Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 2ይ ክፋል

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ 2ይ ክፋል ታሪኽ ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ታሪኽ ክንዛረብ ከለና ኩሉ ዝተተረኸ ሓቂ ዝመስለና ብዙሓት ኢና። ብፍላይ ኣብ መጻሕፍቲ ከነንብቦ ወይ ድማ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ክንሰምዖ ከለና “ሓቂ ዘይኮነ ኣይመጽእን

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ
2ይ ክፋል

ታሪኽ ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ታሪኽ ክንዛረብ ከለና ኩሉ ዝተተረኸ ሓቂ ዝመስለና ብዙሓት ኢና። ብፍላይ ኣብ መጻሕፍቲ ከነንብቦ ወይ ድማ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ክንሰምዖ ከለና “ሓቂ ዘይኮነ ኣይመጽእን ኢዩ” ኢልና ስለ እንሓስብ ግዲ ኾይኑ ብዘይ ጥርጥር ሓቂ ኢዩ ኢልና ኢና እንቕበሎ። “The broad mass of a nation will more easily fall  victim  to a big lie than to a small one.” Adolf Hitler. ሂትለር ኣብቲ Mein Kampf ዝብል መጽሓፉ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ኣሎ። “ንህዝቢ ካብ ብንእሽቶ ሓሶት ብዓቢ ሓሶት ከትእምኖ ይቐልል።” ሰባት ብባህርና ምሒር ተጠራጠርትን ምሒር ኣመንትን ኢና። ሽሕ’ኳ ምጥርጣርን ምእማንን ክልቲኡ ጽቡቕ እንተኾነ፣ ነቲ ከነረጋግጾ ዘይንኽእል እንዳኣመንና ነቲ ከነረጋግጾ እንኽእል ምጥርጣርና ግን ንባህርና ፍሉይ ይገብሮ። ንኣብነት ኣብ ህዋ 4 ቢልዮን ከዋኽብቲ ኣለዉ ኢሎምና ብዘይ ጥርጥር ኣሚንና እንዳኸድና፣ ኣብ ሲናይ ሰብ ይመውት ኣሎ ኢሎምና ንጠራጠር ግን ብዙሓት ኢና። ስለዚ ከምቲ ሂትለር ዝበሎ ብቐሊሉ ግዳይ ናይ ዓቢ ሓሶት ንኽንከውን ጸገም የብልናን።

ከም ሰባት እንታይ ባህርያዊ ጸገማት ኣለና? ብኣካባቢና ዘሎ ዘይተጨበጠ “ሓቂ” ብኸመይ ከምንጽሎን ብዓቢኡ ከኣ ስለምንታይ ኩሉ ታሪኽ ሓቂ ከምዘይኮነ ንምብራህ ሓደ ሓደ ክልሰ ሓሳባት ምጥቃስ ከድልየና ኢዩ። ስለዚ ቅድሚ ስለምንታይ ኩሉ ታሪኽ ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምዝራብ ነቶም ንታሪኽ ዘቑሙ ቃላት (Data)፣ ሓበሬታ (Information)፣ ፍልጠት (knowledge)፣ ልቦና (Wisdom) ዝበሃሉ ናይ ስርዓተ ሓበሬታ ክልሰ ሓሳባት በብሓደ ንርኣዮም።

ቃላት (Data)ቃላት ሓደ ክፋል ናይቲ ብእንግሊዝኛ ዳታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣምር ኢዩ። ስለዚ ዳታ ማለት ቃላት ጥራሕ ማለት ኣይኮነን። ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ቋንቋና ግን ንግዚኡ ነቲ ዳታ ዝብል ቃል ከም ቃላት ወሲድና ናብቲ ትሕዝትኡ ንኺድ። እዚ ክፋል እዚ ከምቲ ኩልና እንፈልጦ እቲ ዝተሓተ ክፋል ናይ ዝኾነ ቋንቋ ኮይኑ ሰባት ንነገራት ዝገልጽሉ ኢዩ። ቃላት ንበይኖም ዋላ ሓንቲ ስእሊ ወይ ትርጉም ክህቡካ ኣይክእሉን ኢዮም። ነንሕድሕዶም ተዋሃሂዶም ግን ሓደ ስሩዕ ዝኾነ መልእኽቲ ይህቡኻ። ንኣብነት ሓደ ሰብ “ውግእ” እንተደኣ ኢሉ፣ “እሂሞ ውግእ” ኢኻ ትብሎ። ምኽንያቱ ውግእ ንበይና ዋላ ሓንቲ መልእኽቲ የብላን። “ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ውግእ ወዒሉ።” እንተኢሉካ ግን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ውግእ ከምዝወዓለ ፈሊጥካ ትኸይድ ማለት ኢዩ። ስለዚ ቃላት ነንሕድሕዶም ተሓባቢሮም ነቲ ሓበሬታ (Information) እንብሎ ልዕሊ ቃላት ዘሎ ክፋል የስግሩኻ።

ሓበሬታ (Information)እዚ ክፋል እዚ ብቃላት ዝተነድቀ ኮይኑ ምሉእ ዝኾነ መልእኽቲ ይህበካ። ብሰንኪ ኣብ ትግርኛና ዘሎ ናይ ቃላት ዋሕዲ ብዙሕ ግዜ ክንረዳዳእ ስለ እንጽገም ብእንግሊዝኛ ወይ ዓረብኛ ኣሰኒኻ ምጽሓፍ ወይ ምዝራብ ልሙድ ኢዩ። ምእንቲ እዚ ጽሑፍ እቲ ዝድለ መልእኽቱ ከሕልፍ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ብእንግሊዝኛ ከሰንዮ ክፍትን ኢየ። ሓበሬታ ብቋንቋ ትግርኛ ምሕባር ወይ ድማ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ማለት ኢዩ። ስለዚ ንምርዳእ መታን ክሕግዘና ነቲ ቅኑዕ ወይ ሓቂ ጥራሕ ኢየ ሓበሬታ እንዳበልኩ ክጽውዖ። ነቲ ካልእ ዓይነት ሓበሬታ ወይ ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት ግን ብሓረግ ከሰንዮ ክፍትን ኢየ። ስለዚ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብነት “ውግእ” ቃል ካብ ኮነ፣ “ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ውግእ ውዒሉ” ከኣ ሓበሬታ ኢዩ።

ፍልጠት (knowledge) – ፍልጠት ልክዕ ከምቲ ሓበሬታ ብቃላት ዝቖመ፣ ፍልጠት ከኣ ብሓበሬታታት ይቐውም። ወዲ ሰብ ዝተኣሳሰሩ ሓበሬታታት ኣኪቡን ተረዲኡን ናይ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ (Judgement), ሪኢቶ (opinion), ወይ ድማ ትንቢት (prediction) ዝገብረሉ ኢዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ፍልጠት ሓይሊ ኢዩ እንብል። ወዲ ሰብ ኣብ ሂወቱ ብዙሕ ፍልጠት ይረክብ። ካብ ቤት ትምህርቲ፣ ካብ ወለዲ፣ ካብ ዓበይቲ፣ ካብ ኣዕሩኽትን ካልኦትን እንተላይ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮታት። ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ፍልጠት እንዳኣከበ ከኣ ኣብ ሂወቱ ሓደ ዘይንቕነቕ መረዳእታ ይሕዝ። እዚ መሰረት ዘለዎ መረዳእታ (Understanding) ከኣ ኢዩ ናብቲ ራብዓይ ልቦና እንብሎ ዘለና ክፋል ዘሰጋግሮ።

ልቦና (Wisdom) – ልቦና ልክዕ ከምቲ ሽማ ኣብ ሓንጎል ዘይኮነት እትምስራሕ ኣብ ልቢ ኢያ። ካብ ነዊሕ እዋን ብዝተዋህለለ ፍልጠትን ተመክሮን ንነገራት ብርትዓዊ (Rational) መንገዲ ምጥማት ማለት ኢዩ። ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ዘሎ ጋግ ምፍላጥ ማለት ኢዩ። ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎ ርሕቀት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ክትግምት ምኽኣል ማለት ኢዩ። ብዘለካ ውሁሉል ፍልጠት ተጠቒምካ ብፍትሓዊ መንገዲ ፍታሕ ምንዳይ ማለት ኢዩ። ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓ ሞራላዊ ሓልፍነትካ ምኽባር ማለት ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምምዛን ዓቕሚ ከተጥሪ ዕድመን ፍልጠትን የድልየካ። ንሱ ስለዝኾነ ኢዩ እምበኣር ዓበይቲ ክዓርቁኻን ክዳንዩካን ኩሉ ግዜ ዝምረጽ። ንምጥቕላል ቃላት ንሓበሬታ ይምግቡ፣ ሓበሬታ ፍልጠት ይነድቁ፣ ውህሉላት ፍልጠት ከኣ ለባም ሰብ ይፈጥሩ።

ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሓቀኛ ሓበሬታ ኢና ክንዛረብ ጸኒሕና። ሓበሬታ ግን ኩሉ ግዜ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ ብዛዕባ ሓበሬታ ቁሩብ ኣድቅቕ ኣቢልካ ምምርማር ከድልየና ኢዩ። እምበኣር ሓበሬታ ቀንዲ መጋብን ጸላውን ናይቶም ትሕቲኡ ዘለዉ ክፋላት ካብ ኮነ፣ ሓበሬታ ብምንታይ ይርከብ? መን የመሓላልፎ? ብከመይ’ከ ተቐባሊ ሓበሬታ ኣብ ሓንጎሉ ይምስርሖ (Process ይገብሮ) ካልእ ዓቢ ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ ኢዩ። ይኹን እምበር ንዕኡ ከይፈለጥካ ታሪኽ ብምንታይ ከም ዝቐውም ክፍለጥ ስለዘይከኣል ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ክንርእዮ ክንፍትን ኢና። ካብኡ ቀጺልና ከኣ ነቲ ተመራመርቲ ስርዓተ-ሓበሬታ ንሓበሬታ ዝሃብዎ ዝተፈላለየ ትርጉም ክንሪኢ ኢና።

ሓበሬታ ብኹሉ ክዛረብን ክጽሕፍን ክስእልን ክቐርጽን ዝኽእል ሰብ ይመሓላለፍ። እዚ ሓበሬታ እዚ ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ደቂ ሰባት ይዝርጋሕ። ኣብዚ ሕጂ ዘመነ-ሓበሬታ እሞ ከኣ ዳርጋ ብሓበሬታ ተኸቢብና ኢና ዘለና። ሎሚ ሓበሬታ ኣይኮነን’ዶ ብሰብ ብዝተዓለሙ እንስሳታት እውን ይመሓላለፍ ኢዩ። ኣብነት ንምጥቃስ ግን፣ ብኣፍ፣ ብረድዮ፣ ብተለቪዥን ብኢንተርነት፣ ብከልቢ… ወ.ዘ.ተ.  ስለዚ ሓበሬታ ዳርጋ ብዝኾነ ሰብን ብብዙሕ መንገድታት (Media) ዝመሓላለፍ ሓደ ስርዓት ኢዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ ዝመጽእ ብኸመይ ነዞም ሓበሬታታት እዚኣቶም ናብ ሓንጎልና ነእትዎም ኢዩ። ንርደኦም ማለተይ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ ምርዳእ ድሕሪ ሓበሬታ ናብ ሓንጎልካ ምእታዎም ስለዝመጽእ።

ወዲ ሰብ ንኣብ ከባቢኡ ዘሎ ነገራት ንምፍላጥ በቶም ሓሙሽተ ህዋሳቱ (Senses) ይጥቀም። እዞም ሓሙሽተ ህዋሳቱ እንተዘይህልዉ ኣብ ከባቢኡ እንታይ ከምዘሎ ኣይምፈለጠን። እዞም ህዋሳት እዚኣቶም ድማ ምስማዕ፣ ምርኣይ፣ ምሽታት፣ ምድህሳስ፣ ምስትምቓር ተባሂሎም ይጽውዑ። ይኹን እምበር ብዙሓት ተመራመርቲ ክሳብ ዓሰርተ ዝኾኑ ህዋሳት ወዲ ሰብ ይጠቕሱ ኢዮም። ነዚ ጽሑፍ ኣበርክቶ ስለዘይብሎም ግን ነቶም ኩልና እንፈልጦም ሓሙሽተ ህዋሳት ጥቕሞምን ዘለዎም ድሩትነትን በብሓደ ንርኣዮም።

ምርኣይ እዚ ህዋስ’ዚ እቲ ቀንዲ “ዝእመን” ዝበሃል ህዋስ ኢዩ። ምኽንያቱ ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ ዝያዳ ስለ እትኣምኖ። ግን ምርኣይን ምርዳእን ክልተ ነንበይኖም ትርጉም ዘለውም ቃላት ኢዮም። ኣብ በበይኑ ክፍሊ ኣካላትና ከኣ ኢዮም ዝምስርሑ። ስለዚ ኢና ድማ ዓይኒ ኣይኮነን ዝርኢ ልቢ ኢዩ ዝርኢ ንብል። ስለዚ ምርኣይን ምርዳእን እንታይ ኢዩ ፍልልዮም? ዓይንና፣ ክሳብ ዓይነ-ስውራን ዘይኮንና፣ ንዝኾነ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ነገር ክሪኢ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ልኡም ዝኾነ ስራሕ ኢዩ ዘለዎ። ናይ ካሜራ ዓይንን ናይ ሰብ ዓይንን ፍልልይ የብሎምን። ፍልልያቶም ኣብቲ ምርዳእ ዝብል ኢዩ ዘሎ። ካሜራ ነቲ ዝረኣየቶ ስእሊ ኣብ ሓደ መቐመጢ ቦታ ተቐምጦ። ዝተወሰነ ስእሊ ከኣ ደጋጊማ ትህበካ። ኣይትውስኽ ኣይተጉድል። ሰብ ከም ካሜራ ኣይኮነን። ነቲ ዝረኣዮ ብናቱ ይትርጉሞ፣ ይገልጾ፣ ዝያዳ ካብ ተምክርኡ ሓዊሱ ከኣ የብርሆ ወይ የበላሽዎ። እንዳ ረኣየ ከሎ በቶም ካልኦት ህዋሳቱ ጌሩ ዝረኸቦም ሓበሬታት ይጽሎ። ነቲ ዝረኣዮ’ውን ከይርድኦ ይኽእል እሞ በቲ ንሱ ይኸውን’ዩ ዝበሎ ይትርጉሞ። እምበኣር እዚ ሰብ እዚ ኢዩ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝበሃል። ስለዚ ብናይ ሓበሬታ ስነ-ፍልጠት ናይ ዓይኒ ምስክር ዝበሃል ናይቲ ኣብቲ ህሞት (incident) ዝወዓለ ሪኢቶ ወይ ሓሳብ ማለት ኢዩ። ሓቂ ማለት ኣይኮነን።

እዝንና ብ360 ዲግሪ ሓበሬታ ክእክብ እንከሎ፣ ዓይንና ግን ብ15 ዲግሪ ጥራሕ ኢዩ ርእዩ ሓበሬታ ናብ ሓንጎል ክልእኽ ዝኽእል። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ? ዓይንና ካብ 30-45 ዲግሪ እኳ ክርኢ እንተኸኣለ (እንተላይ ጎቦ ዓይኒ ማለት ኢዩ።) ነቲ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ርእዩ ናብ ሓንጎል መልእኽቲ ዘብጽሓሉ ግን 15 ዲግሪ ጥራሕ ኢዩ። ነዚኣ ንምፍታን ሓንቲ ዕዮ ገዛ ብሓባር ንውሰድ። ኣብ ሳሎን ወይ ኣብ መንበር ሓደ 4-5 ሜትሮ ሪሒቕና ኣብ ፊት ተለቪዥና ኮፍ ንበል። ነታ ተለቪዥን ኣብ ማእከላ ንርኣያ። ካብታ ተለቪዥን ሓደ ሜትሮ ንየማን ሓደ ሜትሮ ንጸጋም ዘሎ ርሕቀት ምስታ ተለቪዥን ሓዊስካ 15 ዲግሪ ኣቢሉ ኢዩ ዝኸውን። ስለዚ ካብዚ ዝበልናዮ ርሕቀት ንላዕሊ ዘሎ (ንየማን ይኹን ንጸጋም) ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ (360 – 15 = 345) 345 ዲግሪ ኢዩ ዝኣቱ። ንሓውና፣ ንዓርክና ወይ ንሰበይትና ኣብዚ ክሊ’ዚ ክኸዱ’ሞ ሓደ ምንቅስቓስ ብኢዶም ክገብሩ ሕተትዎም። ብርግጽ እንታይ ከምዝገበሩ ኣይክትፈልጡን ኢኹም። ስለዚ ወዲ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ኣብ ከባቢኡ ካብ ዘለዉ ሓበሬታታት ካብ ዝርእዮም ዘይርእዮም ኣዝዮም ይበዝሑ። ዋላ ብጎቦ እንተረኣዮም እውን ኣብ ሓንጎሉ ኣእትዩ ከመስርሖም ኣይክእልን ኢዩ።

ምድህሳስ  – እዚ ህዋስ’ዚ እቲ ካልኣይ ምናልባት ተኣማኒ ክበሃል ዝከኣል ህዋስ ኢዩ። ባዕልኻ ዳህሲስካ ሓደ ነገር እንታይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ብዙሕ ግዜ ኣይንጽገምን ኢና። ሓርፋፍን ለማጽን ኣቕሓ፣ ውዑይን ዝሑልን ማይ ምፍላይ ብዙሕ ብርቱዕ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ክህሉ ይኽእል። ንኣብነት መብዛሕተን ደቂ ኣንስትዮ ውዑይ ድስቲ ኣይዓጅበንን ኢዩ። ስለዚ “እዚ በረድ ኢዩ።” ክብላ ከለዋ፣ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ “እዚ ዳሜራ ኢዩ።” ንብል ንኽውን። ታሪኽ ኮይኑ ከናቑተና ግን ዝኽእል ኣይመስለንን።

ምሽታት እዚ ህዋስ’ዚ ልክዕ ከም ምድህሳስን ምስትምቓርን ነዚ ጽሑፍ ጸላዊ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሰባት ኣብ ምትርጓም ደኣሎም ዝፈላለዩ እምበር ናይ ምሽታት ዓቕሚ ዘይብሉ የለን። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ምጥቃስ ናይዞም ህዋሳት፣ ሰባት ብኸመይ ነቲ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ከም ዝገልጽዎ ኢዩ። እዚ ከኣ ባህርያዊ ኢዩ። ክንደይ ግዜ ኣጋጢሙኩም ኣሎ፣ ዝግኒ እንዳጨነወ ከሎ ሓምሊ ኢዩ ዝብሉ። ስለዚ ሰብ እቲ ንዕኡ ዝተሰመዖ ኢዩ ዝገልጽ። ዝተሰመዖ ስለ ዝገለጸ ግን ሓቂ ማለት ኣይኮነን።

ምስትምቓርእዚ ህዋስ’ዚ ነቲ ብኣፍና ዝኣቱ ዝስተ ይኹን ዝብላዕ ነስተማቕረሉ ኢዩ። ኩሉ ሰብ ከኣ ብመልሓሱ ጌሩ ነቶም መሰረታውያን መቐረታት የለልዮም ኢዩ። ነቶም ብመልሓሱ ዝረኸቦም ሓበሬታታት ድማ “እዚ መጺጽ ኢዩ።” “እዚ ሽኮራዊ ኢዩ።” እንዳበለ ይፈላልዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ህዋሳት ነናትና መጠን ናይ ኣገላልጻ ዘለና፣ ኣብዚ እውን ንኣሽቱ ፍልልያት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ንሕሞር ከም ቅጫ ዝበልዕዋ ሰባት ኣጋጢሞምኒ ኣለዉ። የገርም ኢዩ ሰባት ክሳብ ክንደይ ንፈላለ።

ምስማዕ እዚ ህዋስ’ዚ ልክዕ ከምቲ ንምርኣይ ተኣማኒ ዝበልናዮ ምስማዕ ከኣ እቲ ዘይእመን ህዋስ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን ዳርጋ ዝበዝሐ ፍልጠትና ብምስማዕ ኢዩ ዝመጽእ። ምንባብ ምርኣይ ኣይኮነን ምስማዕ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶ ዳርጋ መብዛሕቱ ኣብ ቅድሜኻ ዝተፈጸመ ኣይኮነን። ምርኣይ ዝኸውን ናትካ ታሪኽ ሂወት ባዕልኻ ተንብቦ እንተለኻ ጥራይ ኢዩ። ሰብ ኣብ ሂወቱ ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ሓበሬታታት ብምስማዕ ኢዩ ዝእክቦም። ከምቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ እዝኒ 360 ዲግሪ ክትሰምዕ ትኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ ብካልኦት ዝተምስረሐ ሓበሬታ ኢያ ትእክብ። ንኣብነት ሓደ ዓርከይ መጺኡ “ኣብ ሓደ ሆቴል ከይደ ከመይ ዝበለ መግቢ በሊዐ። እቲ ገዛ ርኢኻ ኣይትፈልጥን ሽትኡ ዲኻ ትብል ጽሬቱ ካልእ ነገር ኢዩ። እቶም ኣብቲ ሆቴል ዝነበሩ ኣጋይሽ ኩሉ ዕላሎም ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ኢዩ። እቲ ሳሎን’ከ! ከምዚ ርእየ ኣይፈልጥን። ልምጽምጽምጽምጽ ኢዩ ዝብል። እዛ ዓርከይ ሓደ መዓልቲ ሒዘካ ክኸይድ ኢየ።” ይብለኒ። እዚ ሰብ’ዚ ብዓይኑ ጌሩ ነቲ ሆቴልን ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ርእይዎም። ናይቲ ሆቴል ሽታ ብኣፍንጭኡ ጌሩ ሸቲትዎ። ነቲ መግቢ ብመልሓሱ ጌሩ ኣስተማቒርዎ። ነቲ ዕላል ናይ ገንዘብ ብእዝኑ ጌሩ ሰሚዕዎ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ሳሎን ብኢዱ ዳህሲስዎ። ናቱ ስእሊ ፈጢሩ ከኣ ብኣድናቖት ኣዕሊሉኒ። ብዘይካ እዝነይ ካልኦት ህዋሳተይ ነዚ ዕላል ጓኖት ኢየን። ብኸመይ ጌረ ኢየ ነዚ ዝበለኒ ሓቂ ድዩ ሓሶት ከረጋግጽ። ስለዚ ምስማዕ ቀሊልን ኣብ ኩሉ ዝርከብን እኳ እንተኾነ ንዝሰማዕካዮ ሓቂ ድዩ ሓሶት ክትመሚ ግን ቀሊል ኣይኮነን።   

ቋንቋ  – ቋንቋ ህዋስ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ሰባት ነንሕድሕዶም ዝረዳደእሉ መንገዲ (Medium) ኢዩ። ህዋሳትና ዝኣከብዎም ሓበሬታታት ክግለጹ ኣለዎም። ክጸሓፉ ኣለዎም። ብሓጺሩ ካባና ናብ ካልኦት ክሓልፉ ክኽእሉ ኣለዎም። ስለዚ ሓደ ንኹላትና ከሰማምዓና ወይ ከረዳድኣና ዝኽእል መንገዲ የድልየና። ሓደ ካብዚ መንገድታታት ከኣ ቋንቋ ኢዩ። ኩሎም ቋንቋታት ግን ሓደ ዓይነት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ የብሎምን። ገሊኦም ቋንቋታት ሰፋሕቲ ሓሳባት ክገልጹ ከለዉ ገሊኦም ግን ገለ ሕጽረታት ኣለዎም። ብመጠን ናይ ስፍሓቶም ከኣ ልክዕነት ናይ ሓሳባት ክፈላለ ግድን ኢዩ። ንኣብነት ትግርኛ በቲ ዝምድና ናይ ሰባት ናይ ምግላጽ ዓቕሙ ይነኣድ ኢዩ። ኣሞይ እንተኢልካ ሓፍቲ ኣቦኻ ምዃና ዘደናግር የብሉን። ኣብ ገለ ቋንቋታት ንሓፍቲ ኣዴኻን (ሓትነ) ሓፍቲ ኣቦኻን (ኣሞ) ሓደ ቃል ይጥቀሙ። ስለዚ ካልእ ቃላት ወሲኾም ነቲ ልክዕነቱ ይገልጽዎ። እምበኣር ቋንቋ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ኣንድሕር ደኣ ኣለዎ፣ ዓበይቲ ነገራት ከጋጥሙ ከለዉ ክሳብ ክንደይ ሰባት ክፈላለዩ ከምዝኽእሉ ምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለንን። ኣብ መጻሕፍቲ፣ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትን ታሪኻዊ መጻሕፍትን ዘሎ ናይ ኣተራጓጉማ ፍልልያት እሞ ከኣ መወዳእታ የብሉን። እዚ ከኣ ገሊኡ ናይ ኣገላልጻ ጸገም ክኸውን ከሎ ገሊኡ ግን ብቐጥታ ምስ ቋንቋ ዝተኣሳሰር ጸገማት ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢዩ ሰባት ብካልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ብፍላይ ድማ ተሓታትነት ዘለዎ ጽሑፋት ክትርጉሙ ከለዉ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮም።

