Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 4ይ ክፋል

ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፣ ተክኖሎጂ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ዝምድናታት ቀይርዎ ኢዩ። ተክኖሎጂ ኣብ ብዙሕ ጽላታት እኳ ዓቢ ዝላ እንተኣምጸአ ብፍላይ ንሓበሬታ ዝምልከት ግን ኣዝዩ ገፊሕ ዝኾነ ፍልልያት ኢዩ ጌሩ። ኣዋርሕ

ሓበሬታን ቴክኖሎጅን

ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፣ ተክኖሎጂ ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ዝምድናታት ቀይርዎ ኢዩ። ተክኖሎጂ ኣብ ብዙሕ ጽላታት እኳ ዓቢ ዝላ እንተኣምጸአ ብፍላይ ንሓበሬታ ዝምልከት ግን ኣዝዩ ገፊሕ ዝኾነ ፍልልያት ኢዩ ጌሩ። ኣዋርሕ ዝወስድ ዝነበረ መልእኽቲ ሎሚ ብሓንቲ ደቒቕ ይበጽሕ ኣሎ። ብፍላይ ድሕሪ 1990፣ ምስ ምቕልቃል መርበብ ሓበሬታ ሓደ ዓቢ ዝላ ኣብ ታሪኽ ፈጢሩ ኢዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ወሃቢ ሓበሬታን (Publisher) ተቐባሊ ሓበሬታን (subscriber) ዝነበረ ዝምድና መሰረታዊ ለውጢ ከምዝገብር ጌርዎ ኢዩ። ንነዊሕ ዘመናት (ምናልባት’ውን ንኣሻሓት ዓመታት) ተቐባሊ ሓበሬታ ነቲ ወሃቢ ሓበሬታ ጥራሕ ኢዩ ዝሰምዕ ኔሩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ከኣ ልኡም ዝኾነ ቦታ ሒዙ ኢዩ ተቐባሊ ሓበሬታ ጥራይ ዝኸውን ነይሩ። ምኽንያቱ ወሃብቲ ሓበሬታ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኦም ኢዮም ነቲ ትካሎም ዝተኽልዎ። ኩሉ ሰብ ከኣ ከምኡ ዓቕሚ የብሉን። ናይ ተለቪዥን፣ ጋዜጣ፣ ረድዮ ትካል ክገብሩ ዝኽእሉ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም። ንሳቶም ዝደለይዎ መልእኽቲ ጥራይ ከኣ ኢዮም ዘሕልፉ። ብቀንዱ’ውን ነቲ መልእኽቶም ከሕልፉ ኢዮም ነቲ ትካሎም ደኩነሞ። ብዘይካ ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕግታት እውን ኣለዎ። ተክኖሎጂ ወይ ከኣ እዚ ድሒሩ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝመጸ (“ናይ ሓባር ሜድያ” ንበሎ፣ Social Media ከም በዓል ፈይስ ቡክ፣ ትዊተር፣ ዩትዩብ፣ ፓልቶክ ወ.ዘ.ተ.) ነቲ ልኡምን ንጡፍን ተራ ናይ ወሃቢ ሓበሬታን ተቐባሊ ሓበሬታን ሓደ ዓይነት ተራ ከምዝህልዎ ጌርዎ ኢዩ። ሽሕ እኳ ድኻታት እንተኾንና ሎሚ ኣነን ንስኻትኩምን ተቐበልቲ ሓበሬታን ወሃብቲ ሓበሬታን ኢና። ኣነን ንስኻትኩምን ናይ ባዕልና ተለቪዥን ብሕሱር ዋጋ ክንተክል ንኽእል ኢና። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሳላ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ፣ ኩልና ወሃብትን ተቐበልትን ሓበሬታ ንምዃን በቒዕና ኢና።

ካልእ ተክኖሎጂ ዝቐየሮም ኣቀራርባ ናይ ሓበሬታታት ኣለዉ። ንነዊሕ እዋን ብጋዜጣ፣ ተለቪዥንን ረድዮን ክመሓለለፉ ዝጸንሑ ሓበሬታታት ሓደ ግዜን ምስ ከምኣቶም ካልእ ሓበሬታታት ዘይተኣሳሰሩን (Single layer reporting) ኢዮም ኔሮም። ተክኖሎጂ ነዚ ኣገባብ እዚ ቀይርዎ ኢዩ። ሕጂ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ እትረኽባ ንእሽቶ ሓበሬታ ምስ ካልእ ንዓኣ እትመስል ብካልኦት ዝቐረበት ሓበሬታ ክትረክብ ጸገም የብሉን። እዚ ዓይነት ኣገባብ ድማ ብዙሕ ድርዒ ዘለዎ (Multiple layer reporting) ሓበሬታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኣገባብ’ዚ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ዝኽእል ዝተሰነዐ ሓበሬታ ኣጉዲልዎ ኢዩ። ንኣብነት ረድዮ፣ ተለቪዥን፣ ጋዜጣ ነቲ ከመሓላልፎኦ ዝደልያ መልእኽቲ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኢየን ዘመሓላልፋ። ተንተንቲ ይሕብሩ፣ እከለ እትበሃል ማዕከን ገሊጻ፣ ዶክቶር እከለ ኣረጋጊጹ…ወ.ዘ.ተ. ዝኾነ ተቐባሊ ሓበሬታ (ሰማዒ፣ ተዓዛቢ ወይ ኣንባቢ) ነቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ኣበይ ከይዱ ክረኽቦ ከምዝኽእል ዋላ ሓንቲ ምልክት ኣይወሃብን ኢዩ ኔሩ። ስለ ዘይደለዩ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ምቹእ ሰለ ዘይኮነ እውን ኢዩ። ስለዚ ልምዳውያን መመሓላለፍቲ ሓበሬታ ነቲ ዘሕልፈኦ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ፈነወ ዝመሓላለፍ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ኢዩ ዝውዳእ። ክሳብ ባዕላቶም ዝደግሙልካ ወይ ዘይመላእካዮ ከኣ እታ መልእኽቲ ሓሊፋ ኢያ። ተክኖሎጂ ብፍላይ ከኣ ዓለማዊ መርበብ ሓበሬታ (www) ነዚ ኣገባብ’ዚ ቀይርዎ ኢዩ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ዝቐርብ ሓበሬታታት (online reporting) ግን ናይ ፍርቂ ሰዓት ጽሕፍቲ፣  ካብ ሓደ ገጽ ናብ ካልእ ዝተፈልየ ገጽ ብምኻድ (Hayperlink) እታ ሓበሬታ ብካልኦት እንታይ ከምእትበሃል፣ ብዛዕባኣ ሕሉፍ ጸብጻብ እንታይ ከም ዘሎ፣ እታ ሓበሬታ ብካልኦት ቀሪባ’ዶ? ዝብሉ ኣማኢት ሕቶታት ክትምልስ ትኽእል ኢያ። ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ድማ ነዛ መልእኽቲ ወይ ሓበሪታ ናይ ምርካባ ዕድል ኣዝዩ ገፊሕ ኢዩ። ሰለዚ ሓቂ ካብ ኣብ ተለቪዥንን ረድዮን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ዝያዳ ትርከብ። ንኣብነት እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብ731 ቃላት ዝቖመት 8 ድርዒ ዘለዋ ጽሕፍቲ ኢያ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ድማ ብ936 ቃላት ዝቖመት ሓንቲ ድርዒ ዘለዋ ጽሕፍቲ ኢያ። ስለዚ ዋላ’ኳ ክልቲአን ጽሑፋት ዳርጋ ሓደ ዓይነት ንውሓት እንተሃለወን፣ ካብታ ዳሕረወይቲ እታ ቀዳመይቲ ብዕጽፍጻፍ ዝያዳ ሓበሬታ ኣለዋ።

ብዛዕባ ታሪኽ ክዝረብ ከሎ ኩሉ ግዜ እትለዓል ብዊንስተን ቸርችል ዝተባህለት ዘረባ ኣላ። “History is written by the victors” ታሪኽ በቲ ዝሰዓረ ኢዩ ዝጸሓፍ ወይ ዝስነድ ስለዚ ሓቂ ኣይኮነን ማለት ኢዩ። ወይ ድማ እቲ ዝተሳዕረ ንኽጽሕፍ ዕድል ስለዘይወሃቦ እቲ ዝሰዓረ በቲ ንሱ ዝደልዮ ጥራይ ኢዩ ዝጽሕፎ ማለት ኢዩ። ተክኖሎጂ ኣብዚ ሕቶ’ዚ እውን ፍልልይ ጌሩ ኢዩ። ሎሚ ዝኾነ ክጽሕፍ ወይ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ ናቱ ታሪኽ ሰኒዱ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። ኣሻሓት ጥራይ ዘይኮነ ሚልዮናት ሕሉፍ ዶኩመንትታት ኣብ ጁቡኡ ሒዝዎ ክኸይድ ስለ ዝኽእል፣ ዋላ እቲ ሓበሬታ ከጥፍእ ዝደሊ ሰብ ክረኽቦ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ከተጥፍእ ኢልካ ምሕሳብ ከኣ ድኻም ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ዝሰዓረን ዝተሳዕረን ሓደ ኮይኖም ማለት ኢዩ። ዝሰዓረ ዝሰነዶ ዝተሳዕረ ከፍርሶ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እታ ንዓመታት ዝጸነሐት ብሂል እንዳራኣናያ ትፈርስ ኣላ።

