Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ዎርልድ ኣትላስ፡ ሓደ ክፋል ሕሰም ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ

መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ዎርልድ ኣትላስ ብ24 ሚያዝያ፡ ኤርትራ ብተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዕዮ፡ ምስ ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ከም እተሰርዐት ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ መደባት፡ ቊጠባዊ ሓርነትን ንተሳታፍነት ደቂ-

መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ዎርልድ ኣትላስ ብ24 ሚያዝያ፡ ኤርትራ ብተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዕዮ፡ ምስ ቀዳሞት 10 ሃገራት ዓለም ከም እተሰርዐት ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ መደባት፡ ቊጠባዊ ሓርነትን ንተሳታፍነት ደቂ- ኣንስትዮ ዘተባብዐን ዕድላት ዘርሓወን ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ገሊጸን። ተራ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኾነ እዋንን ዓውዲ ስራሕን ዕዙዝ ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብጻዕራምነትን ኣብ ሕብረተሰብና ብዘለወን ልዑል ኣበርክቶን፡ ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ቦታ እንተተሰርዓ’ውን ዘይግብአን ኣይኮነን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እታ ጀጋኑ ዘፍረየት ኣደ፡ እታ ክቡር ህይወታ በጃ ደቃ ትብጆ ኣደ፡ እታ ብኣፍ ጾማ፡ ጥሜትን ጽምእትን ካልኦት ዘርወየትን ዘዐንገለትን ለዋህ ኣደ፡ ክትከብር፡ ክትቀስንን ከተዕርፍን’ዩ ዝግብኣ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዝወለደቶም ደቃ ተመንጢላ፡ ብጽምዋ ተበሊዓ ወላድ መኻን ኮይና’ላ። እቲ ብዎርልድ ኣትላስ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ 82 ሚእታዊት ካብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሽቕለት ብንጥፈት ከምዝዋስኣ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ንኣይስላንድ ኣኸቲላ ታሽዓይ ተርታ ከም እትሕዝ ሓቢሩ፡፡ እዚ ጸባ ዘስትን ዘሐብንን መግለጺ፡ ብማዕዶ ንዝዕዘብን ንህሉው ኩነታት መነባብሮን መሰልን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብልክዕ ንዘይፈልጥን ንዘይግንዘብን ውልቀሰብ ወይ ትካል፡ “ዓሽ ኤርትራ፡ ዕድመ ንህግደፍ” ዘብል’ዩ።  እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻር’ቲ ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝጥቀመሉን ንመነባብሮ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዘይውክልን ዘየንጸባርቅን’ዩ። ካብቲ ብዙሕ ሓቅታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከባ ሒደት ንምጥቃስ ይከኣል።

