Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስካንዲናቪያ ከተማ ስቶክሆልምን ብዕሉግን ፈላላዩ ስልቲ ተኽለ መንጉስቱን (ወዲ መንጉስቱ) ፡

እቲ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብህግደፍ ተማእኪሉ ዝግበር ፡ ብጉልባብ ህዝባውን ባህላውን ፈስቲቫል ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ብስለስተ ዓበይቲ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ተወኪሉ ሓሊፉ። ንሳቶም ድማ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ፡

እቲ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብህግደፍ ተማእኪሉ ዝግበር ፡ ብጉልባብ ህዝባውን ባህላውን ፈስቲቫል ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ብስለስተ ዓበይቲ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ተወኪሉ ሓሊፉ። ንሳቶም ድማ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ፡ ኣደመንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብን ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን እዮም። መንቀላወጢን /ዋዕሮን ሶፍያ ተስፋማርያም ድማ ከምኣመላ በቲ ጉራማይለ ቋንቋኣ ንኽትላገጽን ከተዳምቕን ተቐልቂላ ኔራ። እቶም ዕሉላት ናይ ስካንዲናቪያን ወከልቲ ፡ ንማሕበረ ኮማት ኣብ ሓሸውየ ሊል ዘብልዎ ዘሎዉ ኣቶ ዮናስ ማናን ተኽለ መንጉስቱን ነሕልቑቶም ከሐጉሱ ስዋኣ ከምዝጠዓመላ ጸማቚት ስዋ ኮይኖም ሸነን ክብሉ ቀንዮም።

ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ህግደፍ ስቶክሆልም ካብ መጀመርይኡ ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት እዩ ተኻይዱ።

  1. ኣብ ውሽጢ ኣባላት ህግደፍን ደገፍቶምን ዘይምርድዳእን ዘይምርግጋእን ከምዝነበረን።
  2. ንቅሓት ህዝብና ድማ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ህሞት ኮይኑ፡ ወከልቲ ስርዓት ህግደፍ ዓመት መጸ ዝመባጽዕዎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሰብ ደኺሙ ምዃኑ ብጋህዲ ኣብ እንዳሻህታትን አዕሩክ ኣብ ዝራከቡሉን እንዳመስተታትን ዝገልጸሉ ኩነታት እዩ ተኻይዱ።

ቅድሚ ፈስቲቫል ምጅማሩ ተኽለ መንጉስቱ ወኪል ህግደፍ ኣብ ስካንዲናቪያ ንዕሉላት ኣባላት ህግደፍ ጎዛዝዩ ማለት ኣብ ውሽጢ ኣባላት ህግደፍ ሌላን ጉለላን ብምግባር ኣተፋኒኑ ፡ ገለን ደቂ ውሻጠ ገለን ደቂ ደገ ብምግባር ኣብ ውሽጦም ዘይምትእምማን ብምፍጣር ነንሕድሕዶም ከም ዝተሓላለዉ ብምግባር ፡ ንሱ ዝመረጾም ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኤርትራ ንሓደ ሰለስተ ምሸታት ዕጹው ኣኼባ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ኣባላት ህግደፍን ማሕበረ ኮማትን ሕምትኽትኽ ኣበሎም። ብኣውራጃታት ማለት ሓማሰን ሰራየ ኣከለጉዛይ ውሒዱዎስ ኣብ ወረዳታት ከይተረፈ ብምውራድ ፈላላዩ ስልቲ ብምጥቃም ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ንገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምፍልላይ ፡ ጽዩቕ ስልቲ ይጥቀም ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ቅርዓት ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ሓቂ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ተኽለ መንጉስቱ (ወዲ መንጉስቱ) ቅድሚ ሓያሎይ ኣዋርሕ ንሓንቲ ማሕበረ ኮም ኣብ ስቶክሆልም ኣብውሽጢ ኣባላታ ኣብ ዘጋጠመ ዘይምስምማዕ ፡ ኣብክንዲ ሽግር ዝፈትሕ ፡ ፍልልያት ብምግፋሕን ኣብ ሓደ ኣኼባ ብስም ስዉኣት ፡ ኣኼባ ጠጠው ከብል ኣብ ዝሓተትዎ ፡ ምሕጽንታ ስም ስዉእት ጥሒሱ ኣኼቡኡ ቀጸለ። ብዙሓት እምበር ዶ እቲ ስዉኣትና ዝወደቕሉ ዕላማ ይርድኦ እዩ? ብስም ስዉኣት ጠጠው ክብል ብዘይምኽኣሉ ፡ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ዝፈጠሮ ዘይምትእምማን ፡ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ኣብውሽጢ ኣዳራሽ ፈስቲቫል በቶም ካብ ጀርመን ከፊሉ ዘምጽኦም ብርቱዕ ሓለዋ ምንባሩ፡ ዝሰርሕ ሰብ ከምዘይነበረን እቶም ወዲ መንጉስቱ ዘቕርቦም ኣሰለፍቲ ማለት ኣስተናገድትን ኣብ መሸጣ ተዋፊሮም ዝነበሩ ብድኻም ንድኻም ከምዝተወድኡ እቲ ስራሕ ድማ ጋሕማጥ ከምዝነበር ይፍለጥ። ወላኳ ኣማኑኤል (ወዲ ሸቃ) ከም ኣመሉ ኣብ ኣለናልኪ ወብሳይት ዝጸሓፎ ፡ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ከቀናጅዎ እንተፈተነ ኣብ ባይታ ከምኡ ኣይነበረን።

ኣማኑኤል ወዲ ሸቃ ካብ ተላዕለ ፡ ኣብ ጸብጻቡ ዘቕረቦ ሓሶታት ሰብ እንታይ ይብለኒ ከይበለ ፡ ከይሓፈረ ሕቶታት ብጉቡእ ተመሊሱ ንዝበሎ ገለ ካብቲ ሕቶታትን መልስታቱን ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ስለዘሎ ኣብ ታሕቲ ተመልከት። ተሳታፋይ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ከምቲ ናይ ኣማኑኤል ወዲ ሸቃ ዘቕረቦ ዘይምንባሩ ብዙሕ መርትዖታት ክወሃብ ይከኣል’ዩ። ሓደ ካብኡ ፡ ነባራት ተቐማጦ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ምስ ስርዓት ህግደፍ ተደናገጽቲ ዝነበሩ ኣብ’ቲ ፈስቲቫል ብብዝሒ ከምዘይነበሩን ፡ ንዓዲ ኣብ ዝመላለስሉ እዋን ኩነታት ሃገሮም ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ይኸይድ ምህላዉ ስለዝተገንዘቡ ፡ ተሳትፎኦም ኣብ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን የሕጽሩ ምህላዎም፡ ገለ ዝደፈሩ ድማ መንግስቲ ምትዕርራይ ክገብርን ንሕዝቡ ክሰምዕን ኣሎዎ ብምባል ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣልዒሎም ሕቶታት ኣብ ምሕታት በቒዖም። ዝተሓተተ ሕቶታት ድማ ይምስክሮ’ዩ። ኣብቲ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ ብዘይካ እቶም ዕሉላት ህግደፋውያንን ተኸተልቶምን ማለት ወላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ ዝመትከሎም ብቲፎዞ ዝርእዩዎ ፡ ዝበዝሑ ኣብ ናእሽቱ ከተማታት ሽወደን ዝነብሩ ፡ ጽምዋ ዝተበልዑን ናእሽቱ ቆልዑ ዘለውዎምን ምንባሮም ኩሉ ዝረኣዮ ሓቂ’ዩ።

ኣማኑኤል ወዲ ሸቃ ዘቕረቦ ቁጽሪ ተሳተፍቲ 14000 ይኸውን ዝበሎ ካብ ሓቂ መገዲ ዓመት ዝረሓቐ እዩ። እስከ ንዕኡ ደስ ክብሎ ንእመነሉ፡ በል ወዲ ሸቓ ሰራቒ መባእ ባዕሉ ይለፋለፍ ከምዝበሃል፡

  • ማሕበረ ኮማት ናይ ተንዳ ክራይ ተባሂሉ ከባቢ 15000፡00 SEK ከፊሎም ፡ ዝሽየጥ ንብረቶም ንኣዋሃሃዲት በዓላት ኣረኪቦም ፡ እቲ ኣታውታት ናብ በዓል ወዲ መንጉስቱ ኣታዊ ኮይኑ። ወላ እኳ ጽጹይ ጸብጻብ እንተዘይሃለወና ፡ ህዝብና ሓሻሺ ስለዝኾነ ፡ በቲ ዝኣተወ ዝርካቡ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝኣቱ ንምግማቱ ኣየጽግምን እዩ።
  • ናይ መእተዊ ጥራይ 14000 x 400 SEK = 5,600,000:00 SEK እንተኮይኑ፡

ኣብዚ ፈስቲቫል ዝኣተወ ገንዘብ ኣበይ ክኣቱ እዩ? ብስም ባህልን ማሕበረ ኮማትን ስለዝዳሎ፡ ማሕበረ ኮማት እንታይ ክምቀላ እየን? ኣብዚ 15 ዓመታት ዝኣተወ ገንዘብ ኣብምንታይ ውዒሉ? ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብመላእ ዓለም ኣብዝተሰደደሉ ፡ ቤተክርስቲያን ዘይብሉ ፡ ባዕሉ ዝውንኖ መኣከቢ ኣዳራሽ ዘይብሉ ፡ መስጊድ ዘይብሉ ተሪፉ ዘሎ ፡ ማሕፉዳ ህግደፍን ናይ ውሑዳት ተበለጽትን ጁባ ይመልእ ከምዘሎ ዘዘራርብ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ኣማኑኤል ወዲ ሸቃ መልሲ ይህልወካ ዶ ይኸውን?

ኣካየድቲ ማሕበረ ኮማት ሕተቱ! ሕተቱ!

ብኻልእ ወገን ድማ መንግስቲ ህግደፍ ብድጎማ እዩ ዘካይዶ ፈቲቫላት ዝብል ተባራሪ ወረ ድማ ይንዛሕ’ዩ፡ እዚ ድማ ነቶም ሰረቕቲ ክጥዕመሎም ዝነዝሕዎ ካብ ምቁጽጻር ንኸምልጡ ምዃኑ ዝእምቱ ኣይተሳእኑን።

ግደ ሓቂ ክንዛረብ ግን ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ስቶክሆልም ፡ ዝበዝሑ ቆልዑን ስድራቤት ቆልዑን ጥራይ ምንባሮም ኩሉ ዝተዓዘቦ ኮይኑ ፡ ብግምት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 25% ዝወሓደ ሰብ እዩ ኔሩ።

ኣብ ስካንዲናቭያን ብፍላይ ፡ ኣቶ ዮናስ ማና ፡ ተኽለ መንጉስቱ ፡ ሲራክ ፡ ብርሃነ ጥላሁን ፡ ኣለም ተኽለገርግስን ቴድሮስ ጎይትኦምን ተሓተቲ ምዃኖምን ሕሳብ ኣብ ምውርራድ ብዙሕ ሽርሕታት ከምዝገብሩ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኣብዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝተገብረ ፈስቲቫላት ዝኣተወ ገንዘብ ብጉቡእ ቁጽጽር ተገሩ እንተዝኸውን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መገልገሊ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንምጥራይ ኣኺሉ ዝተርፍ ምኾነ። ውሑዳት ብዘይካ ግላዊ ጠቕሞም እንተዘይኮይኑ (ብጉልባብ ፖለቲካዊ መርገጽ) ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘይዓጦም ከለዉ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮማት ክዓብያን ክሰፍሓን ንኹሉ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ ክእክባን ክጣበቓን ኣይክእላን እየን።

ዘራግማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከምዝብሃል ፡ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ስደት ፡ (ከም ኩሎም ስደተኛታት ካልኦት ዓለታት) ብዘይ ኣፈላላይ (ተቓዋሚዶ ደጋፋይዶ ተበሃሂሉ ካብ ዝመናጨት) ባህሉን መንነቱን ዝተፈላለይ እምነቱን ዓቂቡ ፡ ከምዚ ኣብ ምዕቡል ዓለማት ዝነብርዎ ዘሎዉ ክንነበር ምተኻእለ ኔሩ። ሳላ ስደት ድማ ቤትትምህርቲ ከይከድካ ብኣካል ኣብ ምዕቡል ሕብረተሰብ ብምንባርና ፡ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ህዝብታት ተመሲሖም ዘይድረሩ ፡ ዕድል ዘይረኸቡ ፡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ምሰጎምና ኔርና ንሃገርና ድማ ናብ ምዕባለ ፡ ደሞክራሲ ፡ መሰል ደቂ ሰባት ዝኽበረሉ ጎደና ንኽትጓዓዝ ምሓገዝና ኔርና።

ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ኣብ ዘዝተኣጉደ ጓይላ ፡ ከም ዛርቲ ዝሓዘና እንሽረጥ ፡ ኣብ ጓይላ ስለዝሳዕሳዕካ ንሃገርካን ንህዝብኻን ዓቢ ኣበርክቶ ዘወፈኻ ዝመስለና ኣይውሓድናን። ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ንኤርትራ ኣንዳተመላለስና ንርእዮ ስለዘሎና ፡ ንመራሕትን ተሓተትን ክመጹ ከሎዉ ክንሓቶምን ጉቡእ መልሲ ክህቡ ክንድርኾምን እዩ ዝግባእ እምባር ፡ ጓይላ ኣቲኻ ምስዕሳዕን ምጥቓዕን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እኳ ንሃገርን ህዝብን ኣይሕግዝን እዩ። ብኣንጻሩ ፡ መብራህቲ ብዘይምህላዉ ፡ መነባብሮ ህዝቢ ዓመት መጸ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍኤ ኩነታት ምምርሑ ፡ (ኣብነት ናቕፋ ምስ ናይ ዓለም ባጤራ ተወዳዲራ ዋጋ ዘይብላ ምትራፋ) ፡ ኤርትራዊ ሃገሩ ገዲፉ ንስደት ምምርሑ (ድራር ዓሳን መጻወቲ በደዊን ምዃኑ) ፡ ብኣሽሓት ናብ ጸላኢትና እንብላ ኢትዮጵያ ምውሓዙ ፡ ተሓጒስናልኩም ኣሎና ዘስምዕ እዩ። ኣብ ስደት እትነብሩ ቀዲምኩም ዝወጻእኩም ኩኑ ድሒርኩም ፡ ኣብ ኤርትራ ኣሕዋት ወይ ኣሓት እንተኔሮምኩም ብዘይ ሓገዝኩም ከምዘይወጹ ባዕሉኩም ስለእትፈልጥዎ ሓሶት ከምዘይትብሉ ርግጽ’ዩ። እቶም ኣብ ዝተፈላለይ ዓመታት ማለት ኣብ ዘዝተረደኣኩም እዋን ናብ ምሕታት ዘብቐዓም በዚ ኣጋጣሚ ጉቡእኩም ጌርኩም ንብለኩም።

ካብ’ቲ ሕቶታት

  1. ኣነ ቅድሚ ሰሙን ኣቢለ እየ ካብ ኤርትራ መጺአ፡ ወዲ ባጽዕ እየ ድማ፡ ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ዝሕረስን ዝፈርን ነገራት የለን፡ ካብ ባሕሪ ማለት ዓሳ ገፊፉ እዩ እቲ ህዝቢ ዝነብር፡ ን 7 ዓመታት ዝኣክል ባሕሪ ተዓጽዩ ፡ ዓሳ ገፊፉ ሂወቱ ንኸይመርሕ ህዝቢ ባጽዕ ተኸልኪሉ ፡ መን’ዩ እቲ ዝኽልክል ዘሎ ኢለ ኣብ ዝሓተትኩሉ ፡ እቲ መንግስቲ እዩ ዝብል መልሲ ረኺበ። ዓሳ ክገፍፍ ዝተረኽበ ሰብ ድማ ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ይእሰር ወይ ድማ ናይ መቕጻዕቲ ገንዘብ ከፊሎም ይወጹ። ስለምንታት’ዩ መንግስቲ ንህዝቢ ዘባሳብስን ዝገፍዕን ዘሎ? ዝኣቶኹሞ መብጽዓ ስለምንታይ ዘይተተግብሩዎ? በለ ሓታቲ።

መልሲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ፡ ዑስማን ድማ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ብምባል ካብ ጥዑይ ምምላስ ክሃድም ምስፈተነ፡ ነዚ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ ድኣ እንታይ ደሊካ መጺእካ ዝብል ግብረ መልሲ ካብ ሓታታይን ህዝብን ምዕዝምዛም ተራእዩ ፡ መልሲ ናይቲ ሚኒስተር ኣብቲ ህዝቢ ቁጠዐ ፈጢሩ እቲ ህዝቢ በብሓደ ክወጽእ ጀሚሩ። (ሓታቲ ፡ ወዲ ባጽዕ)

  1. ሎሚ ኣብ ሃገርና መብራህቲ የለን ፡ ህዝብና ኣብ ጸልማት ይነብር ኣሎ። ኣደታት ካብ 6 – 8 ደቀን ከፊለን ጻመአን ኣይረኸባን ። ጻዕዳ ነጸላ ገረንን ዘርጊሐንን ክልምና ይውዕላ ኣለዋ ፡ ንሕና ድማ ቦንድ ገዚእና 10 ዓመታት ኣሕሊፉ ፡ ኣይ መሬት ወሲድና ገዛ ክንሰርሕ ኣይ ስድራና ክንሕግዝ ኮንና ኣሎና ፡ እዚ ደይኮነን እቲ ሓቂ። ድፍረታን ትብዓታን ርእዩ ምሉእ ህዝቢ ደጊፍዋ።
  2.  ንሕና ንሰርሕን ንምኽትን ኣሎና ኣብዚ፡ ንሱኹም ከ ጉቡእኩምዶ ትገብሩ ኣሎኹም? ኣለም ተኽለገርግስ ተቐቢሉ ሕጂ ግዜ ይብልናን ኢሉ መሊሱ። ሓታቲት ዋላ ፍርቂ ለይቲ ይኹን ፡ እንታይ ክገብር ድዩ መጽዩ ክምልሶ ክኽእል ኣሎው በለት። (ሓታቲት ፡ ሪታ)
  3. ቅድሚ ወርሒ ኣቢለ እየ ካብ ኤርትራ መጺአ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ኣብ ዝወረድናሉ ምስ ደቀይ ሳላ ገንዘብና እኹል ዝብላዕን ዝስተን ተቐሪቡልና ፡ ካብ ባጽዕ ኣብ ዝተመለስናሉ እዋን ጽርግያታት ክሰርሑ ዝረኸብናዮም መንእሰያት ሓፈሻዊ መነባብሮኦም ሓቲትናዮም ። ነዚ ክንሓትት ዝደረኸና ምኽንታት ድማ ኣብ ገጾም ዝንበብ ዝነበረ፡ ሕሰምን መከራን ስቓይን ፡ መሰንገለታቶም ዝወጸ መንእሰያት ብምርኣይና እዩ። ሕጂ ፡ ስለምንታይ ኢኹም መንእሰያት ተሳቕዩ? ስለምንታይ እዩ ደሞዝ ዘይግበረሎም? ስለምንታይ እዩ ስድራቤቶም ክኣልዩ ዘይኽእሉ? ሓቆም እንድዮም ደኣ መሪርዎም ፡ ካብ ሃገሮም ወጽዮም ቀለብ ኣሞራ ዝኾኑ ዘሎዉ፡ እዚ ድዩ እቲ መብጽዓ? እታ መዓልቲ እቲኣ ኣነን ደቀይን ነብስና ዝጸላእናላ መዓልቲ እያ። (ሓታቲ ፡ መምህር ገብረሂወት ገብረመድህን ሰንጋል)

መልሲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ሓሳዊ ኢኻ ይብሎ። ህዝቢ ጫውጫው ይብል’ሞ። ጫውጫው ምስ በዝሔ ኣላዩ መድረኽ ዝኽሪ ስውኣት ጌሩ ክዓጽዎ እንተፈተነ እቲ ህዝቢ ግን በብሓደ ገዲፍዎ ክወጽእ ጀሚሩ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሕድሪ ስውኣትና ብቓልሲ ክኽበርዩ!

ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ንስውኣትና!

 

ካብ ፡ ደለይቲ ሰላም ኣብ ሃገርናን ስኒት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን

ሽወደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Genet August 11, 2013

    The end of the dictator is near. All the signs are there. No turning back. We have a hard work ahead of us. How to be united and get stronger is the issue now. It is for the best. Many Eritreans have been talking about the pending dooms day after the dictator is gone one way or another. I want that day to come sooner than later. To keep the dictator the way it is, is far damaging to our country than post dictator Eritrea.
    Genet

  • Tesfay Okbu August 11, 2013

    These types of questions are every where now even inside Eritrea. The regime and its inner circle members know these very well. Besides, they know they cannot solve it as long as Isaias is in power. The only thing they can say is “we are improving, we know we have got mistakes, we are new country, 22 years is not long…” these are all cover up for their ugly policies. Unless we stop them now as a people, they will leave the country in ruins. Lets wake up now. Lets not go to their money generating festivals. If we do that for only one year, the regime is up in the year after.

  • Truly Truly i say to you August 11, 2013

    In my view those inside the PFDJ festival by asking serious questions challenging are real heroes, than any one of you other oppositions shouting outside.
    I wish all oppositions enter in PFDJ festival, So that PFDJ to be dominated and those ask serious questions to be more encouraged and motivated and to ask more, and then to give hard and to give headache to PFDJ Woytos.
    But most of you wicked, instead to this point; you give more value to the amount of money PFDJ is gaining you give value; because you think if you not enter PFDJ will be poor; unknowingly you are the one who giving them access to they steal the public money. Because it is known, as far as in PFDJ nearest there is no somebody who can ask or challenge them where the money goes, all the money to be audit and to they be transparent; how you could be then surprised, if all the money be stolen? That is exactly what PFDJ want to see. Namely that you not come to their nearest; but you stay far and shout far from them.

    • sam August 12, 2013

      Truly,

      you got a point we have to phase PFDG from inside.

      Sam

  • ERITRAWIT August 12, 2013

    PFDJ is not only he brought people from Germeny we konw some went from London to work for them spy soon names will be out the sad thing is most of them are from Tigrai born in Eritrea so Eritrean we should be united at this time no Eritrean person is happy to see his people in this mess.

  • Hzbi August 12, 2013

    one brave man wasn’t there to stick Osman and his followers ! now is the time all Eritrean to fight this brutal regime. Enough is enough, silence is crime now.

  • abdu August 12, 2013

    You can fool some people some time. But; you can’t fool all the people all the time!

    Get up stand up for your right; don’t give up the fight

    preacher man ( Issiaswian )don’t tell us heaven is in Eritrea under the falls slogan.

    we know the blind issiaswian you do know the truth life in Eritrea and it’s people.

    it;s not all the Bisha gold glitering is worth to the people of Eritrean.

    the story never been told to the reality on the ground.

    so; now you can get up in the morning and start to join to your brothers freedom fighters;

    we are glad start to see the light and stand up what is right.

    Most Issiaseian think issias super natural; please look up yourself worth brothers.

    brothers don’t worship a human like yourself ; you can be better leaders.

    Brothers yourself ; your sons and doughters can be a better leaders of future Eritrea

    our life is our right!

  • kk August 12, 2013

    I doubt that they make money out of those festivals. But it give them moral expecially for those who supports them. I agree with truly truly I say to you.

  • THE HIDDEN AGENDA ? August 13, 2013

    What a shocking revelation !!!! EPLF/PFDJ uses Awraja & Religion to separate people ???
    When did this start ..Next time you will tell us that EPLF..invited TPLF ,Ethiopian force to oust an Eritrean front ,ELF ???
    No ,do not tell me this !!! I caqn not believe it !!!
    EPLF was just like mother Theresa,helping people .They had church cold THE HOLY CHURCH OF HALEWA SEWRA…
    Please I can not believe this lies …you may even add that EPLF killed it’s own disabled veterans ,at mai habar ,for asking clean bed sheets & decent food ???

    I must have been in a long dream for not realising this .

    I JUST DO NOT BELIEVE THIS LIES ABOUT OUR LIBERATORS ,NO!! NO !!!! NO !!!

  • Semhar August 18, 2013

    Important notice!
    To all Eritreans …….
    In the YouTube
    Please listen to the
    Interview With Veteran Fighter Yemane T/Gergish Part 1 to 8

POST A COMMENT