉእ ዛንታ ይቕንዞ’ዩ ዘሎ ሕብረተሰብና። እተን ግዳያት ዝኾና ዘለዋ ኤርትራውያን ከኣ ምሒር ደንጽዩወን እዩ ዘሎ። ‘እምበርዶ እዚኦም ከማና ኤርትራውያን እዮም? ኣሕዋትና ኤርትራውያ እንተዝኾኑ ክሳብ ክንዲዚ ኣይምጨከኑን’ እናበላ ኣብ ምጥርጣር’የን ኣትየን ዘለዋ። ስለዚ ኤርትራውያን ኢና ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም ንሕማቕ መዓልትን ቅዝፈትን የለናን ክብሉዋ’ዩ ህዝብና ዝጽበዮም ዘሎ።

ህዝብና ነዚ መሪር ቃንዛ ክሳብ ሎሚ ከቃልዖን ክዛረበሉን ክቖጽዮን ብዘይምኽኣሉ’ዩ ነዞም ዕሽነት ናብ ጽላለ ዘድሃበሎም ጽጋባታት ዘሻድኖም ዘሎ። እዛ ምዕትን ክብርትን ጓልናን ሓውትናን ዮርዳኖስ ሃይለሚካኤል ግልህልህ ኣቢላ ክተቕርቦ ምጅማራ ከኣ ሕብረተሰብና ፈውሲ ቃንዛ ንምርካብ ማዕጾ ክኸፍት ዝኽእል እዩ። ሕብረተሰብና ንክመሃረሉን ፈውሲ ንክደልየሉን ብምሕሳብ እያ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ቃለ-መሕተት ዝደርጓሕቶ። ዮርዳኖስ ኣብ ታሪኽ ህይወታ ዘጋጠማ ግፍዕታት ግልጽልጽ ኣቢላ ምስ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዘካየደቶ ቃል-መሕተት ንመለበሚ ክኸውን ብማለት’ያ ኣቕሪባ። ተመሳሳሊ ግፍዕታት ኣብ ብዙሓት ካልኦት ኣሕዋታ ከም ዝበጽሐ ጥርጥር ከም ዘይብላ’ያ ትገልጽ። ንድሕሪ ሕጂ ከይድገም እያ ንታሪኽ ህይወታ መለበሚ ክኾነን ዘቕረበት። ካብዚ ተላዒላ እያ ዝከኣላ ክትመክርን ክትምህርን ቆሪጻ ዝተላዕለት። ታሪኽ ህይወታ ሰሚዐን ኣንቢበን ካብኡ ክመሃራ ብማለት’ያ ዕድል ዝኸፈተትለን። ካብ ተመሳሳሊ ግፍዕን ቃንዛን ነብሰን  ክፍውሳ ዝእኽላሉ ብልሓት ሓቢረን ክፈጥራ’ያ ትዕድመን ዘላ። ውሽጣዊ ቃንዛ ምዕባጥ ሕማም ዝውስኽ ምዃኑ’ያ ገሊጻ። ታሪኽ ህይወታ ከም ቀዋሚ ሓወልትን ክፉት መጽሓፍን ኮይኑ መምሃሪ ክኸውን’ያ ንሕብረተሰብና ተወፍዮ ዘላ። ናተይ ታሪኽ መለበሚ ይኹንክን፡ ተቐራሪብና ጸገምና ፈቲሕና ህይወትና ክንሕድስ ንኽእል ኢና እያ ትብል ዘላ። ዮርዳኖስ ኣብ ገድሊ ምስ ኤልሳ ሞጎስ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ቆልዑ ከለዋ ከም ዝተሰለፋ፡ በቶም ክከናኸንወን ዝግባኦም ነባራት ተጋደልቲ ክጽመምኦ ዘይከኣላ ምግሃስን ካልእን ግፍዕታት ይወረደን ከም ዝነበረ፡ ክሃድማ ፈቲነን ከም ዝተታሕዛ፡ ክልቲአን ነብስ-ቅትለት ክፍጽማ ወሲነን ኤልሳ ጥራይ ኣብ ቦምባ ኮፍ ኢላ ከም ዝተሰወአት፡ ንምንታይ ኤልሳ ነብሲ ቅትለት ፈጺማ ብማለት ብምርመራ ንዮርዳኖስ ከም ዘጨቑዋን ገሊጻ። ካብቲ ብግዜ ገድሊ ዘጋጠማ ሰፊሕ ናይ ግፍዒ ታሪኽ ቁሩብ እስኪ ንመልከት። ድሕሪ ናጽነት’ውን ግፍዒ ይፍጸም ከም ዘሎን ንሰምዖ ዘለና’ውን ንኣብነት ዝኸውን ቁሩብ ድሒሪ’ዚ ክቐርብ’ዩ፡-

