Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽልኢ ኣህነጎሃህር (ሳልሳይ ክፋል) (ብደብረ)

ከም መእተዊ ናይ ዚ ክፋል ብሳልሳይ ተፈኣትሮኣዊ ሕጊ ኒውቶን ክጅምሮ። ብዙሓት ፊዚክስ ዝተመሃርኩም ነዛ ሕጊ ኣጸቢቆም የስተማቅርዋ እዮም። ሳይንትስት ኒውቶን ኣባል ባይቶ ሃገሩ እዩ ነይሩ። ኣብ ባይቶ ብዙሕ ዘይዛረብ ተዓዛባይ ነይሩ ‘ውን ይበሃል። ኣብ ጥቃ

ከም መእተዊ ናይ ዚ ክፋል ብሳልሳይ ተፈኣትሮኣዊ ሕጊ ኒውቶን ክጅምሮ። ብዙሓት ፊዚክስ ዝተመሃርኩም ነዛ ሕጊ ኣጸቢቆም የስተማቅርዋ እዮም። ሳይንትስት ኒውቶን ኣባል ባይቶ ሃገሩ እዩ ነይሩ። ኣብ ባይቶ ብዙሕ ዘይዛረብ ተዓዛባይ ነይሩ ‘ውን ይበሃል። ኣብ ጥቃ መስኮት ከፍ ምባል የዘውትር ነይሩ። ኣባላት ባይቶ ብጉዳይ ህዝቦም ክካትዑን ክመላለሱን ምርኣይ የሐጉሶ ነይሩ ይበሃል። መንቀሊ ሓሳብ  ሳልሳይቲ ሕጊ ኒውቶን ትበሃል፡ ኣባላት ባይቶ ይገብርዎ ካብ ዝነበሩ ናይ ሓሳባት ምምልላስ ከምዘንቀሎ እዩ ዝዝረብ። እታ ሕጊ “ንዝኾነ ድርጊት (ፍጻሜ) መዓረን ኣንጻራዊን ድርጊት (ፍጻሜ) ኣለዎ”፡ እያ ትብል። ንሓደ መንደቅ ብ200 ኒውቶን (መዐቀኒ ሓይሊ ኒውቶን እዩ ዝበሃል) እንተደፊእካዮ፡ እቲ መንደቅ ከኣ ብኣንጻርካ ብ200 ኒውቶን ይደፍኣካ። ንሓደ ሰብ እንተሃሪምካዮ ንሱ ‘ውን ክሃርመካ እዩ። ሰላም እንተኢልካዮ ከኣ ሰላም ይብለካ። እንተጸሊእኻዮ ክጸልኣካ እዩ። እንተኣፍቂርካዮ ከፍቅረካ እዩ። እቲ ሕጊ ነዚ እዩ ዝምህረና። ትንኮሳ ትንኮሳን ይወልድ፡ ንሰላም ከኣ ሰላም የምጽኦ። ጽልኢ ጽልኢን ይወልድ ፍቅሪ ከኣ ንጽልኢ ይስዕሮ። ኣብመንጎ ብኡሳት ዕርቂ እንተዘየሎ ፍቕሪ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ሓንቲ ከም መተሓሳሰቢት ክብላ ዝደለኹ፡ ህዝብን መንግስትን ፈላሊና ክንርእዮም ከምዘሎና ከዘኻኽረኩም እደሊ። ብዙሓት ርክብ መንግስቲ ምስ መንግስቲ፡ መዓረ ከም ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ጌሮም ዝወስዱ ለዋሃት ኣይሰኣኑን እዮም። እቲ ሓቂ መንግስቲ ወኪል ህዝቡ ምዃኑ እንተዘይኾይኑ መንግስቲ ብዝገብርዎ ሓጥኣትን ክፍኣትን ግን ህዝቢ ብኸምኡ ክትፈርዶ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቄናን መንግስት እኮ ኣሎ። ቄናን መንግስቲ ንድልየቱ ንህርመት ልቡ ዝግዛእ፡ ንህርመት ህዝቡ ዘይሰምዕ ማለት እዩ ብናተይ ትርጓመ።  ሓደ ርእይቶ ወሃባይ ብዛዕባ ራእሲ ወልደንኬልን ንጉስ ሃጼ ዮሃንስን ጠቂሱ፡ ኢትዮጵያውያን ጠላማት ኢዮም ኢሉ ጺሒፉ። እቶም ጠላማት ዝበሃሉ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ዲዩ ወይስ እቲ ህዝቢ፧ ራእሲ ወልደንኪኤልን ንጉስ ሃጼ ዮሃንስን እኮ መንግስታት እዮም ኣብቲ ጊዜ እቲ። ርሑቅ ከይከድና ትማሊ ትማሊ ብምትፍናኖም ብዘበገስዎ ውግእ፡ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብኣልማማ ክስጎግ ከሎ ዓለም እንዳረኣዮ፡ ብደም ሓውና ንብሎ ነፍሲ ሄር መለስ፡ ኣብ መድያ ተጠሊዑ፡ “ካብ ኢትዮጵያ ዝሰጎግናዮ ኤርትራዊ ኣሎ ዶ፧ ዘበሳበስናዮ ኤርትራዊ ኣሎ ዶ፧” እንዳበለ ኣየላገጸልናን ድዩ፧ ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢሳይያስ ንዝገብሮም ክፋእ ግናይ ግብሪ ህዝቢ ኤርትራ ንስኻ፡ ንስኺ፡ ንሱ ወይ ኣነ ተሓተቲ ክንከውን ንኽእል ዶ፧ ጽልኢ ኣብ መንጎ መንግስታት እምበር ኣብ መንጎ ህዝብታት የለን ዝበልኩሉ ምኽንያት እዚ እዩ።

ዝኾነ ሰብ ብመንነቱ ክኾርዕ ኣለዎ። ኤርትራዊ ብኤርትራዊነተቱ፡ ኢትዮጵያዊ ብኢትዮጵያውነቱ ሶማላዊ ብሶማላዊነቱ፡ ክኾርዕ ኣለዎ። መንነት ሃገር ናይ ሓባር ሃብቲ እዩ። መንነትካ ክትቅይር ትኽእል ትኸውን፡ መቦቆል ምቕያር ግን ኣይትከልን። ተፈጥሮእዊ ኣቦን ኣደን ኣይቅየሩን ስለዝኾኑ። ታሪኽ ካብ መቦቆል እዩ ዝጅምር። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ራእሲ ወልደንኪኤልን ንጉስ የውሃንስን ብጥልመት ይለዓል ‘ዩ። ራእሲ ብንጉስ ሃጼ ዮሃንስ ተጠሊሙ።  ራእሲ ተዓሺዩ ኣይኮነን ከይዱ፡ እግዚሄሩ ስለዝእመነ ‘ምበር። እቲ ታሪኽ ግን ህዝቢ ንህዝቢ ጠሊምዎ ኣይብልን እዩ። መንግስቲ ንመንግስቲ ‘ምበር። ግን ከኣ ካብ ታሪኽ ኣይተመሃርናን። እቶም መታለልቲ እኮ ኣብ ኤርትራም ኣለዉ። ንኢሳይያስ ‘ውን ኣሚናዮ ኔርና። ታሪኽ መምሃሪ ደኣ ‘ምበር መደንቆሪ ኣይኮነን። ታሪኽ መንቅሒ ደኣ ‘ምበር መደንዘዚ ኣይኮነን። ታሪኽ መለበሚ ድኣ ‘ምበር መዐሸዊ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራና ግን ኣንጻራዊ ኮይኑ እዩ ዘሎ። ንበራበር!! ደቂስና ኢና ዘሎና። ራእሲ ወልደንኪኤል ስለዝኣመነ እንተተሃመለስ ንሕና ‘ውን ከምኡ ንህመል ማለት ድዩ፧

