Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽንዓት ይሃብኪ ሃገርና-ኤርትራ።

ጽንዓት ይሃብኪ ሃገርና-ኤርትራ።                              06-10-13። “ዘክረ-ሰማእታት“

ጽንዓት ይሃብኪ ሃገርና-ኤርትራ።                              06-10-13።

“ዘክረ-ሰማእታት“………፡ ኢለ ጾሎተይ ድሕሪ ምብጻሕ ኣምላኽ ንሃገርና ጽንዓት ክህባ ብልቢ ተማሕጸንኩ።

“ንመን ሒዛ ኢያ‘ሞ ክትጸንዕ“? ክትብሉ ስለዝቐልል “ውሓጥኦ፡ ውሓጥዎ“ ዝዓይነቱ መጸናንዒ ክንእንገድ ኣይንጽበን። ፈተወት ጸልአት ንሕና ኢና ናታ፡ ንሳ ድማ ናህና። እሞ ንሳስ ኩሉሳዕ ኢያ ንህና። በዓል መን ኢናኸ ናታ? ………ግዜ…….11

ትማሊ ሮቡዕ ኢዩ ኣብ ንጽል ፍጻመ ብዉሑዱ ሂወት 350 ስደተኛታት ሃሊቑ። ካብዚኣቶም ብገምጋም ክሳብ 250 ኤር ትራውያን መናእሰይ ከምተዘመትና ይግመት። ይኣክል ወግሐ-ጸብሐ ዝርንዝሕ ምንባዕ። ይኣክል ኩሉ ልግጫ…..

እንዃዕ ነዚ ኣርኣየካ አምባሳደር ሓድሽ ዓለማዊ – ስርዓት ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈቀርቂ!! እናሓንሳብ ከምቲ ነገር ዱባ ባህ ክብለና ኢልካ ከምቲ “ኢቲዮጲያ ዋላ‘ዃ ብናይ ግዳም መምርሒ ትእዛዝ እንተፈጸመት ኣይገዝአትና ን“ ዝበልካዮ፡ ኤርትራውያን ከኣ ዘመናውያን ገዛእቲ ብመገድኻ ይገዝኡና ከምዘለዉ እንተገለጹልካ ኣግሂደሞ ማለት እን ተዘይኮይኑ ምንም ኣይኣበሱን። ብዝኾነ ንስኻ ንእዋኑስ ምስቶም ዝመስራሕካዮም ደቂ-መዛሙርትኻ ጠራሙስካ ጥራይ ኣጋጩ። ኣብ ዝተጸጋዕካ ተጸጋዕ ኪኖኡኸ እንታይ ኣማራጺ ኣልይካ? ሕልፈትካ ድማ ብሂወትካ ትርእያ ኣለኻ።

እንዃዕ ድማ ንግዚኡስ መዋዕልቲ ናይዞም ትሕጭጨልና ኮምፒተራት ዝመዳፍዕናን ዝዕርድታትናን እጓልያታት ኮንካ! ሃየ በል ብጃምላዊ ህልቂት‘ዞም ግዳያትካ ከበሮ ሓምሓምካ ደስቕ!!

እንዃዕ ከኣ ደስ በለኩም እቶም ብዝተፈላለየ ሓውላል ምስምስ ያኢ ኣቓልቦ ንምድንጋር ተባሂሉ ኣብ ጽባሑ በዓል መስ ከረም ከተብዕሉ ዝተኾመርኩም ካሕዳያት!! ንኣብነት ድሮ ወሬኹም በጺሕና ኣሎ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ /ከም ፍራንክፉርት/ ዘለኹም ክቱባት ህግደፍ ምስቶም ተጸናጸንቲ ወያነኹም ዝወዓልኩሞ ውዕሎ!! ከምሰብኩምን ህዝብ ኹምን ኣመንቲ ክርስትና፡ በዓል መስቀል ንምብዓል ኣብ ማእከል ከተማ ንዝወዓለ ልሙድ ኣኼባ ረጥሪጥኩም ህግደፍ ና ብ ዘዳለዎ ኣኼባ ናብ ጊሰን ከምዝመረሽኩምን ሓንቲ ዓይንኹም ጸቒጥኩም፡ ጸኒሕኩም‘ሞ ክልቲኤን ደፊንኩም ንዝወር ደልኩም ህግደፋዊ ሕልናዊ ቅዱስ ቁርባን ክትውሕጡ ክትብሉ መርድእ ኣሕዋትኩምን ኣውያት ኣዴታትኩምን ከይትሰ ምዑ ኣእዛናኩም ለኲትኩመን ከምዝወዓልኹም። ወሪድልኩም እንተኾይኑ ክንደየናይ ከይረግኣልኩም ኣዕገርጊርኩም እን ተኾይኑ ድማ ክንደይ ንዓቐብ ከይከደልኩምን ከይምሕረኩምን?——-ምስጢር ዝበሃል የለን‘ኮ …………

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉዳይና ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ካብዝወርድ ይትረፍ ካብ ዝተነግረናስ ካብ ዝርደኣና‘ውን ኣይሓጸረ ን። በቲ ሓደ ኣይሂ ክንነብዕ፡ በቲ ካልእ ድማ የማነ-ጸጋም ከነስተብህልን ክንምክትን ግድን ብምዃኑ ካብ ነብስኻ ብምጅ ማር መን፡ መን ምዃኑ ሃየ ፍለዮም! ክንዲ ናብ ማዕዶ ምጥማት ብውሽጥና ንጀምር።

እቲ እምኒ ከምዝወሓጠ ድንግዛዝ ዝተቐየረ ዓርከይ ሎሚስ ከቑረምርም ብምጅማሩ ኣነ ድማ ተተስፍየ እብለኩም። ንሱ በዚ ዘሎ ኩነታት ፊቕ ኢሉ እንተዝበኪ ክንደይ ምፈኾሰና። ኣይተዓደሎን ዓርከይ። ምናልባሽ ድንጋጸ ኣይተፈጥሮን ዶኾን ኮይኑ? ምናልባሽ ነቲ ስርዓት ኣጸቢቑ ስለዝፈለጦ ቀቢጹ ዶኾን ኮይኑ? ምናልባሽ ፍቅሮም ከምእንጀራ ዝጠምዮ፡ ከምማ ይ ዝጸምኦ ኣሸሓት ቡሉጻት ብምቕባሩ ዶኾን ተዓኒዱ?…. እንድዒ! ንዓይ‘ሞ ቅድም ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክያ ድኣ ሓከየኒ።

ቀደም ዘመን ብጥዑሙ ኣደ ንወደን “ቅድሜኻ ይግበረኒ፡ ቅድሜኻ ይስጠሓኒ“….. ኢብላኦ ከምዝነበራ ኣጻወተኒ። ትንግር ቲ ግዲ ኮይኑ ንእለታ ገዝአን ብመልኣከ-ሞት ምስተዃሕኹሐት፡ ኢደን ናብ ወደን ኣመልኪተን ንወያ ክትወስደን ዝመጸ ት ሞት “እነሀልኪ ሕሙም በቁጽዮ“…… ከምዝበልኣ ተሪኹ ክቱር ድሕሪ ምስሓቑ፡ ዓይነት ህግደፋውያን ኣዴታት ዘይመ ፈጠራዊ ምዃኑ ኣውሰኣለይ። ጃምላዊ ሞት እንተመጸ‘ውን ናብቲ ገዛእ ዘርአን ኢየን ዘመልክታሉ ማለቱ ኢዩ። ኣመና ም ስ ዝነፍዓ ድማ ከምተን ወለዲ ንኩሉ ክፉእ ክንዲ ዝምክታ፡ ኣምላኸን ከክፉኡ ናብ ጎረቤተን  ከብሎ ይትምነያ።

እንታይ ማለቱኮን ይኸውን? ትብሉ ከይትህልዉ። ኣነ‘ውን ከምኡ እናበልኩ ኢዩ “ቲቪ ኤረይ ዝበለቶኸ  ሰሚዕካዮዶ? ክብል ዝተወከሰኒ። ንሳ ዝተዓጻጸፈት መሲልዋ “.…..ኣፍሪቃውያን  ዘይሕጋውያን  ስደተኛታት ጥሒሎም“ ክትብል ኢያ ጓንያቶም።  መቸ ም ከማይ እንተኾንኩም ሎሚ-ሎምስ ንሳ ትዛረቦ ዘበለ ኩሉ ኢዩ ዘይስቆረኒ። ዋላ ተገዲዶም እንተኾኑ‘ውን ሰራሕተኛታታ ክጽልኡ ኒ ኣየርኢኹም!!! ካብኣስ ያኢ ነቶም ቀዳሞት 13 ድሒራ ዝተዛረበትሎም‘ውን ነቲ ዳሕረዋይ ጉዳይ ኣማኢት ከተፋኹስ ኢላ ኢያ። ኪኖ መንነታ ምግላጽ‘ሞ እንታይ ረቢሓ!  እምበር ዘይሕጋውያን ስደተኛ ኢልካ ድኣ ዘረባ ኣሎ ዲዩ? ሕጋዊ ስደተኛኸ ኣሎ ዲዩ? ስ ደት‘ኮ ምርጫ ኣይኮነን። ምርጫ እንተኾይኑኸ ስደተኛ ይበሃል ዲዩ? ፖለቲካዊ ስደተኛ‘ሞ ክሳብተቐባልነት ዝረክብ ሕጋዊ ኣይበሃል ን። ፖለቲካዊ ስደተኛ የብለይን ትብል ሃገር ድኣ ከመይ ኢላ ስደተኛታታ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ሕጋውያን ክበሃሉ? ግብ ይበላ ግደፍ ዋ፡ ባዕላ ድማ ነብሳ ተቃልዕ ቲቪ መጋበርያ ምልኪ!!!!!!!

ዓለምከ ብኤርትራን ህዝባን እንታይ ክትብል ቀንያ?

እቲ ፍሩይ ተበግሶ፡ መንግስቲ ጣልያን ብዕለት 04-10-2013 ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ምእዋጃ ኣብካሕሳኣ የውዕለና። ከምዝፍለጥ እታ ሃገር ኣብዚ ርብርብ ልዑል ተራ ትጻወት ምህላዋ ብሩህ ኢዩ። ባንዴራ ጣልያን ብኤርኢራውያን ርእሳ ኣድኒና  ውዒላ። ከፍአስ ናይ‘ ታ ኢሳይያስ ብዓይኒ ጽልኢ ዝጠቕሳ ሃገረ-ኣመሪካ። ኣመሪካ ትኣክል ገዛፍ ገዛኢት ዓለም ምስ ኩሉ መሳርሒታታ ትማሊ መን ጠፍ አ ንምግላጽ ከምዝሓርበታ ንምምሳል ዘይተጠቕመትሉ ጥበብ የለን። መቸም ኣብ ውሽጣ ኣልጀዚራ ኣመሪካ ዝበሃል መደናገሪ ፈነወ ተለቪዥን ከምዘለዋ ትፈልጡ ትኾኑ። በቲ ኣቓልቦ ሰብ ንምድንጋር ዝዓለመ ፖሊሲኣ ተበጊሳ ኣብዚ ሳልስቲ ስደተኛታት ካበይ ናበ ይ“ ዝብል ሓደ መደብ ኣውጺኣ ነበረት። ከም ኣገላልጻኣ ኩሉ ኣብሲና ኮነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍእ ዘሎ ስደተኛ ሶማላዊ ምዃ ኑ ክትገልጽ ተዋሪዳ ውዒላ እብለኩም። ካብኩሉ ነቲ መግለጺ ዘሰኒ ካብ ሶማል ናብ ሊቢያን ባሕሪ መዲተራንያንን፡ ከምኡ ድማ ሲናን እስራኤልን ዘመልክት ዝተወቀጠ ቀይሕ ዝመስመሩ ስእሊ ምስትርእዩ፡ ብኡ ንብኡ ቁንቁኝኡ ክገሃደልኩም ይኽእል። እቲ መ ስመር ኤርትራ ብዘይምጥቃሱስ ብሓቂዶ ጣቛ ይህልዎ? ብሓቂ ዲዮም ኤርትራውያን ንጸንት ከምዘለና ጠፊእዎም?

