Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈተናን ተጻዋርነትን

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ ፈተናን መከራን። ትዕግስቲ ክንብል ከሎናኸ ነቲ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ናይ ተጻዋርነት ተኽእሎ ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ዲና? ደረጃታት ተጻዋርነት ሰብ እተፈላለየ ምዃኑ ንፈልጥ ዲና?

ናይ ፈተናታት ምምካት ተኽእሎ ኣብ እተፈላለየ ረቛሒታት እተመርኮሰ እዩ። እዚ ድማ በቲ ናይቲ ዚፍተን ዘሎ ሰብ ኣእምሮን ኣተዓባብያን ይጽሎ። ገለ ሰብ ብንእሽቶ ፈተና ኣንፈቱ ኸጥፍእ ከሎ፡ ገለ ድማ ብቐሊሉ ይሰግሮ። ፈተናታት ንገለ ትምህርቲ ኪኾኖ ከሎ፡ ንገለ ድማ ናብ ጭንቀትን ጽላለን የብጽሖ። ገለ ኪፈትሖ ይጋደል፡ ገለ ድማ ከም ዘየልቦ ገይሩ ንነብሱ ከእምና ይፍትን።

ሽሕኳ ኩሉ ሰብ ተመሳሳሊ ኣካላት እንተ ሃለዎ፡ ገሊኡ ሕማም ዘይክእል፡ ገሊኡ ስቓይ ዘይጻወር፡ ገለ ረዓዲ፡ ገለ ኸኣ ሰማይ እንተ ተገልበጠ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣሎ።

ተምሃሮ ኸሎና: ሓደ የማነ ዚብሃል ወድክላስና ይዝከረኒ። ንሕና ብሻቦጥ ክንህረም ከሎና ነታ ክፍሊ ብኣውያት ነንቀጥቅጣ: የማነ ግን ብሓለንጊ ኪግረፍ ከሎ ነተን መምህር ከሕርቕ ኢሉ ይኹን ወይ ናይ ስምዒት መትንታቱ ሞይቱ ይኹን: ኣሰይ ኣሰይ ክጥዕም: ድገማኒ… ይብል ደኣ ነበረ።

ወድሰብ ከምቲ ብመልክዕን ሕብርን ቅርጽን ዚፈላለ፡ ብባህርያትን ውሽጣዊ ትሕዝቶን ድማ ይፈላለ እዩ። ካብኡ ናብኡውን፡ ደቀንስትዮ ካብ ደቂተባዕትዮ ዝያዳ ናይ ተጻዋርነት ሓይሊ ኣለወን ይብሃል።

ተጻዋርነት ብኣካልን/ስጋን ከምኡውን ብኣእምሮ ይካየድ። ግን ኣእምሮ ንኣካል/ስጋ ኪጸልዎ ስለ ዝኽእል (mind over matter) እቲ ናይ ምጽዋር ሓይሊ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ኣእምሮ እዩ ዚምርኮስ።

ኣብቲ ፈተናታት ዝበዝሖ ናይ ህይወት ጕዕዞ፡ እቲ ኣእምሮ ተስፋ ምስ ዚረክብ፡ ነቲ ደኺሙ ዘሎ ኣካላት ኪቕጽል ይሕግዞ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ኣብቲ ኣእምሮ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ኣሰራት ምስ ዚህሉ፡ እተን ኣዝየን ዝጠንከራ ኣእጋርውን ሰንከልከል ኪብላ ይጅምራ።

እምነትካ ኣብ ሰብ ኣንቢርካ ይኹን ወይ ኣብ መለኮታዊ ነገራት፡ ነቲ ኣእምሮ ተስፋን ውሕስነትን ስለ ዚህቦ፡ እቲ ኣእምሮ ድማ ብግደኡ ነቲ ኣካል ኪቃለስ ሓይሊ ስለ ዝህቦ፡ እቲ ኣብ ሓደ ነገር ኣሚኑ ዚጎዓዝ ሰብ ካብቲ ዝኣምኖ ነገር ዘይብሉ ተጐዓዛይ ንላዕሊ ብቐሊሉ ኣብ ዕላማኡ ኪበጽሕ ይኽእል። ስለዚ ኸኣዩ እቶም ኣብ ሓደ ነገር እምነቶም ዘንብሩ ሰባት፡ ካብቶም ዝኣምኑዎ ነገር ዘይብሎም ሰባት ዝያዳ ንጸገማት ኪጻወሩ ዝኽእሉ።

ተጋደልቲ ኤርትራ: ኣብ ምዕዋት ሰውራን ኣብ ናጽነት ኤርትራን ነቕ ዘይብል እምነት ስለ ዝነበሮም እዮም ወድሰብ ኪስከሞ ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይግመት ጸገማት ተጻዊሮም ናጽነት ዘምጽኡ።

ኣብ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ምዕባለ፡ ፈተናታት ኪመጹ ባህርያዊ እዩ። ኣዕሚቝካ ምስ እትርእዮ ግን፡ እቶም ፈተናታት እንብሎም፡ ዝመጽኡ ወይ ዝኸዱ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጕዕዞኻ ዚጓነፉኻ መሰናኽላት እዮም። ንባዕላቶም መሰናኽላት ኣይኮኑን፡ ግን ንኣኻ ተጓዓዛይ መሰናኽላት እዮም።

ይኹንምበር: ሓድሓደ ግዜስ ኣብ ፊትና ተገቲሮም ንኽጸንሑና ባዕልና ኢና እንዕድሞም። ዝዓደምካዮ ጸገም ወይ መከራ ድማ ዕድመኡ ኣኽቢሩ እዩ ዝመጸካ።

ዝኾነኾይኑ እስከ ንውሕጅ ከም ኣብነት ነምጽኣዮ። ነዊሕ መገሻ ትጎዓዝ ኣሎኻ ንበል። እቲ መሬት ለጥ ዝበለ እዩ። ስለዚ ብሰላም ጕዕዞኻ ትቕጽል። ኣብ ሓደ ህሞት ግን፡ ኣብ ቅድሜኻ ንኽትሳገሮ ኣስጋኢ ዝኾነ ዓቢ ውሕጅ ትረክብ። እቲ ውሕጅ ካብ ቀደሙ ኣብኡ ዝነበረ እዩ። ቦታኡ እዩ። ንስኻ ኢኻ መጺእካዮ። ግን ከኣ ክትሰግሮ ኣሎካ። ስለዚ ኣብቲ ናይ ህይወት ጕዕዞውን ከምኡ እዩ። ግድን ክትሰግሮም ዘሎካ ፈተናታት ክትረክብ ኢኻ። ንኣኻ ኢሎም ዝመጹ ዘይኮነስ: ኩነታት ዝፈጠሮም እዮም።

ግን ኣብቲ ምስጋርካ፡ ተጻዋርነት ኣሎካ ዲዩ ወይስ የብልካን? ንኣብነት ነቲ ውሕጅ ክትሰግሮ ከሎኻ፡ ብታሕቲ ሸተት እናኣበለን ኣብ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ማይ እናጨንጐዐን ሞኽ ምስ ዘብለካ፡ ምጽዋር ስኢንካ በቲ ውሕጅ ተጎቲትካ ናብ ሞትካ ክትከይድ ዲኻስ ወይስ እናተቓለስካን ነቲ ዝጻባኣካ ኩሉ እናተጻወርካን ክትሰግር ኢኻ? ኣብዚ ኩነትዚ፡ ዕላማን እምነትን ዓቢ ተራ እዮም ዚጻወቱ። ምናልባት ኣብቲ ስግር ውሕጅ: ጸላኢኻ ይጽበየካ ከም ዘሎ እንተ ትፈልጥ፡ ዘልሓጥ ኢልካ ምወደቕካሞ በቲ ውሕጅ ተጎቲትካ ድማ ምኸድካ። ምናልባት ኣብቲ ስግረ-ውሕጅ ንኣፍቃሪትካ ብማዕዶ እንተ ትርእያ ድማ፡ ነቲ ውሕጅ ጨዲድካ ምተሳገርካ። ኣእምሮ ንኣካላት ይእዝዞን ይጠውዮን ከም ዚቃለስ ይገብሮን እዩ፡ ብኣኡ መጠን ድማ ንተጻዋርነት የደልድሎ።

ይኹንምበር፡ ተጻዋርነት ክንብል ከሎና ብኽልተ መገዲ ክንርእዮ ድማ ይግባእ።

  1. ኣብ ዕላማን ራእይን እተመርኮሰ ተጻዋርነት (ንጡፍ ተጻዋርነት)

ከምዚ ዓይነት ተጻዋርነት ኣብ ናይ ኤርትራ ሓርነታዊ ገድሊ ተራእዩን ተዘንቲዩሉን ስለ ዝኾነ: ኣብዚ ምድጋም ኣየድልዮን።

 

  1. ኣብ ተፈጥሮ ወይ ባህሪ እተመርኮሰ ተጻዋርነት (ልኡም ተጻዋርነት)

ንኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመታት ብጸዓዱ እተገፍዑን እተሳቐዩን ጸለምቲ ኣመሪካ፡ ልዑል ግምት ኪወሃቦ ዚኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኣየርኣዩን። ነቲ መከራን ስቓይን ለሚዶምዎ ግዲ ኾይኖም: ትም ኢልካ እህህ ምባል ወይ ምድራፍ መሪጾም። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ህድኣታዊ ስቓይ ግሁድ ካብ ዝገበሩ ህዝቢ ኣብ ግዜ ሂትለር ዝነበሩ ኣይሁድውን ከም ኣብነት ኪጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ህዝቢውን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እንተ ዘይኮይኑ: ኣንጻር ገዛእቶምን ነዓቕቶምን ዝዓለመ  ርሱን ተቓውሞ ከርእዩ ኣይከኣሉን። ከምዚ ዓይነት ባህርያት ሓሓሊፉ ኣብ ገለ  ህዝብታት ይረአ እዩ። ህዝቢ ኤርትራውን ነዚ ዓይነት ባህርይዚ ዝርዕሞ ዘሎ ይመስል።

ፈተናታት ከም መሰናኽል ኮይኖም ንወድሰብ ኪብድሁዎ ኸለዉ: ከም ግብረመልሲ ኣርባዕተ ኣማራጺታት ኣለዉዎ፥

  1. ደጋጊምካ ምፍታን (ውሕጅ ፈሪሀዶ ኣብ በረኻ ክሓድር ኮይነ?)
  2. ግዜኻ ምጽባይ (እቲ ውሕጅ ክሳዕ ዝሃድእ ዘይጽበ)
  3. ካልእ ኣማራጺ ምድላይ (ኻልእ መሳገሪ እንተሎ ሃሰው ምባል)
  4. ኢድካ ምሃብ ወይ እቲ ጸገም የሎን ኢልካ ምሕሳብ (እቲ ማይ ይጕደል ኣይጕደል ብዘየገድስ: ኣብቲ ገምገም ውሕጅ ምንባር)

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓያሎ መሰናኽላት ወይ ፈተናታት ብምስጋር እዩ ኣብዚ ደረጃዚ በጺሑ ዘሎ። ናይ ኮሎንያሊዝም፡ ናይ ፖለቲካ፡ ናይ ቁጠባ፡ ናይ ኣውራጃውነትን ናይ ሃይማኖትን ፈተናታት። ንገሊኡ ከምቲ ዝግባእ ገይሩ ሰጊሩዎ፡ ንገሊኡ ድማ ሰኒፉሉን ካልእ ሳዕቤናት ከም ዘኸትል ገይሩዎን።

ሕጂ ድማ ኣብ ግዜ ኮሎንያሊዝም ዘይተራእየ ሓፍ ዘይብል ፈተና ተጓኒፉዎ ኣሎ። ካብተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣማራጺታት ንኣየነይተን እዩ ሒዙ ዘሎ?

ብናተይ ርእይቶ፡ እቲ ህዝቢ ነተን ሰለስተ ዳሕረዎት ኣማራጺታት በብእዋኑ ዝጥቀመለን ዘሎ ይመስል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Kesete July 28, 2015

    ‎ኣቀዲመ ሰላምታ ብቕዳም ካብዚ ቀጺለ ንኣማኑኤል ሳህለን ኣዳለውቲ እዚ መደብን ከመስግነኩም ይፈቱ፡፡
    ብፍላይ ኣማኑኤል ሳህለ ትጽሕፎ ጽሑፋት ንሕብረተ ሰብ ኣዝዩ ሃናጺ ስለዝኾነ ክትቅጽሎ ይላበወካ፡፡
    ንሕና ኣብ እስራአል ኩፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት(Holot) እንርከብ ኤረትራውያን ግዝየና ብከንቱ ይሓልፍ ስለዘሎ ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ምድረበዳ ናይ ኢንተርነት(Internet) መስመር ኣዝዩ ድኹም ዳርጋ ዘየለ ስለዝኾነ እቲ ዝሓሸ ንጽሑፋትካ ብመልክ መጽሓፍ ከነንብቦ ኢዩ ዝቀለለ፡ ስለዚ ጽሑፋትካ ኣብ መጽሓፍ ሓቲምካ ከምዝዘርጋሕካዮ ስሚዐ ዝለዘለኹ ብቀረባ መጽሓፍካ ኣበይ ክረኽባ ይኽእል፧ ካብ ጋዜታ ሓዳስ ኤረትራ ኣትሒዝካ ክሳብ ሕጂ ተቅርቦ ዘለኻ መሃሪ ጽሑፋት ብልቢ የመስግነካ፡፡

  • Kesete July 28, 2015

    ከምኡ ውን መጽሓፍካ ኣብ እስራኤል እንተዘርጊሕካያ ቡዝሕ ሰብ ክትምህር ትኽእል እያ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ እስራኤል ንርከብ ኤረትራውያን ጽምኣት መጽሓፍቲ ትግርኛ ኣለና፡፡

POST A COMMENT