ኣብመንጎ መንግስታት ዝግበር ርክባት እንተኾይኑ ዓለምለኻዊ ህግታት ሓጹር ዘለዎ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ እዩ። ርክባት ኣብ መንጎ ህዝብታት ግን ቀሊልን ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘየድልዮን እዩ። ብዛዕባ ዝተፈጠረ ውግእን ወራርን ክንዛረብ እንተዄንና፡ ንህዝቢ ክንወቅስ ከነማርርን ኣይንኽእልን። ምኽንያት ውግእን ወራርን ምትፍናን ናይ ክሊቲኦም መንግስታት ዘምጽኦ ተርእዮ ስለዝኾነ። እዞም መንግስታት ህዝቢ ንህዝቢ ኣባኢሶሞም ‘ምበር እዞም ህዝቢ ነንሕድሕዶም ኣይተባኣሱን። ድሕሪ  እቲ ተሪርን ክፉእን ባእሲ እቲ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ከምቀደሙ ርክቡ ኣየቋረጸን። እዞም ኣህዛብ ኣብ ዝተራኸብሉ ነንሕድሕዶም ሰላም ይበሃሃሉ የዕልሉ ይስሕቁ ይተሓጋገዙ። መራሕቲ መንግስታት ዝነጸግዎ ሰላም ህዝቡ የስተማቅሮ ‘ዩ።

ከምዚ ናይ ህዝብታት ኢርትራን ኢትዮጵያን ዛዕባታት ክተልዕል ኮለኻ፡ ብዙሓት ኤርትራዊያን ብዛዕባ ምሕሳም ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ‘ዮም ዘልዕሉ። ኢትዮጵያ ምስ ጸላእቲ ኤርትራ ብሕልፊ ምስ ኣሜሪካ ተመሳጢራ ቁጠባ ኤርትራ ንኽተዳኽም ኮነ ኢላ ካልኦት ወደባት ከም ናይ ጁቡቲ፡ ፖርት ሱዳን፡ ሞምባሳ ትጥቀም ኣላ ይብሉ። ብተወሳኺ ኤርትራዊያን ካብ ሃገር ሰጊጎምን ዝራሰዩን ኢትዮጵያውያን እዮም ይብሉ። ምስ እዚኦም ከመይ ጌርና ሰላም ክንገብር ንኽእል ይብሉ፡ (እቲ ዝገርም ነገር እዞም ከምዚ ዝብሉ ኤርትራውያን፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ብጥቕኦም እንተሓሊፉ ሰላም ማለት ኣይገድፉን እዮም)።  መን ‘ዩ ተሓሳሚ፧ መን እዩ ሰጓጊ፧ እቲ ሓቂ እቶም ከምዚ ዝገበሩ እቶም ብጀጋኑ ተጋደልትና ኣብ ስልጣን ዝተኾየጡ፡ መራሕቲ ኢሂወደግ ‘ዮም ‘ምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይኮነን። ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፍ ጌሩ ንኤርትራዊያን ስጎጉልና፡ ንወደብ ዓሰብ ተሓሰሙ ኣይበለን። ኣሎ ዝብል እንተሃልዩ አግብእ ይርትዓኒ።

እዚ እዋን እዚ እኮ፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ዘገልግለሉ እዋን ድሮ ሓሊፉስ፡ እዋኑ መንግስቲ ንህዝቢ ዘገልግለሉ ዘሎ እዋን በጺሕናሉ ኣብዘለናሉ እዋን፡ ቀጨውጨው ዘብለና ዘሎ እኮ፡ ኣብ ኤርትራና ጥራይ ህዝቢ ባራዩ መንግስቲ ኢሳይያስ ኮይንና ምትራፍና ዶ ኣይኮነን፧ ንመላኺ ኢሳይያስ ካብ ስልጣኑ መንቂስና ደርቢና ሕግን ቁዋምን ኣብ ኤርትራ ከመይ ጌርካ ክንተክል ዶ ኣይኮነን ንቃለስ ደለና፧

ኣብ ወጻኢ ኣብ ርሑቅ ፍንትት ዝበላ ሃገራት (ኣመሪካን ኣውሮፓን) ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ቃልሲ ተቃውሞ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ከምዘይክእል ‘የ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓጻር ጊዜ ከስተብህል ጀሚረ። እስከ ዝግ ንበል’ሞ፡ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ እዘን ውድባት ነስተንትን። ኪዳን ዝበሃል ሓያል ውዱብ ብ15 ውድባት ከምዝቆመ ሰሚዕና ነርና። ሕጂ እቲ ኪዳን ዝበሃል ኣበይ ኣሎ? ሰሊኾም ዝኣተዉ ሕቡኣት ውዱባት ኢሳይያስ ኣፍሺሎሞ ተባሂልና። ሓቂ ይኹን ሓሶት ብሰለስተ ውድባት ተሓጺሩ ደስኪሉ ኣሎ ዝብል ወረም ሰሚዕና። ዋላ እቲ ደስኪሉ ዘሎ ‘ውን ክደሀ ኣይተሰምዐን። ሓገራዊ ባይቶም ዝብል ሓያል ውድብ ከምዘሎ ሰሚዕናን ኣንቢብናን። ክሳብ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ንኽቅንጸሉ ሓደ ተስፋ ዝህብ ኣዋጅም ኣውጺኡ ኣንቢብና። ኣብዘን ዝሓለፋ ቅሩብ ኣዋርሕ ውድባዊ ኣኼባ ክገብር እዩ ተባሂሉ ተተስፊና ኔርና። ኣኼባ ከምዝጀመረ ‘ምበር ከምወደአ ከይተደሃየ ከሲሙ። ሒጂ ደኣ እንታይ ኮይኑ ደሃዩ እንዳከሰመ ይመጽእ ኣሎ፧ ከምታ ናይ ኪዳን ሰሊኾም ዝኣተዉ ሰለይቲ ኢሳይያስ ይህልዉ ዶ ይኾኑ፧ ወይስ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝህሉ ጊዜ ስልጣን መን በሓተ ኣብ ፍጥጫ ኣትዮም፧ ኣማዕዲኻ ቃልሲ ንጎንጻዊ ለውጢ ኣብ ደመና ዘሎ ተበሃጊ ፍሬ እዩ ክኸውን። እታፍረ ተብሃጊት ለውጢ እቲ ደመና ከኣ መትሓዚ ዘይብሉ ንፋስ ብዝመርሖ ዝጎዓዝ ባእታ። ልክዕ ‘ዩ ንውሽጣዊ ተቃውሞ ወይ ንደጀን ደምበ ተቃለስቲ ተቃውሞ ኣብ ምሕጋዝ ክውዕል ይኽእል። ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ እቲ እንኮ ኣማራጺ መንጠሪ ባይታ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስትገብር ጥራይ ‘ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከሐድር ካብ ዝጅምር ቁርብ ጸኒሐ ኣለኹ። ብዙሓት ኤርትራዊያን ነዚ ጉዳይ እዚ ኣየስተብህሉሉን ኣለዉ። ብዙሓት ሽም ኢትዮጵያ ምጽዋዕ ምእንቲ ርእሱ ከም ገብንን ክሕደትን ሃገር ጌሮም ዝወስድዎ ኣይሰኣኑን። እዚ ብፍላጥ ህግደፍ ዝተገብረ ወጽመድ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዘሕዝን፡ ህዝቢ ከኣ ብቀሊሉ ኣብቲ ወጽመድ ኣትዩ ምርኣይ ‘ዩ። ህግደፍ ህዝቢ ንምትላል (ንምህማል) ኣብዚ ሰሊጥዎ እዩ።

ኢትጵያውያን ስለምንታይ ንተቃወምቲ ኤርትራ ኣብ ምቅራጽ ዘይሓገዙ ኢለ ክወቅሶም ኣይደልን እየ። ቅድም ቀዳድም ንሕና ኤርትራዊያን ንጹር ዝኾነ እቕድ (ስትራተጂ) ክህልወና ይግባእ። ተሪር ሓድነት ስለዘይብልና ብደገ ክሕግዙና ዝኽእሉ ሓይልታት ኣብ ምጥርጣር ይኣትዉ። ቅድሚ ኩሉ ክንፈልጦ ዝግበኣና ቁጽሪ ሓደ ጸላኢና መን እዩ፧ ዝብል ‘ዩ። ድሕሪኡ ሓቢርና ከይንሰርሕ ዝዕንቅፈና ነገር ምልላይ ‘ዩ። ጸገምና ኣብ ምልላይ ምስተዓወትና ፍታሕ ምርካቡ ኣይእግመናን እዩ። እዚ ክሳብ ዘይ ገበርና ሓሳር መከራና ክናዋሕ እዩ።

ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዝደልይዎ ነገር ብወግዒ ኣይዛረብሉን እዮም። ኣካይዳ መንግስቲ ኢሂወደግ መስርሕ ቃልሲ ተቃውሞ ክሳብ ኣብ ሓደ ነጥበ መቀይሮ ዝበጽሕ ዝጽበዩ ዘለዉ ይመስሉ። እቲ ከቁምዎ  ዝሓስብዎ ውዱባት ከኣ ከምዚ ናይ ብሄራት ውዱባት፡ ውዱብ ኣፋር፡ ዉዱብ ኩናማ  ዉዱብ ትግሪኛ  ይመስል።  እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕ ኣይኮነን። እዚ ተፈጻምነት ዝህልዎ ንሕና ኤርትራውያን ጉዳይ ሃገርና ባዕልና ኣንተዘይ ኣመሓዲርናያ፡ ካልኦት ኣክንዳና ከማሓዱሩልናን ክቃለሱልናን እንተገዲፍናሎምን እንተተጸቢናን ጥራይ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። ጉዳይካን ውራይካን ባዕልኻ ክትገብሮ እዩ ዘጸብቀልካ።

ብኹሉ ኩርነዓት ዓለምለኻዊ ሕግታት ክሳብ ዘይተኸበረ ሰላም ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ከተስፍን ኣሸጋሪ እዩ ዝኸውን። ብተደጋጋሚ ከምዝረአ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ብጉዳይ መሬት ባእሲ ክፍጠር ከሎ፡ ህዝቢ እቶም መንግስታት፡ መምስመንግስታቶም እዮም ዝውግኑ፡ ምኽንያት መሬት ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ ብፈትየካ ፈተኹኻ ንጎረቤትካ ኣሕልፍካ ትህቦ ስለዘይኮነ። እዚ ተርእዮ እዚ ‘ዩ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተረኣየ ሓቂ። እቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይንና ዘሎ ግን እቲ ብልዝብን ከምቲ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝገበርዎ ኣብ ቤት ፍርዲ ከድካ ክውዳእ ዝኽእል ጉዳይ ውግእ ባድመ እዚ ድዩ ነይሩ እቲ ምኽንያት፧ ዝብል እዩ።

ናይ ዛ ክፋል መዕጸዊት ሓደ ርእይቶ ወሃባይ ብዝሃበኒ ርእይቶ ክዓጹ። መንግስቲ እዩ ንህዝቢ ዝውክል እንተኢልና፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ዝርርብ ምግባሩ ዘይተርፍ ምዃኑ ክንቃወሞ ንኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። ዲፕሎማሲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እቶም መንግስታት ንስለ ሰላም ኢሎም ጸገማቶም ንክፈትሑ፡ ተባዕ ዝኾነ ስጉምቲ ንኽወስዱ ሓጋዚ ጥራይ ዘይኮነ መሰረት እቲ ርክቦም ክኸውን ይግባእ። እዚ ግን ንሰላም ደው ዝበልካ ምስትኸውንን ውሽጣዊ ጸገማትካ ኣለሊካ ክትፈትሖ ድልው ምስትኸውን ‘ዩ። ዉሑስን ዘላቂን ሰላም ካብ ውሽጣዊ ሰላም ‘ዩ ዝጅመር፡ ከምኡ ኢሉ ከኣ ናብ ጽብቅ ጉርብትና ይልሕም፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ብምኽባር፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት እድካ ከይሓወስካ፡ ቁጠባዊ ውህደትን ሓባራዊ ጸጥታን ከትዕቅብ ትኽእል። ክሊቲኦም መንግስታት ንኸምዚ ድልው ክሳብ ዘይኮኑ እቲ ምትፍናን ኣብ መንጎኦም እንተቀጺሉ፡ እቲ ስቃይ ህዝቢ ጥራይ ‘ዩ ዝናዋሕ።

(ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቅጽል)

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም

ደብረ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Abrham March 4, 2015

    kabey nabey iKa shenkolel tbl zeloKa??

POST A COMMENT