ኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
“ማሕበራዊ ፍትሒ!! $10 ዶላር ንወርሒ!!” እንዳበልኩም ኣብዚ ዝመጽእ በዓል ነጻነት ክትጭርሑን፡ ኣብ ጓይላኹም ከተስብሩን ጀምሩ እብለኩም። ሓሶት ኣይኮነን፡ መሃያኹም’ዩ። ከመይ ኢልኩም በዚአን ትናበሩ ከምዘለኹም፡ ነቲ ውልቀ-መላኺ እውን ንባዕሉ ገሪምዎ ኣሎ። እቲ ንፋስ ለውጢ ይነፍስ ኣሎ።
ንፋስ ናይ ለውጢ ከኣ ዘይገብሮ የብሉን። ንውልቀ-መላኺ ከይተረፈ ኣብቲ ባዕሉ ዘቕረቦ ቃለ-መጠይቑ ኣጃጅይዎ። “ኣብ ጎረቤትካ እንተድኣ በጺሑ ንዓኻ እውን ክልብልበካ እኽእል እዩ።” ክብል ምስ ሰማዕክዎ፡ “ሎምስ ሓቂ እባ ተዛሪብካ፡ ኣፍካ ይስዓር!!” እየ ዝበልኩ። ንፋስ ለውጢ ክነፍስ ምስ ጀመረ እንዳዝሓለ ዘይኮነስ፡ እንዳበርትዐ ዝኸይድ ህባቡላ እዩ። ኣብ ሃገርና፡ በዚ ይኹን በቲ ክጅምር ከምዝኾነ ከኣ ኩሉ ዜጋ ኣስተውዕልዎ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ኣብ ስደት ዝርከብ ጸረ-ለውጢ ዝኾነ ተደናጋጺ ውልቀ-መላኺ ከይተረፈ፡ በቲ በብመዓልቱ ኣብ ገዝኡ ዝርእዮ ህዝባዊ ማዕበል ተሰናቢዱ፡ ገና እቲ ህባቡላ ለውጢ ኣብ ሃገርና ከይጀመረ እንከሎ “ጽባሕ ከመይ እየ ዝኾኖ? እዚ ነገር’ዚ ምምጽኡ ዘይተርፎ እዩ፡ ኣበይ እየ ዘብሎ? እዚ ንፋስ እዝስ ምሕዩ ክድርብየኒ እዩ፡ ኣማጻጽእኡስ ንኽጉሕፈኒ እምበር ንኽምሕረኒ ኣይኮነን ኣንቂሉ፡” ኣንዳበለ ክጃጁን ርእሱ ከድንን፡ እንቛዕ ኣርኣየና። እንተኾነ ግና ገሊኡ ጸረ-ለውጢ ዝኾነ በሃም፡ ንዕኡን ንድንቁርናኡን ንኸልግስ ከምዝነቐለ ሰለዘይርድኦ፡ ተገቲሩ ይጸንሖ ይኸውን። ሓውና’ዩ። ምኽሪ የድልዮ። ብሕቶ ንጀምረሉ። ኣንታ ሓውና፡ እዚ ሁባቡላ እዚ ንነጻነት ድዩ ከይምሑ ኣፍሪሕካ ንባርነት?
ነቲ ቀደም ዘምጽኦን ዝሰረቶን ለውጢ፡ ማለት ንሓወልቲ ነጻነት ክምሑን ከፍርስን ኣይኮነን። ንኣደራዕ ባርነት እዩ ዓጢቕሉ ዘሎ። እቲ ዝደለ ለውጢ ከምኡ ምዃኑ ስርሑ እንዳፈለጥካ፡ ባርነት እውን ሓመድ ድፋጫኻ እንዳኣስሓነካ እንከሎ፡ ክትክሕዶ ኣይትንበር። ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ “ንዓይሲ ገለ ኣይብለንን’ዩ፡ ይንበረለይ ይቐንየለይ ድኣ፡” ክትብል ዕሽነት እዩ። እዚ ዘረባ’ዚ ዝተላዕለ ክሳብ ዕለት ሎሚ ከምኡ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ ሰለዘሎ እዩ። ነዚ ባህርያት’ዚ ሒዙ ዝጎዓዝ ዜጋ ከኣ፡ እቲ ቀንዲ ኣርማን መለለይን ተዳናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ኣይብልን።
ኣብ ወጻኢ ዝርከብ መሰሉን ክብሩን ተሓልይሉ ዝነብር ዘሎ ስደተኛ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም እዩ። እቲ ወጽዓ ናይ ህዝቡን ወገኑንሲ፡ “ዓይኒ ሓሰኻ ዘይብሉ ሰብ፡” ከም ዝብልዎ ኣቦታትና፡ ከምዘይምልከቶ ንግደፎ። ናቱ ናይ ባዕሉ እስከ ንዛረብ። ተበዲሉ እንከሎ ኣይተበደልኩን ይብል። ብንብረቱ ብገንዘቡ ብጉልበቱ እስቲሂናይ ኣቢሎሞ እንከለዉ፡ ከም ኣቦኡ ዝሃረሞ ቆልዓ ቁርጥም ኣቢልዋ ስቕ። ተጸፊዑ እንከሎ ኣይተጸፋዕኩን። ኣብ ዲቕ ዝበለ ባርነት እንከሎ፡ መሰለይን ክብረይን ረኺበ እንዳበለ ዓመተ-ዓመት ኣብ ጓይላ ነጻነት የዂድድ። ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ማእከለይ ባሕሪ ኣርባዕተ ዓዲ ብጃምላ ሓሊቐን እንዳተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሓዘኑ ገና ዘይተስኣሉ ዘሎ እዋን፡ ሓሳቡ እንተዘይቀይሩ፡ “ባርነት ንዘልኣለም ይንበር!!” እንዳበለ ከበሮ ክሃርም እንተድኣሓዲሩ ብልቡ ኣይመስለንን። ከምቲ ዘምልኾ መራሒኡ፡ ጥዑይ ኣለኹ እንዳበለ ሓሚሙ ዘሎ ዜጋ እዩ እብለኩም።
ሓደ-ሓደ ግዜ፡ እዚ ኹሉ እንዳረኣየን እንዳሰምዐንሲ፡ ብሓቂ ብልቡ ድዩ ብማለት ደንጽዩኒ፡ ነቲ ከሓዲ መልስታት ካብ ኣፉ ክሰምዖ ኣይጽበን። መልሱ ሃሰስ ንማለት ከኣ ዘይንቡር ክፍትን ኣሎኒ ዝብል ሓሳባት የንቅል። ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝመስሉ ሕቶታት ምስ ኣልዓልክሉ፡ እቶም መልስታት ኣብ ገጹ ከምእተጻሕፉ ቀው ኢለ ደሪቐ ብምጣመት ከንብቦም እፍትን። ንሱ እውን ይገርሞ።
እቲ ኣብ ልዕሊኡ በብእዋኑ ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽ ባርነት፡ ከም ተደጋጋሚ ጽፊዒት ዝፈጠሮ ስምብራት ኮይኑ፡ ኣብ ገጹ ተደራሪቡ ይርኣየኒ እሞ፡ ከምኡ ዶ ኾን እዩ ዘፍትወሉ ብማለት፡ “ኣንታ እንታይ ድኣ ወሪድካ? እዚ ገጽካ ሓቢጡ፡ ሕላገት ንሕላገት ኮይኑ። ከምኡ ኢልካ ድማ ንግዳም ትወጽእ? ዋእ! ገዛኻ ዘይትውዕል፡ ከምዚ ኢልካ ምስ ስምብራትካ በዓል ነጻነት ከተብዕል ኢኻ? ንዓኻ ድኣ መጽፍዒ የብሉን ኢሎም ገዲፎምኻ ዶ ከይተባህለ? ክሳብ ትሓዊ ኸ ዘይትጽበ?” ክብሎ እደናደን።
ካብቲ ግዜያዊ ኣካላዊ ስምብራት ግና፡ ኣብ ልዕሊ ሕልናኡ ዘውረድሉ ንሓዋሩ ዘይሓዊ ስምብራት ስለዝገድድ፡ ኣይፍለጦን እዩ። “ኣነ ድኣ ገለ ዘይኮንኩ። ንእከለ ንእስቶ ገይረሞ ዘለዉ ተትርኢ፡ ንሓደ ዝገበርዎ ተትሰምዕ ድኣ እንታይ ምበልካ። እዚ ናተይ ድኣ እንታይ ኣለዎ፡” እንዳበለ ነቲ ገጹ እንዳዳህሰሰ ክሓስዮ እንከሎ ይርኣየኒ። ከምኡ ኢሉ ምንጋሩ፡ ኣቐሪቡ ተባሂሉ እዩ። ምኽንያቱ፡ ካልእ ሰብ ክጽንበር እንከሎ ነታ ዘረባ የቕህማ። “ትም በል! ትም በል! ካልእና ንዛረብ፡” ይብለኒ። መግለጺ ዝሰኣንክሉ ንበይኑ ዝዓይነቱ ባህርያት፡ ነጻ ዘይኮነ ዜጋ፡ ስምብራቱ እንዳሓሰየ፡ በዓል ነጻነት ኣትያ እንዳበለ ዝዕንድር፡ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ምዃኑ ክትገልጹለይ ንዓኻትኩም እገድፎ።
ከምዚ ብምግባር ከኣ፡ ነቲ ኣምስሎ ዝባህርያቱ፡ ኩርኩር ህ.ግ.ደ.ፍ ከንጸባርቕ ይነብር። ንሱ ድኣ እንታይ ኮይኑ ይብሃል ይኸውን። እቲ ጸገም ሃገርን ህዝብን ግና፡ ንመን ዘይተንከፈ። ንግደ ሕቅስ፡ ንዕኡ እውን ኣንገፍጊፍዎ እዩ። እቲ ጸገም ሓባራዊ’ዩ እኳ እንተተባህለ ግና፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ነቲ ንኡስ ወለዶ ዝገደፈሉ የብሉን።
ወለዶ ምሉእ ብሓባር ይደኽድኽ ይትዓመጽ ይጨፍጨፍ ዝብል ስርዓት፡ ብኣገላልጻ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዓለም ክትምሃሮ ዘለዋ ማሕበራዊ ፍትሒ እዩ ይብልዎ። እንታይ ገበረት። ክትግረፈሉ ኣለዋ ዶ ክትመሃረሉ? እቲ ሽግርና ካብዚ እዩ ዝብገስ። ውልቀመላኺ ኤርትራ መምህር ሃገራት ዓለም ኮይኑ፡ ኣብ ክንደይ ዓቕሙ ንሊቃውንቲ ከቃልልን ንሃገራት ዓለም ከምሓድርን ንሃገርና ረሲዕዋ። ምሃያ ምሉእ ወለዶ $10 ዶላር ንወርሒ ከም ምዃኑ ትማሊ ምስ ፈለጠ፡ ከመይ ገይሩ ከምዝነብር ዘሎ ገሪምዎ፡ ዋጋ ኣቕሑትን መጕዓዝያን ክጽብጽብ ጀሚሩ። ዘስተንተኖ ክመስል ከኣ መስዋእትነት’ዩ ኢልዎ። ጎበዝ ዓዲ!! ኣብዚ በዓል ነጻነት እዚ፡ እዚ ን20 ዓመታት ዝተኻየደ መስዋእትነት’ዚ ትርእዮ ኣሎኻ ዝፈደየና የብሉን፡ “ይኣክል!! መስዋእተነት ንስልጣንካ!!” በልዎ።
እቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ዝነብር ተዳናጋጺ፡ እዚ ኹሉ ዓመታት ግፍዕን ዓመጽን ምዃኑ እንዳፈለጠ እዩ ዝቕበሎ ነይሩ። ሕጂ ግና ከምዘይቅየር ስለዝቐበጸ፡ ንፋስ ለውጢ እውን ትመጽእ ከም ዘላ ስለዘስተውዓለ፡ መብዛሕትኡ ገዲፍዎ እዩ። ከምዚ ኾይኑ ከኣ፡ እቲ ደኾን ክጥቀም ክበለጽ እኽእል እየ እንዳበለ፡ ንኽጽፋዕ ን20 ዓመታት ገጹ ከጠዓዕም ዝነብር ዝነበረ ዜጋ፡ ከም ዝባኑ ገጪቡ መጽዓኒ ዝተሳእኖ ኣድጊ ኾይኑ፡ ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ቁስሉ እዩ ዘሕዊ ዘሎ። ስለዚ ጉዳይና እንዳተቐያየረ እመጽእ ኣሎ። ባህርያት ቃልስና ድማ እንዳተለወጠ።
ኣቲ ንፋስ ለውጢ ይነፍስ። ሚዛን ስልጣን ከኣ ይዝንብል። እቲ ከም እንስሳ ከልቢ ጀርመን ተቐይሩ ኣንጻር ተቓዋምቲ ሰልፈኛታት ንኽናኸስ ውሕ-ውሕ እንዳበለ ኣብ ጽርጊያታት ዝነብሕ ዝነበረ ዕሉም፡ ሕጂ ተዓሊሙ ፋሕ ኢልዎን ጠፊእዎን፡ ጭርኡ ደጒሉ መሕብኢኡ ዘናድይሉ እዋን ከምዝኣተወ፡ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝገበርናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ተዓዚብና። ንግንቦት ዕለት 27 እውን ክንገብሮ ኢና። መሰልን ክብርን ዜጋ ዘየውሕስ ነጻነት፡ ባርነት ሰለዝኾነ፡ መሰልናን ክብርናን ክሳብ ነረጋግጽ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ከነብዕሎ፡ ቃል ዝኣተና ተቓወምቲ ኣሎና።
ሚዛን ስልጣን ናበይ ገጻ ከም ትዘብል ዘላ፡ ንምፍላጥ ብናይ ህዝቢ ሰዓብነት እንተድኣ ክትምዘን ኮይና፡ ብሓቂ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነበረቶ ደረጃ ትሕቲ ዜሮ ገጻ ከይተንቆልቁል ሰንከልከል ትብል ኣላ። እቲ ሽግርና ሓባራዊ ካብ ኮነ፡ ብሓባር ንድፍኣያ። ባይታ ዘቢጣ ዝነበረት ስልጣን ተቓወምቲ ድማ ንላዕሊ ገጻ ክትድይብ ትልኽ ትብል ኣላ። ብሓባር ነሰስና።
እዚ ድማ በቲ ቁጽሪ ስደተኛ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብቓልዕ ኣፍ ልቡ ገቲሩ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፍን፡ ነቲ ኣብ ጽርጊያ ወጺኡ ተቓዉሞ ከስምዕ እየ፡ ንህዝበይ ክዘሪ እየ፡ እንዳበለ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዓጢቑ ዝውዕልን ዜጋ ምስ እነመዛዝኖ እዩ። ምስቲ ንፋስ ለውጢ፡ እዚ ተቓዋሚ ክፍሊ ህዝቢ እዚ፡ ብኹሉ ኩርንዓት ዓለም እንዳበርከተ ድምጺ ፍትሒ እንዳኣስምዐን ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ድማ እዩ ነቲ ሚዛን ናይ ስልጣን ዝውስኖ።
እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ኣብ ኩሉ የለን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ሚዛን ክኸውን ኣይክእልን። ንሓዋሩ እውን፡ ምስ ዝተዓወተ እዩ። እቲ ተቓዉሞ፡ እዚ ኩነታት’ዚ ከይገደሶ ይነብር ይቃለስ ድምጹ የቃልሕ። “መዓልቲ ነጻነት፡ መዓልቲ መሰልን ክብርን ዜጋ እትሕተተሉ ክብርቲ መዓልቲ እያ፡” እንዳበለ ከኣ፡ “ሃገራዊ ነጻነት! እንቛዕ መጻእኪ፡ ንዒ እስከ ክሓተኪ፡” ኢሉ ይውጥራ ኣሎ። ስለዝኾነ ከኣ፡ “ከጣቕዓልኪ ክዘለልኪ ከበሮ ክሃርመልኪ፡ ኣበይ ድኣ ኣላ እታ መሰለይ! ኣበይ ኣበልክያ እታ ክብረተይ!” ክብል ክውዕል እዩ። ኩሉ ስደተኛ ዜጋ ቑሱል ኮይኑ ሕቶታት ኣብዚሑ። እዚ ሃዋሁው እዚ ከኣ፡ ንባህርያት ኣበዓዕላ ነጻነት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ቐይርዎ ኣሎ።
ዕጡቓት መንእሰያት፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም፡ “ነጻነት በዓልና፡ ሃገራዊ ነጸነትና፡ ንቑስልና ዘሕዊ ፍጻሜ ክኸውን ይግባእ፡” እንዳበሉ ተሲኦም ኣለዉ። መድሃኒቱ ንምንዳይ ከኣ፡ መዓልቲ ነጻነት ብሰላማዊ ሰልፊ ንመሰልን ክብርን ዜጋ ክትብዓል ኣለዋ ብማለት፡ ስደተኛ መንእሰይ ዓጢቑ ክዳሎን ክቀራረብን ይርአ። ቁስልኻ እንዳኣርኣኻ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር፡ ካብ ጭርሖታትን ስእልታትን ዝዓበየ መልእኽቲ ስለዘለዎ ከኣ፡ ኩሉ ስደተኛ ዜጋ ኣብ ዘዘለዎ ሃገራት ስደት፡ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ጽርጊያ ወጺኡ ንመሰሉን ክብሩን ደው ክብልን፡ ንጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ክዘርየሉን ኡይ ክብለሉን ክውዕል፡ ይዕደም ኣሎ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ እዚ፡ ስደተኛ መንእሰይ በጃ ከይትህቦ ሓደራ።
እምቢ ንምልኪ!!
ወልደየሱስ ዓንደማርያም
ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ 05.09.11