Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም!

ጽባሕ ከይከልእዎም! ሻውዓይ ክፋል፥ “ሓይለዝጊ ዓርከይ፡ ምልኪ’ዩ እቲ ኣሲሩኩም ዘሎ ማሕዩር። ብፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣዒንትኹም ዓዊሩ! ልብኹም ደንቊሩ! ዋላ ንሓንቲ ደቂቕውን ትኹን፡ ብርእስኹም ምሕሳብን ምግንዛብን ስኢንኩም፡ ዘዝተባህለ ጥራይ ክትደግሙ፡ ፓፓጋሎ ተቐይርኩም! በቃ! ክውንነት ርኢኹም፡ ሓቅን ሓሶትን ምምማይን ምምዝዛንን

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ሻውዓይ ክፋል፥
“ሓይለዝጊ ዓርከይ፡ ምልኪ’ዩ እቲ ኣሲሩኩም ዘሎ ማሕዩር። ብፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣዒንትኹም ዓዊሩ! ልብኹም ደንቊሩ! ዋላ ንሓንቲ ደቂቕውን ትኹን፡ ብርእስኹም ምሕሳብን ምግንዛብን ስኢንኩም፡ ዘዝተባህለ ጥራይ ክትደግሙ፡ ፓፓጋሎ ተቐይርኩም! በቃ! ክውንነት ርኢኹም፡ ሓቅን ሓሶትን ምምማይን ምምዝዛንን ስኢንኩም፡ ሸንኮለል ክትብሉ ትነብሩ ኣለኹም! ናይ ወፍሪውን ኣልዒልካ ኔርካ እመስለኒ ሓቀይ? ወፍሪ! ኣየ ወፍሪ! ኣታ ቊሩብዶ ልቢ የብልኩምን’ዩ!? ወፍሪ ሕጂ ድሕሪ 22 ዓመታትድዩ ትርጉሙን ጥቕሙን ፈሊጡዎ ህግደፍ ኣብ ምዕራቡ፡ ‘ወፍሪ! ወፍሪ!’ ዝብለና ዘሎ?”
ወፍሪ’ኮ ኣብ 1994 ብወግዒ ብኣዋጅ ተጀሚሩ ነይሩ’ዩ። ብኸመይ እዩ ደኣ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ወፍሪ ድራማ ሓድሽ ኮይኑ ተራእይኩም? ኣበይን ምስ መንን’ዩኸ ክውፈር? ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መቸም፡ ድራማ ሰሪሑ፡ ህዝቢ ኣብ ምጥባርን ነብሱ ኣብ ምዝንጋዕን ክሳዕ ብህይወት ዘሎ ከቋርጽ ኣይኮነን። እቶም እንተ ኾረየ ፍሽኽ ዝብሉ፡ ፍሽኽ እንተበለ ድማ ካዕካዕ ኢሎም ዝስሕቑ ሚኒስተራት ዝስሞም ዓጂቦሞ ኮፍ ዝብሉ ኣባሓጎታትናውን እንተኾኑ፡ እንተ ብሕማም እንተ ብእርጋን ሞት ክሳዕ ትምንጥሎም፡ ‘መሰልናን መሰል ህዝብናን ይጋሃስ ኣሎ’ሞ ዓገብ! ንሕና ይኣኽለና። ደጊም ንቑረብ! እዚ ቦታ፡ ብኣድማዕነት ንዝሰርሑ መንእሰያት ንግደፈሎም!’ ኢሎም ስልጣኖም ከምዘየርክቡ ጌሩ ስለ ዝኣሰሮም፡ ንሱ ከይተኣልየ ካብታ ዘለውዋ መንበር ፈልከት ኣይክብሉን’ዮም።” ምስ በለ፡ ኣደይ ወጋሕታ ብሃንደበት ኣብ መንጎ ዘረባኡ ብምእታው፡
“ኣንታ ወደይ ናይ ቁርባንዶ ኣምጺእካ፡ ገለ’ንዶ ግዳ ኣዘኪርካኒ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲሲ ከምዚ ኣቐዲመ ንተስፊት ወደይ ከዕልሎ ዝጸናሕኩ፡ ደቀይ ሒጀ ንዓድና ከይደልኩም ነረ’ንዴ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ሓደ ወዲ ሓሙተይ ዝብጽሓኒ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዓዲ ኣመሪካ ገሩ መጺኡስ፡ ‘በሉ ጓል ዓደይ ክምርዖ ደልየ ስለ ዘለኹስ ሕጽይቲ ኣምጽኡለይ ብርከይ ክሰብር’ ኢሉዎም ንወለዱ። ንሳቶም ኸኣ ሓንቲ ኣብ ኣስመራ ትቕመጥ ጎረቤቶም፡ ከመይ ዝበለት ጎርዞ ረኺቦሙሉ። ትብጻሕኩም ተባሃሂሎም። መርዓ ኮይኑ፡ ቃል ኪዳን ክኣስሩ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸዱ፡ ንኣባትነብሶም የማክሩ ኣሎውስ፡ ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጢሙዎም ገሪሙዎም! ገሪሙና! ተኣምር’ዩ!” ብምባል፡ ነታ ነቲ ድምብር ማለት፡ ምሉእ ቁኖ ጋመ ዝተቖነነ ጸጉሪ ርእሰን ተጎልቢበናኣ ዝነበራ ደበላን ማለት፡ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐት ጻዕዳ ዓለባአን ንቕድሚት ብምስሓብ፡ ከናፍረን እናረምጠጣ ምስ ጠመታና፡ ‘እንታይ እዮም ኢሉሞም ኣደይ ወጋሕታ?’ በልክወን ኣነ ንጸጋመይቲ ኢደን ሒዘ፡ ዓይኒ ዓይነን እናጠመትኩ።
“እዋእ! ወዮም ኣባትነብስስ ነቶም መርዑ፡ ‘ከይቈረብኩም ቃልኪዳን ኣይነእስረኩምን እና!’ ኢሎም ኣብዮሞም። እዋእ! ኣይፋልኩምን፡ ህጻውንቲ ቈልዑ ደኣ ቅድሚ መርዐኦም እንታይ ምቑራቡ? እንተ በልካ፡ ‘በቃ’ሞ ትእዛዝ መንግስቲ’ዩ ንገብሮ የብልናን!’ ኢልካስ ንቕጽ። ንዑ’ባ ስለ እዝጊሄር እንተ በልካስ ወይከ ክምህ! ሽዑ ደቀይ ኩልና ደንጽዩና ‘እዚኣ ዶኸኣ ኣምጺኢልኩም ሎሚ?’ እልና፡ ‘ቁርባንሲ ብልብኻ፡ ብደምን ብስጋን እየሱስ ክርስቶስ ኣሚንካ፡ ደጊም ናይ ዓለም ነገር ቶባ ኢለዮ እየ ኢልካ፡ ምስ መነንካን ምስ ወሰንካን ኪቑረብ ንፈልጥ’ምበር፡ ንቃልኪዳን ኢሎም ንዝመጹ ብዛዕባ ቁርባንን ትርጉሙን ምንም ኣፍልጦ ንዘይብሎም መንእሰያትዶ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን ጸኒሕካ ‘ቑሩቡ!’ እናበልካ ተባርር እኻ!?’ ብምባል፡ ተግባራቶም ኣርሚሙና!”
“ነዚ እኩይ፡ እምነትን ፍቕርን ኣልቦ ዝኾነ መንግስቲ እናተራገምና፡ ናብ ቤትና ምስ ተመለስና፡ ነቶም መርዑ፡ ናብ ትውልዲ ዓድና ወሲድና ቃልኪዳን ብምእሳር፡ ኣመርዒናዮም ንብለኩም። ናይዚ መንግስቲ’ዚ ጉድሲ ንበይኑ’ዩ። እቶም ኪቘርቡ ዝግብኦም ከምቲ ዝበልካዮ እቶም ሕጂ ብርኪ ዝሰብሩ ዘለዉ ሚጨታቶም ዘይኮኑስ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣባሓጎታቶም እዮም ኪኾኑ ነሩዎም።” ምስ በላ ኣደይ ወጋሕታ፡ ኣነውን ትቕብል ኣቢለ ‘ወረ ኩላቶም ብዝተፈላለየ ሕማም፡ ኣብ ርእሲ እርጋኖም ሰንኪሎም’ዮም። ብዘይካ ብዛዕባ ሕማሞምን ፈውሱን ከኣ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ኪሓስቡ ሕጂ፡ ግዜን ዕድልን የብሎምን።’ ብምባል መላእኩለን።
“በሉ በሉ ይኣኽለኩም! ሲ ኣይ ኤዶ ክንብለኩም ወያነ? እዞም ሃሱሳትስ ካብዚ ሓሊፎምዶ እንታይ ኢሎም’ዮም። ብሓሶቶም ትንፍሑ ኣለኹም ማለት’ዩ! በቃ እዛ ሃገር ንሰላሳ ዓመት ኣብ በረኻን ገደልን ተንከራቲቶም ከም ዘይኣምጽእዋስ፡ ሕጂ ኣብ ዓዲ ምስ ኣተዉ፡ ንቈልዑ ኣረኪቦም ከጥፍእዋ ትደልዩ ኣለኹም!? ደሓር ሚኒስተራትና መሰልና ተጋሂሱ ኢሎም ዝሓትሉ ኣየናይ ዝተረግጸን ዝተጋህሰን መሰል’ዩ?” ብምባል እንደገና ከጉባዕብዕ ጀመረ ሓይለእዝጊ።
