Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካዊ ዘተ ምስ Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ ኣብ ፓልትክ ኤርትራዊ ገዛ (Room) ሕድሪ ጀጋኑና።

ፖለቲካዊ ዘተ ምስ Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ ኣብ ፓልትክ ኤርትራዊ ገዛ (Room) ሕድሪ ጀጋኑና። ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እምባኣር‘ከስ፡ ኣብ ፓልቶክ (Paltalk) እትርከብ: ኤርትራዊ ገዛ ሕድሪ ጀጋኑና (Official

ፖለቲካዊ ዘተ ምስ Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ ኣብ ፓልትክ

ኤርትራዊ ገዛ (Room) ሕድሪ ጀጋኑና

ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እምባኣር‘ከስ፡ ኣብ ፓልቶክ (Paltalk) እትርከብ: ኤርትራዊ ገዛ ሕድሪ ጀጋኑና (Official Room)፡ ንቀዳም ምሸት፡ ዕለት 30. 12. 2016. ዓ.ም.ፈ.፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ  Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ ኣዳልያ ኣላ። እዛ ገዛ እዚኣ፡ ነዚ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ እዚ ምሁር ወዲሃገር እዚ ክተዳሉ፣ ህዝቢ ክትዕድም፣ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ሕስሙን መሪርን ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዝሓመቐ፡ ናብ ዝኸፍኤ የንቛልቕል ብምህላዉ መጠን፣ መንእስይ ኤርትራ፣ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ስደት ዝውሕዘሉ ዘሎ ዘበናት ስለዝኾነ፣ ንሕና እቶም ኣብ ስደት እንነብር ዘሎና ደቂ ሃገር፡ ነቲ ብኣፉ ተታሒዙ ዘሎ ህዝብና ኣብ ሃገርና፡ ድምጺ ክንኮኖ ብቖዓት ስለዘሎና፡ ነቲ ሽግር ኣለሊና ፍታሕ ብሓባር ኮይና ክንፍትሽ እዩ። ሓው Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ፡ ሓደ ካብቶም ሞራልን ሕልናን ዘቐድሙ ደቂ ሃገር ስለዝኽነ፡ ስርዓት ወልቀ-መላኺ ሃገርና ታኣልዩ፡ ብድሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕጊ መሰረታዊ ሰብኣ መሰላት ደቂ ሃገር ክረጋገጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፣ ንዕብየትን ብልጽግናን ሃገሩ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ክኸውን፣ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ ዜጋ እዩ። ስለዚ ዕድመ ስርዓት ኢሳያስ ንምሕጻር፡ እንታይ እንተ ተገበረ ማሓሸ፡ ካብ ዝብል ሕቶ ተበጊሱ፡ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ፍታሕ ንምፍታሽን ምርካብን፡ ምስ ህዝቢ ክዛተየላ ተዳሊዩላ ዘሎ ኣርእስቲ ናይ ፖሊቲካዊ ዘተ፤

► ተራ መሪሕነት ኣብ ምህናጽ ሃገር እንታይ እዩ …? እያ ትብል።

ስልዚ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ማኣዲ ፖለቲካዊ ዘተ እዚ፡ ምስ ክቡር ሓው ክቡር Prof. Dr. ደሳለ ኣብራሃ፡ ኮኦይንኩም/ክን ክተምስዩ/ያ፡ ኣብ ፓልቶክ (Paltalk) እትርከብ: ኤርትራዊ ገዛ ሕድሪ ጀጋኑና (Official Room)፡ ብኽብሪ ትዕድም።

  • ዘተ ዝግበረሉ ማዓልትን ሳዓትን

► ቀዳም ዕለት 30. 12. 2016 ዓ.ም.ፈ.

► ግዜ፤ ሳዓት 20፡00 ምሽት  ብናይ ኣውሮጳ ኣቖጻጽራ።

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ።

  1. 12. 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT