Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ በቶም ኣልሑቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሽዓውያን ሓይልታት የመን ሎሚ ከምዝተቐትለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንመደበር ራድዮ ኣልሑቲ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ በቶም ኣልሑቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሽዓውያን ሓይልታት የመን ሎሚ 4 ታሕሳስ ከምዝተቐትለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንመደበር ራድዮ ኣልሑቲ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ዘይተረጋገጸ ስእሊ ሬሳ ናይቲ ን ኣስታት 40 ዓመታት ከም ፕረዚደንትን

ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ በቶም ኣልሑቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሽዓውያን ሓይልታት የመን ሎሚ 4 ታሕሳስ ከምዝተቐትለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንመደበር ራድዮ ኣልሑቲ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ዘይተረጋገጸ ስእሊ ሬሳ ናይቲ ን ኣስታት 40 ዓመታት ከም ፕረዚደንትን ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ባእታን ኮይኑ ዝጸንሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የመናውያን ተአርጊሑ ይረእ `ሎ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ 2012 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ምልዕዓል ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ፈለማ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ`ዚ ቅንያት `ዚ ምስ `ቶም ብ ኢራን ዝድገፉ ኣልሑቲ ወጊኑ ምስ ጸንሐ ከኣ  ሕጂ `ውን ተገልቢጡ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ሱኒ ምሕዝነት ክውግን ድሕሪ ምንቅስቓሱ ኣብ የመን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ሰንዓ ውግእ ሕድሕድ መሊሱ ተላቢዑ ቀንዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቶም ብዝተፈላለዩ ናይቲ ዞባ ሓይልታት ዝድገፉ ዝተፈላለዩ ሓይልታት፡ ከምኡ `ውን ዕጡቓት ቀቢላታት ህላዊኦም ንምርግጋጽ ኣብ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዕጥቃዊ ግጭት እዩ ካብ መንበሪኡ ወጺኡ ብመኪና እናተጓዕዘ ብ ሓይልታት ሑቱ ተቐቲሉ።

ይኹን`ምበር እቲ ብዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝምራሕ ሰልፊ ነቲ ዝተዘርግሐ ዜና ኣሉታ ከምዝሃበሉ ሮይተርስ `ኳ እንተጠቐሰ፡ እቲ ሰልፊ ጸኒሑ ብሞት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ከምዝተኣመነ መደበር ቴለቪዥን ኣል ጀዚራ ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ን ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ መንጎ እቶም ምሓዙት ኮይኖም ንሒደት ዓመታት ዝቐጸሉ ሓይልታት ሑቲን ሓይልታት ሰልፊ ዓብደላ ሳልሕን ኣብ ጎደናታት ከተማ ሰንዓን ከባቢኣን ኣብ ዝተጓሃሃረ ውግእ ሕድሕድ ሓይልታት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ቦታታት ድሕሪ ምኽሳሮም፡ ትማሊ ሰንበት ብወግዒ ደገፉ ነቲ ብ ስዑዲ ዝድገፍ መንግስትን ምሕዝነት ገሊጹ `ዩ። መራሕቲ ኣልሑቲ ድማ፡ ነቲ ስጉምቲ ከም ፈተነ ዕልዋ ገይሮም ብምጥቃስ `ዮም ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ደጀኖም ኣብ ምጥጣሕ ጽዑቕ መንቅስቓስ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ዘለዉ።

ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ንየመን ብዘይካኡ ክመርሓ ዝኽእል ከምዘየለ ንምግላጽ፡ ንየመን ምምራሕ ኣብ ርእሲ ተመን ከምስዕሳዕ እዩ ዝበለ ዓሊ ዓበደላ ሳልሕ፡ ንመራሕቲ ቀቢላታትን ሰራዊትን እታ ካብ ዓረብ ዓለም ዝደኸየት የመን እናሸሓጠን እናታለለን ን ልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ካቡ ቀጺሉ ድማ ከም ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ባእታ እንተጸንሐ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ባዕሉ ዘሳወሮ ህውከት ከምዘብቅዐ ይፍለጥ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Nahon December 4, 2017

    As Eritreans read news of demise of Ali Abdulla Saleh, most probably, there is a person who constantly keeps coming to their mind … guess who ?

Post a Reply to Nahon Cancel Reply