Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጾር ከቢዱና

ጾር ከቢዱና      ዕለት 09.12.2014   ዕሽነት ድዩ ወይስ ግርህና ስሱዕ ጸረህዝቢ ዓቑፍና ኮሎና ፍረ ቃልስና ንክሓፍስ ተመኒና እንሆ በሉ ከምዚኣ ኮይና   ዝቀደመ ኣብ ኣገልግሎት በልዩ ዝደሓረ ካኣ ሃዲሙ ዓሻ ድዩ መፍትሒ ግን እንታይ ኢዩ፧   መንግስቲና ሽፍታ ከታሪ ተቛዉሞና ዘይብሉ መጽለሊ ጽንኩር ጉዕዞ ዘይብሉ ሓባሪ ኩሉ ፋሕ

ጾር ከቢዱና      ዕለት 09.12.2014

 

ዕሽነት ድዩ ወይስ ግርህና

ስሱዕ ጸረህዝቢ ዓቑፍና ኮሎና

ፍረ ቃልስና ንክሓፍስ ተመኒና

እንሆ በሉ ከምዚኣ ኮይና

 

ዝቀደመ ኣብ ኣገልግሎት በልዩ

ዝደሓረ ካኣ ሃዲሙ ዓሻ ድዩ

መፍትሒ ግን እንታይ ኢዩ፧

 

መንግስቲና ሽፍታ ከታሪ

ተቛዉሞና ዘይብሉ መጽለሊ

ጽንኩር ጉዕዞ ዘይብሉ ሓባሪ

ኩሉ ፋሕ ዝበለ ዘይብሉ መእሰሪ

 

 

ባድመ ንኹናት ታኣዲዳ

ንሽፍትነት እዉን  ብሔረ ራሻይዳ

ንብሔረ ከበሳ ኣተፋኒንካ ብእንዳ

ኤርትራናስ ድሮ’ባ ኢያ ተቀይዳ

 

 

ሲናይ ኤርትራ ቐጠልያ መብራህቲ

ንኣና ክሓርዱ ክሸጡ ከምከብቲ

መንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቡ መጽነቲ

ናይ ኩሉ ሽፍትነት መሕቢት ብዓቲ

 

 

ኦሮማይ !

 

ምስ ሸየጥቲ ኮላሊት

ሸየጢ ሰብ ካብ ገበሩ መኽሰብ

ፍታሕ ኣይኮነን ዶላር ሒዝካ ዘብዘብ

ማሓዉሮም ክንበትኮ ሓቢርና ንላዘብ

 

 

 

 

ኣነ ድሓን ኣሎኹ ካልእ እንድዒ

ዝብል ግብዝ ሓሳብ መጋዳድዒ

በለጽ ሳዕሪሩ ተሳኢንዎ ቅጥዒ፡

 

 

ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ሃሊቖም ደቕና

ገለና ንስሕቅ ገለ ተኾርሚና

ገሊኤን ተደርሚመን ገሊኤን ይሕነና

ሰብ ተጣላሊሙ ሲኢኑ ሕልና

ሓቂ ጠፊኡና ኣምላኽ ርሒቑና

እወ ! ሎምስ ጾር ከቢዱና፡

 

ለይትና ምዉግሑ ስለ ዘይተርፍ

ኣይንጣለም ንተሓላለ  ደቂ ኤረ

ሕማቕ ስም ኣይነትርፍ፡

 

ንኩሉ ኣወንዚፍና ብሓባር ንገስግስ

ካብ’ዛ ሕማቅ እዋን ክንድሕን…

እቅረታን ሕድገትን ነንግሥ

ኩሉ ኣብ ኢድና ኢዩ…

መሊስና ታሪኽና  ክንለብስ።

 

እስጢፋኖስ መንግስትኣብ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER December 16, 2014

    ንህዝቢ ኤርትራ እዛ ግጥሚ ሰዲደሎምሲ ዝሃቡኒ መልሲ ዕሸላውን ዘሕንኽን እዩ።ድሓር ድማ ብግጥሚ ጌሮም መሊሶምልና ነዞም ወጻ ኢ ዘለና።እዚ ዝስዕብ

    “ሕልሚ ዓረባዊት ኤርትራ፣ላብ ትግራይ ትግርኚ ተቐይራ”

    ባዕልኹም መምጻእቲ ጓይላ______________ ባዕላትኩም ፈንጣሕቱ
    ዘይተወረ መሬትና እናፈለጥኩም____ መንእሰያት ናብ ባድመ ተኽትቱ
    ብዶላራትኩም ______ነቶም ነጻነት ዝፈረሙልና ካብ ሱሮም ከተጽንቱ
    መታን ኢሳያስ ከእትወሉ _______ማሕበር ኣንድነት ደቂ መዛምርቱ
    ቀደም ምስ ወያነ ሎሚ ምስ ደምሒት____ ኢትዮጵያውያን ደቂ ዓዱ
    መልእኽቲ ጃንሆይ__________ ብሲ ኣይ ኤ ባጤራታት ተመጽዊቱ
    ንኤርትራ ኢሉ ዝተሰለፈ ______ምእንቲ ሓንቲ ኢትዮጵያ እዩ ሞይቱ
    ደም ዓያሹ ምንም ከይጎደሎም__________ ንባርነት ሂወቶም ዘጽንቱ
    ሕልሚ ኤርትራ ምስ ጀብሃ ዓባይ___ ሱዳን ሓሊፉ ጀርመን ካብ ዝኣቱ
    ሳላሳ ዓመት ኣሕሊፉ ______ሕጅስ ንትግራይ ትግርኚ ድኣ ተመጽወቱ
    ብኾቦሮ ኣቢና ብሕምብጢት ደቂ ባንዳን ራቢጣን ክብረት ስለ ዘይንፈቱ
    እሞ ክሃጅሙ እንተደልዮም_____ ኣይተ እስቲፋኖስ ሃየ ቲኬት ይሸምቱ
    ሱዳን ኣይተፍቅድ ______ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ሰብ ብረት ዘይተእቱ
    ኣማሪክኦም ይሃርሱ ______ምስ ስድርኣቶም ሃምበርገሮም እናቋመቱ
    ዓባይ ትግራይ ትመጽእ ኣላ NOVEMBER 2015 ካላንደሮም ይሓንጥጡ !!!!

