Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍትሓዊ ኣገባብ ዝክር በዓል ነጻነት ኤርትራ, 2017

05/14/2017 ፍትሓዊ ኣገባብ ዝክር በዓል ነጻነት ኤርትራ, 2017 ክቡራት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን ፡ ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን። 24 ግንቦት, 2017፡ ዝክር ዕለት ናይ’ታ ብብሁሕ እሽሓት ዝቑጸር መስዋአትን ናይ ኣካላት ስንክልናን፡ ናይ ሚልዮናት ንዋትን ተኸፊሉዋ፡ ዝተርኽበት በዓል ነጻነት፡

05/14/2017

ፍትሓዊ ኣገባብ ዝክር በዓል ነጻነት ኤርትራ, 2017

ክቡራት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን ፡ ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።

24 ግንቦት, 2017፡ ዝክር ዕለት ናይ’ታ ብብሁሕ እሽሓት ዝቑጸር መስዋአትን ናይ ኣካላት ስንክልናን፡ ናይ ሚልዮናት ንዋትን ተኸፊሉዋ፡ ዝተርኽበት በዓል ነጻነት፡ ብሓባር እንዝክረላ ኣግዳሲት ዕለት እያ።

ይኹን እምበር እዛ ክሳዕ ኪንድ’ዚ ዝኣክል ዋጋ ተኸፊሉላ ዝመጽኤት ሃገራዊ  ነጻነት፡ ብጥልመት ሓደራ ናይ ስዉኣት ብጾቶምን፡ ናይ  መላእ ህዝብን ፡ ሃገርን፡ ክሕደትን፡ በኢ ሳያስ ኣፈወርቂን ፡ ውሑዳት ዓሻኹሩን ተመንዚዓ፡ ኣብ ገሃንም እሳት ኣትያ ትርከብ ኣላ።

ምልስ ኢልና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መበል 26 ዓመት ነጻነቱ ፡ ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ፖለቲካዊን፡ ቁጠባዊን፡ ሕብረተ-ሰብኣዊን፡   ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣግልግሎትን፡  ይርከብ ኣሎ ኢልና ምስ እንሓትት፡ ብሓጺር ቃላት ኣብ ገሃንም እሳት አዩ ዝነብር ዘሎ ኢልና ምስ እንምልሶ እዩ እቲ ዝበለጸ ትርጉም ዘለዎ መልሲ ክበሃል ይከኣል።

ምኽንያቱ ከኣ፡ ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ገዛእ ሀገሩ፡ ከብዱ ኣብ ዘይዕንገለሉ፡ ጽሩይ ማይን መብራህትን፡ ኣብ ዘይረኽበሉ፡ ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን፡ መድሃኒትን ፈጺሙ ኣብ ዘይረኽበሉ፡ ሰሪሑ ኣብ ዘይዕንገለሉ፡  ብዘይ ፍርዲ  እናተቐትለን፡ እናተኣስረን፡ ከምኡ ክኣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝባ ኣብ ፈቖዶ ቤት- ማእሰርትታት ዝርከቡላ፡ ጌና ኣብ መልበ 26 ዓመት  በዓል ነጻነታ፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብእንኮ ውልቀ-መላኺ አናተጨፍጨፈት፡ እናተመዝመዘትን ትነብር ዘላ ሃገር እያ።   

አቲ ሓቂ ኩነታት ሃገርና ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ኣባላት ህግደፍ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ሀገራት ዓለምን፡ ኣብ  ከተማ ሲያትልን፡ ንበዓል ነጻነት ኤርትራ፡ 24 ሰኔ ፡ 2017፡ ብካብ ሓቂ ኣዝዩ ዝርሓቐ ሓሶትን፡ ምድንጋርን፡ ምትላልን ኣገባብ ናይ ጉይላን፡ ዳንኬራን፡ ንኸብዕሉዎ ይጓየዩን ይሸባሸቡን ኣሎዉ።

ናትና፡ መደብ ግን፡ ንኹሉም  ኣብ ከተማ ሲያልን ፡ ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ጠርኒፍና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኽብሪ ስውኣትና ብሓባር ናይ ዝክር ሽምዓ ወሊዕና ብናይ ሕልና ጸሎት ንክነሕልፎ አዩ።        

ከምኡ ከኣ፡ ንዕለት 11-13 ወርሒ ነሓሴ 2017፡ ኣብ ከተማ  ሲያትል፡ ንመላእ ሃገር ኣመሪካን፡ ካናዳን ዝወከለ  ዓቢ በዓል ፈስቲቫል ንምክያድ ወሲኖም ስለ ዘሎዉ፡ ኩልና ደለይቲ ፈትሕን ፡ ደሞክራሲን፡ ኣቃሊዕና ፡  ክንኩንኖን፡ ከነፍሽሎን፡ ንዕድምን፡ እጥበቕና ንላቦን፡ ኣሎና ።             

ኤርትራውያን፡ ደለይቲ ፈትሕን፡ ደሞክራሲን ኣብ ኤርትራ፡ ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን፡ ከባቢኣን

የቕንየልና።

  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Andebrhan May 17, 2017

    We have to work very hard to stop the independence guayla & festival in Seattle like Holand .
    Ajona deleyti fithi we have to fight hgdf where ever they are ..
    If they want they can go to Eritrea to celebrate independence & festival ,
    No more in the diaspora ,

  • ኣዱ May 17, 2017

    ጽቡቅ ሓበሬታ’ዩ። የቐንየልና

Post a Reply to ኣዱ Cancel Reply