Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ጸሊም ግመ”

ጸሊም ግመ - ጸለግለግ ደበና መአስ ኮን ይኸውን - ዝግፈፍ ካብ ዓድና ዓንቃዕሪርና ክንርእዮ - ዓመታት ኣሕሊፍና ብውሽጢ ብደጌ - ኤርትራውያን ተሳቒና ክንዲ ጉሓፍን - ጉሓፋትን አሊና ብሓባር ተጠርኒፍና - ንገዛና ኣጽሪና ንሰላም ንፍቕሪ - ክንሰርሕ ንጥቕምና ንጸሊም ግመ - ፎእ ንበሎ

ጸሊም ግመ – ጸለግለግ ደበና

መአስ ኮን ይኸውን – ዝግፈፍ ካብ ዓድና

ዓንቃዕሪርና ክንርእዮ – ዓመታት ኣሕሊፍና

ብውሽጢ ብደጌ – ኤርትራውያን ተሳቒና

ክንዲ ጉሓፍን – ጉሓፋትን አሊና

ብሓባር ተጠርኒፍና – ንገዛና ኣጽሪና

ንሰላም ንፍቕሪ – ክንሰርሕ ንጥቕምና

ንጸሊም ግመ – ፎእ ንበሎ ተኣኪብና

ስቓይ መከራ ከብቅዕ – ፈቐዶ ተበቲና።

 

ምድረ በዳ ሰሃራ – በዚሒዎ ጸጊቡ

ማኸላይ ባሕሪ’ውን – ኣዝዩ ዓጊቡ

መንእሰያት ኤርትራ – ብዘይ ንሕስያ በሊዑ

እደንጽወኩም ኢሉ – ተጠሊዑ ኣግሲዑ

ክሳብ መኣስ ኮን’ዩ – ጸሚምና ከነማዕዱ

ኣቦን አደን ክኾኑ – ወሊዶም ከምዘይወለዱ

ሃገር ቀልጢፋ ክትጸንት – ህዝቢ ተዋሪዱ

ህዝቢ ምጽቃጥ መሪጹ – ተገዲዱ ብዝዓበዱ

ዓይቢ ምስ ንእሽቶ – ሓሪሩ ከሎ ከብዱ

ብፍርሂን ብጥቕምን – ብውሑዳት ተጸሚዱ

ንስልጣን ይቃመቱ – ክንዲ ግፍዐኛ ዘወግዱ።

 

ንጸሊም ግመ – ፎእ ንበሎ ሓቢርና

ንሰላም ንፍቕሪ – ክንሰርሕ ንጥቕምና

ህዝብና ክዓርፍ – ክተኣኻኸብ ስድራና

ጸሊም ግመ ተገፊፉ – ብርሃን ክዓስለልና

ሕጂም ጊዜ አለና – ንሳነ ብቕንዕና

ወጊድ ንበሎ – ንተንኮል ጸላኢና

ንመቓቓላይ ሽርሑ – ነውጻኣዮ ክብ መንጎና

ጸሊም ግመ ከይዕወት – ፈጺሙ ከየጽነተና

ድሓር ጣዕሳ ጥራይ – ከይኸውን  ትርፍና

ብስቓይ ምስ ተጻሕፈ – መዝገባት ታሪኽና።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንውጹዕ ህዝብና፣

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስውኣትና፣

ሰላም ንፋስ ይንፈሶ ኣኽራናት ሃገርና፣

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና-05-19-2017”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT