Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ናይታ ብዓሌታዊ ስርዓት ትምራሕ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብተወፋይነቱ ንሰላምን ዕርቅን ዓለማዊ ኣርማ ዝኾነ ኒልሰን ማንዴላ ዓሪፉ።

ብህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ኣቦ ሃገር፣ ብዓለም ድማ ኣርማ ሰላምን ዕርቅን ዝፍለጥ ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ናይታ ብዓሌታዊ ስርዓት እትምራሕ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ህቡብ መራሒ ኒልሰን ማንዴላ፣ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ሎሚ ሓሙስ 5 ታሕሳስ ዓሪፉ። ሞት

ብህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ኣቦ ሃገር፣ ብዓለም ድማ ኣርማ ሰላምን ዕርቅን ዝፍለጥ ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ናይታ ብዓሌታዊ ስርዓት እትምራሕ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ህቡብ መራሒ ኒልሰን ማንዴላ፣ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ሎሚ ሓሙስ 5 ታሕሳስ ዓሪፉ።

ሞት ናይቲ ኣንጻር ዕብለላ ጽዓዱ፣ ጸረ ኣፓርታይድ ዝተቓለሰ፣ ምእንቲ ዕላምኡ ን27 ዓመታት ዝተሓየረ ማንዴላ፣ ንህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃን ዓለምን ብተሌቭዥን ዘርድአ፣ መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፣ “ ሃገርና ብሉጽ ውላድ፣ ህዝብና ድማ ብሉጽ ኣቦ ስኢኖም ኣለዉ፣ ማንዴላ ሓዲጉና ከይዱ” ክብል ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ባንዴራ ‘ታ ሃገር ናብ ፍርቂ ለጠቕ ክትብል ኣዚዙ።

ዕረፍቱ ዝሰምዑ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ባንዴራ ሃገሮም እናውለብለቡ ኣብ ፊት ገዝኡ ብምእካብ ሓዘሞም ክገልጹን ልዕሊ ዓሌታዊ ፍልልይ ክብል ኢሉ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምሕባር ከመጕሱን ኣብ ኣህጉራዊ ፈነወ ቴለቭዥናት ተራእዮም።

መራሕቲ ዓለም ከኣ ብሞት ናይቲ ንደቡብ ኣፍሪቃ ን5 ዓመት ድሕሪ መምርሑ ባዕሉ ስልጣኑ ዝገደፈ፣ ብሞራላዊ ልዕልናኡን ውርዙይነቱን ዓለማዊ ኣድናቖት ዝረኸበ ኒልሰን ማንዴላ፣ ዝተሰመዖም ሓዘንን ኣኽብሮትን ይገልጹ ኣለዉ።

ኒልሰን ማንዴላ ብሕማም ተኻኢሉ ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Solomon December 6, 2013

    Alem lomi hadi Abi tarik zeserhe seb atifea.
    Behlfi ne African Africawiann.
    Mot zeyterif sele zkone kem seb kehalif gidin selezekone ember
    Kehalif aymedelenan.
    Bezekone gigna eyu beal tsbuk tarik.
    Tebae eyu meinti haki zeseyef.
    Bela tsbuk tarik.zelealemawi erefti yegberelka.
    Abzi neana hizuna zelo himak seb nemeles meinti tikum nesebat zetifei
    Haki zebehal begega wetsiewo zeyfelit.
    Himak beal himak tarik.
    Mandela beal tsbuk tariki eyu.Tarik dema hidget aygebirin eyu
    selezekon Mandela betsuk kezeker kinebir eyu.
    Netom hatelatat kem beal wedi afewerki dema aymehiromn eyu
    Behatelanetu kezeker kinebir eyu nsebun nedekum kesakyom kenebir eyu.

    Solomon

POST A COMMENT