“ጽቡቕ ኣለኻ ሓይለእዝጊ ዓርከይ፡ ክልተ ኣእዛን ስለ ዘሎና ናይ ክልቲኡ ኢና ንሰምዕ፡ ዋላውን ናይ ህግደፍ። ሓቅን ሓሶትን ናይ ምውሳን መሰል ከኣ ናትና’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሕና ናይ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ ሕዩራት ኣይኮናን። ዝደለናዮ ክንሰምዕን ከነንብብን ዝኽልክለና ወይ ዘፈራራሓና ሰብ የለን። እቲ መሰል’ቲ ተጠቒምና ዝቐሰምናዮ ፍልጠት ድማ ኢና ሕጂ ነካፍለካ ዘለና። ንስኻን መሰልትኻን ግን እዚ መሰል’ዚ የብልኩምን! ቅድሚ ብዛዕባ መላኺኹም ምዝራብ ከኣ ብዛዕባ ሓርነት ነብስኹም’ዩ ኪትዛረቡ ዝግብኣኩም ነይሩ! ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ንቕሓት ፈንፊናትኩም! እቲ እቶም ሚኒስተራት ይኹኑ ኣመሓደርቲ ዞባታት ትብሉዎም ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ሰበስልጣናት ህግደፍ፡ መሰልና ተጋሂሱ ኢሎም ልዕሊ ሰቦም ኪምጉቱሉ ዝግባእ ግህሰት እንታይ ይመስለካ?” ምስ በሎ ድምጹ ክብ ኣቢሉ፡
“ህ? እንታይ እዩ እስከ ንገረና መምህር ፖለቲካ?” ብምባል ኣቃጨጨሉ ሓይለእዝጊ።
“22 ዓመት ምሉእ፡ ዓሰርተሳዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ እናተኣከቡ፡ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ናብ መራሒ ሃገር ቀሪቦም፡ ዝሰርሑዎ ስራሕ ብቓሎም ንኺገልጹን፡ ሕቶ ይኹን ጸገም እቲ ንመርሖ ኣለና ዝብሉዎ ህዝቢ ክነግሩን ኪስምዑ ዘይምኽኣሎም፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ግህሰት መሰል’ዩ። ህዝቢውን ምስ መራሒ ሃገር ብዛዕባኡ ጽቡቕን ሕማቕን ነጋራት ኣልዒሎም ጸገማቱ እናገለጹ ኪካትዕሉ እንተዝሰምዕ ኔሩ፡ በቲ ደሓር እዚ ዉልቀ መላኺ ካብ ስልጣኖም ኪጉሕፎም ኪደሊ ከሎ ዝዝርግሖ ሕማቕ ወረ ተዓሽዩ፡ ‘ጽቡቕ ገበሮም!’ ኣይምበለን ነይሩ። ሕጂ ግን መን’ዩ ተሓላቒ ህዝቢ፡ መንዩ በሊሕ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ርእይቶ ይኹን ውጥን ዘቕርብ፡ ህዝቢ ምንም ዝፈልጦን ዝሰምዖን ነገር የብሉን። ኣብ ተለቪዥን ቀሪቦም ምስ መላኺ ፍሽኽሽክ ዝብሉ፡ ዝኣረጉ ኩራራታት፡ መምርሒ ስራሕ ካብ ፕረዚደንት ተዋሂቦም ይብሃል፡ በዚ መስረት ከኣ ከም ተላኣኣኽቲ እምበር ከም መራሕትን ወከልትን ህዝቢን ሃገርን ቈጺሩዎምን ርእይዎምን ኣይፈልጥን! እ? ምስ ህዝብኻ ንኸይትላለ ንዝገበረካ መራሒ ካብ ምግልጋል፡ ዘሕፍርን ዘሕንኽን ነገር እንታይ ኣሎ? ካብዚ ዝዓቢ ግህሰት መስልከ እንታይ ኣሎ?” ብምባል ምስ ገንሖ፡ ሓይለእዝጊ ርእሱ ብኣሉታ እናነቕነቐ ከምዚ በሎ፥
