Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም! – ሻዱሻይ ክፋል፥

ጽባሕ ከይከልእዎም! ሻዱሻይ ክፋል፥ “እዋእ! ሓይለእዝጊ፡ ከመይ ማለትካ’ዩ? ኩነታት ሃገርካስ ብቲቪ ኤረ ጥራይ ኢኻ ትከታተሎ ማለትካ? በቃ ሕማቕን ጽቡቕን ሃገርካስ ኤሪ ቲቪ ጥራይ ኢኻ ክትነግረካ ትጽበ?” ተገምጢሉ ሓተቶ እቲ ዓርኩ። “ብምንታይ ደኣ ኪትከታተሎ ደሊኻ’ሞ? በዛ ካብ ኢትዮጵያ ትፍኖ

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ሻዱሻይ ክፋል፥

“እዋእ! ሓይለእዝጊ፡ ከመይ ማለትካ’ዩ? ኩነታት ሃገርካስ ብቲቪ ኤረ ጥራይ ኢኻ ትከታተሎ ማለትካ? በቃ ሕማቕን ጽቡቕን ሃገርካስ ኤሪ ቲቪ ጥራይ ኢኻ ክትነግረካ ትጽበ?” ተገምጢሉ ሓተቶ እቲ ዓርኩ።

“ብምንታይ ደኣ ኪትከታተሎ ደሊኻ’ሞ? በዛ ካብ ኢትዮጵያ ትፍኖ ዘላ ናይ ሃሱሳት ተለቪዥን!? ብዘይካ ሕማቕ ጽቡቕ ናይ ሃገር ይኹን ናይ ህዝቢ ዘይወጻ ተለቪዥን ደሃይ ኤርትራ!?” ኪብል ብኣቀጫጭ መለሰሉ።
“ኣንታ ሓወይ ከተዛርበና ዲኻ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ሃገረይ ኪፈልጥ እንተ ደልየስ፡ መደባት ኤሪ ቲቪ ጥራይ ዝከታተል እንተ ደኣ ኮይነ ደኣ’ሞ፡ ብዛዕባ ሃገረይ ዘይኮንኩስ ብዛዕባ ኣመሪካ’የ ክፈልጥ ማለት እኮ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ቲቪ ኤረ፡ ብዘይካ ኣሎ ዝብሃል ሕማማት ኣመሪካን ዓለምን ኣራሪኻ፡ ምፍሳስ ደም፣ ዕልቕልቕ ምድሪ፣ ባርዕ ሓዊ፡ ወዘተ. ምቅላሕ እንተዘይ ኮይኑ ካልእ ዝረአ ነገር ኣሎድዩ!? ኣብ ዓለም ብዘይካ ሕማቕ ካልእ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ነገር ከምዘየለ ንኸረድእ ሑኽ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ዲኻ ተኸታተሎ ትብለኒ ዘለኻ? ዝገርም እኮ’ዩ! ነቲ ደላዪ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራስ፡ ስቅያት ሕብረተሰብ ዓለም ዘሐጉሶ ክሳዕ ዝመስል፡ ወገሐ ጸበሐ ገግናዩ እናኣራረየ ከርኢ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ምዕባለን ዕብየትን ዘቃልሕ ዜና ህግደፍ ሰሚዕካ ትፈልጥ ዲኻ? ሙዃን ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል ኣትሒዙ፡ ጸብጻብ እምበር ዜና ወይ ሓበሬታ ሂቡ ስለ ዘይፈልጥ፡ ነዚ ንሱ ዘቕርቦ ዘሎ ወረውን ዜና ክንብሎ ቊሩብ
ከጸግም’ዩ። ዜና ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ከይቆራረጽካ፡ ከምቲ ፍጻሜኡ፡ ከም ዘለዎ ኪንገር ስለ ዘለዎ፡ እዚ ናይ ህግደፍ ነቲ ህዝቢ ኪፈልጦ ኣለዎ ጥራይ ኢሉ፡ ጨራሪሙ ዘቕርቦ ወረ ዜና’ዩ ኪትብሎ ዝከኣል ኣይመስልንን። እተን ናይ ውሽጢ ሃገር ዜና ዝበሃላውን እንተኾና፡ ዓይነ ስውራትን ጽሙማንን ከይረኣዩን ከይሰምዑን ዝፈልጡወን’የን። ብኽንደይ ሰንሱር ሓሊፈን፡ ዒላ ኲዒትና፣ ጽርግያ ሰሪሕና፣ ዲጋ ሃኒጽና ወዘተ. ዝብላ ተደጋገምቲ ቃላት’የን።” በሎ ብየማናይ ኢዱ ናብኡ ገጹ ጸግ እናኣበለ።
“እዋእ! ካልእ ዝረአ ነገርከ የለን?” ሓተተ ሓይለእዝጊ ድምጹ ክብ ኣቢሉ።
“የለን! እንታይ’ሞ ክህሉ’ዩ ካልእ ዝረአ?”
