Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኣለና!

ኣቦዋት ክምስሉ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ እናፈለጥና ኢና ንመውት ንጠፍእ ንበታተን ዘለና፡፡ እቲ ድሕረይ ዋላ ሳዕሪ እውን  ኣይትብቆላ ብምባል ሱር መሰረትና ሓግሒጉ ከጥፍኣና ዘንቀደ ኢሳይያስ ድማ እናሰማዕና ኢዩ ምስ

ኣቦዋት ክምስሉ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ እናፈለጥና ኢና ንመውት ንጠፍእ ንበታተን ዘለና፡፡ እቲ ድሕረይ ዋላ ሳዕሪ እውን  ኣይትብቆላ ብምባል ሱር መሰረትና ሓግሒጉ ከጥፍኣና ዘንቀደ ኢሳይያስ ድማ እናሰማዕና ኢዩ ምስ ትንፋስና ዝቐብረና ዘሎ፡፡ ኣረ እናታይ ኢና ንኸውን ዘለና….? እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ድምጽና ዓቢስና ኣእዳውና ኣጣሚርና ንምጾታትና ንጽበ ዘለና….? ነቲ ቀታልን በታታንን ስርዓት ህግደፍ ንይምሰል ንቃለሶ ኣለና ካብ ንብል ሓያለይ ዓመታት ንኾንቱ ባኺኑ ኢዩ፡፡ ነቲ ሰላምን ራህዋን ክርኢ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንእሽቶ ጩራ ብርሃን ንተስፋ እውን ከነርእዮ ኣይከኣልናን፡፡ ይቃለሱ ዘይኮኑ ዘለዉ ይነብሩ ኢዮም ዘለዉ ኣብ ምባል እውን ተበጺሑ፡፡

ከም ነገር ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ ክንከውን የብልናን፡፡ እቲ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኣቕኒዕናዮ ዘለና መስትያት ምስልናን ተግባርናን ክንፍልጥን ክርእየሉን  ናባና እውን ከነዝሮ ኣለና፡፡ ነብስናን ኣካይዳናን ክንፍትሽን ክንምርምርን ኣለና፡፡ ካብ ምቅዋም ሓሊፍና ንኸይንቃለስ ዝኽልክለናን ዝዕንቅፈናን ዘሎ ንረብሓ ውልቀ ሰባት ዝተደኮነ ዘየፋላልየና መፈላየይታት ክንስዕሮን ነቶም ኣብዚ ሕዛእቲʼዚ ተሸጊጦም ሕምስምስ ዘእትዉልና ዘለዉ ብዝሰመረ ድምጺ ኣይፋልኩምን ክንብልን ክንክእል ኣለና፡፡ ኣብ ክንዲ ካብዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደበና ብኸመይ ብዝቐልጠፈ ንድሕን ገዲፎም፡ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተነድቐ  ፖለቲካዊ ኣጀንደኦም ሸንኮለል ዘቡሉና ዘለዉ፡ ዋላኳ ካብ ቃልሲ ጡረታ ክንብሎም ዝኸብድ እንተኾነ፡ ከምቲ ንስርዓት ህግደፍ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቦ ኣለዎ እንብሎ፡ እቶም ብዜካ ምምራሕ ተመሪሖም ክኸዱ ፍጹም ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኣብዝሓ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ብጊደኦም መቐይሮ ከምጽኡ ንእሽቶ ተስፋ ክሶኽዑልና ካብ ዘይከኣሉ ንኽመርሕ ዝኽእል ከረክብዎ ኣለዎም፡፡

ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ እንተ ኣሚናሉን ኣስሚርናሉን ናብ ጓል መገዲ ዘኺደና ነገራት ብፍጹም የለን፡፡ የግዳስ ኣብ ባይታ ንርእዮ ዘለና ጭቡጥ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ግን፡ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ንጉጅለ ህግደፍ ረሲዕና ንሕድሕድና ከም ኣናብራ ዓሳ ክንበላላዕን ክንወናጀልን ነባኽኖ ግዜ ነጥፍኦ ገንዘብ ኢቲ ዝበዘሐ ኢዩ፡፡ ሎሚ ሓደ ነገር ኣንፈት ሒዙ ኢልካ ተስፋ ትገብር፡፡ ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ እቶም ጽቡቕ አንተራኣዩ ውቃቤኦም ዝለዓሎም ጋንግሪን ዝገበሩ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ መስአን በሊሕ ፋስን ተዓጢቆም ከፍርስዎን ክቖራርጽዎን ትርኢ፡፡ እዋእ እንታዩ ኢዩ ዝግበር ዘሎ፡፡ ከምዚ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝኸዶ ዘሎ ዘይተነጸረ ሓበጀረዋይ ጉዕዞ ኣብ ዓለም ምሉእ እውን ኣይተራኣየን፡፡ ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ኮይና ተበታቲና ንህግደፍ ክንኣልዮን ህዝብን ሃገርን ካብ ምጽናትን ምብትታንን ከነድሕኖ ድማ ሕልሚ ኢዩ፡፡ እዚ ፍጹም መቐይሮ ከምጽእ ዘይክእል ፋሕ ፋሕ ዝበለ ናይ ደቂ ዛግራ ኣካይዳና ድማ ኢዩ ይቃለሱ ዘይኮኑ ይነብሩ ኢዮም ዘለዉ ዘብለና፡፡ ምንባርን ምቅላስን በበይኑ ስለ ዝኾነ፡፡

ብዙሓት ካብቶም ብልቢ ብቕንዕና ሕልንኦም ገዲድዎም ክቃለሱ ዝደልዩ ኣብ ምቅዋም ተሓጾሮም ዘለዉ፡ በቶም እናፈለጡ ደቂሶም ዘለዉ ብቕዓት ኣመራርሓ ዝጎደሎም መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ፡ ንሶም እውን ከይፈለጡ ደቂሶም ምህላዎም ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ “እንታይ እሞ ክንገብር ዝመርሓና ስኢና! ምስማር እኮ ኣብዮም! እንተዝሓብሩ ከምዝን ከምዝን እንተዝገብሩ ንሕና እውን እቲ ዝግበር ምገበርና!” ዝብሉ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ እቶም ዝበዝሑ ኢዮም፡፡ በቶም እናፈለጡ ዝደቀሱ ተጸልዮም ከይፈለጡ ደቂሶም ምህላዎም ንባዕሎም ኣየስተባሃሉን ዘለዉ፡፡ ስለምንታይ ተጸበይቲ ጥራይ ንኸውን…? ስለምንታይ ክንመርሕን መቐይሮ ክንገብርን ከም ንኽእል ንነብስና ዘይነእምና….? ስለምንታይ ነቶም ሱር ዝሰደዱ ዓንቀፍቲ ድሕሪ ደጊም ይኣክል! ዝብል ሓባራዊ ድምጺ ዘይነስምዕ..? ስለምንታይ ነቲ ኣብ ህልኽን ቅርሕንትን ዝተሰረተ ዘየሰጉም ዝበለየ ኣተሓሳስባ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ያዕ ኢልና ሰፊሕን ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን ናይ መቃለሲ ባይታ ክንፈጥርን ከነንጽፍን ወንን ትብዓትን ዘይንዕጠቕ…? በቲ ንበሎ በቲ ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኢና ዘለና፡፡

ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ናይ እንታይ ገደሰኒ ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣእትዩ፡ ኣብ ክንዲ ንመሰረታዊ ፍታሕ ንልብያን ሰሃራን ንሲናይን ባሕርን ንኸምርሕ ዝዳርጎ ዘሎ፡ ተስፋ ዘይብሉ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ፡፡ ተስፋ ዘለዎ ነገር ምስ ሰኣነ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓደጋ ኣብ ዘለዎ ነገር ኣትዩ፡ ንህይወቱ ንሞት ኣረኪቡ፡ ብተኣምራት ከም ገለ እንተደሓነ ካብ ኣይፈተንካን ፈቲነ ንምባል፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት ውሳነ ኢዩ ንርሑቕ ማዕዶ ስደት ከም ዘቋምት ዝገብሮ ዘሎ፡፡ ንብዙሓት ተወኪሰ ዝረኸብኩዎ መልሲ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ “ምተቓለስና ጽባሕ ንግሆʼሞ መንʼዩ ክመጽእ…?” መልሲ ዘይብሉ ዝተንጠልጠለ ሕቶ ኢዩ፡፡ ተስፍኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣዝዩ ዝማህመነ ኢዩ፡፡ ስለምንታይ…..? እቲ መልሲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ድርዕቶ ተጎምጊሙ እናፈለጠ ደቂሱ ስለ ዘሎ ኢዩ፡፡ ዋዕላ ቃሊቲ፡ ዋዕላ ምሁራን ግዮን፡ ጉባኤ ኣዋሳ፡ መኣዲ ዘተ ደብረዘይቲ፡ ሰሚት ቦለኛ፡ መድረኽ …….. ወዘተ ኩሎም ጽቡቕ ኣስማት ለቢሶም ግን ከኣ ደቂሶም ዘለዉ ስራሓት ኢዩም፡፡ ስለምንታይ…..? እቲ ዝዕንቅፍ ዘሎ መን እንታይʼዩ..?

እቲ ቀንዲ ጸገምና እንታይ ኢዩ ሓቲትናሉን ሓሲብናሉን ንፈልጥ ዶ…? እቶም ንኽመርሑናን ከማእዙኑናን እንመርጾም መራሕቲ ብሕኸኸኒ ክሓከካ ብቲፎዞይ ቲፎዞኻ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ኮፍ ነብሎም ስለ ዝለና ኢዩ፡፡ እንትርፎ ንጉጅለ ንዕብይ ዝበለ እኩብ ሃገራዊ ሓይሊ ክመርሑ ዘይክእሉ፡ ብቕዓትን ክእለትን ጹረትን ዝጎደሎም ስለ ዝኾኑ ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ቃልስና ክዕወት ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣትን ምብትታንን ከነድሕኖ፡ እቲ ናይ ሞትን ማእሰርትን ግልያነትን ሕሱም እዋን ህግደፍ ከነሕጽሮ፡ ሒዞምና ዝድቅሱ መራሕቲ ዘይኮና ክንመርጽ ዘለና፡ ካርዝማቲክ ዝኾኑ፡ ኣሚኖም ዝእመኑ፡ ዓብይ ልቦናን ሰፊሕ ኣመለኻኽታን ዝውንኑ፡ ካብ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ኣከያይዳ ነጻ ዝኾኑ፡ ንሰባት ብኽእለቶምን ፍልጦቶምን ብቕዓቶምን እምበር ብመልክዖምን ኣለባብሶኦምን ዘይመዝኑ፡ ንጉጅለ ዘይኮነ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ግንባር ክመርሑን ከዓውቱን ዓቕሚ ዘለዎም መራሕቲ ክንመርጽ ኣለና፡፡ ኣይኮነን ካብቲ ፈሊጥና ዲና ከይፈለጥና ደቂስናዮ ዘለና ካብ ሞት ዘይንእስ ከቢድ ድቃስ ክንባራበር ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ሕጂ ውን ከምቶም ዝሓለፉ ዋዕላታት ኣኼባታት ምግባሮም ዘይተርፍ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ዝግበር ኣኼባታት በቶም እናፈለጡ ደቂሶም ዘለዉ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ንሕና እውን ምስኦም ተሰሪዕና ንኽንድቅስ ዝወሃብ መደቀሲ ከኒና ውሒጥና ንድቅስ እንተድኣ ኮይና ምቅላስና ፍረ ኣይክህልዎን ኢዩ፡፡ ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኢና ዘለና፡፡ ዝደንዘዘ ሰብነትና ማይ ዝሑል ነፍስሰሉ ንበራበር፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele 251-921924501

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • yeahia April 15, 2014

    Well;since you have or at least you seem to be figured out the problem than Mr.Aranchy ;than what do you think will be solution or you only put it our problems; if you would put it down in ordinary fashion in step by step than at least we will have an idea than Mr. Arancy. In respect of you of course .

  • Daniel April 16, 2014

    MCKefa first of all try to use your real name before you open your stinky mouth on someone. secondly learn to have some respect. I have no doubt in mind that either you are not Eritrean or you belong to those ppl Michael is making mention of.
    @ Kebero, the same suggestion as to McKefa, in addition to the fact I know you making a profit out of the current messed up situation.
    my advice to both of you please leave Eritrean problem upto eritreans period!

  • ahmed saleh April 17, 2014

    Aranchi
    Nice to see your article again and don’t
    gain surprised for the forum attacked
    with virus . I think it has to do with the political process of up and down cycle .
    Keep it and don’t give up .

POST A COMMENT