ተክኖሎጂ ካልእ ምስ ታሪኽን ሓበሬታን ዝተኣሳሰር ለውጢ’ውን ጌሩ ኢዩ። እቲ ብጽሑፍ ጥራይ ዝንገር ዝነበረ ታሪኽ ሎሚ ድምጽን ሙዚቃን ተሓዊስዎ ኣብ ሰማዒ ሓደ ቀደም ዘይነበረ ስምዒት ከምዝፈጥር ጌርዎ ኢዩ። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ክርከብ ዘይከኣል ቃንዛ፣ ሻቕሎት፣ ኣውያት ናይ ግዳያት ኣጉልሒዎ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ዓለምና እንዳከፈአት ትኸይድ ዘላ ኮይኑ ዝስመዓና ምኽንያት ከኣ እዚ ኢዩ። ንኣብነት እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ኩላትና ንፈልጦ ኢና። እዚ ከኣ እቲ ጽባሕ ታሪኽ ኮይኑ ዝስነድ ኢዩ። ኣብ መጻኢ (ታሪኽ ምስ ኮነ) ነዚ ግፍዒ’ዚ ብኣካል ክፍጸም ከሎ ኣብ ቪድዮ እንተንርእዮ እንታይ ዓይነት ስምዒት ምሓደረና ዘተሓትት ኣይኮነን።  ታሪኽ ኣይኮነን’ዶ ብድምጽን ተንቀሳቓሲ ስእልን ቀሪቡ፣ ብድሩቕ ስእሊ ጥራይ እንተተሰንዩ’ኳ ዘሕልፎ መልእኽቲ ነንበይኑ ኢዩ።

ተክኖሎጂ ዝዓበየ ነገር ዝገበሮ እንተሎ ግን፣ ምንኣስ ግዝፊ ኮምፒተርን ምስኡ ዝኸዱ መሳርሕን (Hardware) ምዕባይ ዓቕሚ መትሓዝ ዶኩመንትታትን (Memory) ኢዩ። እዚ ነቲ ሰባት ገዛ ምሉእ ዝሕዝዎ ዝነበሩ ናይ መቕረጺ ኣጽዋርን ዶኩመንትታትን ኣብ ሓንቲ ኣብ ጁባ ክትኣቱ እትኽእል ኣቕሓ ከምዝቕመጥ ጌርዎ ኢዩ። ብፍላይ ተንቀሳቓሲ ተክኖሎጂ (Mobile Technology) ሓቂ ሓበሬታ ኣብ ምስናድ ፈጢርዎ ዘሎ ምዕባለ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። እቲ ንነዊሕ እዋን ብፖሊስን ናይ ጸጥታ ትካላትን ጥራይ ዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታታት ሎሚ ብዝኾነ ኣብቲ ውዕሎ ዝነበረ ሰብ ከም ዝቃላሕ ጌርዎ ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ድማ ንታሪኽ ክሓልፍ ዝኽእል ኣገደስቲ ስእልታትን ጽሑፋትን እንተላይ ብድምጺ ዝተሰነየ ጭብጥታትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጁባ ኣለዉ። ኣብ መጻኢ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ በዚ ሕጂ ዘለዎ ዶኩመንትታት ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ፣ ብዘይ ምግናን ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ኣብ ጁባኻ ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም ታሪኽ ድማ ኣብ ሳንጣኻ ክትሓዝ ይከኣል ኢዩ።