ካብቲ ዮርዳኖስ ዝሃበቶ ቃል ብቓል ንምጥቃስ፡ ‘ኤልሳ ቦምባ ኣውጺኣ ኮፍ ኢላትሉ፡ ኣብ ቅድመይ ከይዳ። ንምንታይ ነብሳ ቀቲላ፡ እሞ ክሳብ ንቕትለክን ዘይትጽበያ፡ ዋላ እንተ መትኪ ቁልሕ ዝብለኪ የለን፡ ንትሕቲ ዕድመ ሓልዮት ዝብሃል ኣይራኣኹን፡ ኣብ ቅድሚ 300 ዝኾኑ ሓለፍቲ ዝርከቡዎም ግፍዒ ምፍጻም፡ ግፍዒ ፈጺሞም ባዕልኺ ዝፈጠርክዮ ትኾኒ፡ መራሕቲ እዮም ከምኡ ዝገብሩ…  ኣነ ተዛሪበ’ምበር ካብ ብዙሓት ሓደ እየ፡ ክነብር ኢሉኒ፡ ታሪኽ ክነግር፡ … ‘ ብህይወት ይርከብ ብማለት’ያ ነቲ መሪር ግፍዒ ትገልጾ። ካብቲ ኣብ ልዕሊአን ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ዘስዓበላ ጸቕጢ ብኸመይ ንባዕላ ክትፍውስ ከም ዝኸኣለትን ንሓዋሩ’ውን ኣብ ኣሕዋትናን ደቅናን ከይድገም ምስ ካልኦት ብምዃን ክትጽዕርን ልባ ክፉት መጽሓፍ ጌራ ብምውፋይን ንህዝባ ዓው ኢላ ብምዝራብን ክትምህርን ክትመክርን ምሕሳባን ልዑል ምስጋና ይግብኣ። ከምቲ ዝሓሰበቶ ክሰምረላ ከኣ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ጽቡቕ ትምኒት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጻዕራ ሰሚሩ ብህይወታ ከላ ፍረ ጻምኣ ክትሓፍስ ህዝብና ብተስፋ ዝጽበዮ እዩ።

ናይ ባህልና ተጽዕኖ ከቢድ ስለዝኾነ ዋላ’ኳ ጓል ኣንስተይቲ ደፊራ ተበደለ ተዓሚጸ እንተበለት ዝቕበላ ኣይነበረን። ስለዚ ጸገማ ካብ ምግላጽ ዘይምግላጹ ከም ዝሓይሽ ኮይኑ ዝረኣያ። ሳዕቤኑ ስለ ዝኸፍኣ። ሕብረተሰብና ‘ንስኺ ገጽ እንተ ዘይተርእዪዮዶ ከምኡ ጌሩ!’ ብማለት’ዩ ዝመዓታ። ክትጻወሮ ዘይትኽእል ቆዮቓ’ዩ ዝወርዳ። ክንዲ ሓገዝን ሓልዮትን ተመሊሱ’ዩ ሕብረተሰብና ዝስልበጣ። ስለዚ ከም ‘ዮርዳኖስ ዘይትዛረብ!’ ማለት ቃንዛ ምውሳኽ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ ካብ ተቐዳዲምካ ምፍራድ ከኣ ካብቲ ክእረም ዘለዎ ጎዳኢ ባህሊ ሓደ እዩ ምባል ዝሓሸ እዩ። ናይ ሓባር ቃልሲ ዝሕትት’ዩ ከኣ። ናይ 8 መጋቢት ብዓል ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ናይዚ  ጎዳኢ ባህሊ ተጽዕኖ ግዳይ ከይኮና ምቅላስ’ዩ። ኣብ ደቂኣንስትዮ ምግሃስን ምዕማጽን ዝፍጸም ከኣ ደፊረን ኣይጋልጻናን’የን ብዝብል እምነት እዩ። ገለ  ንደቂንስትዮ ምግሃስን ምድፋርን ከም ስብእነት ቆጺሮም ዝጀሃሩ’ውን ኣለዉ። ተመሊሶም ነታ ግፍዒ ዘውረዱላ ከም በዳሊት ክገልጹ ብዘይኽፍታ ምጅሃሮም ከኣ ይገድድ። ሕሉፍ ሓሊፎም ከም ብላይ ጭርቂ ኣብ ጎድፍ ክትድርብዋ ድሕር ዘይብሉ፡ ምስ ሕልንኦም ዝተፋትሑ፡ ሕፍረታት ዘይብሎም፡ ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ፡ ዕዋላታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ክሳብ ዘዐግሶም ዝረኽቡ ከኣ ዘይጸረዩ ዝራብዓት ኮይኖም’ዮም ዝነብሩ። ሕብረተሰብና ነዚኦም ንምጽራይ ከቢድ ዕማም’ዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

ህዝባዊ ግንባር ሽሙ ናብ ግዚያዊ መንግስቲ ለዊጡ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ መወዳኣታ የብሉን። ካብኡ ሓደ ኣብ ራድዮ ኣዝማሪኖ ዳት ኮም ዝተሰምዐ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ግፍዒ ከማይ ዝሰማዕኩም ትዝክሩዎ ትኾኑ። ክልተ መርመርቲ ንሓንቲ ጓል ቀጥቂጦም ከም እኽሊ ኣብ ጎልጎል ይሰጥሑዋ። እቲ ሓደ ክትስሓግ ምስ ሰምዐ፡ ‘ኣንታ ክትመውት’ያ!’ ይብል። እቲ ካልኣይ ትቕብል ኣቢሉ፡ ‘ትምት፡ በዓል ኣዚኣ መይተን እንታይ ከጉድላ እየን!’ ይብሎ። ኦሮማይ! ንሞት ፈሪዱዋ፡ ንፈጣሪ ቀዲሙዎ ማለት’ዩ። ዕድልና ከፊኡ ብዙሕ ነዚ ዝመስል እናክንሰምዕ ንብዓትና ጸረር እናበልና ንነብር ውሑዳት ኣይኮናን። ኣደ፡ ሓውቲ፡ ኣዝማድ እንተዝህልዎምስ ክሳብ ክንዲዚ ኣይምጨከኑን! ከኣ ትብሉ ትኾኑ ከምዚ ኸማይ። እዞም ግፍዒ ፈጺሞም ዝጅሃሩ፡ ‘ናባኻ ክበጽሕ ዘይትደልዮ ነገር ናብ ካልእ ኣይትፈጽም!’ ዝብል ንወዲ ሰብ ብዛዕባ ሰብኣዊነት ዝምህር ሕጊ ከም ዘሎ ዘይፈልጡ፡ ፍጥረት ኣራዊት ዝተላበሱ ክኾኑ ኣለዎም ዘየብል’ውን ኣይኮነን። ኣብ ኢድ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝወደቓ ኣሕዋትና ከኣ ኦሮማይ ጠፊአን በሉወን። እንታይ ዘረባ’ለዎ። ሰበይ፡ ሓወይ፡ ኣያይ ዝብልኦ ዘናግፈን ስኢነን መጻወቲ ገፋዕቲ ኮይነን ማለት’ዩ። ኩሉ ሰበይ ዝበለኦ ተዘኒቡ፡ ኢዱ ማይ ዓሚኹ፡ ንበላዒ ኣሕሊፉ ሂቡወን፡ ኣውያተን ከንቱ ኮይኑ ተሪፉ ማለት’ዩ። ኣብ ገዛ ወለዳ ሓንቂቓ ዝዓበት ጓል፡ ሓውቲ፡ ግዳይ እዞም ፍጥረቶም ዝኸሓዱ ትኸውን ኣላ ማለት’ዩ።

ከምዚ ሎሚ ኣሰሩ ከይሃሰሰ ከሎ ህዝብና ‘ጽቡቕ ግበር ንመን ንማንም፡’ ዝብል ሰብኣውነት ዝተላበሰ ከም መዓልታዊ መምሪኢ ጌሩ ዝጥቀመሉ’ውን ኔሪዎ። ካብ ንኹሉ ጽቡቕ ምግባር ጽቡቕ ባህሊ ሓሊፉ ብፍላይ ንጓል ኣንስተቲ ዝነበሮ ክብሪ ልዑል’ዩ። ሕብረተሰብና ጓል ኣንስተቲ ናይ ኩሉ ኣደ ወይ ሓውቲ ሓሲቡ ከም ዘኽብራ ብዙሕ መረጋገጺ ኣሎ። ኩሉ ዝሕሉዋን ዘኽብራን ስለ ዝነበረት ጽንጽያ ዓይና ዘንፍረላ ኣይነበረን። ንጓለንስተይቲ ዝደፍር ኣዲኡ ዝረገመቶ እዩ ኔሩ። ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ኣባል ሕብረተሰብ፡ ወይልኡ! ዝብል ኣዋጅ ዝተጻሕፈ’ዩ ዝመስል ኔሩ። ሙሉእ ሕብረተሰብ ምድፋር’ዩ ዝቑጸር። ዝደፍር መዓት ከም ዝወርዶ ስለ ዝፈልጥ ተንከስ ኢሉ ንጓል ኣንስተይቲ ዝደፍር ኣይነበረን። ወለዲ በጓሎም ኣሕዋት ብሓፍቶም እዮም ዝምሕሉ ዝነበሩ። ኣነ ሓው እከሊት! ኢሉ ሓደ ጎበዝ እንተተላዒሉ መላሲ ኣይነበሮን። ብዘይካኽን ዓዲ ኣይኹን! እናበለ ዝምክሓለን ኣብነታውያን ዕጣቐን ዘይፍታሕ፡ ጸኒዐን ዘጽንዓ ኣዴታት ከም ዝነበራ’ዩ ህዝብና ዝፈልጥ። ኣዴታትና ዋዕሮታት ኒሬን ዋዕሮታት ዝኸምአን ከኣ ይወልዳ ነረን። ኣነ ጓሉ! ኣነ ጓል ኣከሊት! ኢለን ኣዴታት እንተምሒለን ጥሒለን፡ ኣኸለ። ኣብ ቅድመአን ዝጸንሕ ወይልኡ! ብዙሓት ኣብነት ኮይነን ዝሓለፋ ኣዴታት ከም ዝነበራ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ንሕብረትሰብ ሓቦ ዘስንቓ ንሳተን እየን። ህዝብና ንጓለንስተቲ፡ ኣደ ብዓል እከለ፡ ሓውቲ ብዓል እከለ፡ እያ ብዝብል’ዩ ዘለልያ። ብጉብዝንኡ ተመኪሑ ወይ ሰብ ኣይረኣየንን ኢሉ ምስክር ኣብ ዘይብሉ ንጓለንስተይቲ ዝደፍር ብነብሱ ዝፈረደ እዩ። ንከባቢኡ ዘናውጽ ኣውያት እንተዳሕድሖ’ውን ዝረድኦ ክረክብስ ይትረፍ ብጽጋቡ! እዚ’ኳ ክውሕዶ! እናበለ’ዩ ከም ኣርዮስ ዘውግዞ። ሕጊ እንዳባ ከኣ ጓል ቃላ’ዩ ምስክራ እዩ ዝብል። ስለዚ ንጓል ዝዓመጸ ብዝሃበቶ ቃል’ዩ ዝፍረድ።

መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምሕላው ንቃለስ ኣለና እናበሉ ዝጭርሑ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ሎሚ ግን እቲ ባህልና ኣጎናጺፉወን ዝነበረ ክብሪ’ኳ ዳርጋ ኣሰሩ የለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ብፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ  ክብረንን መሰለንን ክሒደን መናውሒ ስልጣን ኢስያስ ንምዃን ዝጓያ ምህላወን ከኣ ዘደንጹ እዩ። ብህግደፍ ተሃሚለን ይኹና ብጥቕሚ ተታሒዘን ባዕለን’የን ዝፈልጥኦ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ኣዴታት ወሪዱ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ንምውሳኽ ዝተዓጥካ፡ ደቀንን ኣሕዋተንን እናተሰዱ፡ ኣብ በረኻ ጠፊኦም! ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም! እናሰምዓ ካብ ባሕሪ ተዘቑቑ ዝወጸ ሬሳ ደቀንን ኣሕዋተንን እናረኣያ ከይሓፈራ ነጸልአን ኣጻዕድይን ናብ ጓይላ ህግደፍ ዝጎያ መሕፈር ኣዴታት ከም ዘለዋ ንርእን ንሰምዕን ኣለና። ስለዚ እስከ ኣብ ዝጥዕም ቦታታት ተረኺብክን ናይተን ዕጥቀን ዘይፍታሕ ኣብነታውያን ኣዴታት ኣብነት ተኸቲልክን ነተን ሓደራ ዝጠለማ ናብ ልበን ክምለሳ ምሃራልና። ነተን ማዕረ ኣወዳት ኣሕዋተን ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት መስዋእቲ ዝኸፈላ ብቃልሰን ዘውሓስኦ ማዕርነት ክሒዶም ናብ ውሻጠኽን ተመለሳ፡ መኾስክን ሓዛ፡ ዝብሉ ከኣ ዓገብ በላልና። መሰል ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብምኽሓድ ዝርከብ ዓወት ከም ዘየለ  ንገራልና። ፍርቂ ሕብረተሰብ ክሒድካን መሰለን ረጊጽካንከ ኣብ ምንታይከ ክብጻሕ! ንቃል ዓለም ዲና ‘ብዘይ  ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!’ ንብል። ንብሎን ንጭርሖን ንቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ መሰልን ክብርን ንምውሓስ ዘቀላጥፍ ክኸውን ይግባእ።

ብፍላይ ከኣ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ዝገፉ፡ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ምዃና ዝኽሕዱ ደጋጊሞም ሕልንኦም ክምርምሩ ከም ዘለዎም’ዩ መበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምህረና። ኣደ፡ ሓውቲ፡ ጓል ከም ዘይብሎም ናይ ካልኦት ኣዴታትን ኣዋልድን ክደፍሩን ክዕምጹን ዝረኣዩ ሰብ ክፉእ ግብሪ፡ ኣዴታቶም’ውን ‘እምበርዶ ውላደይ ኢኻ! ‘ወለዲ እዚ ቁሩሕ ሰይጣን  ክተብለና! መሕለፊ መገዲ ክትከልኣና! ማይ ድኣ ለድ ንስኻስ!’’ እናበላ ብክልተ ኢደን መሬት እናጠፍጠፋ ይረግምኦም ከም ዘለዋ እንተ ዝፈልጡ ንርእሶም ምሓሾም ።

ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ከኣ ምስተን መሰልክን ንምኽባርን ዝቃለሳ ዘለዋ ኣሕዋትክን ብምውጋን ቃልስኽን ከይሰምር ካብ ምዕንቃፍን ንድሕሪት ካብ ምጉታትን ተቖጠባ። በጃኽ! በጃኽን! ኣይተግድዓና፡’ እናበላ ይምሕጸናኽን ስለ ዘለዋ ሓቢርክን ናብ ዓወት ትበጽሓሉ መዓልቲ ይሃብክን።

ምልኪ ይፍረስ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 3/26/15

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH March 26, 2015

    I also remember assenna interview with one former prison guard witness account in
    regard of patriot women polical prisoners daily exausted face expression with red eyes
    from tears shed out helplessness .
    This kind of cruelty was fireign in a culture which raised us but it is sad to say that is what
    the country is speaking the truth about who we are at present time .
    SADLY ; LIES , SELFISHNESS and CRUELTY DOMINATE THE LIVES OF THE PEOPLE .
    And it will not stop unless we have a courage to admit our ignorance on these issues
    to correct ultimately for common good .
    Silent response to evil deeds is a curse spiritually and a crime in rule of law .

POST A COMMENT