Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ Iይ ክፋል መእተዊ “ንኣብ ስልጣንካ ዝመጻካ ሰብ ክልተ ግዜ ቅተሎ። መጀመርታ ስግኡ ደሓር ከኣ መንፈሱ። እቲ ምንታይ ስግኡ ቀቲልካ መንፈሱ እንተደኣ ገዲፍካያ ሓደ መዓልቲ መንፈሱ ስጋ ለቢሳ ክትመጸካ ኢያ። ስለዚ ተጠንቀቕ!”

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ
Iይ ክፋል

መእተዊ

“ንኣብ ስልጣንካ ዝመጻካ ሰብ ክልተ ግዜ ቅተሎ። መጀመርታ ስግኡ ደሓር ከኣ መንፈሱ። እቲ ምንታይ ስግኡ ቀቲልካ መንፈሱ እንተደኣ ገዲፍካያ ሓደ መዓልቲ መንፈሱ ስጋ ለቢሳ ክትመጸካ ኢያ። ስለዚ ተጠንቀቕ!” እዛ ዕላማ እዚኣ ሓንቲ ካብተን ህሩፋት ስልጣን ወይ ድማ ውልቀ-መለኽቲ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝሰርዕወን ዝርዝራት ናይ ውጥናቶም ኢያ። ነዛ ዕላማ እዚኣ ንምትግባር ከኣ ሂወት ኣሻሓት ህዝቦም ክኸፍሉላ ቅጭጭ ኣይብሎምን ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዕጥቃዊ ቃልስና ይኹን ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ናጽነት፣ በቶም ብዘይካ ስልጣን ካልእ ዘይዓጅቦም ኢሳያስን ሰዓብቱን ክትግበር ተዓዚብና ኢና። ዳርጋ ኩልና፣ እቶም ዝበዛሕና ብዘይ ፍላጥ እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ከኣ ምእንቲ በለጽን ዝናን ነዛ ጸረ ምዕባለን ሓድነትን ዝኾነት ሰንካም ዕላማ ኣብ ኤርትራ እግሪ ተኺላ ከተጉላዕልዕ ኣቓልቦ ኣይሃብናያን። ብኸመይ?

ሰብ ሂወቱ ብከንቱ ክትሓልፍ ዝደሊ የለን። እንተኺኢሉ ኣብ ሕብረተ-ሰቡ ብሉጽ ታሪኽ ገዲፉ ክሓልፍ ይደሊ። ንዘመናት ብደቁን ደቂ ዓዱን፣ ብሃገሩን ዓለምን ክልዓልን ኣብነታዊ ተባሂሉ ብወለዶታት ክዝከርን ይደሊ። ምኽንያቱ ኣቢሉ ኣቢሉ ሰብ ሙማቱ ስለዘይተርፎ። ደሙ ንከንቱ ክፈስስ ኣይመርጽን። ስለዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ማሕበራዊ ክብሪ ይደሊ ማለት ኢዩ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ ክብል ከኣ ሰብ ምእንቲ ሃገሩን ዕላምኡን ኣብ ውግእ ይኣቱ። ይመውት። ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓን መጻኢ ወለዶታትን ክብል ውልዶ ዕድሚኡ ኣብ በረኻታት የሕልፍ። ክመውት ምዃኑ እንዳፈለጠ “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” ኢሉ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይኑ ክሳብ ናይ መጨረሻ ጥይት ትተርፎ ይምክት። ገንዘብ ዝገብረሉን ደቁ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጻሓሉን ብሉጽ ዕድሚኡ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓ የጥፍእ። ነዚ ከኣ ኢና ተሰዊኡ እንብሎ። ተሰዊኡ ማለት ምእንቲ ቁዱስ ዕላማን ምእንቲ ህዝብን ሂወትካን ዕድመኻን ምውፋይ ማለይ ኢዩ። ስለዚ ዝኾነት ትኹን ሃገር ምእንታኣ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኣለዉዋ። ብኦኦም ክትሕበንን ንሳቶም ዝገደፍዎ ሕድሪ ክትግብርን ንወለዶታት ዝሓልፍ ታሪኾም ክትስንድን ግቡእን መብጻዓን ኣለዋ። እዚ መብጻዓ እዚ ግን ንብምልኡ እቲ ንሳቶም ዝተሰውእሉ ህዝቢ ዝምልከት እምበር ንዝወዓሉ ወይ ድማ ንዘይወዓሉ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን።

ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራን ቅድሚኡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ዓመጽቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተቃለሱን ዝተሰዉኡን ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን። እዚኣቶም ከኣ ስዉኣት ኤርትራ ኢዮም። ብኹሉ መጻኢ ወለዶን ዘለናን ድማ ክዝከሩን “የቀንየልና” ክበሃሉን ዘለዎምን ዝግበኦኦምን ኢዮም። ኣብ ልብና ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብኣፍናን ግብርናን፣ ኣብ በዓልናን ሓዘንናን ክለዓሉን “ሳላኹም መሬትና መሊእና ንረግጽ ኣለና” ከበሃሉን ይግባእ። ታሪኾም ተሰኒዱ ከኣ ስድርኦም ኣስማቶም ረቚሖም ስድራ ጅግና ኢና ክብሉን፣ ደቖም ደቂ ጅግና ኢና ኢሎም ክዝምሩን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይግበኦም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፣ ነዚ ጽቡቕ ባህሊ’ዚ ዝኹስኩስ ስርዓት ኣይሃነጽናን። ሃገርና ሎሚ ብሓደ ቀይዲ-በተኽ ዝኾነ ዉልቀ-መላኺ ትመሓደር ኣላ። ስለዝኾነ ኢዩ ከኣ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣስመራ እቱው ምስበሉ፣ ካብ ትጽቢት ኩሉ ኣባል ህግ ወጻኢ ዝኾነ መጠንቀቕታ ዘሕለፉ። መሪሕነት ህግ ንኹላቶም ጸሓፍቲ ዝበሎም ብፍላይ ከኣ ኣባላት ክፍሊ ዜና ኣኪቡ፣ “ታሪኽ ሰውራ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ወነንቱ “ንሕና” (ህግ) ስለዝኾንና ኩሉ ሰብ ብኢደ ዋኒኑ ዝኾነ ይኹን ጽሑፍ ክጽሕፍ ወይ ታሪኽ ኢሉ ክስንድ ኣይፍቀድን።” ዝበለ። ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ “ሪቕ ሕፍንቲ” እትብል ብተኪአ በየነ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዘውረደቶ መደረጋሕ እኹል ኣብነት ይመስለኒ።

ንኹሉ ክጽሕፍ ዝኽእል ኢዱ ሒዝካ፣ ብምኽንያት “ትምህርቲ ታሪኽ” ንህጻናት፣ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ “ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ” ኢልካ ዘይጸረየ ታሪኽ ምምሃር ደኣ ምስ ምንታይ ይቑጸር። እዞም ሕጂ ካብ 20-27 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት በዚ ዘይጸረየ ታሪኽ ወይ ፕሮፖጋንዳ ዝሓለፉ ኢዮም። ኣብ ዕሸል ዕድሜኻ ሓቕን ሓሶትን ክትፈሊ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ፣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ክሳብ ክንደይ ኣብ ሂወቶም ስነ ኣእምሮኣዊ ቅርጺ (mind set) ፈጢሩ ነቲ ሓቂ ክሽፍኖ ከምዝኽእል ምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ጥራይ ዘይኮኑ ዋላ እቶም ንነዊሕ እዋን ንህዝባዊ ግንባር ንፈልጦ እውን ካብዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅርጺ’ዚ ክንወጽእ ግዜ  ወሲዱልና ኢዩ። አረ ገኢና’ስ ገና ኣይወጻናን ዘለና። ካብዚ ዝኸፍእ ገበን ከኣ የሎን። ስለዚ ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ነዚ ሰራም ፕሮፖጋንዳ ንምግታእ ዝተጻወትናዮ ተራ እንታይ ኣሎ? እንተስ ፍልጠት ውሒዱና፣ እንተስ ፈሪሕና፣ እንተስ ካልእ ናብራ ወጢጡና፣ እዚ ቀይዲ-በተኽ ዝኾነ ውልቀ-መላኺ ንኤርትራ ብምስሉ ክቐርጻ ኮፍ ኢልና ሪኢናዮ። ቀይዲ ክንገብረሉ ስለ ዘይከኣልና ከኣ ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ንግዚኡ፣ ምናልባት’ውን ንሓዋሩ፣ ንመጻኢ ወለዶ ኣብ ድንግርግር ዘእቱ  ናይ ባዕሉ ታሪኽ ሰኒዱ ኢዩ።