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Dawit Tesfamariam June 10, 2013

    Wow that’s good start so far I like it thanx brother

  • senay June 11, 2013

    very educational article, thank you so much Tsegay for ur brilliant effort and i hope many people would read it.

  • Haki June 11, 2013

    Dear Tsegay

    May I help you with few words?

    Data in TIGRINGA SENED eyu zibhal

    Wisdom in TIGRINA TIBEB eyu zibhal

    I hope you will like these …

    • Tsegay June 11, 2013

      Thanks Haki.

    • Haddish Tewolde June 11, 2013

      selam haki,

      as far as i know,

      sennede = to document; sen(n)ed = document
      lebbeme = to be wise; lebbam = wise, libbona = wisdom

      Tbeb has to do with ‘knowledge, cleverness, sophistication ect’ as we see in Tebib = artisan, craftsman, ide Tibeb = artisanry ‘Tibebegna negaday’ (the clever merchant) and with arts in sine Tibeb and sine Tibebawi = artist, where as sine Tibeb might mean science in Amharic. my 2cents comment.

      Ato Tseggai Ghebre Hiwet, keep on the great job writing, analyzing and doing it in the language of the people.

      haddish tewolde

    • Hafash June 11, 2013

      May I also help a little bit! I don’t think you can just describe the word data in English just with one Tigrigna word. As far as I am concerned, data should be translated in Tigrigna as ekub memezenitat / me’ekenitat / melekietat (either in terms of quality or quantity). The right meaning of the word sened in Tigrigna is document in English. Otherwise, I agree with you, the word tibeb best describes the word wisdom in English. In fact,it has been said ‘Tibebe Solomon’.

      Thank you!

      • Genet June 12, 2013

        That is amazing. This shows how the Tigrna language is so rich.
        Genet

        • Hafash June 12, 2013

          Yes indeed it is rich Genet, however, unfortunately so many crucial and descriptive Tigrigna words are either completely forgotten or either on the verge to be forgotten due to the negative language influence of colonial powers starting from the Italians. It is up to us to revive those words, and pass them on to the next generation.

          • Genet June 13, 2013

            Hafash
            I agree.
            Colonial powers and occupiers usually go after any given country’s culture; that includes language. If they are allowed to do that, they can break the fabric of a society.
            Once the current worthless regime is out of the way, we will have smart Eritreans to be specialized in reviving and strengthening the rich Tigrigna Language. May be you Hafash, would be on of them.
            Genet

    • Dr Kibrab June 12, 2013

      Selam Ato Haki

      The word you are translating are from the bible and many of us do not understand the words in the bible. Tibeb = libona = wisdom but the word Tibeb is used in holly books such as Tibeb Solomon. but never is being used in day to day conversations nowadays. Most of the time we say Lebam seb, libi alewo, libona mhlaw sbuQ iyu …etc. If we say Tibebawi iyu, we mean he is craftsman not lebam. in the case of Data, I don’t think we have a word for that. Infact the easiest way we can say is words (kalat) as Tsegay has put it although data is not only words but numbers, images, words, files…etc. Sened is not the right word for data. Sened is a document, even it could be a book, books, a file or 100s of files …etc. Sened is a written evidence of some thing. But still though in the holy books they use the word Sened as a document not a data. Hope it is clear Haki.

  • Haben June 11, 2013

    Tsegay, Nice analysis.

    With the same approach I wish you can explain the difference between history and current affairs or events. How long do you have to wait to say one is history and one is not? In order for an event to be true history you have to give time for every thing to be sorted out. The rumor, the political lies and emotional innuendos must be separated. This can only be done with intense research, interviews and with the expertise of objective historians. It is imposable to write true history in Eritrea right now because of the media control and lack of freedom of expression as dictated by Issayas. You can try it from diaspora but won’t be complete without the inside scoop. Simple example, it would be next to impossible to write a true biography on President Issayas from inside the country. He must die first and once his legacy begins to speak out historians will have a chance. Or try to write the history of religions in Eritrea. The truth is there but cannot be freely and truthfully broadcasted and written inside the country.

  • Haben June 11, 2013

    It is said historians call history if the even(s) happened 25 years or more ago.

  • Hzbi June 11, 2013

    good but this is normal !! we used this in school, too you need to create about what is good history and bad history. you can not tell people that ‘ what is written is not all true’ too you have made many many mistake in your article, but i can not explain you due to because i can not use Tigrigna in my internet software.
    in addtion, i want to remind you, whether someone can trust historical or not, its up to the reader and if the reader feels that the history that he/she are reading, they can complaint to the author with evidence. Too this is not your business to say that, people should truest or not. i can not deal with your whole article any more, its a school article.

  • Bereket June 12, 2013

    ጸጋይ
    ብጣዕሚ ጽቡቕን መምሃሪን ጽሑፍ:: ክልሰ ሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ግን: ኣብቲ ዝቕጽል ጽሑፋትካ ምስ ኩነታትና (ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን) ከተታኣሳስሮ ተስፋ ይገብር:: ከም ቅድመ መጠንቀቕታ: ኣብታ እተኣሳስረላ ነጥቢ ግን: እቶም በቲ መምዘኒታትካ ዝተርፉ ሰባት: ነቐፌታ ከቕርቡልካ ስለዝኾኑ: ኣብ ትሕዝቶኻ ጽቡቕ ዝርዝርን ግሉጽን: ኣብ ኣቀራርባኻ ድማ ጽቡቕ ምድላውን ትብዓትን ከተርኢ ይጽበየካ::

    ሓውኻ በረኸት

  • semere June 12, 2013

    Good job Tsegay. That is what we want to read, Very educational and empowering. I can guess how you would like to end your article. I will recommend all youth to read this article from part one. If we don’t know this we cannot understand politics and we cannot judge whether they are with us or against us. Thanks Tsegay. Well done!

  • mebrahtu June 13, 2013

    just to make a comment after i read small part of your article,with HITLER in it, how come people BELIEVE a DODGY story and BELIEVE NOT a TRUE, get your facts or analogy right before you decided to right, cos i or the majority with the right state of mind never doubted what so ever about what is happening in SINAI may be you i don’t know REMEMBER little knowledge is dangerous, and you are still in early stage of YOUR POLITICAL NAPPY. Specially you need to be more careful when you make ANALOGY, because analogy is a JIGSAW it needs to be TAYLOR MADE OUTFIT but yours its NOT. Anyway i have only read that part of your article and please please MEASURE NOT ONLY TWICE BUT MORE & CUT ONCE. OTHERWISE a CUSTOMER with WRONGLY CUT OUT FIT wont be happy and you will be BANKRUPT

  • NIHATELATAT June 14, 2013

    NA AGAME ZETSAGAGIA MELA EU TETEQIMU NFAH BITIN DIMA AMTSIAWO.ANTAY MALETU EU? TARIKH ERITREA KEMBAHADISH NIJEMRU NAY ABAHAGOTATNA KULU GEGEA EU ZIBL ZELO.ANFETU NABEY GETSU NITGRAY TARIKH ALULA WEDI GELEMELE DU KESABELNA DELIU.KONDAF AGAME

POST A COMMENT