ኣመሪካ ን10 ዓመታት ኣውጀሞ ዝነበሩ ማዕቀብ ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ሎሚ እንታይ ስለዝተረኽበ ኣልዒለሞ ህግደፍ ከዳኽር ተገዲ ፉ? እንታይ ስለዝኾኑ እቶም እጉዳት ዝበሃሉ እኒ የማነ ህበይ ንጉሆ-ንጉሆ ንኣመሪካ ክሕምብሱላ ተለቒቖም? ዶስ እቲ ምስጢራዊ ቡስጣታት ብዘይ የማነ ዘበጻጽሖ የለን ኮይኑ?

ብዛዕባ‘ዚታት ፍጹም ክብሎ ዝደሊ የብለይን። ክብል እንተኾይነ ብዛዕባ‘ቲ ኣመሪካ ከምጸላኢቱ ከእምን ዘታልል ዘሎ ዕርቃኑ ዝወጸ ፖለቲካ መራሒ ኤርትራ ጥራይ ምኾነ። ብዛዕባኡ‘ውን ከምሓቅስ ተዛረብ ኣይመጸንን። ክዛረብ እንተኾይነ ተጣቢብና ክብሉስ ጠን ቂ ናይዚ ስደት ኣመሪካ ከምዝኾነት ከምስሉ ዝህቅኑ ገለ ክብል ምደለኹ። ምስ ህግደፍ ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህዝቢ ካብ ሃለወናስ በሉ ንተዓዘብ። ወያ ጽባሕ ድማ መዓልቲ በዓልመን ከምዝኾነት ክንርኢ ኢና።

ዓርከይ ግን ምስጢር መራሒና ስለዝሸምደዶ ንዕዑ ተራ ነገር ጥራይ ኢዩ። ከምርኢቶኡ ዓው ኢሉ ኢዩ ኢሳይያስ ሕዱር ወልፊ ደም ከምዘለዎ ዘግህደለይ። ካን ንዋሕዚ ኤርትራዊ ደም ልዕሊ ኣልኮለን ቆጽለ-መጽሊን ከምዝተወለፎ ክገልጸለይ እንከሎ ኣነ ድማ ጋን ይኾነኒ። ቀስ ኢሉ‘ውን ወልፊ ደም ክቱር ከምዘስክር የረድኣኒ። ኣብነት ክነግረኒ እንከሎ “ኢሳይያስ ዋላ‘ውን ደም ከየንቅዐ እንተው ዒሉ ናብቲ ከባቢ ኣስመራ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ‘ዩ ዝኸይድ“ ይበለኒ። ከምኡ መግበሪኡ ነገር ስራሕ ኣምሲሉ እሱራት ክኽትከቱ እንከ ለዉ ብዝፈጥርዎ ኣውያትን ስቅያትን መንፈሱ ስለዝሕደሰሉ ምዃኑ ክነግረኒ እንከሎ ንርእሰይ የስካሕክሕ ኢየ ዝብለኩም። ክሳብ ኣ ብ ታሪኽ ንዝሰማዕኩዎ ጨላቕ ጫፍ ብልሒ ኣፍራዛ ኣብርእሲ ትሮቶስኪ ዝተባህለ ሩስያዊ ፖለቲከኛ ከምዝደቕደቕሉ ዘዘኪረ ድማ ብኣምሳሉ ባዕለይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ግዳያትና ንዝወርድ ድምጺ ኣልቦ መቕዘፍቲ ይቕረጸኒ እብለኩም።

መዓስ ንሱ ጥራይ። ቅድም ኢሉ ንጉስ ሃይለ-ስላሰ ዓርቢ ዓርቢ ደም ዘፍስስ ባህጊ ነይርዎም እሰምዕ ነይረ። ውቃቤኦም ድማ  ሸፋሽ ፍቲ ኣዒንቱ ግጥም ዝበለ ሳዕሪ /ጸጉሪ/ ዘለዎ ይፈቱ ከምዝነበረ ተባሂሉ ይዝንቶ ነበረ። እንተ ኣገባብ ትውፊት‘ሞ እንድዒኸ። ገሊኦ ም ክብልዎ ከምዝሰማዕኩ ኣብ ሆራ ዝብልዎ ሃይቂ ይፍጸም ከምዝነበረ ይብሉ። ገሊኦም ድማ እንድዕሉ…………….

ድሕሪ‘ዚ ኩሉ ግፍዒ ጎብየኸ ናበይ ኢለ እሓስብ። ከምታ ናይ ሂትለር ዶኾን ንኩሎም ኣጽኒቱ ነብሱ ከቃብጻ ይኸውን? እብል እሞ ክሳብክንድኡ ትብዓት ዘለዎ ኮይኑ ድማ ኣይስመዓንን።

“ደም ከልቢ“ተባሂሉ ክምሰል ትሰምዑ ትኾኑ። ከልቢ እሙን ኣገልጋሊ ክንሱ ምስ ሞተ ግን ሕነ ዝፈድየሉ የብሉን። እሞ ዕጫ ሬሳ ታትናኸ እንታይ ይኹን? ከምቲ ናይ ተ/ይ ናይዝጊዶ ብዝኸዶ ይሰንዶ ዋላስ ካልእ ምርጫ ኣለና? ሬሳታትና ናብ ኣመሪካን ሃገራት ኤ ውሮጳንዶ ይወዛዕ ወይስ ናብ ሃገሩ የምርሕ? ምናልባሽ ዝሞተስ መይቱ እንድዩ፡ ሬሳ ብባንዴራ ሃገር ተጠቕሊሉ ከምዝምዕርግ መ ጠን ሕድሪታቱኸ  እንታይ ከምዘፍርን ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት ህሉዋት መንእሰያት ኣብጉዳይ ስዉኣት መዛንኦም ዝህልዎም ሰ ኸም ተጽዕኖ ሃገራውነትን ሓቢርና ክንዕዘብ ትዕግስ ቲይሃበና።

እንተ‘ቲ መራሒ፡ ብሓገዝ መተባብዒ ነታ ለይቲ ሓደጋ ጥራይ ኢዩ ተኸዊልላ። ማይ ምስሰተየ‘ሞ ድሮ ዓለም ብኣና ብምንዋጻ ደም ዜጋታት ክጸባጸቦ ምዃኑ ፈሊጡ ክንደየናይ ሬሳታት ከይቕበል። እንተውዒልዎ ግና ስዉኣት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሚሮም ኪኖ ኣ ውያትን መልቀስን፡ ብክብ ዝበለ ሃገራዊ ወንን ራእይን ተዓጂቦም ናብ ዓዓዶም፡ ናብ ኩሉ ገጠራት ክምርሹን፡ ንኩሉ ዝተቖለፈ ኣፍ ክኸፍቱ፡ ዝዘኽተመት ልቢ ከጽንዑን፡ ኮታ ንህልዋት ምዉታት ከጽንዑናን ኢዮም። …………ህግደፍ ????

ጽንዓት ይሃብክን ወለድን ሃገርናን!!                                                                                                        ነቶም ንጹሃት ድማ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም!!                                                                                          ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • sara gual eritra October 8, 2013

    ZEGATATNA AB ADOM EMBER YKBERU
    BGENZEBOM (BETI HGDF GEBITWO ZELO NAY AMETAT TSAEROM ) KINDI GAR EQA MKONOM
    N ERITRANA AYEGELGELUN DIYOM

  • belay nega October 9, 2013

    “ጽንዓት ይሃብኪ ሃገርና-ኤርትራ።”

    ብ 1961 ክባሃል ዝነበሮ እዩ

POST A COMMENT