Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ሓቅታት “ስርሒት ፎርቶ” 21 ጥሪ 2013

ሓበሬታ ዘይሰነቐ ህዝቢ ውሕስነቱን ቀጻልነት ወለዶታቱን ዘረጋግጹ እዋናዊ ውሳኔታት ክወስድ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ንተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑዎ ኣበራት ድማ ስእነትን ጉድለትን ሓበሬታ ምስናይ ምዝንባዕ ሓበሬታ ንፕሮፖጋንዳ እዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ

ሓበሬታ ዘይሰነቐ ህዝቢ ውሕስነቱን ቀጻልነት ወለዶታቱን ዘረጋግጹ እዋናዊ ውሳኔታት ክወስድ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ንተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑዎ ኣበራት ድማ ስእነትን ጉድለትን ሓበሬታ ምስናይ ምዝንባዕ ሓበሬታ ንፕሮፖጋንዳ እዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ህይወትን ግዜን ከፊሉ እዩ። ኣሰናን ካላኦት ማዕከናት ዜናታት ኤርትራን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ ደልሃመት’ዚ ሓራ ክወጽእ ግቡእ ተራኦም ከነበርክቱ ድማ ሞያዊ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ዕማም’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክሰላሰል መልክዕን ኣድማዕነትን ኳ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ባህርያት ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንቡር ክንሱ ዘይከኣል ኮይኑ ይርከብ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን፡ ነቲ ዘለና ብልጫ-ሓርነት ምጽሓፍን ተጠቃምነት ቴክኖሎጅን ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ብጾት ተኣሳሲርና፡ ምስናይ ብድሆታቱ፡ ነዚ ናይ ድሕነት ዕማም ከነሰላስሎ ሕድሪ ‘ለና።

እዚ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ስርሒት ለውጢ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመሉ ኣጋጣሚ ከም ዜና ንህዝቢ ካብ ምሕባር ሓሊፍና፡ ኣበጋግሳኡ፡ ኣካይዳኡን ዘጋጠሞ ዕንቅፋትን ብዝምልከት ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ክመሃረሉን ክምኮረሉን መታን ዳህሳስ ከነካይድ ጸኒሕና ኢና።

ኢሳይያስ ኣብ’ዚ ሎሚ 14 ለካቲት (ድሕሪ 25 መዓልታት ናይቲ ፍጻሜ) ዝገበሮ ቃለ- መጠየቕ፡ ነቲ ጉዳይ ከነኣእሶን ከቃልሎን ኳ ዝከኣሎ እንተገበረ፡ ሽዑ ንሱ ኣብ ግቢ ተሓቢኡ እዝግዮ እናበለ፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ዓልን ብጾቱን ብስም ስዉኣት እናመሓሉ ዝልምኑሉ ዕሱባት እናበራረየ ክልእኽ ከምዝወዓለ እዩ እዚ ሓበሬታ ዘረድእ። እቲ ረኺብናዮ ዘለና ጸብጻብ ናይቲ ኩነታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ነቲ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ጸብጻብ ገለገለ ኣስማት ዓቂብና፡ ብጸብጻባዊ መልክዑ ከምዘለዎ ነቕርበልኩም። ተወሳኺ ምዕባሌታት ምስ ዝርከብ ድማ ነዚ ሰነድ ‘ዚ ከነማዕብሎ (Update) ክንገብሮ ኢና።

ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንለውጢ (ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013)

