Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጡረታ ጌርኩሞ!

ጡረታ ጌርኩሞ!   ወዲ ሰብ ከም ዓሳ ካብ ጐልጎል ክትገፉ ኣሪግኩም ቆንቊንኩም እንካብ ትስነፉ ኣቱም *እምሄዋትና ሎምስ'ባ ኣዕርፉ                   *ኣባሓጎታትና ክሳዕ ግዜ ሞትኩም ስልጣን ከይትገድፉ መብጽዓ ኣሎኩምድዩ ናይቶም ዝሓለፉ!?   ክሳዕ እትወድቁ'ወ ብሕማም ሰንኪልኩም ኣብ ኰረሻ ስልጣን ክትነብሩ ኣራጢጥኩም እቲ ዝፋን ናይ ህዝቢ ኪኸውን ደሞዝኩም ጡረታ ጌርኩሞ

ጡረታ ጌርኩሞ!
 
ወዲ ሰብ ከም ዓሳ ካብ ጐልጎል ክትገፉ
ኣሪግኩም ቆንቊንኩም እንካብ ትስነፉ
ኣቱም *እምሄዋትና ሎምስ’ባ ኣዕርፉ                   *ኣባሓጎታትና
ክሳዕ ግዜ ሞትኩም ስልጣን ከይትገድፉ
መብጽዓ ኣሎኩምድዩ ናይቶም ዝሓለፉ!?
 
ክሳዕ እትወድቁ’ወ ብሕማም ሰንኪልኩም
ኣብ ኰረሻ ስልጣን ክትነብሩ ኣራጢጥኩም
እቲ ዝፋን ናይ ህዝቢ ኪኸውን ደሞዝኩም
ጡረታ ጌርኩሞ ዓስቢ ምግዳልኩም 
ነዚድዮም ስውኣት ሓደራ ኢለሙኹም!?
 
ስልጣንኩም ዘይድሩት ከም ኣልፋን ኦሜጋን
ህዝቢ እናኣታለልኩም ብዒላን ብዲጋን
ጽልኢ እናጠጃእኩም ኲናትን ሓደጋን
ሰንከልከል እናበልኩም ብመስተ-ብእርጋን
ሃገር ኣድኪኹማ ዓዲ ቆላን ደጋን!
 
ህዝብኹም ኣቕሲንኩም ስድ ከይትመልሱ
ከምዛ ዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ክትነኽሱ
ነገር ኣኣጒድኩም ጽልኢ ተናፍሱ
ነቲ ስውእ ጅግና ብግብሪ ክትክሕሱ
ስድራኡ ጠዊርኩም ኣብ ክንዲ ትድብሱ
ዝሃነጹዎ ቤት *ብዶዘር ተፍርሱ!            *ብደግዳጊት (ብእንግሊዝኛ)
 
*ማእምር ንሃገሩ ንኸየገልግላ         *ፈላጥ፡ ሊቅ፡ ለባም
ኣባልነት ህግደፍ ትሓቱ ባጀላ
ወላዲት ክትነብዕ ኣባዲ ዘይብላ
ተሓንበለ ትብሉ እናተኸልኩም ጓይላ
ሃገር ብምልእታ ኣብ ደልሃመት ከላ
*ሃያጢት ልሳንኩም ትብለና ማዕቢላ!                                  *ጠባሪት
 
ህዝቢ እናወፈየ ጉልበቱን ህይወቱን
ሕሰም ከይኣኽሎ ጥምየቱን ጽምኣቱን
ሓርነት ቀንጢጥኩም መሰሉን ክብረቱን
በደዊን ዓሲብኩም ጓሶቱን ሸየጥቱን
ሰማይ ኣዕሪግኩሞ ውርደቱን ሕስረቱን!
 
ኣንታ ናትናስ ወረ ከም ሻሙ ንጸሮ
ናይ ስውኣትና’ዩ ከቢዱና *ሰሃሮ        *ብሓልዮት ምጭናቕ
ወግዒ ናይ መቓብር ንቡር ዘይተገብሮ
ኣብ ፈቐዶ ሕሉም ፈቐዶ ስንጭሮ
ተጋዲሞም ዘሎዉ ኣንበሳ ምስ ዋዕሮ
ኣብ ህልቂት ናይ ህዝቦም ክድሰቕ ከበሮ
መንፈሶም ጥልመትኩም እንሆ የሸብሮ!
 
ከም ዊንታኹም መታን ክትዕንድሩ
ቅዋም ናይ ሃገርና ቀቲልኩም ትቐብሩ             
ሰማእታት ዘቕስን ጽቡቕ ከም ትገብሩ
ኣብቲ መቓብሮም ዕንባባ ከተንብሩ
ይገርመኒ ኣነስ ፍጹም ዘይትሓፍሩ!
 
ኣንታ ገንሸል ሃገር ስውእ ጅግና
ሰንሰለት መግዛእቲ እቲ ዝበተኽካልና
ዳግም ተሓዲሱ ፍጹም መቊሑና
ዓለም ብብርሃኑ ንኣና ጸልሚቱና
ኣብ ግዜ ናጽነት ባሮት ምልኪ ኴንና
ብገንዘብ ከም ጥሪት ንሽየጥ ኣለና
ፍትሒ ከነንግስ ጽንዓትካ ሃበና!
 
ስውኣትና ብፈጽሚ መብጽዐኦም ይቕሰኑ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/06/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Yerhiwo June 20, 2015

    Dictator Isaias Afwerki was in power for more than 40 years! After independence, he brought Hagos Kisha who is a notorious thief in DC to control Eritrean Wealth. Just before independenc, he berought his cousin Yemane Monkey from US and put him in central committee of EPLF to the dismay of veteran figthers.

    What do DIA, Monkey and Kisha have in common? First, they are from Tigray. DIA is from Tembien, Monkey (Wedi Adey Gebriel, balti suwa) from ADWA, and Kisha brought from Awraja Agame as a child to Senafe.

    Second, they all grew up enda suwa. Dictator Isaias Afwerki is the grandson of Medhin Berad, a notrious suwa seller in Asmara. Monkey’s mom, Adey Gebriela also suwa seller in Gejeret. Kisha’s sister “Tiebe” also sells suwa or beer in Senafe and she brought Kisha to Eritrea to have a good life. DIA, KISHA and MONKEY grew up hearing “agame” from the customers. They all have inferiority complex and now they are in power as strong men to revenge against Dekebat Eritreans!

    Thanks God, the ICC is closer and closer in getting these criminals to court or label them as “criminals” in the court of law.

POST A COMMENT