    ኢሎም ዘሕርቕን ዘይሃገራውን ሕልሚ ወያነ ዝኾነን መልሲ ሰዲዶምልና፣ ካብ ኤርትራ !!!

  • zgeremo December 16, 2014

    NoBle tea her kkkkkkkkkkkkkkkkk qexilo

  • wedi fre December 17, 2014

    Noble Destroyer!!
    Stop inciting hatred between us and Ethiopians!!
    Let us stick to Eritrea and Ertitreans!!

    You have a different goal I am sure!!

    Dear Readers please take care!!

  • ogbai December 17, 2014

    ኣንታ መምህር ኣይበዝሔን’ዶ ረስኻ ምንቕነቐ ኣብ ኩሉ ተኽድድ ንመን ኢኻ ክትጣበቐ ራኢኻ ኣቐድም ኣብ ክንዲ ጦብሎቕሎቐ መትከልካ ኣንጽር ኣብ ክንዲ ርእስኻ ንቕንቐ፡ ዘይወግሕ ድዩ መሲልካ እዚ ጸገም ኣብ ኩሉ ዘሎ እኮ’ዩ ኣብዚ ዓለም፡ ድኽመታትና ጥራሕ ከትዳምቕ ንመን ሕዝካ ኢኻ ንመን ከተሕምቕ ክይደቀስካ ትሓደር ሕምቕና ከተዳምቕ ጽቡቕና’ባ ኣውጽእ ገለ’ካ ኣምሉቕ፡ ካንድዩ ኮይንካ ተስፋ ቆሪጽካ ዘይወግሕ ድዩ መሲልካ መስዋእቲ ህዝብና ከንቱ ከይምስለካ ሕሰበሉ ድኣ ኣይፋልካ ኣይፋልካ እምቢ እንተልካ ግን መከራ ይምከርካ፡ ዘይወግሕ መሲልውንስ ኣብ ቦኽራ ይሓርኣ ብዙሓት ኣለዋ ናይ ትማል ርእየን ናይ ጽባሕ ዘይሪኣ ተስፋ ኣለና ሃገርና ኣብ ንቡር በጺሓ ክንሪኣ ምልኪ ፈሪሳ ብፍትሕን ሕግን ተትኪኣ፡ ወይ ቀጥ ኢልካ ምስ ሰብ መትከል ወይ ዶብና ስገር ዕሱብ ኩን ተገላገል፡ ብዛዕባ ኣገባብ ቃልስና ናይ ውሽጢዶ ናይ ደገ ባዕላትና ኣለናዮ ብዝሕ ኣይትጋገ።

  • THE NOBLE TEACHER December 17, 2014

    ዝኸበርካ ዑቕባይ፣
    ወዮ ድኣ ዘይተረድኣካ ኮይኑ እምበር ታሪኽ እየ ጸውየ።ኣነ ሙታንታ ናይ ማንም ስለ ዘይኮንኩ መርገጸይ ምስ ህዝቢ እዩ፣ኣነ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ እየ።ነቶም ብናተይ ዕድመ ዝርከቡ እንታይ ይዛረብ ኣለኹ ይርድኦም እዩ።ኣነ ንመንእሰያት ሓንቲ ሓላፍነት ኣይህቦምን እየ።መቸም ነዊሕ ሰብ ወይ ልቢ ወይ ስረ ይሓጽሮ ከም ዝብሃል ሕጽር ዝበልካ እንተዄንካ ነቶም ሓጸርቲ እቲ ውስጠ ምስጢር ናይቲ ሱፐር መስተውዓልቲ ዝኾነ ቃላታት ግለጹለይ በሎም።ናይ ብሓቂ እንተዝርድኣካ ግን ነዛ ነብሰይ ኣነ ካብ ዘድንቓ ንላዕሊ መድነቕካያ።ወያነ ምስ ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ንጀብሃ ምስ ወቕዑዋ ሽዑ ቃልሲ ኤርትራ ናብ ኣቢሲንያዊ መልክዕ ቀይሩ።ግን ግዜ የብለይን ወይ ንሓደ ሓጺር ወይ ንሓደ ትግራዋይ ግለጹለይ በሎም።

  • feven amaniel December 19, 2014

    Bhaki aboy izghi afleteka. Kunetatna grm greka gelixkayo aleka.inte iti regaxi meswaetnan raiinan hlmnan beal gzie koynu beynu indyu ab alem sebay zkone zmeslo zelo mealtka traay text be.

POST A COMMENT