ኣበጋግሳን ኣመዓባብላን ትግባረን

እቲ ኣብ ፎርቶ ብ ሰኑይ 21 ጥሪ 2013 ዝተኸስተ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ስርሒት ፎርቶ) ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝተሓስበ እዩ። ትግባሪኡ መዓልቲ ጥራይ እዩ ዝጽበ ነይሩ። ኣብ መንጎ ግን ኢሳይያስ ሓበሬታ ይረክብ፡ ብዓል መን ከምዘምለቑሉ ግን ኣይተፈልጠን። ቅድሚ ሳልስቲ ናይቲ ፍጻሜ (ዓርቢ)፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ስለዘይተወደአ፡ ኢሳይያስ ንኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ኣብቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝርከብ፡ ‘ሃገር ሚድያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዳራሽ ሰኑይ (21 ጥሪ) ሰዓት 9፡00 ክቕጽሉዎ ምዃኖም ሓቢሩዎም፡ ይፈላለዩ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ንወዲ ዓሊን ብጾቱን፡ ብዛዕባ’ቲ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ኣብ ‘ሃገር ሚድያ’ (ፎርቶ) ዝተገብረ ቆጸራ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ይሕብሮም። እቲ ስርሒት ኣብኡ ክፍጸም ድማ ይሰማምዑ።

ብዛዕባ’ቲ ክፍጸም ተዋዲዱ ዝነበረ ስርሒት ድንጕይ ኢሎም ዝፈለጡ ገለ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ “ኢሳይያስ ደኣ ካብ መዓስ ቦታ ኣኼባን ሰዓትን ኣቐዲሙ ይሕበር” ኢሎም፡ እቲ መደብ ብኢሳይያስ ተፈሊጡ ከምዘሎ ምጥርጣሮም ይገልጹ። እቲ መደብ ደው ክብል ‘ውን ይነግሩዎም። እተን ሰንበት ለይቲ ዝተንቀሳቐሳ ታንክታትን ረሻሽ ዝጸዓና መካይንን ጉዕዞአን ኣፋሪቐናኦ፡ እቲ ስርሒት ድሮ ተበጊሱ ስለዝነበረ ግን፡ ካብ ምቕልባሱ ምቕጻሉ ተመርጸ።

መበገሲ ካብ ከባቢ ጸሮና ኮይኑ፡ እቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብለይቲ 12 ታንክታት ሒዞም ተበጊሶም ከባቢ ወጋሕታ ኣብ ደቀምሓረ በጺሖም። ነዳዲ ክመልኡ ብወልዱ ባርያ ንዝእዘዝ ክፍሊ ነዳዲ ምስ ሓተቱ፡ ኣብኡ ዝነበረ ሓላፊ ነዳዲ ምምላእ ስለዝኸልኦም ብሓይሊ ነዳዲ መሊኦም ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም። ካብ ደቀምሓረ ምስ ወጽኡ፡ ሓንቲ ታንክ ተበላሽያቶም ንዓኣ ገዲፎም ጉዕዞኦም ቀጺሎም። ኣብ ከባቢ መርሓኖ፡ 3 ታንክታት ናብ ኤርፖርትን ሓይሊ ኣየርን ኣቕኒዖመን። ዝተረፋ ታንክታት ሒዞም 10፡15 ንጉሆ ውሽጢ ኣስመራ በጽሑ።

ንሳቶም ካብ ጸሮና ክብገሱ ከለዉ ካልኦት ሓይልታት ብወገን ብሎኮ ከረን፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ከባቢ ነፋሲት ዝተበገሱ ብብሎኮ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ብምእታው ኣገዳሲ ቦታታት ክሕዙ ዝግብኦም ዝነበሩ ኣጋር ሰራዊትን ናይ ከቢድ ብረት ኣሃዱታትን ክሳብ ሕጂ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት፡ ኣብ ዘለዉዎ ደው ኢሎም፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣይተንቀሳቐሱን።

እዞም ብሸነኽ ጾሮና ዝተበገሱ ሓላፊ ክፍለሰራዊት ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማንን፡ ሓለቓ ስታፍ መካናይዝድ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይን (ወዲ ዓሊ) ከምኡ ‘ውን ኮለኔል ኣለም (ግዝዋ) ኣብርሃም (ገላዋን) ዝርከቡዎም ኣብ ደቀምሓረ ምስ በጽሑ፡ ከምዝተጠልሙ ኳ እንተፈለጡ፡ ንድሕሪት ክምለሱሉ ዝኽእሉ ኩነታት ስለዘይነበረ ብዝቐልጠፈ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ናብ ሚኒስትሪ ዜና (ፎርቶ) ኣትዮም።

ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ህዝቢ ኣስመራ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ታንክታት ብጽርግያ ክኸዳ ንመጀርያ ስለዘይረኣየ ኩነታቱ ደንጽዩዎ፡ ገለ ነገር ከምዘሎ ስለዝፈለጠ፡ ብሞባይል እናተደዋወለ ሓበሬታ ክለዋወጥ ጀሚሩ።

ሰዓት 10፡30 ኣቢሉ፡ እቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ፎርቶ ዝመደበሩ ሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮሞ፡ ንሓጺር እዋን ንግዝያዊ ሓላፊ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣሽመላሽ ኣብርሃ፡ ብዛዕባ ዘለዎም ፖለቲካዊ ጠለባት ኣብ ቴለቪዥን ክዛረብ ኣገዲዶሞ። ትግባረ ሃገራዊ ቅዋም፡ ምፍታሕ እሱራት ዝርከቦ ጠለባቶም ብኸፊል ተመሓላሊፉ፡ ህዝቢ ሰሚዑዎ። እንተኾነ ሓደገኛነት ናይቲ ኩነታት ዝፈለጡ ኢሳይያስን ሰዓብቱን፡ መልእኽቶም ምሉእ ብምሉእ ከይተሓላለፈ ተክኒካዊ ብልሓት ተጠቒሞም፡ እቲ መልእኽቲ ብምሉኡ ከምዘይተሓላለፍ ገይሮም።

ይኹን ደኣምበር፡ እቲ ብቴለቭዥን ጠለባት ለውጢ ናብ ህዝቢ ናይ ምዝርጋሕ መደብ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ኣይነበረን። ስለዚ ምስንኻል ናይቲ ስርሒት፡ ምቍራጽ ፈነወ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ኣብ ክንዲ ኣብ ፎርቶ ኣብ ግቢ ተቐይሩ፡ ኢሳይያስ ከምቲ ዝተጸበዩዎ ኣብቲ ቦታ ዘይምጽንሑ እዩ። ኢሳይያስን ደገፍቱን፡ ዋላ ኳ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ረኺቦም፡ ቦታ ኣኼባ ቀይሮም፡ ክልተ ሰለስተ ንምቍጽጻሮም ዘየጸግሙ ልኡኻት ክኾኑ እንተተጸበዩ፡ ታንክታትን ሰራዊትን ዝተሳተፎ ምንቅስቓስ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስተጋህደ ብመጠን ዕብየት ናይቲ ምንቅስቓስ ኣዝዮም ሰንበዱ።

ኢሳይያስን ደገፍቱን፡ ናይ መካናይዝድ ህላወ ምስ ተገንዘቡ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ መካናይዝድ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንቀንዲ ሓላፊ መካናይዝድ ኮለኔል ጸሃየ መኮነን (ወዲ ሞኬ) ናብ ፎርቶ ይልእኩሎም። ካላሽንን ሽጉጥን ዓጢቑ ዝነበረ ወዲ ዓሊ ግን ንወዲ ሞኬ ኣርባዕተ ጥይት ቶኵሱ የቝስሎ። ብድሕሪ’ዚ ወዲ ዓሊ፡ ታንክታት ናብ ቤተመግንስቲ ክትኵሳ ምስ ኣዘዘ፡ ገለ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ ሰንቢዶም። ኣነጻጽሪኩም (ተስፊርኩም) ሃቡኒ ባዕለይ ክትኩስ ኢሉ ‘ውን ተዛሪቡዎም። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ብሪጋደር ጀነራል ኢዮብን (ሓሊባይ)፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ዝኣመሰሉ ሽማግለታት፡ “ብስዉኣት፡ እዚ ኮ ናይ ኩላትና ሕቶ እዩ” ብምባል ከይትኩስ ለሚኖሞ። ከምዚ’ሎም ኣብ ክርክር ክሳብ ምሸት ምስ ጸንሑ፡ ብዓል ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማንን ኮለኔል ኣብራሃም ገላዋን በቃ ንግደፎ ኢሎም፡ ምስ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ብሓባር ናብ ቁሸት ገጾም ወረዱ። ብመኪና ናብ ዓንሰባ ገጾም ቀጺሎም። ብዘይካ ወዲ ዓሊ፡ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ማለት ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን፡ ኮለኔል ኣብርሃም (ገላዋ) ኮለኔል ኣለም (ግዙዋ) ተታሒዞም። ኮለኔል ወዲ ዓሊ ግን በይኑ መንገዱ ቀጺሉ። ኣብ ከባቢ ሸበቕ ትብሃል ዓዲ ኣብ ዓንሰባ ኣርኪቦሞ፡ ተታዅሱ 4 ኣቝሲሉ፡ ኣብ መወዳእታ ከይሓዙዎ፡ ባዕሉ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ ተሰዊኡ።