ሽሕ’ኳ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ብዙሕ ኣወንታዊ ለውጢ እንተገበረ፣ ገለ ገለ ጸገማት እውን ምስኡ ሒዙ መጺኡ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ጸገማቱ ድማ ጻዕቂ ናይ ሓበሬታ (Information Overload) ኢዩ። ወዲ ሰብ ሽሕ’ኳ ኣብ ሓደ ካልኢት ሚልዮናት ሓበሬታታት (Signals) ናይ ምእካብ ዓቕሚ እንተለዎ፣ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንጎሉ ኣእትዩ ከመስርሖም ዝኽእል ግን ኣዝዮም ውሱናት ኢዮም። እዚ ድሩትነት እዚ ድማ ሰባት ሓበሬታ ንኽመርጹ የገድዶም። ሎሚ ሰባት ኣይኮነን’ዶ ምስ 4 ቢልዮን ናይ ዓለም መርበብ-ሓበሬታት ምስ ሓንቲ መርበብ ሓበሬታ’ኳ ክስጉሙ የጸግሞም ኣሎ። ከምቲ ናይ ማሕተም ምህዞ ንሰባት ካብ ሰማዕቲ ናብ ኣንበብቲ ከምዝቕየሩ ዝገበሮም፣ ብሰንኪ እዚ ጻዕቂ ናይ ሓበሬታ ድማ ሰባት ካብ ኣንበብቲ ናብ ሰማዕቲ መሊስዎም ኣሎ። ስለዚ ሰባት ዋላ’ውን ከምብቡ እንተደለዩ ኣብ ኣዝዩ ኣዛራቢ (Controversial) ዝኾነ ኣርእስታት ወይ ድማ “ንሂወተይ ጸለውቲ ኢዮም” ኣብ ዝብልዎም ሓበሬታታት ዝያዳ ከምዝግደሱ ጌርዎም ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ መርበብ-ሓበሬታ ዓቢ ቤት-ንባብ ኢዩ። ዓቢ ቤት-ሙዚቃ ኢዩ። ዓቢ ቤት-ትምህርቲ ኢዩ። ዕድመ ንመድለይ-ሓበሬታ (Search Engines) ዝደለኻዮ ሕቶ ክትሓተሉን መልሲ ክትረኽበሉን እትኽእል ባሕሪ ዝኾነ ናይ ፍልጠት ቦታ ኢዩ። በዚ ሕቶ’ዚ መርበብ-ሓበሬታ ኣዝዩ ዝነኣድ ኣበርክቶ ኢዩ ጌሩ። ይኹን እምበር ነቲ ካብ መጻሕፍቲ ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ መሰረት ዘለዎ ትሕዝቶ ኣጉዲልዎ ኢዩ። ሰባት ኣብ ክንዲ መሰረት ዘለዎ ፍልጠት ዝድልቡ፣ ጥምዓዊ ፍልጠት ሂዞም ከምዝኸዱ ጌርዎም ኢዩ። ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ተበላሓትነት እውን ኣጥፊኡ ኢዩ። ሰባት ኣብ ክንዲ ናይ ባዕላቶም ሓሳባት ኣንቂሎም ዝመራመሩ ኣብ ናይ ካልኦት ምርምራት ከምዝምርኮሱን ከምዝቐድሑን ጌሩ ኢዩ።

ሓበሬታ ሓይሊ ኢዩ። ሓበሬታ ሃብቲ ኢዩ። ብሓበሬታ ዝጸገበ ሰብ ንቕሓቱን ፍልጠቱን ብኡ መጠን ይስጉም። ኣብ ሂወቱ ሓደ ኣድላዩ ውሳኔ ክወስድ ይሕግዞ። ኣብ ነብሱን ሃገሩን ቁጠባዊ ዕብየት ንኸመዝግብ ኣበርክቶ ይገብረሉ። ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ብማዕረ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን። ብሰንኪ ውሱንን ዘይምዕርዩን ዝርገሐ ናይ መፈነዊ ሓበሬታን ምስኡ ዝተኣሳሰር ፖለቲካዊን ቁጠባውን ማሕንቖታት፣ ህዝቢ ዓለም ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ጌርዎ ኢዩ። ተክኖሎጂ፣ ናይ ሓበሬታ ሃብታማትን ናይ ሓበሬታ ድኻታትን (Digital Divide) ፈጢሩ ኢዩ። ኣብ መንጎ ዓበይትን ንኣሽቱን፣ ኣብ መንጎ ኢንተርነት ዘለዎምን ዘይብሎምን፣ ኣብ መንጎ ዝተማህሩን ዘይተማህሩን ዝነበረ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጋግ ኣግፊሕዎ ኢዩ። ብመጠን ግፍሒ ናይዚ ጋግ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ረጽሚን ናይ ሃብቲ ፍልልይን ክፍጠር ባህርያዊ ኢዩ።

ካልእ ዓቢ ጸገም ኣብ እንግድዓ ተቀበልቲ ሓበሬታ ዝወድቕ ጾር’ውን ፈጢሩ ኢዩ። ብዙሓት ሃገራት ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክጻወራ ዘይክእላ ኣለዋ። ስለዚ ከምቲ ኣብ ካልእ ኣብ ናይ ሓበሬታ መዘርግሒ ትካላት እውን ብርቱዕ ምቁጽጻር ብምግባር ሓበሬታ ናብ ካልኦት ከይበጽሕ ይገብራ። ክሳብ ማእሰርትን ሞትን ዘብጽሕ ናይ ባዕለን ሕግታት ወይ ምፍርራሕ ስለዝገብራ ድማ፣ ሰባት መንነቶም ሓቢኦም ክጽሕፉን ክዛረቡን ይግደዱ። መንነቱ ዝሓበአ ከኣ ድላዩ ናይ ምጽሓፍ ዝምባለ ኣለዎ። ምኽንያቱ ተሓታትነት ብኡ መጠን ስለ ዝንኪ። ስለዚ ሓበሬታ ኣብ ግዚኡ ናብ ተቐባል-ሓበሬታ ንምብጻሕ በቲ ሓደ ወገን፣ ሓቅነት ናይቲ “ሓበሬታ” ኣብ ምጽራይ ድማ በቲ ካልእ ብርቱዕ ወጥሪ ኣብ ዘርጋሕቲ ሓበሬታ ፈጢሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ እንኮ ኣማራጺ እቲ ሓበሬታ ናብ እንግድዓ ተቐባል-ሓበሬታ ምድርባይ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ – ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብዕጽፍጻፍ ኣዝዩ ይዓቢ። ኣብ ምዕራብ ዓለምን ገለ ክፋል ኤስያን ድሮ ኮምፒተር ዘይፈልጥ ወይ ዘይጥቀም ሰብ ከም መሃይም ክቑጸር ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት እንታይ ዓይነት ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ንምእማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብዚ ሕቶ’ዚ ከመይ ኣላ? ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣብ ኣፍሪቃ ድሒረን ናይ ኢንተርነት ተክኖሎጂ ዘእተዋ ሃገራት ኢያ። ሶማልያ ብሰንኪ ምእኩል መንግስቲ ዘይምንባራ። ሊብያ ብሰንኪ ካልእ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኣብ ትሕቲ እገዳ ምጽናሓ። ኤርትራ ድማ ካብ ኢሳያስ ፍቓድ ብዘይምርካባ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዘርጊሑ ዘሎ (3,000 ማይል) ዝበጽሕ ናይ ፋይበር ኦፕቲክ ገመድ እውን ኤርትራ ተጠቃሚት ከይትኸውን ክሳብ ሕጂ ኢሳያስ ኣጊዱ ኣሎ። እዚ ገመድ’ዚ ኣትዩ ከምቲ ዝድለ ምሕደራ እንተተጌርሉ ኣብ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ንቕሓትን ከንህሮ ዝኽእል ብዝሒ ናይ ተጠቀምትን ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ብመሰረት Acamai Internet Ranking ኣብ ዓለም ደቡብ ኮርያ እታ ቀዳማይቲ ናይ ኢንተርነት ፍጥነት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ከላ (13,972 kbps) ኤርትራ ግን እታ ዝደንጎየ ናይ ኢንተርነት ፍጥነት ዘለዋ ጭራ ሃገር ኮይና ኣላ። (ኤርትራ 148 kbps፣ ሶማልያ 589 kbps፣ ኢትዮጵያ 638 kbps) እዚ ከኣ ብሰንኪ ናይ ገንዘብ ዓቕምን ኪኢላታትን ዘይኮነ፣ ብሰንኪናይ ኢሳያስ ድርቅና ኢዩ። ከምዚ እንድሕር ቀጺሉ ኣብ ቁጠባ ናይታ ሃገርን ምዕባለ ደቃን ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያ ንግዜ ዝግደፍ ኢዩ።

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • fithawi July 2, 2013

    Very interesting article! Thanks brother. Keep it up.
    “The more I know, the more I realized that I don’t know!”

POST A COMMENT