ንጡፍ ቁጠባዊ ተሳታፍነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ውጽኢት ውሕሉል ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ዘይኮነ፡ እታ ወሊዳ ዝዘኽተመት ኣደ፡ እታ ብመውጋእትን ሕዱር ሕማምን እናተሳቀት ብስርዓት ህግደፍ ዝተረስዐት ተጋዳሊት ናብ ስደት ዘምርሐት፡ እታ ተመርዕያ ኣሚና ዝሰኣነት ኤርትራዊት፡ ኣብ ዕጹው ገዛ ንበይና ምስተረፈትን ናይ ገዛን በረኻን ሓላፍነት ኣብ ዝባና ምስ ወደቀን፡ ጠዋሪ ምስ-ስኣነትን ንነብሳን ንስድራቤታን ንምዕንጋል ለይትን መዓልትን ኣብ ቁርን ጸሓይን ኣብ ከቢድን ዝጠቅም እቶት ዘይብሉን ስራሕ ተዋፊራ ትንፋሳ ኣብ ኢዳ ጨቢጣ ትልኽ’ያ ትብል ዘላ። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዑር ጸሚደን ክሓርሳን ኣብ እዋን ቀውዒ መስአ ዓቲረን ምህርቲ ክብልጋን ክብርብራን፡ ጤለ-በጊዕ ክጠብሓ፡ መቃብር ክኹዕታን ካልእ ዘይንቡር ንጥፈታት ከካይዳ እንከለዋ፡ ምልክት ቅልውላውን ሓሰረ መከራን እምበር ማዕርነትን ምዕባለን ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋግጽ ኣይኮነን። እተን ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ዝዕመጻን ብዘይ ድሌተን ዝወልዳን፡ ኣፈን ከፊተን ሓቂ እንተዝዛረባ ብዙሕ ኣቦጉድር ስርዓት ህግደፍ ከምዝቃላዕ ርዱእ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ንከርፋሕ ናብራ ተቃሊዐን ዘለዋ፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ህይወተን ዝሓልፍ ዘሎ፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኩናት፡ ደቀንን ሰብኡተንን ዝተሰውኡን ዝተማረኹን ብህግደፍ ዝተጠልማ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ህግደፍ ሰብኡተንን ደቀንን ምስተኣስሩን ምስተቀትሉን ናብ ምልማን ዝኣተዋ፡ ኣብ ምሻጥ እንጌራን ቆሎን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ምርኣይ፡ ንቅኑዕነት ፖሊስትታት መንግስቲ ኤርትራ ድዩ ዘንጸባርቅ ዋላስ ንኣረሜንነት ስርዓት ህግደፍ’ዩ ዘቃልዕ? መልሱ ቀሊል’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ሓለፋ ክገብር ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን’ዩ። ዎርልድ ኣትላስ፡ 82 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ሽቅለት ብንጥፈት ከምዝዋስኣ ክገልጽ እንከሎ፡ ብርግጽ ሓደ ገጽ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እምበር እቲ ካልእ ዝኸፍአ ናብራ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝዳህሰሰ ኣይመለንን። እተን ብኣጻብዕ ዝቁጸራ ንመማቅርቲ ተባሂለን ብግዝያዊ ረብሓ ልሳን ህግደፍ ኮይነን “ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ልዑል ተራ ጓል ኣንስተይቲ ንምርግጋጽ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ” ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነተን መሪር ናብራ ዘሕልፋ ዘለዋ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝውክላ ኣይኮናን። ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ንሓቂ ዓቢጡ፡ ዕቤትን ምዕባለን ደቂኣንስትዮ ክብ ንምባል፡ ከምኡውን ጾታዊ ምዕሩይነት ንምርግጋጽ፡ ማሕበራውን ስነኣእምሮኣውን ሃስያ ዘለዎም ድሑራት ልምድታት ክውገዱ ስለዝግባእ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕጋጋቱ ብምስፋር ብዕቱብ ይሰርሓሉ ስለዘሎ’ዩ ዝብል መግለጺ ሽሕጣንን ቅጥፈትን’ዩ።  ስርዓት ህግደፍ ብወርቃዊ ቃላት ሕግታትን መምርሒታትን ኣብ ወረቀት ምውቃጥን ብኣፍ ምምዳርን ዝወዳደሮ የለን። ኣብ ኤርትራ ዘቁጸልጽል ሕግታት ኣብ ወረቀት ምስፋር ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ጸገም፡ ኣብ ግብሪ ዘይምትርጓም’ዩ። እንታይነት ስርዓት ህግደፍ ርሑቕ ከይከድካን ብዙሕ ከይተዛረብካን፡ እቲ ባዕሉ ዝተሸመ መራሒ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝብል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ደቂሉ ምውላዱ፡ ኣብ ኣብያተ መስተን ለይታዊ ትልሂትን ብመስተ ምስተኻእለ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን በዓልቲ ቤቱን ዝፍጽሞ ዘለፋ፡ ንዕቀትን ግህሰትን ከም መንፍዓት መንግስትን ቁጠባዊ ምዕባለን ደቂ ኣንስትዮን ዝቁጸር እንተኾይኑ ግን ይፍትሓላ።

     ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (3 ግንቦት 2017)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde May 4, 2017

    Example,my favorite niece who fought gallantly for EPLF kept on complaining of a nagging headache and visited the regime’s clinics frequently and sent back home with a diagnosis. ‘MERZENYU KENINA WESIDKI DEKSI’,so she did,and one day she did’t wake up,gone! A simple ct scan could have revealed her ailment and proper intervention would have gave her a chance at life,she slipped into a coma and passed away.Mass effect from bleeding cerebral aneurysm? may be. The fact is she was one of the veterans who was relegated to an ordinary life in her village not far from the capital to do the rigorous house chores,child rearing with a monthly income that can barely get you to an amusement park here in the USA.The stories that is coming out of that tiny recluse nation is worse than the tales of the crypt.but HGDEF is good at dressing it up by showing us pictures of a couple of women operating a forklift.

POST A COMMENT