ወዲ ዓሊ ክብገሱ ከለዉ ኣትሒዙ፡ “ንኢሳይያስ ባዕለይ እየ ዝተሓሓዞ” እዩ ዝብል ነይሩ።

ተወላዋልነት፡ ጥልመት፡ ዕሱብነት ብ ኢሳይያስ

ኢሳይያስን እቶም ኢሳይያስ ዝለኣኾም ብስም ስዉኣት እናመሓሉ፡ ዘይናይ ኩላትና ሕቶ እዩ እናበሉ ከይትኵሱ ዝለመኑዎም፡ ወዲ ኤፍሬምን ሓሊባይን፡ በቲ ሓደ ንድሕነት ኢሳይያስ ነቲ ኩነታት ከዘሓሕልዎም ከለዉ፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ መጻወድያ እዮም ዘዳልዉሎም ነይሮም። ካብታ ካብ ፎርቶ ዝወረዱላ እዋን ድማ፡ ተኸታቲሎም ኣብ ማእሰርትን መስዋእትን ኣብጺሖሞም።

ኣብዚ ንእግረመንገዲ ኪጥቀስ ዘለዎ ሓደ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ሓላፊ መካናይዝድ ወዲ ሞኬን ስታፍ ክፍለ ሰራዊት ወዲ ዓልን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ጽልኢ ምንባሩ እዩ። ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት፡ ሜጀር ጀነራል ‘ውጩ’ ኣብ ሰንዓፈ ብሓንሳብ ኣብ ዘምሰዩሉ ኣጋጣሚ ምስ ሰኸረ ንወዲ ዓሊ፡ ብስም 5ይ መስርዕ  ወዲ ሞኬ ክርሽኖ ውጥን ከምዝነበሮ ኣምሊቑሉ ነይሩ። በዚ ድማ ወዲ ሞኬ ናብ ፎርቶ ደይቡ፡ ብረት ካብቶም ዓጀብቱ  መንጢሉ ብግስ ክብል ምስረኣዮ፡ ወዲ ዓሊ ስጉምቲ ኪወስድ ኣይተማተአን።

እቲ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ኣብ ፎርቶ ኣዳራሽ ሚኒስትሪ ዜና ክግበር ዝነበሮ ኣኼባ ናይ ዞባታት ኣመሓደርቲ ሽዑ ንጉሆ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት (ግቢ) ተቐይሩ፡ ሓለፍቲ ዞባታት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ሚኒስተራት ናብቲ ስትር ዚበለ ገፊሕ ቀጽሪ ዘለዎ ግቢ ምጽውዖም፡ ብኣኼባ ኣመኽንዩ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ኩነታት ክሕባእ ዝወጠኖ እምበር፡ ብሓቂ ኣኼባ ከካይድ ዘውጽኦ መደብ ‘ውን ኣይኮነን። ካብቶም ኣካየድቲ ዞባታት ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምስጦፋ ኑርሕሸን ብሕማም ኣመኽንዩ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተረኽበን።

ገለ ጠላማት ተረኺቦም እቲ ሓበሬታ ናብ ኢሳይያስ ኣብ ርእሲ ምልሓኹ፡ ነቶም ስለለውጢ ዝተንቀሳቐሱ ወገናት ዝነበሮም ጸገም ናይ መራኸቢታት እዩ። እቲ ብቤትጽሕፈት ኢሳይያስ ዝምእከል ናይ ወተሃደራዊ ርክባት መርበብ ራድዮ ተዓጽዩ ነንሕድሕዶም ምስ ቀረባን ርሑቕን ዝረዳድኡሉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን።

ኢሳይያስ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ምስ ፈለጡ፡ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ሓለፍቲ ኢድ ከምዘይብሎም ተዓዘብቲ ኮይኖም ኣጽቂጦም እምበር እቲ መደብ ናይ ብዙሓት ተሳተፍነት ነይሩዎ እዩ።

ካብ ብጾቶም ጥልመት ከምዝነበረ ርግጽ ኮይኑ፡ ካልኦት ሚኒስተራት ይኹኑ ጀነራላት ምንቅስቓስ ኣየርኣዩን። ልዕሊ ኹሎም ብሓለፋ ዝተንቀሳቐሰ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እዩ። ንሱ ናብቲ ኢሳይያስ ተዓቝቡሉ ዝነበረ ግቢ 6-7 ግዜ ክመላለስ ተራእዩ። ናብቲ ኣብ ቀሓውታ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ እንተወሓደ 5 ግዜ ከይዱ። ቅድሚ ‘ቲ መዓልቲ’ቲ ቁሊሕ ኢሉ ኣትዩዎ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ቃኘው ዝርከብ ፍሉያት ኣሃዱታት ሰራዊት ዘለዉዎ ቤትጽሕፈቱ ‘ውን 4-5 ግዜ ተመላሊሱ። ንኢሳይያስ ከድሕን ንሱ ብሓለፋ ክጎዪ ተራእዩ።

ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ካብቲ ኣብ ቀሓውታ ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ፈጺሙ ኣይተንቀሳቐሰን።

ህዝቢ ኣስመራ ካብ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ኣትሒዙ፡ ጀነራላት ሰሚሮም ኣንጻር ኢሳይያስ ሓደ ነገር ክገብሩ እዮም ዝበል ወረ ክዛረበሉ ጸኒሑ እዩ። ብዙሕ ግዜ ድማ ስብሓት ኤፍሬም ዝጠርናፊኦም ጀነራላት ኣብ ኣሰመራ ይራኸቡ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ “ነዚ ስርሒት’ዚ ከምዝፈሽል ዝገበረ፡ ነቲ ሓበሬታ ‘ውን ንኢሳይያስ ኣሕሊፉ ዝሃበ” ተባሂሉ ብህዝብን ተጋደልትን ዝዝረበሉን ዝሕንሓለኑን ዘሎ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እዩ። ተጋደልትን ህዝብን “ከም ልማዱ ሕጂ ንሳልሳይ ራብዓይ ግዚኡ ጠሊሙ” ይብሉ ኣለዉ። ደስኪሉ ከብቅዕ፡ እቲ ንሱ ከማሓድሮ ዝግባእ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብኮለኔል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስን እናተኻየደ፡ ስለምንታይ ንኢሳይያስ ከድሕን ከምዝተጓየየ ህዝቢ ክርድኦ ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢድ ከምዘለዎ ይፈልጥ ኳ እንተኾነ፡ ኣቐዲሙ ናብኣቶም ስጉምቲ ምውሳድ ስለዘፍርሖ ብታሕተዎት ኮለኔላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምእሳር ጀሚሩ ‘ሎ። ክሳብ ሕጂ ድማ ናብ 60 ዝጽግዑ ተኣሲሮም ኣለዉ። ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዓብደላ ጃብርን፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምስጦፋ ኑር ሕሸንን እዮም።

(ንማእሰርቲ ብዝምልከት፡ ዝበጽሓና ዝርዝራት ‘ኳ እንተሎ፡ ገለ ሳጓታት፡ ገለ ናይ ስራሕ ቦታን መዝነትን ጥራይ ዝገልጽ፡ ፍርቀፍርቂ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቀጻሊ ዝተማልአ ሓበሬታ ምስተረኽበ ከነቕርቦ ኢና)

ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊልን፡ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤልን (ቻይና) ናብ ኣስመራ ተጸዊዖም ከብቅዑ ናብ ኣስመራ ኣይመጽኡን። ኣብ ቦትኦም ኣለዉ።

ኣብቲ ብ21 ጥሪ፡ ብሓይልታት ምክልኻል ምንቅስቓስ ዝተኻየደሉ ዕለት ዝተቐትለ ሓላፊ ብርጌድ ረሻሽ ዝነበረ ኮለኔል ስባህትለኣብ ጽገ (ወዲ ጽገ) ብ 25 ጥሪ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐቢሩ።

ንሱ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዕረፍቲ ስለዝነበረ፡ ደሃይ ኣሃዱኡ ክገብር ተበጊሱ መኪና ስለዘይነበረቶ፡  ቀደም ኣብ ከቢድ ብረት ፐርሰናል ክፍለሰራዊት ዝነበረ መብራህቱ ዝብሃል ኣብ መጓዓዝያ (ጭማድ) ዝሰርሕ ወዲ ኣሃዱኡ ነበር ብመኪናኡ ከብጽሖ ብሓንሳብ ጉዕዞኦም ናብ ደቀምሓረ ገጾም ጀሚሮም። እንተኾነ፡ ስርዓት ኢሳይያስ  ኩሉ ብሎኮታት ክዕጾ ኣዚዙ ስለዝነበረ፡ ብሎኮ ፈንጢሶም ክኸዱ ከለዉ ወዲ ጽገ በቶም ሓለዋ ተወቒዑ ክዓርፍ ከሎ፡ መብራህቱ ተወጊኡ። ምስቶም ዝተንቀሳቐሱ ርክብ ኣይነበሮን።

ናይ ቀረባ እዋን ዝምድና ኢሳይያስን ስብሓትን

ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ኣዲኡ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ስለዝዓረፋ ኢሳይያስ ብቐጻሊ ምሸት ምሸት ይበጽሖ ነይሩ። ካብ ዳስ ተኸዊሎም፡ ሓዘንተኛ ገዲፎም፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብምእታው ኣረቂ ሰትዮም ምስ ሰኸሩ ክልተ መዓልቲ ኢሳይያስ ብዋርድያታቱ ተጸይሩ ናብ ገዝኡ ከይዱ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንኽስተር ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓደ ገዛ ኳ እንተነበሩ ፍቱሓት እዮም። በዚ ድማ ቅሳነት የብሉን።

ኢሳይያስን ተለኣኣኽቱን፡ ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን፡ ምስቲ ኣብ ዓሰብ ዝፈጸሞ ጅግንነት ኣብ ህዝቢ ተወርዩሉ ስለዝነበረ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ምስ ኩሎም ‘ቶም ካልኦት ካብ ምእሳሩ፡ ፈቲሕካ ንሰራዊት ኣብ ምርግጋእ ክጥቀሙሉ ስለዝመረጹ፡ “ኣጋግዮምኒ ኢልካ እንተኣሚንካን ንሰራዊትካ እንተገሊጽካሎምን ካብ ቤትማእሰርቲ ነጻ ከነውጽኣካ ኢና” ኢሎም ጸቕጢ ገይሮምሉ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ፡ ብሓላፊ ጸጥታ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲካሳ) ተሰንዩ። ናብታ ዝመርሓ ዝነበረ ክፍለሰራዊት 19 ተመሊሱ። ኣብ ቅድሚ ኣሃዱኡ፡ “ኣጋግዮምኒ፡ ሕማቕ መዓልቲ ውዒለ” ከምዝብል ገይሮሞ። ሓሊባይን ወዲ ኤፍሬምን ‘ውን ኣብ ሰራዊት ተመሳሳሊ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ኣለዉ።

እዚ ኩነታት’ዚ ዝተፈጸመሉ ድሕረ ባይታ

ብልክዕ ዕለትን ዓመትን ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ መዓስ ከምዝመለኸ ንምርግጋጽ ኣሸጋሪ ኳ እንተኾነ፡ ካብ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ንደሓር ዓዚዙ ከምዝተጋህደ ብሩህ እዩ። ካብኡ ንደሓር ዝቐጸለ ዝርዝራት ከይነውሓና፡ ዝነብሮ መላኽነት እናላሕለሐ ምስ መጸ፡ ብፍላይ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ዝተራእየ ቅልውላው ኢሳይያስን ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምቍጽጻር ዝገበሮ፡ ግን ከኣ ዲል ዘይረኽበሉ ፍጻሜታት ብጽሙቕ ዝበለ መንገዲ ምምልካቱ ይከኣል።

ቦኽሪ ስጉምቱ፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ምስ ሚኒስተሩ ኣልሚስካ መሓውር ምክልኻል ካብ በለዛ ናብ ቤትጽሕፈት ፕርዚደንት ምእታው እዩ ነይሩ። ነዚ ብጭቡጥ ንምርኣይ፡ ምሉእ፡ ግን ከ ዘይወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ምሽያም ኮለኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰ እዩ ነይሩ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ እታ ናይ መጀምርያ ሰርኩላር ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ምቍጽጻር ሰማያት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መዝነት ‘ቲ ሓድሽ ኮሌኔል ከምዝኣተወ ተረድእ እያ ነይራ። በዚ ሰርኩላር’ዚ ብዘይ ፍቓድ ኮለኔል ተስፋልደት፡ ትበርር ሄሊኮፕተር ይኹን ነፋሪት ከምዘየላ ተኣዚዙ። እዚ ብዝኾነ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ዕላማ ዝወጽአ መደብ ኣይነበረን። ኢሳይያስ ኣብ ነብሱ ክመጽኦ ካብ ዝኽእል ተጻብኦ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ።

እዚ ገና ነቲ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እየ ዝብል ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ኣብ ስልጣኑ ከሎ ዝተኣወጀ ብምንባሩ፡ “እሞ ጀነራል ወዲ ሃብተስላሰ ደኣ ኣዕዋፍ እዩ ዝሕሉ ዘሎ” እናተባህለ፡ መላገጫ ናይቶም መዛንኡ ጀነራላት ኮነ። ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጽአ ነገር እንተነይሩ፡ ምስዋር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጋህዲ ምዃኑ እዩ። ነዚ ምስግጋር ስልጣን ርእዩ ከምዘይረኣየ ህጣሙ ኣጥፊኡ ክነብር ዝመረጸ “ምሉእ ጀነራል” ኣሽንባይ ዶ ክብድሆ ወይ ክጻረሮ፡ ምስ ኮለኔል ተስፋልደት ክመሳሰል እዩ ዝተራእየ። ካብቲ ግቡእ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ዕማሙ ተዋሲኑ ኣብ ካልእ ጎድናዊ ዕማማት ዘቢሉ ዝረኣዩዎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ድማ፡ “ተቐባሊ ጋሻ” ክብሉዎ ጀሚሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ብዘውዲ (ሰክረታሪ ኢሳይያስ) ጌርካ ምስ “ፕረዚደንት” ዝረኽቦ ዝነበረ ቆጸራ ተሪፉስ፡ ምስ ኮለኔል ተስፋልደት ንምዝራብ ጋዶ ዝኾኖም ጀነራላት ናብ ቃልዕ ወጺኦም ከዕዘምዝሙ ተሰሚዖም። “ ነገር ስግንጢር ኮይኑ፡ ጉዳይ ምክልኻል ሃገር፡ ጀነራላት ከለዉ ብኮለኔላት ኮይኑ፡ ፕረዚደንትና ድማ ባሕታዊ ኮይኑና” እናበሉ ኣብ ጎደናታት ኣዕለሉ። እዚ ኢሳይያስ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ መዓታት ሰማይ ስለነብሱ ገይረዮ ዝበሎ ሓለዋ ብመሬት ‘ውን ውሕስነት ንምርካብ ዝገበሮ ካብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዝተበገሰ ጥበብ እዩ።

እዚ ምዕዝምዛማት ኣብ እዝኒ ኢሳይያስ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ሰራዊት ዝነበረ ኢዮብ (ሓሊባይ) ኣብ ቤትጽሕፈቱ ከምዝምደብ ተገብረ። ሓሊባይ ብስርቂ ተኸሲሱ፡ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቱ ዝወድአ ሓላፊ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕዳል ኣባይቲ መንግስቲ ንተጋዳላይ እከለ እዚ ይግብኦ ንእከለ ድማ እዚ ኣይግባእን እናበለ፡ ገዛውቲ ካብ ህዝቢ ክምዝንዕን ክዕድልን ዝውዕል እዩ ነይሩ።

ሚኒስተር ምክልኻልን “ፕረዚደንትን” እቶም ውሽጣዊ ኩነታት ዝከታተሉዎ መኮንናት ኮይኖም፡ “ ገዛውቲ ናይ ሓሊባይ፡ ሰማይ ናይ ናይ ተስፋልደት” እናበሉ መዋዘዪ ገይሮሞ። ኣብ ሓጺር ግዜ ግሁድ ዝኾነ ናይ ስልጣን ምሽማውን ውድድርን ድማ ኣብ መንጎ ኮለኔል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ሓሊባይን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበርሀ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ከምዘሎ፡ እቲ ርእሰ ምትእምማን ዘጥፍአ ብፍርሒ ተዋሒጡ ዘሎ፡ “ፕረዚደንት” ነቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኸይድ ዝነበረ ኣካይዳ ሓርነታዊ ሰራዊት ገዲፉ፡ ካብ ሓደ ገጽ ናብ ካልእ ገጽ ጀነራላት ቀልባዕባዕ እናበለ ትልኽ ይብል ኣሎ። ፖለቲካዊ ሕቶ ኤርትራ፡ ከምቲ ን 25 መዓልታት ኣብ ውሻጠ ድሕሪ ምልምማድ፡ ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ኣብ 25 ደቓይቕ “ናይ ፎርቶ ጽውጽዋይ ተወዲኣ” ዝበሎ፡ ብቐሊሉ ዝውዳእ ኣይኮነን። ህዝባዊ፡ ፍትሓዊ ሕቶ ስለዝኾነ። እቲ ኢሳይያስ ኣብ ቴለቭዥን ዝተዛረቦ፡ እቲ ክኾነሉ ዝምነዮ ደኣምበር፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣይኮነን።

ታሪኽ ህይወት ስዉእ ጅግና ወዲ ዓሊ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።

ኣሰና ፋውንዴሸን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
121 COMMENTS
  • Tesfa Hager February 23, 2013

    What kind of change we are looking for:
    .policy
    .party
    .Government
    .president
    .leadership distribution
    .Economy
    .Politics
    .Freedom of movement, education, press, religion, vote
    .Natural resource and beneficiary
    .Gap between civilians and senior veterans
    .National service limit
    .Development activities, public services and infrastructure construction discrimination going on among the regions
    .Modern slavery going on the military services participating personnel
    .2% tax cut from Eritreans in abroad and foreign currencies profit obtained by the national trade corporations which pocket is going?
    – Freedom on Investment for Nationals
    . Foreign diplomacy of the nation
    . Fate of Eritrean international academician
    Please, Assena.com could you give us deep details on the status of the above lists.

1 5 6 7

Post a Reply to Tesfa Hager Cancel Reply