“መሊኡ! እዚ መንግስትና ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ብምኻድ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይን ቤት ትምህርትን ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝሕብር ዜናኸ? ምዕባለን ማዕርነትን ዚብሃል’ኮ እዚ’ዩ!” በሎ ኣፍልቡ ነፊሑ ሓይለእዝጊ።
“ሃሃሃኣሃኣሃሃሃ፡ ኣየ ሓይለዝጊ ዓርከይ፡ እዚ ደኣ ኣቐዲመ’ኮ ክጠቕሰልካ ጸኒሐ’የ።” ብምባል እናስሓቐ ከሎ ዓርኪ ሓይለእዝጊ፡ እተን ብጽሞና ክሰምዐኦ ዝጸንሓ ኣደይ ወጋሕታ፡ ኣብ መንጎ ብምእታው፡ “ወይለይ! ኣንታ ናይ ተለቪዞንዶ ኣምጺእኩም፡ ብኣምሆይ ዝሰማዕኩዎን ዝረኣኹዎን መስደመም ዘረባ እንዶ ግዳ ኣዘኪርኩምኒ ከለኹም ክነግረኩም፡ ርኢኹሞዶ ትኾኑ?” ብምባል ናብ ኩላትና እናጠመታ ምስ ሓተታና፡ ‘ኣይረኣናዮን እንታይ እዩ ኣደይ ወጋሕታ?’ በልኩወን’ሞ ኣነ ቅልጥፍ ኢለ፡
“እዋእ! ጉዳም’ዩ! ኣበይ ምዃኑ’ኳ ዕንድዕሉ ኣይፈለጥኩዎን። ጊን ኣብ ገለ ሓጽቢ እዩ። ኣብ ሓደ ቃላይ ሰባት ኣኪቦምሲ፡ ከመይ ገሮም ዓሳ ኣብኡ ከራብሑ ከም ዘልዎም፡ ‘ካብ ምኒስተር ሕርሻ እና’ ኢሎም ይምህርዎም ነሮም። ኣነስ ተግባራቶም ኣርሚሙኒ! ኣንታ እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ኢለ ብዛዕ…” ምስ በላ ኣደይ ወጋሕታ፡ ዓርኪ ሓይለእዝጊ ካዕካዕ ኢሉ ስለ ዝሰሓቐ፡ ንሰንውን ዘረባአን ኣቋሪጸን ፍሽኽ በላ’ሞ እተን ጨምጫማት ግን ከኣ ኩሑላት ኣዒንተን ንውሽጢ ጠሓላ።
“ይቕሬታ ኣደይ ወጋሕታ! ተግባራቶም ኣግሪሙለይ እየ ስሒቐ፡ ቀጽላ።” ብምባል ምስ ኣመልከተለን ከኣ፡
“እዋእ! እንታይ’ሞ ክቕጽለሉ’የ፡ ኣንቱም ደቀይ፡ እንተላም ያሒት ዝሕፈስ ንዳእትና ኣብ ዓውዲ ተኾሚሩ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ዘዘምቢየን እናተጻወታሉ ከለዋስ ናብ ግራት ወፊርኩም መንቀጸጾ ቀርሙዶ ይብሃል’ዩ!?” ብምባል ሽክና ርእሰን ብኣሉታ ነቕነቓ።
‘እእእ… እስከ ሓንሳብ፡ ሓንሳብ ኣይተረደኣንን ኣባሃላኽን ኣደይ ወጋሕታ፡’ ብምባል ኣነ ቅልጥፍ ኢለ ምስ ሓተትኩወን፡ እቲ ብምግራም፡ ርእሱ ንየማነ ጸጋም ኪንቕንቕ ዝጸንሐ ዓርኪ ሓይለእዝጊ ነደይ ወጋሕታ ቀዲሙ፡
“እዋእ! ኣባሃህለአን ደኣ ንጹር እንድዩ። ነቲ ብበበይኖም ዓይነት ብሉጻት ዓሳታት ዝዘቕበበ ገማግም ባሕርና፡ ጎረባብትና ካብ ርሑቕ እናመጹ፡ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ እናለቐምዎስ፡ ንሕና ኸኣ ኣብ ዲጋ ወይ ድማ ኣብ ዕቋር ቃላይ ጥዕናኡ ዘይተሓለወ ዓሳ ኣፍሪኹም ብልዑ ንበሃል ኣለና’የን ዝብላኻ ዘለዋ። ዲጋስ ጀራዲን ኣፍሊስና፡ ዕዳጋታት ሃገርና ብኣሕምልቲን ፍረታትን ከነዘቕበሉ’ምበር፡ ዓሳ ከነፋርየሉድዩ ተሰሪሑ? ተኣምር’ዩ እዚ! እየን ዝብላኻ ዘለዋ ዝሓወይ” ኢሉ ምስ ኣነጸረለይ፡ በቲ ተግባር መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ በገላልጻ ኣደይ ወጋሕታ ዝያዳ ተደነቕኩ።
“ስምዑ’ንዶ ግን ክሓተኩም? እንታይ ኴንኩም ኢኹም ዋላ ጽቡቕ ዝብሃል ነገር ዘይወጸኩም? እዚ መግስቲስ ኣኺሉዎ ኣብዛ ሃገር ምንም ነገር ይሰርሕ የለን ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?” ምስ በለና ሓይለእዝጊ ንሰለስቴና በብታራ እናጠመተ፡ ንሕናውን ኣጋጣሚ ከምዛ ዝተቛጸርና፡ ብሓደ ድምጺ፡ ‘ኣይወጸናን” በልናዮ።
“እሞ እንታይ ደኣ ትብሉ ኣለኹም?” ሓተተ ሓይለእዝጊ እንደገና።
“ምግባር ደኣ ብዙሕ ይገብር ኣሎ’ምበር! እንታይከ ዘይገበረ!” ብምባል ሽዑ ዓርኩ ሓጨጨሉ።
“እንታይ ማለትካ’ዩ?” በለ ሓይለእዝጊውን ኣበሃህላኡ እናተረደኦ።
“ማለተይሲ፡ መንግስትናስ ዘይነገረና’ምበር ዘይገበሮስ የብሉን ማለተይ እየ”
“መዓስ’ሞ ተጋጊኻ፡ እዚ ልምዓታዊ መንግስቲ’ዚ ዘይገበሮ ነገር’ኮ የብሉን! ካልእ ይትረፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከማን ወፍሪ ኢሉ ኣርባዕተ ዋዕላ ጌሩ ኣሎ። ካብታ ብቐዳማይ ‘ኣብ ኣስመራ ሕጽረት ማይ ኣጋጢሙ’ ተባሂሉ ኣብ ተለቪዥን ካብ ዝቃላሕ ንነጀው ጥራይ ከኣ እንተ ተኸታቲልኩሞ፡ ካብ ሰለሳ ዘይውሕድ ዒላታት ኲዒቱ፡ ኣብ ገጠራት ንዝነብር ህብና፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ ኣዳልዩ ከም ዘረከበ ዳርጋ መዓልታዊ ተኸታቲልኩሞ ኣለኹም ይመስለኒ?” ብምባል እንደገና ንሰልስቴና በብተራ ምስ ጠመተና፡ እቲ ዓርኩ ቅልጥፍ ኢሉ፡
“ረአ በል፡ ንሕናውን ንሱ ኢና ንብል ዘለና። እዚ መላኺ’ዚ ብኸመይ ከም ዘዐሽወኩም ካብ ተመኩሮኡ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝተማህሮ፡ እንታይ ከም ዝገብር ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ። ንሱ ኸኣ’ዩ ክሳዕ ሕጂ ዘሳስዮ ዘሎ።” ብምባል፡ ሽክና ርእሱ ንየማነ ጸጋም ምስ ነቕነቐ፡ ሓይለእዝጊ ክሳዱ ናብኡ ጠውዩ፡ ትኩር ኢሉ ጠመቶ’ሞ፡
“እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ ኣንታ? እሞ ኣይተሰርሐን! ኣይረኣኹን ዲኻ ኪትብለኒ ደሊኻ?” ብምባል፡ ብየማናይ ኢዱ ንጸጋማይ ምናቱ ዓትዒቱ እናነዝነዘ ሓተቶ።
“ኣይፋለይን። ኣይረኣኹንሲ ኣይብለካን’የ። ጽቡቕ ኣለኻ። ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብዘይምቁራጽ፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ፡ ልዕሊ ዕስራ ሰላሳ ዒላታት ከም ዝዃዓተ ብቐጻሊ ኣብ ተለቪዥን ኣርእዩና እዩ። ግን እቲ ጸገም ሓይለዝጊ ዓርከይ፡ ኣብ ማሕዩር ዘለዋ ኣዒንትን ኣብ ሓርነት ዘለዋ ኣዒንትን ዝርእይኦ፡ ሕብርን መልክዕን በበይኑ ምዃኑ’ዩ።” ምስ በሎ፡
“ከመይ ማለት?” በለ ሓይለእዝጊ ቅልጥፍ ኢሉ።
“ከመይ ማለት’ዶ፡ እተን ኣብ ማሕዩር እንዳ ዜና ኮይነን ዝጥምታ ዘለዋ ኣዒንቲ፡ መንግስቲ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ኪሰርሖ ዘይክኣለ ስራሓት፡ ኣብ ውሽጢ ዕስራ መዓልቲ ኪሰርሖ ይኽእል’ዩ ኢለን ክኣምና ከለዋ፡ እተን ኣብ ሓርነት ኮይነን ዘማዕድዋ ኣዒንቲ ግን እዚ ኪኸውን ከምዘይክእል ኣዕሚቐን ዝርእያ ብምዃነን፡ ዕላማ’ቲ ድሕሪ ጸገም ዝስተ ማይ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ምቅልሑ፡ ቀጻሊ ናይ ዒላታት ዘመተ ምክያዱ፡ ንምንታይ ከም ዘድለየ ጽቡቕ ጌሩ ይርደአን’ዩ።” ብምባል፡ ናባይን ናብ ኣደይ ወጋሕታን ጠሚቱ ፍሽኽ በለ’ሞ፡ ኣደይ ወጋሕታውን ነታ ኣብ ጸጋማይ ሰለፈን ኣንቢረንኣ ዝነበራ ጸጋመይቲ ኢደን ኣልዒለን፡ ብኹርነዐን የማናይ ጎድነይ ብምትንካፍ፡ ‘እዚ ቅድሜኻ መሃይምነት ህግደፍ ዘጥፍአ ሓውኻ ዝብሎ ዘሎ ስማዕ! ኣስተውዕል! ተመሃር!’ ብዝመልእኽቱ ኣጠማምታ ጌረን እናጠመታ፡ ርእሰን ነቅነቓለይ’ሞ ሓሳበን ስለ ዝተረደኣኒ ከም ሕፍር ኢለ ፍሽኽ በልኩወን።
ብዓል ኣልጀዚራ፡ ቢቢሲ፡ ሲ ኤን ኤን
ብሰንኪ መላኺ ድያብሎስ ኣረሜን
ሲኦል ዜጋታታ ምዃንኪ ነጊረን
ኤርትራ ሃገረይ ምስልኺ ኣቃሊዐን
ዓለም ክትረድኣኪ ድሕነትኪ ጸዊዐን!
ካብ ሃገራት ዓለም እታ ዝደኸየት
ብጥበብ ምዕባለ እታ ዝደሓረት
ብዲፕሎማሲ እታ ዝተነጸለት
እገዳ ኒሻና ሕላገታ *ጻኦት       *ህዝቢ ብብዝሒ ዝስደደሉ ኩነት
ብምዃንኪ ዓደይ ሓዚነልኪ ብኡነት!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 25-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT