Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈውሲ መርዚ ገበል ሓድነት።

ፈውሲ መርዚ ገበል ሓድነት። እዝክረካ’ወ ንቑሕ ዉፉይ ንጉስ በረኻ፡ ቆራጽነትካ ዘፍትሔ ዕጥቂ ጸላእትኻ፡ ዓወት ንሓፋሽ ዝነበረ ስንብታኻ፡ ህይውትካ ዝኸፈልካ ንዕላማኻ፡ ነቕንቃ’ስከ ንዋዕሮ ሳሕል ብጸይትኻ፡ ከዘንትወልኩም ሕሰም ናይ ህዝብኻ። ኣቦኻ ተጸቢዮም ነይሮም ክላበውኻ፡ ናፍቖት መሊኻ መገሻ ኣርሒቖም ክደልዩኻ። ኣደኻ”ስ ደቅኻ ከጽንሓልካ ሃቂነን፡ ክመርዓው ያኢ ሓድጊ ክገድፉለን፡ ተካል

ፈውሲ መርዚ ገበል ሓድነት።

እዝክረካ’ወ ንቑሕ ዉፉይ ንጉስ በረኻ፡

ቆራጽነትካ ዘፍትሔ ዕጥቂ ጸላእትኻ፡

ዓወት ንሓፋሽ ዝነበረ ስንብታኻ፡

ህይውትካ ዝኸፈልካ ንዕላማኻ፡

ነቕንቃ’ስከ ንዋዕሮ ሳሕል ብጸይትኻ፡

ከዘንትወልኩም ሕሰም ናይ ህዝብኻ።

ኣቦኻ ተጸቢዮም ነይሮም ክላበውኻ፡

ናፍቖት መሊኻ መገሻ ኣርሒቖም ክደልዩኻ።

ኣደኻ”ስ ደቅኻ ከጽንሓልካ ሃቂነን፡

ክመርዓው ያኢ ሓድጊ ክገድፉለን፡

ተካል ማህጸን ግን ሕሹኽ ኢላተን፡

እዚ ዝሰምዔት ዘይተጻዋሪት ልቢ ጠሊማተን።

ድኽነትን ዝኽትምናን በዲሆም ጎበዙ ደቅኻ፡

እንታይ ገደስኒ ስለመረጸ ዓደ’ቦኻ፡

ወዮ ገበል ኣርከበሎም ዝጠለመ ሕድርኻ፡

ናብ ዕዳጋ ኣውረዶም ክሕረዱ ኣብ በረኻ፡

ከም’ዚላ ጸነተት ብምልእታ ስድራኻ፡

ኣይከማኻን ኢና’ሞ ኣይትቀየም ሓደራኻ።

ኣንቲ ዋዕሮ ሳሕል ናባኺ ከዝብል፡

ኣብ ኣኻውሕ ምስ ድንኩላ ትዘልል፡

ጸላኢ ምሕናቕ ዝልማዳ ከም ነብሪ ጎልጎል፡

ኣንቲ ምሳሓ ጽንዓት ድራራ መትከል፡

ዘይብላ መዘና ኣብ ዝባን ታንኪ ትድብል፡

ሕቶ ኣላትኒ ኣዝያ ተሻቕል።

ነይራትና ድያ ንዓኺ ትመስል?

ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ህጻን ተወሊዱስ ትዕልል፡

ገጽ ወላዳት ብሓዘን ክቕምሰል፡

ሬሳታት ህጻናት ረጊጻ ትኮሓሓል፡

ክትውድሶ ንሃገር ዘጽንት ገበል፡

ዕብዳን እምበር እዚስ እንታይ ይበሃል፡

ንዓለም ገረሞ ናይ”ዛ ወላድ መኻን ዘይምስትውዓል።

ሰሚዕኩሞዶ ዛንታ ኣርብዓ ዝኣኸሉ፡

ኣብ ዓውደ ውግእ ትሓምበለ ዝበሉ፡

ታሪኽ ኣበላሽዮም መስዋእቲ ዝኸፈሉሉ፡

ጅግንነታዊ ታሪኽ’ወ ጸላኢ ዝተኣመነሉ።

ዘመናት ሓሊፉ ናይ 74 ከዕልሉ፡

ገበል ዝኣጎዶ መጥፍኢ ዝሰኣናሉ፡

ወላዲት ቀታልን ተቀታልን ዝሓዘነትሉ፡

መለበሚ ከይከውን ንገበል ከነድምዓሉ፡

ኣጸልሚቱ ኣዕዊርዎ ኣእምሮኦም ከይርእዩሉ።

ጸሓይ በሪቓ ትዓርብ ንዘውዲ ገበል ከስተብህሉ፡

ልቦና ጠፊኡ ንስኻ ትሓይሽ ዝተባህለሉ።

ሓላው ከብቲ ዝነበረ ዘንጊ ተኺሉ፡

ሓረስታይ ዝነበረ ማሕረሻ ኣትብዔ ብርዒ ክትኮኖሉ፡

ወተሃደር ዝነበረ ብረቱ ወልዊሉ፡

ብቖዓት ዘይብሉ ኩሉ ትግብኣኒ’ያ ኢሉ፡

ገለ ምሁር’ውን ንብልሽውና ትርጉም ኣውጺኡሉ።

ክሰምዑ ዘይፍትኑ ብዘይካ ትም በሉ፡

ቃላት ክምህዙ ዝነብሩ ከም ዓዋሉ፡

መኻን’ዩ ዘረባ ተግባር ዘይትውስኸሉ።

ሓድነት ክበሃል ኣለዎም ጋኒን ዝርእይሉ፡

ገደናታትን ዑናታትን ከለና፡ ኣደባባይ ጎደቦ ይኾሉ፡

ስሉም ኣዳራሻት ወትሩ ዝመናጨትሉ፡

ጽላል ዳዕሮ ከሎ ብይልሓሰና ዝተፈላለይሉ

መንገዲ ዓደቦ ጠፈኦም ንህዝቦም ዝመርሑሉ፡

ደጊም ሓፋሽ ትጽቢት የብሉን ከርህውሉ፡

ዘራእቶም ቂሂሙ ሰዊት ከይበልዕሉ፡

መፍቶ ገበል በብሓደ ይገሹ’ለው መዓልቶም ኣኺሉ።

 

እዚ መርዛም ገበል ኣብ ጎዳጉዲ ምሕዳሩ፡

ስመይ ይጽሕፍ ኢሉና ብጥይት ከውሒ ወቒሩ፡

ኣብዘይ ወዓሎ ሓሶትን ጃህራን ዝድራሩ፡

ፈሊጥናዮ ንዝና ጀጋኑ ናተይ ይብል ምንባሩ።

ክንደይ ጅግና ኣሳቒዩ ኣቕቲሉ ኣቕቢሩ፡

ዝሰክሑ ኣለው ስሙ ክለዓል ዝብህርሩ፡

ዝፈልጡ ኣሕዋቶም ከይሞቱ ኣብ ጎዳጉዲ ዝፈሩ፡

ለይትን ቀትርን ከይፈለጡ ንዓመታት ዝተኣስሩ፡

ገለ’ውን ትእዛዝ ገበል ተቐቢሎም ዘተግበሩ፡

ኣይተረድኣናን ከመይ’ሎም ደቂሶም ይሓድሩ።

ገለ’ውን ንቃወም ይብሉ ንገበል ክቕይሩ፡

ምስጢራዊት ሰልፊ ዓቂቦም ክቐትሉ ክሕይሩ፡

ትእዛዝ ክህቡ ቅበሮ ምስ ምስጢሩ።

ተጋጊና ከሎ ንሰላም ንህዝብኻ ምኽሓስ፡

ኣየጣዓሶምን ዝጠፍኤ ናይ ጀጋኑ ንጹህ ትንፋስ፡

ሃየ ድኣ ተመለሱ’ሞ ይቕረ በሉሎም ኣምላኽ ክሕጎስ።

ንቕሓት ኒሕ ሓቦ ተወፋይነት ካብ ተገነዝኩምሉ፡

ንዑ ደኣ ሃንድሱልና ድልድል ሓቢርና ንሰግረሉ፡

ኣደ ክትሕጎስ ኣሕዋት ይቕረ ክበሃሃሉ፡

ኣረድእዎ ንሓፋሽ ዓዳምን ተዓዳምን ከምዘይብሉ፡

ዳስ ሓውያ ፈሪሳ ዳስና ሕጊ’ንዳባ ክንተኽለሉ፡

ህዝብኹም ከይጸነተ ንኣምላኽ ለምንሉ፡

መንግስተ ሰማይ ተመሊስኩም ተርክብሉ።

በሉስ’ከ ንኩሎም በጃና ዝሓለፉ ኣቕርቡሎም ሰላምታ፡

ቆጸራ”ለና ኣብ ራህዋ ክንራኸብ ንዓመታ፡

ኣዴና ኤርትራ ከብቅዕ ሓዘና ንብዓታ፡

ኣለው ጀጋኑ ዝጽበዩ ብዝግታ፡

ወዲ ዓሊ ዝጀመሮ ክንገብሩሉ መደምደምታ፡

ናይ’ዚ ርጉም ገበል መርዚ ፈውሲ ተረኺባታ፡

እከይ መልሓሱ’ውን ክትቁረጽ ብሃልሃልታ፡

ሽዑ ከድህየኩም’የ ዋላ ኣብ እዋን ከውታ፡

ለበዋታትኩም ክንሰምዕ ምስ ምሕጽንታ፡

ኣዕጽምትኹም ክሰፍር ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ፡

ታሪኽኩም ክቕለም ብወርቂ ንወለዶታት መወከስታ።

ኪዳነ በራኺ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • yihdego zelalem June 22, 2015

    ኣየ እዛ ሓድነት ክጥዕም እቲ ሽማ
    ዕስራ ዓመት ሰሚዔያ ኩሉ ዘፈሓሕማ
    ኣብ ተግባር ግን ተሪራ ጠሚማ
    ሕማማትና ከየሕወየት እንድያ ነጻነት ቀዲማ
    ሓሻካን ወደያይን ተፋናቲቶም እዋንና ጸሊማ
    ይቕረ ንብሃሃል ኤርትራና ክትመልስ ጥዕና
    ካብኡ ሰረረ,ቻው ንበላ ንምጭውቲ ሃገርና
    ደምሒት ይውረሱዋ ክንርእያ ኣማዕዲና

POST A COMMENT