Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ውዕሎ ቦለኛ

ካብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ነርወይ፣ ሆላንድ፣ ጀርመን፣ ስዊዘርላንድ ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብነፈርትን ባቡራትን ከምኡ ‘ውን ብመኻይን ማዕረ 14 ሰዓታት ተጓዒዞም፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ላምፐዱዛ ንምስዕሳዕ ዘዋደዶ ፈንጠዝያ ንምቅዋም ናብ ቦለኛ

ካብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ነርወይ፣ ሆላንድ፣ ጀርመን፣ ስዊዘርላንድ ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብነፈርትን ባቡራትን ከምኡ ‘ውን ብመኻይን ማዕረ 14 ሰዓታት ተጓዒዞም፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ላምፐዱዛ ንምስዕሳዕ ዘዋደዶ ፈንጠዝያ ንምቅዋም ናብ ቦለኛ ዝኣተዉ ደለይቲ ፍትሒ፣ ብ ዓርቢ 4 ሓምለ ኣብ ፊት ‘ቲ ሕልናዊ ሕንከት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ሰዓብቱን North Park ኣብ ዝባህለ ቀጽሪ ዝገብሮ ዝነበረ ፈንጠዝያ ዓገብ ምባል ዝጀመሩዎ ተቓውሞ፣ ቀዳም ‘ውን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፣ ምስቶም ብሰንኪ ስራሕ ዓርቢ ምሽትን ቀዳም ንጉሆን ድሕሮም ዝኣተዉ ደለይቲ ፍትሒ ተደሚሮም ብዝተዓጻጸፈ ቁጽርን ድምቀትን ቀጺሎሞ ውዒሎም።

እቶም ቅኑዕነት ዕላማኦምን ሞራላዊ ልዕልናኦምን ልዑል ፍናን ዝሃቦም ደለይቲ ፍትሒ ተቓውሞኦም ምስማዕ ምስ ጀመሩ ግን፣ እቲ ብብርቱዕ መጕልሒ ድምጺ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣቓልቦ ናይቶም ክስዕስዑ ዝመጹ ሰዓብቱ ብምስሓቡ፣ ልዕሊ ኹሉ እቲ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ብቴለዥን ንዘመሓላልፎ ዝነበረ ቀጥታዊ መደብ ይጽንበሮ ስለዝነበረ፣ ተቐላጢፎም ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ስለዝተመሻጠሩ እቲ ተቓውሞ ብዘይ መጕልሒ ድምጺ ክቕጽል ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብዝለዓለ ደረጃ መምርሒ ዝተዋህቦም ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢጣልያ፣ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ መጕልሒ ድምጺ ምጥቃም ደው ከብሉ ስለዝኣዘዙ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ወጥርን ምስሓሓብን ኣትዮም።

Bologna_Demo-1እቶም ግዜን ገንዘብን ኣጥፊኦም ነዊሕ ሰዓታት ተጓዒዞም፣ ብቐንዱ ነቲ ናይ ሕልና ድምጺ ካብ ጓይላ ናይቶም ሕልና ኣልቦ ክብ ከብሉዎ ዝመጽኡ ውፉያት ዝርያ ጥልያን ንህግደፍ ኮይኑ ስለዝተሰምዖም ከኣ ሕርቃኖም ክብ ኢሉ ብኡ ንብኡ ነቶም ብሓያለ ናይ ፖሊስ መካይን ተዓጂቦም ብደገን ውሽጥን ናይቲ ቀጽሪ ዓጊቶሞም ዝጸንሑ ኢጣልያውያን ኣኽበርቲ ጸጥታ ከም ተሓባበርቲ ውልቀመላኺ ብጭርሖታት ወቒሶሞም።

እቲ ትእዛዝ ብዓቢኡ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስለዝመጸ ግን እቲ ኣብ መንጎ ወከልቲ ደለይቲ ፍትሕን እቶም ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ሓለፍቲ ጸጥታ ጥልያንን ዝተኻየደ ዘተ ፍረ ኣይሃበን። ሰልፈኛታት ነቲ ንኣጋ ምሸት መዲቦሞ ዝነበሩ ኣብ ማእከል ጎደናታት ብምምራሽ ንህዝቢ ቦለኛ ናይ ምጕስጓስ ውጥን ክሰግሩ ተገዲዶም።

Bologna_Demo-3ሰልፈኛታት ብብፖሊስ ተሰንዮም፣ ብቐንዲ ጎደናታት ቦለኛ፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘቃልዕ ንምትሕብባር መንግስቲ ጥልያን ምስቲ ምልካዊ ስርዓት ዝወቅስ ጭርሖታት እናስምዑ ንልዕሊ 6 ኪሎሜተር ነቲ መሪር ጸሓይ ተጻዊሮም ብምምራሽ ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ቦለኛ ዝርከብ ታሪኻዊ ቅርዓት፣ ፒያሳ ማጆረ በጺሖም።

ድሕሪ ናይ 2 ሰዓታት ዕረፍቲ ኸኣ፣ ኣብ ፒያሳ ማጆረ ንዝርከብ ብስርዓት ዝተዋደደ ሰፊሕ መድረኽ መሊኦም ናብቲ ሳልሳይን ናይ ምወዳእታን መደብ ምርኢትን መደረታትን ተሰጋጊሮም።

እቲ ሳልሳይ ምድረኽ፣ 100 poets for change ዝብሃሉ ጉጅለ ንዘዳለዉዋ፣ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዘላ ላምፐዱዛ” እትብል፣ ንግዳያት ላምፐዱዛ ኣመልኪታ ዝተደርሰት መጽሓፍ ብጽሙቕ ዝበለ መንገዲ ብድራማዊ መንገዲ ዘቕርብ ምርኢት እዩ ተኸፊቱ።

ካብኡ ቀጺላ፣ ወካሊት ምምሕዳር ከተማ ቦለኛ፣ ንደለይቲ ፍትሒ ናይ ደገፍ ቃል ሂባ።

ኣባላት ኣወሃሃዲት ኮሚተ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ከምኡ ‘ውን ኢጣልያውያን ኣዕሩኽ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣከታቲሎም መልእኽታት ኣመሓላሊፎም። (ንመንፈስን ሃዋህውን ናይቲ ኣጋጣሚ ብሓጺሩ ንምስትምቓር ድምጺ ኣሰና ናይ ሰኑይ 7 ሓምለ ፕሮግራም ተወከሱ)።

ካብ ቃልን ዕዉት መንፈስን ናይቶም ምረት ጸሓይን ድኻምን ከይተሰመዖም ድምጺ ውጹዕ ህዝቦም ከስምዑ ዝወዓሉ ውፉያት ደለይቲ ፍትሒ ክትግንዘቡዎ ከምእትኽእሉ እቲ ሰልፊ ንልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሰንበደ፣ ኣቓልቦ ህዝቢ ቦለኛ ዝሰሓበ፣ ልዕሊ ኹሉ ነቶም ዝተሳተፉዎን ብርሑቕ ብማዕከና ዜና ኢጣልያን ኤርትራን ዝተኸታተሉዎ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ዘሐበነን እዩ ነይሩ።

በዚ፣ ነቲ ጽዩፍ ስርዓት ኢሳይያስ፣ “ ናይ ሕልና ቮልዩም ኣጕድሉለይ” ክሳብ ዝብል ዝገበሮ ዕዉት ስራሕ’ዚ ልዕሊ ኹሉ ክሕበኑን ክምጎሱን ዘለዎም፣ እቶም ግዜኦምን ገንዘቦምን ኣወፍዮም፣ ገሊኦም ክሳብ 14 ሰዓታት ተጓዒዞም ድምጺ ውጹዓት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ሰስምዑ ዝቐነዩ ሰብ ሕልና ውፉያት ተሳተፍቲ እዮም።

Bologna_Demo_5እዚ ዓወት’ዚ፣ ብመደብ ደለይቲ ፍትሒ ዘይኮነስ ኣብ መደብ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መቓብር ግዳያት ላምፐዱዛ ክስዕስዕ ዝደፈረ ምልካዊ ስርዓት ኣቲኻ ዝተሰርሐ ክንሱ ዝተረኽበ ብምዃኑ ክንኣድ ዝግብኦ እዩ። ምስቲ ሕጽረት ግዜን ሃታሃታን ኣነጻጺርካ ክርአ ኸሎ ኣዳለውቱን ተሳተፍቱን ተወፋይነት ከምዘርኣዩ ‘ውን ኣይከሓድን። እንተኾነ፣ ዝበለጸ ውዳበን ተበላሓትነትን እንተዝነብሮ፣ እቲ ጽዩፍ መደብ ፈንጠዝያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፍጹም ንምፍሻሉ ከምዘይቅጽል ንምግባሩ ‘ውን ምኸኣለ ነይሩ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቦለኛ ተረኺቦም ድምጾም ዘስምዑ ብመንእሰያት ዝተዓበለለ ደምበ ውፉያት፣ ነቲ ብውሑዳት ኣዴታትን ቆልዑን ቆርጪጩ ዝነበረ ቀጽሪ ፈንጠዝያ ህግደፍ ኣኺሉ ተሪፉዎ ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ቦዅሮም ዘይፈልጡ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ጎዲሎም ምንባሮም ክርሳዕ የብሉን።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንዝኽሪ ላምፐዱዛ ዓሚ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ኣጋጣሚ፣ ካብቲ ናይ ተቓውሞ (Sit In) ቅርዓት ናብ ኣዳራሽ ዝገበሩዎ ሓጺር ጉዕዞ ታቤላኹም ኣውርዱዎ ባንደራኹም ኣይተልዕሉዎ ዝበሉዎም ኣኽበርቲ ጸጥታ ጥልያን፣ ኣብ ቦለኛ “መጕልሒ ድምጺ ደው ኣብሉ፣ ድምጽኹም ኣትሕቱ” ኢሎም ተመሳሳሊ ጸገም ምግባሮም ከኣ፣ ንሳቶም ተንኮል ካብ ምድጋሞም ንላዕሊ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ካብ ተመክሮና ክንመሃር ዘይምኽኣልና እዩ ዝሕብር። ኣብ ወጻኢ ሃገር ደገፍቲ ህግደፍ መጕልሒ ድምጾም ክብ ዓው ኣቢሎም ክስዕስዑ መሰል እናተዋህቦም፣ ደለይቲ ፍትሒ መጕልሒ ድምጾም ክብ ኣቢሎም ክጭድሩ መሰል ዘይምርካቦም ዘተሓሳስብ እዩ። ብሰንኪ ‘ዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ በቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቴለቭዥን ክልቲኡ ድምጽታት ናይ ምስማዕ ዕድል ሓሊፉዎ።

ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ውዕሎ ቦለኛ ተዓዊትና ኳ እንተኾና፣ ዓወትና ኣጋኒና ክንዛነ ግን ኣይግባእን። ካብ ውድቀት ዓወት ከምዝብርትዕ ኣስተብሂልና፣ ከምዚ ናይ ቦለኛ ህግደፍ ሓንሳብ ክወድቕ ከሎ፣ ንሕና ድርብ ክንዕወት ክንህንጠ እምበር ብሓንቲ ዓወት ክንዓግብ የብልናን። በዚ መንጽር ክርአ ኸሎ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ሰንከልከል እናበለ መጺኡልና ክንሱ፣ እታ ዘይትምሕር ጽፍዒት ናይ ምሃቡ ዕድል ኣምሊጡና ክንብል ንኽእል። ኣብዚ እግሪ’ዚ እቲ ክቝነን ኢሉ ናብ ቦለኛ ዝመጸ ስርዓት ኢሳይይስ ተቐምቂሙ ኣስመራ ይምለስ ኣሎ። ኣብ ቀጻሊ ክቝነን ዝመጸ ላጺና ክንሰዶ ምእንቲ ኸኣ፣ ኣቐዲምና መደቡ ብምፍላጥ ማዕረ ማዕሪኡ ንምፍሻሉ ዝረቐቐ ናይ ገዛእ ርእስና መደብ ስልትን ስኢልና ክንጽዕረሉ፣ ኣድማዒ፣ እዋናዊ፣ ፈጠራውነትን ምትዕጽጻፍን ዝተሓወሶ፣ ብቐንዱ፣ ካብቲ ግዝያውን ሃላኽን ረብሓታት ወጺእና ምስቲ ዓቢ ናይ ምውዳቕ ምልክን ምዓወት ፍትሕን ስትራተጂ ኣተኣሳሲርና ኣድማዒ ኣወዳድባን ትግባረን ከነዘውትር ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

ቦለኛ – 7 ሓምለ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • ኣርዓዶም July 8, 2014

    ኣዎሎ`ታ ኣውሎ ታ`ኣውሎ !

    ሰዶ ሰዶ
    እላ`እለ እላ`እለ እላ`እለ
    ቦለኛ ዶ ክብለኪ ቦሎኛ ቦሎኛ
    የአንጋዲት ፍትሐኛ ሓርበኛ
    የአንጋዲት ህግደፍ ዓመጸኛ
    የአንጋዲት ንበለጸኛ ተወቢኣ ሕኛ
    ኣቲ ቦሎኛ ቦሎኛ
    ፍትሒ ኣልቦ ዘይብልኪ ዳኛ።
    ላላለ`እላ እለለለለለ

  • meme July 9, 2014

    ኣቱም ሰባት ክሳብ እንታይ ንኸው ኢና ንጽበ ዘለና በጃኹም አባ መንእሰያትና ተዋሪዶም መዓስ እዩ ክመጸና እቲ ፍታሕ ኣስመራ ዘለና ከፊኡና በጃኹም ገለ ግበሩ

  • henok July 9, 2014

    Assy ajokum teray deleyti fethi kewegh qeribu alo ajokum xelmat keqntet eu hji

  • Semhar July 10, 2014

    Did you see OUR LIBERATION FLAG in HIGDEF’s camp?

    NO, NO…you can see only ISAYAS’s FLAG!

    You can only see two flags made by the tyrant Isayas!
    {Before and after Independence}

    Two flags made by Isayas,
    Belong to the tyrant ISAYAS,
    And represent the tyrant Isayas!

    The only way to victory is to untie all our nationalities, our original provinces and raise our original flag, (SEMAYAWIT BANDERANA).
    We did it in our struggle for independence and we succeeded.
    We will do it again!
    Our victory is certain!

    TIME FOR all freedom fighter Eritreans to raise only one flag,
    OUR LIBERATION FLAG!

  • Semhar July 10, 2014

    It is TIME for all Eritrean freedom fighters to raise only one flag,

    OUR LIBERATION FLAG!

    Did you see OUR LIBERATION FLAG in HIGDEF’S camp?
    NO, NO.
    You can see only ISAYAS’s FLAG!

    You can only see two flags made by the tyrant Isayas! {Before and after Independence}
    Two flags made by Isayas, belong to the tyrant ISAYAS, 
and represent the dictator Isayas and his blind followers HIGDEF!

    The only way to victory is to untie all our nationalities, our original provinces and raise our original flag, (SEMAYAWIT BANDERANA).

    We did it in our struggle for independence and we succeeded.

    We will do it again!

    Our victory is certain!

    • አማንኤል August 6, 2014

      እታ ሰማያዊት ማራ እነተ ደሊኻያ ንዝመጽ ግዜ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሕ ሰማያዊት ባንደሪ አስሪሕኻ ንቶም ሰልፈኛታት ዐድሎም: እንተዘይኮይኑ እዚኣ ሰመያዊት ጥራሕ ምባል አይግድን ዐገብን: ምስእናይ አኽብሮት!

POST A COMMENT