“ንስኻን መሰልትኻን እኮ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ከየእተኹም፡ ነዚ ንበይኑ ንብዙሕ ተንኮላትን እገዳታትን ተጻባእቲ ተጻዊሩ ሃገር ንምህናጽ፡  ሓኾት ዝብል ዘሎ መንግስቲ፡ መፍቶ ጸላእቲ ክትገብሩዎ ኢልኩም ኢኹም ክሳዱ ንምሕናቕ ትጽዕሩ ዘለኹም! እዞም ሚኒስተራት ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ባምቡላታት ዘይኮኑስ ሰስረሖም ዝፈልጡ መራሕቲ ህዝቢ እዮም። ኣይኮነንድዩ ዝሓወይ? ኢሂ ማማ ወጋሕታ? ሶሪ ማማ ኢለክን ምናልባት ሓፍተይ ክብለክን’ዩ ዝግብኣኒ ነይሩ ይመስለኒ” ብምባል ናባና ጠመተ’ሞ፡ እተን ክትዕ ናይዞም ኣዕሩኽ ብጽሞና ክከታተላ ዝጸንሓ ኣደይ ወጋሕታ፡ ትቕብል ኣቢለን፡
“ጸገም የለን ዝወደይ፡ ኣደይ ደኣ በለኒ። ካብ ሓወይ ክብል ወደይ ክብል’ዩ ዝቐለኒ። እንተ’ቲ ‘ምሕናቕ መንግስቲ’ ትብሎ ዘለኻ ግን፡ ንሕና እዚ ክንገብር ዓቕሚ እንተ ዝህልወና ነሩስ ክሳዕ ሎሚውን ገመድ ኣብ ክሳድና ኣንጠልጢልና ዓገግ ኣይምበልናን ነርና ዝወደይ! ቀደም ንሽግርና ኣንሂናዮ ምሃለና ነርና! እ? ሎሚ ሓሸአን ኣደታትካ፡ ካብ ሓደ ሓዘን ናብቲ ሓደ እንዳ ሓዘን ዕደት ተኸዲነን ክዞራ’የን ግዜአን ዘሕልፍኦ ዘለዋ። ሞት ቀደም ርኢኻ ዝወደይ፡ ንምስምዑ ዘሰንብድን ዘፍርህን’ዩ ነሩ፡ ሎሚ ግን ከም ጽውጽዋይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ!”
“ብዝሓለፍካዮ ዓንዲ መብራህቲ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ከኣ ናይ መርድእ ወረቐት፡ ከም ፈርጊ ዘይተጎልበቦ ዳርጋ የለን! ሰብ ይሃልቕ’ዩ ዘሎ! ብፍላይ ከኣ መንእሰይ! ካብቲ ቀደም ብኲናት ዝጠፍኦ፡ ሎሚ ብሕማምን ስደትን ዝጠፍእ ዘሎ ይበዝሕ! እዚ ኹሉ ግን ትም ኢሉ ዝመጸና ኣይኮነን። ጠንቂ ኣሎዎ ዝወደይ። ነዚ ብርሰት’ዚ ንምግታእ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክንወስድ ዘይምኽኣልና ዘገርም’ዩ! ትም ኢልና እና ንጠፍእ ዘለና። ሎሚ ግን ኩሉ መዓልቱ ዝኣኸለ ይመስል ኣሎ። ምኽንያቱ፡ እዚ ርጉም ሰብኣይ፡ እታ ኣብ ክሳዱ ዘላ ገመድ፡ ባዕሉ የጽብባ ስለ ዘሎ። ንሕናውን ሕጂ ነዚ ባዕሉ ንኺቕበር ኣብ ገምገም ጋህሲ ዘሎ መንግስቲ፡ ደፊእካ ናብታ ባዕሉ ዝዃዓታ ጉድጓድ ብምእታው፡ መላግቦ ንምኽዳን ክጽግመና የብሉን። ካብ ሞት ተንሲኡ ከይበልዓና ኣይንግባሕ!” ምስ በላኦ፡ እቲ ርእሱ ደፊኡ ክሰምዐን ዝጸንሐ ሓይለእዝጊ፡ ናባይን ናብ ዓርኩን ብምጥማት፡ ምድፋረን ስኢኑ ቀባሕባሕ ጥራይ በለ።
ንሰላምን ራህዋን ምእንቲ መሰሉ
ኤርትራዊ ዜጋ ፍጹም ተላዒሉ
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዕሱባት ድሂሉ
ንምሉእ ሓርነት ዕጥቁ ሸጥ ኣቢሉ
ኣብ ጎድኒ ኣሕዋቱ እኖሆ ደው ኢሉ!

ዕባይ እንዳ ስዋ ‘ግለት’ ኮይና ቃሉ
ሓረስቶት ደገፍቱ ‘ዕርፊ ኣጽንዕ’ እናሉ
ህዝብና *ብእልበት ጸቢብዎ ዓቕሉ     *ብሓሳረ መከራ
ናብ መጋርያ ሲናይ ጠፊኡ ሃጽ ኢሉ!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 29-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT