Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ከምዝሓዙ ‘መይል ኦን ላይን’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ዓዲ እንግሊዝ ንዝኣተዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ኬምብሪጅሻየር ዝብሃል ከባቢ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝሓዙዎም ‘መይል ኦን ላይን’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ። እቶም

ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ዓዲ እንግሊዝ ንዝኣተዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ኬምብሪጅሻየር ዝብሃል ከባቢ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝሓዙዎም ‘መይል ኦን ላይን’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቶም ስደተኛታት መራሒ እቲ መራሒ ናይታ ናይ ጽዕነት መኪና ተጠራጢሩ ፖሊስ ድሕሪ ምጽውዑ እዮም ተታሒዞም።

ዝበዝሑ ኤርትራውያን፣ ፈለማ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን፣ ደሓር ምድረበዳ ሰሃራ ቆሪጾም ሊብያ ብምብጻሕ ‘ዮም በቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ኤውሮጳ ዝኣትዉ። ካብኡ ቀጺሎም ድማ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ይፍትኑ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ወትሩ ምስቲ ፍጮ ዓለም ዝኾነ ስርዓት ሰሜን ኮርያ ብምውድዳር ዝግለጽ ምልካዊ ስርዓት ካብ ዘውርደሎም ፖለቲካዊ ዓመጽ፣ ብሕልፊ ድማ ካብቲ ብ ስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ደረት ኣልቦ ዘይሕጋዊ  ኣገልግሎት ብምምላጥ እዮም ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ።

ጸብጻባት ሆም ኦፊስ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝሕብሩዎ፣ ኣብ 2015፣ 3695  ኤርትራውያን ዑቕባ ክሓቱ ከለዉ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝነበሮም ብምዃን ተመዝጊቦም። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ትሑት ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ክንሳ ዝለዓለ ብዝሒ ስደተኛታት ተፍሪ ምህላዋ ድማ ዓለም ኣድንጽዩ ‘ሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

Post a Reply to Henock .hagos Cancel Reply