ሓደ ካብቲ “ዝተዓወተሎም” ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ጸሊም ነጥቢ ዝገደፈ ኩነት፣ ናይቶም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት/ህግ ተቐቲሎም ዝበሃሉ ስዉኣት ኤርትራ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ክልተ ግዜ ንኽቕተሉ ብኢሰያስን መሰልቱን ዝተፈርዱ ኢዮም። መጀመርታ ስግኦም ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተደብዩ፣ ደሓር ከኣ ብዛዕባኦም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ እንተላይ ንስድራ ቤቶም ዝኾነ ይኹን ቃል ከይለዓል ተኣውጁ። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ማሕበራዊ ቦታ (Social value) ከምዘይህልዎም ኢዩ ተገይሩ። እዞም ንዛረበሎም ዘለና ሰባት እኮ ሰባት ኢዮም። ሰባት ብሰባቱ’ውን ምእንቲ እዛ ሕጂ ንዝምረላ ዘለና ኤርትራ፣ ካብ ኢድ ባዕዳዊ በላዒ ነድሕና ኢሎም፣ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም፣ ከም ኩሉ፣ ስድርኦምን ደቆምን ገዲፎም ቅድሚ ሰብ ንበረኻ ዝወጹ ኢዮም። ኣብነት ናይቲ ኩሉ ድሕሪኦም ዝተሰለፈ ሰብ ከኣ ኢዮም ኔሮም። ንልዕሊ 40 ዓመታት ስሞም ብወግዒን ክብርን ክለዓል’ሲ ይትረፍ ንስድራ ቤቶም ከይዱ ጽንዓት ይሃብኩም ዝበለ መጋድልቶም እውን ኣይተረኽበን። ገለ ስድራ ቤታት እሞ ከኣ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝተቐትለ ወዶም/ጓሎም ከናድዩ ዘይኣተዉዎ ጉድጓድን በረኻን ቤት ጽሕፈትን ኣይነበረን። ደሃይ ደቆም ከይፈለጡ ከኣ ገሊኦም ኣሪጎም መይቶም ገሊኦም ከኣ ክሳብ ሕጂ ይጽበዩ ኣለዉ። በዚ ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ቅትለት ዝሳቐዩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣዝማዶምን ደቂ ዓዶምን ኣባላት ናይዚ ተቓሊስናልካ እንብሎ ዘለና ህዝቢ ኢዮም። ብኣታቶም ክሓሙን ደሃዮም ዝርከበሉ መንገዲ ሃሰው ክብሉን ከኣ ባህርያዊ ኢዩ። ነዚ ብልክዕ እተንጸባርቕ ብታደሰ ኪዳነ ኣብ ትሕቲ “ፍረ ሓርነታዊ ቃልሲ ብመንጽር ሓንቲ ስድራ፣ ካብ ኣማረ ክሳብ መኣዛ” እትብል ጽሕፍቲ ኣብ ኣሰና ምውካስ ይከኣል።ኣማረ ትኩእ ሓደ ካብቶም ንመላእ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ንገድሊ ዝወጹ’ሞ ግዳያት ናይዚ ሰራም ዕላማ ዝኾኑ ኢዩ። ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ተቐቲሉ ክነሱ ሃለዋቱ ንስድራ ቤቱ ኣይተነግረን።

እዚ ሰራም ስርዓት በዚ’ውን ኣየብቀዐን። ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ጥራይ ኣብ ቤት-ማእሰርቱ ዝሓቐቑ ማእለያ የብሎምን። ክንደይ ካባና ኢና ንመልክዕ ናይዞም ኣብ ማእሰርቲ ብዘይ ገበን ዝሓቁ ዘለዉ ንዝክር። እቶም ትማሊ “ምእንቲ እዛ ሓላል መሬት ተቓሊሶም” ኢልና ዘጣቃዕናሎምን ብክብሪ ዝተቐበልናዮምን ኣባላት ህግ ነበር ኣበይ ኣለዉ? እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባን ሱዳንን ተኣርዮም ኣብ ማሕቡስ ዝተዳጎኑ ኣበይ ኣለዉ? እቶም ካብ ፈቐዶ ከተማታት ብስም “ጅሃድ” ዝተመቕሑ ኣበይ ኣለዉ? ስድራ ቤቶም ኣብ ሕሱም ሽቑረራ ደቆም ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ሰሃራን ይጠፍኡ ኣለዉ። እዞም ሓርበኛታታት እዚኣቶም ካብ ገጽን ልብን ህዝቢ ንኽወጹ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርኢ ኣለና። ስግኦም ጥራይ ዘይኮነ መንፈሶም’ውን ንምጥፋእ ዘይተሓለነን ዘይተሰነደን ናይ ሓሶት ታሪኽ የለን። ነዚ ባህሪ እዚ እተንጸባርቕ ብተስፋይ ቺና ሚኒስተር ጸዓት ነበር ብዛዕባ ጉጅለ 15 ምስ ቲቪ ኤሪ ዝገበሮ ዝርርብን ብጋዜጠኛ ኢሳቅ መሓሪ ዝተነበ ጽሑፍን ምውካስ ይከኣል። ኣብዚ ቃለ መሕትት’ዚ፣ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ሰንካም ቃላት፣ ጉጅለ 15 ሃገርን ህዝብን ከም ዝከሓዱን ጠንቂ ስዕረት ሳልሳይ ወራር “ንሳቶም” ምዃኖምን ኢዩ ዝነግር።

እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ገበናት ድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15ን “ምስኣቶም ተደናጊጾም” ዝበሃሉ መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ነበርን ጋዜጠኛታትን ኢዩ ፈኸም ክብል ጀሚሩ። ብዙሓት ኣብ ደገ ዝርከቡ ጸሓፍቲ እዚ ምእሳር ናይ ጉጅለ 15 ሎሚ ዝጀመረ ዘይኮነስ ቅድሚ ናጽነት ህግ ኣብ በረኻ ከሎ ይፍጸሞ ምንባሩን፣ እዚ ናይ ቅትለት ተግባር ብኢሰያስን ሰዓብቱን ከምተፈጸመን እንዳጎለሐ መጺኡ። ብዙሕ ምስ ምሕደራ ናይ ህግ ዝተኣሳሰር ግዕዘይ ስርሓት ዳርጋ ብምልኡ ኣብ ጎደና ንምጀመርታ ግዜ ክቀላቐል ጀሚሩ። ብዙሓት ከምዚ ከማይ ዝኣመሰሉ ነቲ ንዓመታት ብዛዕባ ህግ ኣብ ኣእምሮና ቅርጺ ሒዙ ዝጸነሐ ኣተሓሳስባታት ክብረዝ ጀሚሩ። ህዝባዊ ግንባር ጽቡቕ ጥራይ ዝገበረ ውድብ ዘይኮነ ብዙሕ ግዕዘይ ተግባራት ዝሓቖፈ ውድብ ምንባሩ ዋላ ብኣባላቱ ነበር ክንጸባረቕ ተራእዩ። ይኹን እምበር ህግ ናጽነት ከምጽእ ኣብ በረኻ ዝነበረ፣ ምእንቲ ምሉእ ሓርነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ኣባላቱ ዝሰወአን ዘሰንከለን ውድብ ምንባሩ ኩልና ኤርትራውያን ብሓበን ክንዝክሮ ይግባእ። ኣይኮነን’ዶ ንሕና እቶም ሰራሕቲ ታሪኽ፣ ወዲ ካልእ ዜጋ‘ውን ዝኽሕዶ ኣይኮነን። ስለዚ ታሪኽ ህግ ይኹን ታሪኽ ካልኦት ውድባት ምስ ኩሉ ጽቡቑን ክፉኡን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንጽቡቑ ክንቅጽሎ ንሕማቑ ከኣ ከይድገም ክንማሃረሉ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንዓና ንኤርትራውያን የድልየና። ንጽቡቕ ዓው ኢልና ጽቡቕ! ክንብል፣ ንሕማቕ ካብቲ ናይ ጽቡቕ ንላዕሊ ድምጽና ዓው ኣቢልና ሕማቕ! ክንብል ከኣ ልዕሊ ኩሉ ንዓና ኢዩ ዝጠቕመና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ጽቡቕ ምዝራብ ዕላል ኢዩ ብዛዕባ ሕማቕ ምዝራብ ግን ትምህርቲ ኢዩ።

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

ትሕዝቶ ናይዚ ዝቕጽል ተኸታታሊ ኣርባዕተ ክፋላት።

ታሪኽ ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን

  1. ንታሪኽ ዘቖሙ ክፋላት (ቃላት፣ ሓበሬታ፣ ፍልጠት፣ ልቦና)
  2. ህዋሳትናን ድሩትነቶም ኣብ ምግላጽ ሓበሬታን
  3. ሰለስተ ክፋላት ሓበሬታን ኣገባብ ኣመሓላልፎኦምን
  4. ሓበሬታን/ታሪኽን ተክኖሎጂን፣ ታሪኽ እንታዩ? ሚዛናዊ ታሪኽ ብዝወዓሉ ኣይጽሓፍን ኢዩ።
  5. ተመሳሳሊ ታሪኽ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Haile Belay June 6, 2013

    Selam Aboy Keshi Mehretab,

    When we were in Mendefera, we were always talking about Dr. Berhe Habtegiorghis, Dr Gideon and Dr. Sofia how they could not see our problems. We could not go to school, we could not work to help our families and were not allowed to leave the country. Now I am one of the very few lucky people who managed to scape to Sudan and then after few years to St. Louis. When I came to the US, I am happy to hear that the Doctors were not traveling like what we used to read on Dehai when we were in Mendefera. That is very good news because probably they understood that they were wrong.

    But my problem is with the mothers in this country. They send their kids to schools but when they talk about the youth in Eritrea, they say they have to be in Eritrea to help build the country.

    Last year, I went to Chicago to visit friends and I met adey Azieb and adey Marta. I think they have been in America many years and they brought their whole family to the US. All of their brothers and sisters are here. No body is in Eritrea to help the country to develop. I was mad at this mothers but I know this country has law and could not say any thing.

    My question to Aboy Keshi Mihretab is, what do you say to this mothers? How can you help either send their kids and brothers to Eritrea to help the country develop or make them understand that the kids in Eritrea has the same needs as their family?

    After all, we all are Eritreans.

    Thank you very much
    Reply ↓

  • T.G.Yohannes June 7, 2013

    Good start. Keep it up whilst suggesting current and future citizens’ contributions and alternative strategies to get-ride of the destructive nature of the regime. As you mentioned in your statement, we, most of the Eritrean people, are not free of the mind-set of the evil seeds of the regime. I feel this is the biggest challenge awaiting us before we build a democratic country. Parallel to our struggle to save our people and our country, we will need to help each other to spit out the poisonous spell from our blood and mind.

  • sam June 7, 2013

    ” the hardest thing is changing your self not the others” Mandela

  • weygud June 7, 2013

    Tsegay, this is interesting article. Please keep on writing on our national issues. The crimes are countless. Before Independence, the systemastic killings gallant fighters in obscure places where no one can report the atrocities.what is happening now is also a continuation of those practices in a large scale. The only difference between the two timeframes is that many people are aggressive to the regime now and the technology is exposing the evil acts of the rogue regime. Indulged with ignorance and arrogance , the monster has been trying to be ultra-vires for long time.

  • Dr Berhe Ogbu June 7, 2013

    I can’t believe it! The language, the arrangement and the flow of the article are coherent. Well done Tsegay. I am so impressed not only by the content but by the way you have written. Because it is well written I finished the whole article literally in less than 5 minutes. Keep up your good writing.

  • weygud June 7, 2013

    Many high ranking fighters developed the culture of fear and submissive behavour in the field and the then boss, devised a strategy to inculcate fear in the society should any antagonistic view arises in the course of time. The first step he did was to belittle the role of civil society and created diatribe between civilians and the fighters. Then,fired innocent civilians by deploying power hunger servants like Woldeab Issac to create space for the commanders without any rehabilitation and reintegration program. After consolidating its structure, the regime misled the entire population to imagine paradise Eritrea or like Singapore.But that was hallucination and the clique had to find an excuse by ploting border war, an exit strategy. Talk diesnot cook rice..hahaha. Finally, to quell dissatisfaction, the regime has deployed agent even to the extent of nuclear family to terrorize and intimidate the entire nation. May remove the beasts from Eritrea and soothe the weeping mothers and crying children!

  • weygud June 7, 2013

    May God remove…..

  • kemal June 8, 2013

    well said, I like the flow and coherence of the idea. I thank you.

  • otherwise June 8, 2013

    Well done Tsegay. I am really impressed with your article. I remember you were one of the brilliant students in Revolution School. I can guess you are still brilliant s usual. Please continue writing all the time. I can not wait to read the second and the other parts. Once again well done.

POST A COMMENT