Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ከም ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ስልጣን ድሕሪ ምልቃቑ ንግዚኡ ብሕቱው ዝበለ እዋን ከሕልፍ ተስፍኡ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ካብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምስንባቱ ሎሚ 18 ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ስልጣን ንዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምርካቡ ንግዚኡ ብሕትው ዝበለ እዋን ከሕልፍ ተስፍኡ ‘ኳ እንተገለጸ፣ ሕመረት ክብርታት ኣመሪካ ምስ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ካብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምስንባቱ ሎሚ 18 ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ስልጣን ንዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምርካቡ ንግዚኡ ብሕትው ዝበለ እዋን ከሕልፍ ተስፍኡ ‘ኳ እንተገለጸ፣ ሕመረት ክብርታት ኣመሪካ ምስ ዝትንከፍ ግን ድምጺ ካብ ምስማዕ ከምዘይቍጠብ ኣሚቱ።

ንሱ ኣብቲ ድሕሪ ፕረዚደንትነት ንዘለዎ መጻኢ መደባት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዋይት ሃውስ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብዚ ቀዳማይ ዓመት ምስ ስድራቤቱ ጽምው ዝበለ ግዜ ረኺቡ መጽሓፍ ኣብ ምድራስ ከተኵር ከምዝደሊ ኣገንዚቡ። ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን ቅድሚኡ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆርጅ ቡሽ ህዝባዊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ምቝጣቡ ብኣብነት ከምዝርእዮ ‘ውን ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ሕመረት ኣመሪካ ዝኾኑ ክብርታት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣትውሉ ኣጋጣሚ ድምጹ ካብ ምሃብ ሰጋእ ከምዘይብል  ዘግሃደ ኦባማ፣ መሰል ድምጺ ምርጫ ዘዐንቅፉ ኩነታት ምስ ዝፍጠሩ፣ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ንምዕባስ ይኹን ናጽነት ፕረስ ንምዕንቃጽ ትካላዊ ጻዕርታት ምስ ዝካየዱ፣ ከምኡ ‘ውን ነቶም ብቖልዑቶም ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ንምስጓጕ ድፍኢት ምስ ዝግበር ስቕትኡ ከምዘይጻወሮ ኣረጋጊጹ።

ኣብ 2008 ናይ መጀመርያ ጸሊም ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ብምምራጽ ኣብ ታሪኽ ዝተመዝገበ ሕጂ ወዲ 55 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ባራክ ኦባማ፣ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ 20 ጥሪ ስልጣን ንምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወግዒ ከረክብ እዩ።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብቲ ምስ ጋዜጠኛታት ከም ፕረዚደንት ዝተራኸበሉ ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ፣ ንተራ ነጻ ፕረስ ብምንኣድ ዓይንን እዝንን ህዝቢ ኮይኖም ተሓታትነት ስልጣን ኣብ ምርግጋጽ ንቡር ዕዮኦም ክቕጽሉ ኣተባቢዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝርአ ዘሎ ጽልግልግታ እቲ ኣብ ሓድሽ ወለዶ ኣመሪካ ዝርኣዮ ተስፋ ከምዝጎልሕ ብምዝኽኻር ዝበለጸ መጻኢ ክርኢ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጽባሕ 20 ጥሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ቃል ማሕላ ክፍጽም እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT